ትምህርተ ሃይማኖት

  1. አዕማደ ምሥጢር
  2. ምሥጢራተ ቤተ ክርስቲያን
  3. ነገረ ማርያም
  4. ነገረ ድኅነት

“ወነአምን በመንፈስ ቅዱስ እግዚእ ማሕየዊ/ ጐይታን መሕወይን ብዝኾነ መንፈስ ቅዱስ…

መንፈስ ቅዱስ እግዚአብሔር እዩ! • ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክብርን ምስጋናን ንእኡ ይኹን እሞ! ካብ ዝዓርግ ኣብ ዓሥራይ መዓልቲ፡ ካብ ዝትንሥእ ኣብ ኃምሳ መዓልቲ ቅዱሳን ሓዋርያት መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ። መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሊ ሓዋርያት ወረደ ክበሃል ከሎ ብፍሉይ ኣካሉ መንፈስ ቅዱስ...

ጥንተ አብሶን ጥምቀተ ክርስትናን (2ይ ክፋል)

ጥምቀተ ክርስትና ጥምቀት ማለት ‘አጥመቀ’ ካብ ዝብል ግሢ ዝወፀ ኾይኑ፦ ‘ኣብ ዝተባረኸን ዝተቐደሰን ማየ ገቦ ጠሊቕካን ተኣሊኽካን፡ ተሓጺብካን ምውፃእ’ ማለት እዩ። “ወተቀበርነ ምስሌሁ ውስተ ጥምቀት በሞቱ/ ብሞቱ ጥምቀት መቓብርነት ከም ዝተቐበርና ፍለጡ” ከምዝብል። (ሮሜ 6፡4)። እዚ ድማ ብሞቱ ጥምቀት መቓብርነት ከም...

ቤተ መቅደስ ናብ ቤተ መቅደስ ኣትያ - ‘በአታ ለማርያም’

‘በአታ ለማርያም’ ፦ ማለት ምእታው ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ናብ ቤተ መቅደስ ማለት እዩ። ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ዘርኢ እሴይ፡ ካብ ቤት ዳዊት ካብ ዝኾኑ ኢያቄምን ሓናን ሕጋዊ ብዝኾነ ሩካቤ ዝተረኽበት ጓል መብጽዓ እያ። ምስ ተወልደት ኣብ ሠለስተ ዓመት ዕድመኣ...

ሐፁረ መስቀል

ጸሎተ ሐፁረ መስቀል ወመልዕልተ ኵሉ ነገር መስቀል ሐፁር ወጥቅም፡ መስቀል ለቤተ ክርስቲያን ፅንዕ፡ መስቀል ለፀር ነሣቲ፡ መስቀል ለነቢያት ስብከት፡ መስቀል ለሐዋርያት ምክሕ፡ መስቀል ለሰማዕታት አክሊል፡ መስቀል መያጤ አረሚ፡ መስቀል ለርኁባን ኅብስት፡ መስቀል ለጽሙአን አንቅዕት፡ መስቀል ለዕሩቃን ልብስ፡ መስቀል ለነገሥት ዕበይ፡ መስቀል...

ነገረ ቤተ ክርስቲያን

  1. ሥርዓት
  2. ታሪክ
  3. ቅዱሳት መጻሕፍት

ምጽዋት

ምጽዋት፡- ናይ ግእዝ ቃል ኾይኑ ሕያብ ለውሃት ልግስና ማለት እዩ፡ ምጽዋት መግለጺ ምሕረት እዩ። (ፍት. ነገ. ኣንቀጽ 16 ቁ125) ምጽዋት ባሕርየ እግዚአብሔር እዩ። ምጽዋት ርኅራኄን ለውሓትን ካብ ኣምላኽ ዝተወሃበና ጸጋ እዩ። ንሰብ...

ብዙኃን ማርያም

localhostDATE localhostHITS localhostCATEGORY

21 መስከረም፡ ብዙኃን ሊቃውንት ኣብ በዓለ ማርያም ተጋቢኦም ክሕደት ኣርኂቖም ሃይማኖት ዘጽንዕሉ ንዝክረሉ ዕለት ስለ ዝኾነ ብዙኃን ማርያም ይበሃል። ኣብ ራብዓይ...

ነቢይ ዕንባቆም

localhostDATE localhostHITS localhostCATEGORY

ዕንባቆም፦ ማለት ማእምር፡ ለባዊ ነባቢ ማለት እዩ። ካብ ነገደ ስምዖን ካብ ኣቦኡ ናኮርን ኣደኡ ሬፋን ተወልደ። ኣብ ዘመነ ሕዝቅያስ ዝተንሥአ ነቢይ...

ነገረ ቅዱሳን

  1. ቅዱሳን ሰብእ ወመላእክት
  2. ቅዱሳን ገዳማት ወመካናት

ኪዳነ ምሕረት

ኪዳን ፦ “ተካየደ” ካብ ዝብል ግእዛዊ ግሢ ዝወፅአ ኾይኑ፡ “ተመሓሓለ፡ ተሰማምዐ፡ ተወዓዓለ” ማለት እዩ። ኪዳን፥ ንኽልተ ሓደ ዝገብር ናይ ፍቕርን ሓድነትን መሓላ፣ መተኣማመኒ ውዕልን ዘይብተኽ...

ገዳም ደብረ ጽጌ ጺዳርዋ ኣቡነ እንድርያስ (ሰፍኣ)

ገዳም ደብረ ጽጌ ጺዳርዋ፡ ኣብ ዞባ ደቡብ ከባቢ ሰፍኣ ምብራቕ ካብ ዓዲ ፈለስቲ ኣብ 1760 ሜትሮ ብራኸ ይርከብ። እዚ ገዳም’ዚ ብ1327 ዓ.ም. ብዓቢይ ጻድቕ ኣቦ...

ስብከተ ወንጌል

ቀዳማይ ሰንበት ዓቢይ ጾም፡ ዘወረደ 

ቀጥታዊ ትርጕሙ ‘ዝወረደ’ ማለት እዩ። እዚ ድማ ምእንቲ ድኅነተ ዓለም፡ ካብ ሠለስተ ኣካል ሓደ ኣካል...

ዓቢይ ጾም

ሓደ ካብ ሾብዓተ ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ዓቢይ ጾም እዩ። እዚ ጾም እዚ ፈጣሬ ሰማያትን ምድርን፡...

በዓለ ስምዖን ኣረጋዊ - 8 የካቲት

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ነፍስን ሥጋን ተዋሒዱ ምስ ተወልደ፡ ሕጊ መጽሓፋዊ...

እንቋዕ ናብ ጾመ ነነዌ ኣብጽሓና፦ ሰኑይ 2 የካቲት ክሳዕ ረቡዕ 4 የካቲት 2012 ዓ.ም.ግ.

ጾመ ነነዌ ሓደ ካብቶም ሾብዓተ ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት እዩ። ኣብ ነነዌ ዝቕመጡ ዝነበሩ ሕዝቢ ጾይሞም...

መርሐ ጽድቅ

ንዑ ደቂቅየ ወስምዑኒ . . እመሀርክሙ - ታሪክ ሰብአ ነነዌ…

እግዚአብሔር ዝፈትወኩም ሕፃናት ከመይ ኣሎኹም፧ ናብዚ ሰዓትን እዝን ዕለትን ብሰላም ዘብጸሓና እግዚአብሔር ዝኸበረን ዝተመስገነን ይኹን። ልበ ኣምላክ ኣቦና...

ታሪክ ሠለስቱ ደቂቅ ንሕፃናት

  ከመይ ቀኒኹም ሕፃናት ሎሚ ብዛዕባ ታሪኽ ሠለስቱ ደቂቅ ክንመሃር ኢና! ኣናንያ ኣዛርያ ሚሳኤል ዝበሃሉ ሠለስተ መንእሰያት ነበሩ። እዞም መንእሰያት’ዚኦም...

ቶማስ ንየኔታ ኣእምሮ ከምዚ ዚስዕብ ኢሉ ሓተቶም ፦

ተሰአሎ ለአቡከ ወይነግረከ ወያየድዐከ ወለሊቃውንቲከ ይዜንዉከ/ ነቦኻ ሕተቶ ንሱ ኸኣ ፍጹም ክነግረካ እዩ፣ ሊቃውንትኻ ድማ ከብርሁልካ እዮም” ዘዳ. 32፡7 ቶማስ...

ሾብዓተ ነገራት ቍጽሮም 'ሾብዓተ'

• ሾብዓተ ባህርያተ ሰብ ኣርባዕተ ባህርያተ ሥጋ1. እሳት2. ነፋስ3. ማይ4. መሬትከምኡ’ውን ሠለስተ ባህርያተ ነፍስ5. ነቢብነት6. ለባውነት7. ሕያውነት

ብፁዓን ኣቦታት

ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ያዕቆብ ካልኣይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን…

ኣብ ዕሥራ ክፍለ ዘመን ብሩህ ኮከብ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ዘምድረ አግዓዚ ዝኾኑ ብፍሉይ ካብ ዝዝከሩ ኣቦታት ሓደ...

ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ፊልጶስ ቀዳማዊ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን…

ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ፊልጶስ ካብ መፍቀርያነ እግዚአብሔር ዝኾኑ ሥድራ ቤት ኣቦኦም ወልደሥላሴ ዓምደጊዮርጊስ፡ ኣዲኦም ድማ ሚዛን ሃብተማርያም 17...

ብፁዕ ኣቡነ ማርቆስ ቀዳማይ ኤርትራዊ ጳጳስ

ጥበበኛ ሰሎሞን “ካብ ጽቡቅ ሽታስ ጽቡቅ ስም ይበልጽ’ ከምዝብል (መጽ. መክብብ 7፡1) ጽቡቅ ስምን ጽቡቅ ታሪኽን ዘለዎ ሰብ...

ዜና መዋዕል እምልደት እስከ ዕረፍት ብፁዕ አቡነ ሰላማ ሊቀ ጳጳስ…

ብፁዕ አቡነ ሰላማ፦ ብቅድስናኦም ዝተፈልጡ፡ ብጸሎቶም ዝረድኡ፡ ብፍቅረ እግዚአብሔር ዝተመልኡ፡ ካብ ፍቅረ ንዋይ ዝረኃቑን ብልግስነት ዝዓበዩን ብትሩፋቶም ዝልለዩን...

ሀብተ ቤተ ክርስቲያን

ዘወረደ

ዘወረደ ወሪዱ . . . ካብ ጽርሐ ኣርያም፡ ሰማያዊ ክብሩ ወሪዱ . . . ካብ መንበረ ፀባኦት፡ ልዑል መንበሩ ወሪዱ ...

ምዅማር

ሥራሕ ንጽባሕ ይጽናሕበሃላይ እንታይ የስዕብ ደኃራይእዋእ! ዕዮ ቅድሚ ዓሚ የስግሮ ናብ ዓሚክዅምሮ ሎሚ።

ኣብታ ጃልባ

ኣብታ ጃልባ ኣብታ ጃልባ ጕዕዞ ሕይወት ቀላይፈጣሪ ተሰቂሉ እናተጓዕዘ ምሳይኣነ ዓሻ፣

ንጹሕ ዘርኢ እምነት

ብሥጋዊ ጥበብ፡ ብርእሰ ትውክልቲኣይትፈርን እምነት፡ ከም ኵሎም ኣዝርእቲ ንሳ ብባህሪኣ፡

ዘመነ ዮሐንስ 18 የካቲት 2012 ዓ.…

February
Wednesday
26
ዝክር፦ አብ ቅዱስ ተአማኒ መላልዮስ፡ ወተዝካረ ዕረፍቱ ለያዕቆብ እኁሁ ለእግዚእነ።               ዘቅዳሴምንባብ፦ ገላ. 1፡15-ፍጻሜ። ያዕ. 1፡1-12። ግብ. ሐዋ.  21፡15-20። ምስባክ፦ መዝ. 18/19 ወንጌል፦ ማቴ. 13፡51-ፍጻሜ። ቅዳሴ፦ ዘእግዚእነ።     * * *
00:00 h

ርእሰ አንቀጽ ወዜና

ክብረ በዓል ኪዳነ ምሕረት ብድሙቅ ሥርዓትን መንፈሳዊ ተመስጦን ፍቕርን ተኸቢሩ!

ዓመታዊ ክብረ በዓል ኪዳነ ምሕረት ሎሚ ዓመት ብ16 የካቲት 2020 ዓ.ም. ኣብ ኵለን ኦርቶዳክሳውያን ተዋሕዶ ኣብያተ ክርስቲያን፡ ብፍላይ ኣብ ደብረ ገነት ኪዳነ ምሕረት ሰምበል፣ ኣብ ኤርፖርት ኪዳነ ምሕረትን፡ ኣብ ማይ...

ዓቢይ ጾም፡ ካብ ሰኑይ 16 የካቲት ክጅመር እዩ!

ብኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ሕገ ቀኖና፡ ኣብ ዓመት 7ተ ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ኣለዉ። ነዞም ኣጽዋማት ኵሉ ክርስቲያን ክጾሞም ኣብ ፍትሓ ነገሥት ኣብ አንቀጸ ጾም ተኣዚዙ ኣሎ። ሓደ ካብዞም 7ተ ኣጽዋማት...

ኪደት መንፈሳዊ ኮሌጅ ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ ተገምጊሙ!

12 የካቲት 2012 ዓ.ም.ግ (20 የካቲት 2020 ዓ.ም.)፡ ኪደት መንፈሳዊ ኮሌጅ ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ ዝግምግም ጉባኤ፡ ብፁዓን አቦታትን ኣባላት ናይ ብቅዱስ ሲኖዶስ ዝቖመ ላዕለዋይ ኣካዳምያዊ ገምገምቲን መራሕትን ኣካየድቲ ሥራሕ...

አዋጅ ምህላ ጾመ 40 ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያናት

“ቀድሱ ጾመ ወስብኩ ምህላ/እትጾሙሉ እዋን ፍለዩ ምህላ’ውን ኣውጁ” ኢዩ. 1፡14 ብኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ሕገ ቀኖና ኣብ ዓመት ካብ ዘለዉ ሾብዓተ ኣጽዋማት ብቀዳምነት ዝጥቀስ ዓቢይ ጾም ወይ ጾመ 40 እዩ። እዚ ጾም...

ሠራሕተኛታት ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ናብ ገዳም ደብረ ጥሉል አቡነ…

05 የካ 2012 ዓ.ም.ግ (13 የካ 2020 ፈ.) ሠራሕተኛታት ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ናብ ገዳም ደብረ ጥሉል አቡነ አብራንዮስ (እንዳ ኣቦና) ብምብጻሕ ዝተፈላለዩ መንፈሳውን ልምዓታውን ዕዮ ኣካይዶም።

ክብረ በዓል ገዳም አቡነ እንድርያስ ሰፍኣ ተኸቢሩ!

ዓመት መጸ 1 የካቲት ዝበዓል ዝክረ ዕረፍቲ ኣቡነ እንድርያስ ሎሚ ዓመት 2012 ዓ.ም. እውን ብዓቢይ መንፈሳዊ ክብሪ ተኸቢሩ! ኣብዚ ክብረ በዓል እዚ ገዳማውያን፡ ካብ ዝተፈላለየ ቦታ ዝመጹ ሊቃውንት መዘምራንን፡ ካህናትን ዲያቆናትን...

ዕለታት ጾመ ነነዌ

ጾመ ነነዌ ሓደ ካብቶም 7ተ ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ቤተ ክርስቲያን እዩ። ጾመ ነነዌ ኵል ሳዕ ዓቢይ ጾም ቅድሚ ምእታዉ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ዘሎ ካብ ሰኑይ ክሳብ ረቡዕ ይጽወም። ሎሚ ዓመት...

አሥርቆት ዘወርኀ የካቲት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ! አሥርቆት ዘወርኀ የካቲት ዮም ሠረቀ ለነ ወርኀ ቡሩክ የካቲት ያብጽሐነ እስከ ወርኀ መጋቢት በሰላመ እግዚአብሔር! ወርኀ የካቲት ቡሩክ መዓልቱ ፲ወ፩ዱ ሰዓት ወእምዝ ይዌስክ። ሎሚ ቡሩኽ ወርኂ...

ኣብ ቅድስት ሃገር እስራኤል ዓመታዊ በዓል ብድምቀት ተኸቢሩ!

ቀዳም 23 ጥር 2012 ዓ.ም. (01/02/2020 ዓ.ም.ፈ.) ኣብ ቅድስት ሃገር እስራኤል ዓመታዊ ክብረ በዓል ዕረፍታ ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ከምኡ ውን ምምሥራት ቤት ትምህርቲ ሰንበት ቅድስት ድንግል ማርያም ቤተ ክርስቲያን...

ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ ኣብ ከተማ ዓሰብ ሓዋርያዊ ዑደት ፈጺሞም!

ዕለት 18 ጥር 2012 ዓ.ም. (27/01/2020 ዓ.ም.) ሰዓት 3፡00 ድ.ቀ. ዓቃቤ መንበር ዘፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኤርትራ ብፁዕ ጴጥሮስ ኣብ ከተማ ዓሰብ ምስ ኣትዉ፣ ካህናትን ዲያቆናትን፡ ተማሃሮ ቤት ሰንበትን መንእሰያትን፡ ዓበይቲ...

ሥርዓተ ቀብር ናይ አበምኔት ገዳም አቡነ አብራንዮስ(እንዳቦና) ዝኾኑ መምህር ኃይለሚካኤል…

ዕለት 21 ጥር 2012 ዓ.ም. ካብ ገዳሞም ዝዓረፉ መምህር ኃይለሚካኤል አምኀጽዮን ንጽባሒቱ ዝግባእ ጸሎተ ፍትሐት ተጸልዩ ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ ቅዳሴ ምስ ተሠርዐ ሓመድ ኣዳም ለቢሶም።

በዓለ ዕረፍተ ሥጋሃ ለማርያም ተኸቢሩ!

ዓመት መጽአ 21 ጥር፡ ‘ኣስተርእዮ’ እናተባህለ ዝኽበር በዓለ ዕረፍተ ሥጋሃ ለማርያም ሎሚ ዓመት’ውን ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያናትን ገዳማትን ብዝማሬን ማኅሌትን፡ ብቅዳሴን ውዳሴን፡ ብሓፈሻ ብመንፈሳዊ ሥነ ሥርዓት ተባዒሉ።

ክብረ በዓል ገዳም ደብረ ደናግል ቅድስት ድምያና ንሣልሳይ ጊዜኡ ብክብ…

13 ጥር ዝኽበር ዕለተ ሰማዕትነት ሰማዕት ቅድስት ድምያና ምስ ኣርብዓ ደቃ ኣብ ገዳም ደብረ ደናግል ቅድስት ድምያና (ገዛ ባንዳ) ብድምቀት ተባዒሉ።

11 ጥር 2012 ዓ.ም. በዓለ ጥምቀት ኣብ ኵለን ኦርቶዶክሳውያን ኣብያተ…

ኣብ ውሽጥን ወፃእን ዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ በዓለ ጥምቀት ብድምቀት ክኽበር ከሎ፡ ብደረጃ ሃገር ድማ ኣብ ሃገረ ስብከት ኣሥመራ ኣብ ባሕረ ጥምቀት ብምዕሩግ ሥነ ሥርዓት ተፈጺሙ።

መበል 50 ዓመት ወርቃዊ ኢዮቤልዩ ምምሥራት ደብረ ብርሃን ቅድስት ሥላሴ…

7 ጥር 2012 ዓ.ም.ግ (16 ጥሪ 2020 ፈ.) ክብረ በዓል ቅድስት ሥላሴ ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያን ክኸብር ከሎ ብፍሉይ ግን ኣብ ደብረ ብርሃን ቅድስት ሥላሴ ቤተ ክርስቲያን ዕዳጋ ኃሙስ ምስ...

ሓበሬታ ብዛዕባ ንግደት ኢየሩሳሌም 2020 ዓ.ም. (2020 ፈ.)

 ቤት ጽሕፈት ነጋድያን ኢየሩሳሌም ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ብዛዕባ ንግደት ኢየሩሳሌም ኣብ በዓለ ፋሲካ 2012 ዓ.ም.ግ. (2020 ዓ.ም.) ዝምልከት ሓበሬታ ሂቡ።  * ዕለተ ምዝገባ፦  8 - 15 ጥር 2012 ዓ.ም...

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ተገዚሩ ድዩ፧

ሓደ ካብተን ትሽዓተ ንኡሳን በዓላት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ በዓለ ግዝረት’ዩ። ሠራዔ ሕግ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዘይካ በይና ኃጢኣት ፡ ሕጊ መጽሓፋዊ ፈጺሙ’ዩ። ሓደ ካብ ሕጊ መጽሓፋዊ ድማ ‘ግዝረት’ እዩ።

ክብረ በዓል ገዳም ደብረ ወርቅ ኣቡነ ሊባኖስ ብዓቢይ ኽብሪ ተባዒሉ!

“ደቂቅየ ወደቂቅክሙ ኢይትጓነዩ በበዓልየ ወበዓልክሙ/ ኣብ በዓለይን በዓልኩምን ደቀይን ደቅኹምን ኣይፈላለዩ” ጻድቅ ኣቡነ ሊባኖስ ኣብ መፋርቅ 4ይ ክፍለ ዘመን ካብ ቁስጥንጥንያ መጺኦም ካብ ዝመሥረትዎ ገዳም ሓደ ዝኾነ ደብረ ወርቅ ሃም፡ ዓመት...

ኣብ ሃገረ ስብከት ደቡብ መንደፈራ ጉባኤ ተቓኒዑ!

ብዕለት 26 ታኅሣሥ 2012 ዓ.ም. (05/01/20 ፈ.) ብብፁዕ አቡነ ሉቃስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ዝተመርሐ፡ ናይቲ ሃገረ ስብከት ኃለፍቲ ክፍልታትን መራሕቲ ሥራሕ ንኡሳን ሃገረ ስብከታትትን ዝተሳተፍሉ ኣብ መንደፈራ ጉባኤ ተቓኒዑ። ኣብዚ...

አሥርቆት ዘወርኀ ጥር

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ! ዮም ሠረቀ ለነ ወርኀ ጥር ቡሩክ ያብጽሐነ እስከ ወርኀ የካቲት በሰላመ እግዚአብሔር! ወርኀ ጥር ቡሩክ መዓልቱ ፲ቱ ሰዓት ወእምዝ ይትዌሰክ። ሎሚ ቡሩኽ ወርኂ ጥር ብሒትልና...

ሀበኒ ወልድየ ልበከ (ምሳ. ፳፫፥ ፳፮)

ወደየ ልብኻ ሃበኒ! (ምሳ. 23፡26) ኣብ ቀጽሪ ናይ ልበይ ዝተሓፅረ መጻወድያ፣ሓደ ኢሉ ጀሚሩ ንልበይ ከብክያ፣ብጥበበይ ገይረ ክኣልዮ እንተ በልኩ፣መሊሰ ደኣ ኣብ መፈንጠራ ወደቕኩጸኒሐ ግና ወሲነ፡ንፈጣሪ ሰብነተይ ኵሉ ዝከኣሎኃላፍነት ናይ ልበይ ክህቦ...

በዓለ ልደት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ብድምቀት ተኸቢሩ!

ልደት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድኅነት ደቂ ሰባት ዝተኣወጀሉ፡ መላእክት ብሓጐስ ዝዘመሩሉ፡ ጸልማት ኃጢኣት ዘመነ ፍዳ ዝተቐንጠጠሉ፡ ዲያብሎስ ዝተጨነቀሉ፡ ሰብአ ሰገል ብሓጐስ ዝዘለልሉ፡ ሰማያዊ አምላክ ምእንቲ ደቂ ሰባት ክብል ፍጹም...

ቃለ ቡራኬ በዓለ ልደት ጐይታናን አምላክናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ 2012…

“ኢትፍርሁ እስመ ናሁ እዜንወክሙ ዓቢየ ዜና ፍሥሓ ዘይከውን ለኵሉ ዓለም/ እንሆ ንዅሉ ዓለም ዝከውን ዓቢይ ሓጐስ አበሥረኩም ኣለኹ እሞ ኣይትፍርሁ።” ሉቃ. 2፡10 እግዚአብሔር ዘፍቅረኩም ንእግዚአብሔር እተፍቅርዎ ኣብ ውሽጥን ወፃእን እትርከቡ ሕዝበ...

ስብሐት ለእግዚአብሔር!

እንቋዕ ናብ ብርሃነ ልደቱ ኣብጽሓና! እቲ ዝተቈጽረ ሱባኤን ዝተነግረ ትንቢትን ፍጻሜኡ ምስ በጽሐ፡ በቲ ንሰብ ዝሃቦ ተስፋ (መጽ. ቀሌምንጦስ) ካብ ሠለስተ ኣካል ሓደ ኣካል እግዚአብሔር ወልድ ብፍሉይ ኣካሉ ካብ ቅድስት ድንግል...

“ ብርሃን ሓቂ ናብ ዓለም መጽአ . . .” (ዮሓ…

‘ብርሃን’፦ ዝተባህለ እቲ ብዕለተ እሑድ ዝተፈጥረ ብርሃን (ዘፍ. 1፡2)፣ ወይ’ውን ካብዚ ናይ ዕለተ ሰንበት ብርሃን ተቐቢአን ብዕለተ ረቡዕ ናይ ዝተፈጥራ ፀሐይ፡ ወርኅን ከዋክብትን ኣይኮነን። እቲ ገባሬ ብርሃናት ከምኡ’ውን እቲ ንልቢ...

ዓመታዊ 24 ታኅሣሥ ክብረ በዓል አቡነ ተክለሃይማኖት ብምዕሩግ መንፈሳዊ ድምቀት…

ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና፡ ብኣማላድነትን ተራዳእነትን ጻድቅ ኣቡነ ተክለ ሃይማኖት እናተማኅፅነት ዓመታዊ 24 ታኅሣሥ፡ 24 ነሐሴ ብድሙቕ ሥነ ሥርዓትን ሰፊሕ መርሐ ግብርን. . . ተኽብር።

ክብረ በዓል መልአከ ብሥራት ቅዱስ ገብርኤል ብድሙቕ መንፈሳዊ መደባት ተኸቢሩ!

19 ታኅሣሥ 2012 ዓ.ም.ግ ንኡስ በዓል ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ “ ብርሃን” ምስ ክብረ በዓል ሊቀ መላእክት ቅዱስ ገብርኤል ኣብ ኵለን ኦርቶዶክሳውያን ኣብያተ ክርስቲያን ክኽበር ከሎ፡ ብፍሉይ ግና ኣብ ደብረ...

‘ንጥፈታት ትምህርተ ሰንበትን ተሳትፎ ውሉደ ክህነትን’ ዘተኮረ ጉባኤ ተቓኒዑ!

18 ታኅሣሥ 2012 ዓ.ም. ኣብ ኣዳራሽ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ኵሎም ላዕለዎት ኣካላት ቤተ ክርስቲያን ዓቃቤ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ፡ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ፣ ኃለፍቲ መንፈሳውያን ክፍልታት...

ክብረ በዓል ጻድቅ አቡነ መርቆሬዎስ 16 ታኅሣሥ ብድምቀት ተኸቢሩ!

ክብረ በዓል ኣቡነ መርቆሬዎስ ኣብ ገዳም ደብረ ድማኅን ብስሞም ኣብ ዝጽዋዕ ቤተ ክርስቲያን (ዓዲ ስሄል)፦ ብፁዓን ጳጳሳት፡ ኣቦታት ገዳማውያንን፡ መምህራን ሊቃውንት፡ ኣገልገልቲ ውሉደ ክህነት፡ ምእመናንን ምእመናትን ኣብ ዝተረኽብሉ ኃሙስ 16...

" ወዲበ ዛቲ ኰኵሕ አሐንፃ ለቤተ ክርስቲያንየ/ንቤተ ክርስቲያነይ ኣብዛ ከውሒ…

እግዚአብሔር ሓደ እዩ፣ ብእኡ እንኣምና ሃይማኖትን ካብኡ እንውለደላ ጥምቀትን፣ ተስፋ እንገብራ መንግሥተ ሰማያትን ሓንቲ እያ፣ እንቕበሎ ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን ሓደ እዩ። ነዚ እትኣምንን እተስተምህርን ቤተ ክርስቲያን ድማ ሓንቲ እያ። ቤተ...

ሥልጠና ሥነ ምኅደራ ተዋሂቡ!

6 - 10 ታኅሣሥ 2012 ዓ.ም. ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣቐዲሙ ዝተዋህበ ትምህራታት ኣብ ሥነ ምኅደራን እስትራተጃዊ ውጥንን ዘተኮረ ሥልጠና ብመምህር ዮናስ ገብረሕይወት ኣብ ኣዳራሽ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትያርክ ተዋሂቡ።

Ad Right

  

ዜና ኅትመት