Heirloom consequat, irure reprehenderit duis Shoreditch. Art party wayfarers nihil pour-over cupidatat id. Brunch incididunt minim, in bitters adipisicing.
ኣብ ሃገረ ስብከት ማእከል ንኡስ ሃገረ ስብከት በሪኽ ቤተ ክርስቲያን ኪዳነ ምሕረት ፃዕዳ ክርስቲያን ጥንታዊ ቅርሲ ተረኺቡ።
ብዕለት 13 የካቲት 2013 ዓ.ም. ኣብ ደብረ ደናግል ሰማዕት ቅድስት ድምያና ብኣቕራብነት እመምኔት ገዳም ኢታይ ወለተ መስቀልን ሽማግለ ገዳምን፡ ዓቃቤ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስን ብፁዕ ኣቡነ ቄርሎስ ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ደቡብ ዓዲ ቀይሕ ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ኣሞክሮ ዝጸንሓ ሾብዓተ ኣኃት መንኲሰን!
እቲ ክቡር ንጉሥ፡ መልእኽቲ ጥፍኣት ሃገሩ ምስ ሰምዐ ፈርሐን ረዓደን። ነዚ መልእኽቲ ብግብሪ እንተዘይፈጺምዎ፡ ሃገሩ ከምዘይነበረት ከም እትከውን፡ ካብ ሰብ ክሳብ እንስሳ ከምዝጸንት ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ተሣእሎ።
ባሕታዊ ገዳም ደብረ ወርቅ ኣቡነ ሊባኖስ ኣባ ኃይለማርያም ብዕለት 09 የካቲት 2013 ዓ.ም. ዓሪፎም፡ ኣብ ገዳሞም ሥርዓተ ቀብር ተፈጺምሎም።
ኵሉ ካብ እግዚአብሔር ዝተረኽበ፡ ናይ እግዚአብሔር ዝኾነን ንእግዚአብሔር ዝወሃብን እዩ። ንሱ ካብ ዘይምንባር ናብ ምንባር ኣምጺኡ፡ ብፍቕሪ ዝምግብን ናብቲ ዘዳለዎ ዝእክብን እዩ። “እግዚአብሔር ንምድሪ ኣብ ባሕሪ ሠረታ፣ ኣብ ወሓይዝ ውን ዘጽንዐ እዩ እሞ፡ ንሳን ምልኣታን ዓለምን ዝነብርዋን ናቱ እዮም” (መዝ. 24፡1፣ 50፡10-12)።
ቅዱስ ሲኖዶስ ብምኽንያት ሕማም COVID 19 ኣብ ወፃኢ ዝርከባ ኣህጉረ ስብከታትን ኣብያተ ክርስቲያናትን ሓገዝ ከበርክታ ብዘቕረቦ መጸዋዕታ፡ ከም መቐጸልታ እቲ ኣቐዲሙ ካብ ሃገረ ስብከታት ኣሜሪካን ካናዳን ኤውሮጳን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ኣውስትራልያን ዝተበርከተ፣ ኣብ ንኡስ ሃገረ ስብከት ኖርወይ ዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያን ድማ ብድምር 531,300 ክሮነር ኖርወይ ሓገዝ ገይረን።