ብመሪሕነት ቅዱስ ሲኖዶስን ብማእከልነት ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ተማእኪሉ ዝካየድ ንግደት ናብ ሀገረ ቅድስት ኢየሩሳሌም፡ ናይ ሎሚ ዓመት 2012 ግእዝ (2020 ፈ) ዘድሊ ምድላዋት እኳ ኣቐዲሙ እንተኣጻፈፈ፡ ብሰንኪ እዚ ኣብ ምሉእ ዓለም ወሪዱ ዘሎ ተላባዒ ሕማም ኮሮና ቫይረስ (COVID 19) ንድኅነት ነጋድያንን ሕዝብን ሃገርን፡ ንዘይተወሰነ እዋን ተመኃላሊፉ ከም ዘሎ ቤት ጽሕፈት ነጋድያን ኢየሩሳሌም ንነጋድያን ዘድሊ ሓበሬታ ሂቡ።