ልዑል እግዚኣብሔር ብዓይነ ምሕረቱ ጠሚቱ ነዚ ወሪዲ ዘሎ ሓደገኛ ሕማመ ሥጋ ቀንጢጡ ፈውሰ ምሕረቱ ልኡኹ እቲ ጕዕዞ ውሑስ ምስ ኮነ፡ ቅዱስ ሲኖዶስ ዕለተ ጕዕዞ ወሲኑ ንኵሎም ነጋድያን ብመራከቢ ብዙኃንን ተሌፎንን ክሕበር እዩ።
ከምዝፍለጥ፡ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት 2012 ግእዝ (2020 ፈ) ንግደት ናብ ሀገረ ቅድስት ኢየሩሳሌም ዘድሊ ቕጥዕታት ብምምላእን ገንዘብ ብምኽፋልን መሥርሕ ውሕስነት ብምፍጻምን ምድላዋታቶም ኣብ ምጽፋፍ ዘለዉ ልዕሊ 300 ነጋድያን እዮም።
እግዚአብሔር ፈውሰ ምሕረቱ ይልኣኸልና!