ዜና ዕረፍት ሊቀ መዘምራን ያሬድ ካፍል

Jul 18, 2020

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ካብ ዘፍረየቶም ሊቃውንተ ዜማ ሓደ ሊቀ መዘምራን ያሬድ ካፍል እዮም። እዞም ሊቅ’ዚኦም ኣብ መበል 64 ዕድሚኦም ልክዕ ፍርቂ መዓልቲ ብዕለት 08 ሐምሌ 2012 ዓ.ም.ግ. (15/07/2020 ፈረንጂ) ብምኽንያት ሕማም ኣብ መንበሪ ቤቶም ብሰላም ዓሪፎም።

ዜና ሞቶም ምስ ተሰምዐ፡ ቤተ ሰቦምን ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ኣስከሬኖም ኣብ ዘለዎ ገዛኦም እናመጽኡ ኀዘኖም ምስ ገለጹ፡ ኣስከሬኖም ናብ ኮከበ ገዳም ኣቡነ ገብረመንፈስ ቅዱስ ቤተ ክርስቲያን (ገጀረት) ተወሲዱ ጸሎተ ፍትሐት ክግበረሉ ኃዲሩ።

ካብ ሰዓት 1:00 ናይ ለይቲ፡ ሊቃውንት መዘምራን ስብሐተ ነግህ ቆይሞም፡ እናዘመሙ፡ መዋሥዕት እናመርሑ፡ ለዘብ እናለዘቡ፡ ቅኔ እናፍሰሱ ንጸሎተ ፍትሐት ኣሰንዮሞ ኃዲሮም። ኣብ መወዳእታ ድማ ጸሎተ ቅዳሴ ተሠሪዑ።

ብድኅር’ዚ ልክዕ ፍርቂ መዓልቲ ብዕለት 09 ሐምሌ 2012 ዓ.ም.ግ. (16/07/2020 ፈረንጂ) ኣብ መበቆል ዓዶም ኣስሓባ ንኡስ ዞባ ድባርዋ (ጉሕ ጪዓ) ሥርዓተ ቀብሮም ተፈጺሙ።

ሊቀ መዘምራን ያሬድ ካፍል፡ ኣብ መንፈሳዊ ጉባኤ ውዒሎም ትምህርቲ ኣጠናቒቖም፡ ንነዊኅ ዓመታት ዘገልገሉ፡ ወንበር ዘርጊሖም ደቀ መዛሙርት ዘፍረዩ ኣቦ እዮም።

ሊቀ መዘምራን ያሬድ ካብ ኣቦኦም ኣቶ ካፍል ዘድንግልን ኣደኦም ወ/ሮ መድኅን ተወልደን ብ17 መስከረም 1948 ዓ.ም.ግ. (1955 ፈ) ኣብ መበቆል ዓዶም ኣስሓባ ንኡስ ዞባ ድባርዋ (ጉሕ ጪዓ) ተወሊዶም።

ንዓቅመ ትምህርቲ ምስ ኣኸሉ፡ ኣብ ዓዶም ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ሥላሴ ኣስሓባ ካብ መምህር ቀሺ ሃይለ ሃብተ ከምኡ’ውን ኣብ ገዳም ደብረ ጥሉል ኣቡነ ኣብራንዮስ (እንዳቦና) ፊደል ቈጺሮም ምሉእ ግብረ ዲቁና ተማሂሮም ብ 1958 ዓ.ም.ግ (1965 ፈ) ብብፁዕ አቡነ ሚካኤል መዓርገ ዲቁና ተሠይሙ። ብመዓርገ ዲቁና ኣብ ቅድስት ሥላሴ ኣስሓባ እናኣገልገሉ ካብ 1961 – 1970 ዓ.ም.ግ. ቅድም ካብ የኔታ ሃብተማርያም (ዓዲ ድቡስ) ያሬዳዊ ዜማ ብፍላይ ኣቋቋም ንኽልተ ዓመት ምስ ተማህሩ፡ ቀጺሎም ድማ ካብ መምህር ቅኔ የኔታ በርሀ (ማይልሓም) ቅኔ ንክልተ ዓመት ኣጽፊፎም ተማህሩ።

መኣዲ ትምህርተ ቤተ ክርስቲያን ሰፊሕን ዘይውዳእን እዩ እሞ ንዝለዓለ ትምህርት ካብ ብሉጻት ሊቃውንት ንምምሃር ካብ ትውልዲ ዓዶም ርኂቖም ናብ ጎንደር ኢትዮጵያ ኸዱ። ካብ ቦታ ናብ ቦታ እናተዘዋወሩ፡ ካብ መምህር ናብ መምህር እናተሳገሩ ካብ 1971 -  1981 ዓ.ም.ግ ክሳብ ንመምህርነት ዘብቅዕ ምስክርነት ተማህሩ። እዚ ኸኣ

  • ካብ 1971 – 1974 ዓ.ም.ግ ትምህርተ ኣቋቋም ካብ የኔታ ሄኖክ ኣብ ጉራሬ ማርያም (ወገራ)፣
  • ካብ 1974 - 1975 ዓ.ም.ግ ጾመ ድጓ ካብ የኔታ ይኄይስ ኣብ ሰቀል (ደምብያ)፣
  • ካብ 1975 - 1976 ዓ.ም.ግ ዝማሬ መዋሥዕት ካብ የኔታ መዓዛ ኣብ ዳባት፣
  • ካብ 1976 - 1977 ዓ.ም.ግ ትምህርተ ኣቋቋም ካብ የኔታ ኣእምሮ ኣብ ሰንበትየ ሚካኤል፣
  • ካብ 1977 - 1979 ዓ.ም.ግ ከም መምህር ኮይኖም ኣብ መስቀለ ኢየሱስ ሰላምየ ኣገልገሉ፣
  • ካብ 1979 - 1981 ዓ.ም.ግ ኣብ ጎንደር በኣታ ማርያም፡ ትምህርተ ኣቋቋም ንመምህርነት ብዘብቅዕ ካብ የኔታ ሄኖክ ወልደሚካኤል ምስ ኣመስከሩ ብመምህርነት ተመረቑ።

ብድኅር’ዚ ሊቀ መዘምራን ያሬድ ካፍል፡ ኣብ 1982 ዓ.ም.ግ ብልዑል መንፈሳዊ ስምዒትን ሃይማኖታዊ ቅንዓትን ናብ ሃገሮም ኤርትራ ተመልሱ። 

ከም መምህር ቤተ ክርስቲያን ኮይኖም ኣብ ኮከበ ገዳም ኣቡነ ገብረመንፈስ ቅዱስ ቤተ ክርስቲያን (ገጀረት) ብትግሃት እናኣገልገሉ ካብ ቃል ትምህርቲ ጀሚሮም ክሳብ ኣቋቋም እናመሃሩ ብዙኃት ተማሃሮ ኣፍረዩ።

ብምዑዝ ያሬዳዊ ዝማሬ ክብረ በዓል ገዳማትን ኣብያተ ክርስቲያንን ኣድሚቖም ካብ ዝኃድሩ ሊቃውንት ብቀዳምነት ዝጥቀሱ እዮም። ብምዑዝ ድምፆም ከመ ወርኀ ገሀህ ምሉእ ዘጽልመተ ሌሊት (ከም ምሉእ ወርኂ ለይቲ ዘብርሁ)፣ ቀትሪ ድማ ፀሐይ ብሩህ ኮይኖም ብዘይምስልካይ ዘገልገሉ ማኅቶተ ቤተ ክርስቲያን እዮም ነይሮም።

ድሙፀ ስብሐት ከመ ዕንዚራ ሊቀ መዘምራን ያሬድ፡ በቲ መንፈሰ እግዚአብሔር ዝዓደሎም ክፍለ ዜማን ምዑዝ ድምፅን ንውሉደ ክህነትን ሕዝበ ክርስትያንን ዘገልግል፡ “ናይ ዓመት ወረብን ምርሒት ቅኔን” ብካሴት ኣዳልዮም ኣባጺሖም እዮም ።

ኣብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ብፍላይ ድማ ኣብ ክፍሊ ጉባኤ ሊቃውንትን ኣርትዖን . . .  ንልዕሊ 20 ዓመት ብትግሃት ኣገልጊሎም እዮም።

ሊቀ መዘምራን ያሬድ ብዓል ሓዳርን ኣቦ 2 ውሉድን እዮም። 

ቃለ ወንጌል ብተግባር ዝነብሩ ምስ ኵሉ ሰብ “ኃወይ ኃፍተይ ወደይ ጓለይ” እናበሉ ዝኸዱ ልዙብን ፈቃርን ብምዃኖም ረድኤተ እግዚአብሔር ኣይተፈለዮምን። ዋላ’ውን ሕማመ ሥጋ ኣሰኒፍዎን ከቢድዎምን ብማየ ጸሎትን ሕክምናን እናተረድኡ ንኂደት ዓመታት እንተጸንሑ፡ ክሳዕ ዕለተ ዕረፍቶም ካብ ቤተ እግዚአብሔር ኣይተፈልዩን።

እንሆ ድማ ፈቃደ እግዚአብሔር ኮይኑ መዓልቲ ዕረፍቶም በጺሓ፣ ኣብ መበል 64 ዕድሚኦም ልክዕ ፍርቂ መዓልቲ ብዕለት 08 ሐምሌ 2012 ዓ.ም.ግ. (15/07/2020 ፈረንጂ) ኣብ መንበሪ ቤቶም ብሰላም ዓሪፎም፣ ልክዕ ፍርቂ መዓልቲ ብዕለት 09 ሐምሌ 2012 ዓ.ም.ግ. (16/07/2020 ፈረንጂ) ኣብ መበቆል ዓዶም ኣስሓባ ንኡስ ዞባ ድባርዋ (ጉሕ ጪዓ) ሥርዓተ ቀብሮም ተፈጺሙ።

ሊቀ መዘምራን ያሬድ ወሪዶም ደይቦም ደኺሞም ሠናይ ገድሊ ዝተጋደሉ፡ ግቡኦም ፈጺሞም ዝተረኽቡ ገብርኄር ስለዝኾኑ “ጽቡቕ፡ ኣታ ሕያዋይን እሙንን ኣገልጋሊ ብውኁድ ተኣሚንካ ኢኻ እሞ ኣብ ልዕሊ ብዙኅ ኽሸመካ እየ፡ ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶ” (ማቴ. 25፡21) ብምባል አምላከ ሕያዋን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘለዓለማዊ መንግሥቱ ከምዘውርሶም እምነትና እዩ።

ዕረፍቲ ነፍሲ ይሃቦም!

ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ አሜን!

Ad Right

ዘመነ ማቴዎስ 10 ግንቦት 2013 ዓ.…

May
Tuesday
18
ሠለስቱ ደቂቅ አናንያ ወአዛርያ ወሚሳኤል፡ ወአብርሃም ፀራቢ፡ አባ ሚካኤል ሰማዕት፡ ወኖብ። ዘቅዳሴ ምንባብ መልእክታት 2ይቆሮ. 5፡11-ፍጻሜ 1ይዮሐ. 1፡4-ፍጻሜ ግብረ ሓዋርያት ግብ. ሐዋ. 3፡17-ፍጻሜ ምስባክ መዝ. 65/66 ወንጌል ማቴ. 18፡18-22 ቅዳሴ ቅዳሴ ዘወልደ ነጐድጓድ። * * *
00:00 h