መምህር ቅኔ መልአከ ገነት በርሀ ነጋሢ

May 10, 2016

መልአከ ገነት በርሀ ነጋሢ ካብ ኣቦኦም ነጋሢ ዑቕባጋብርን ካብ ኣደኦም ኣጽብሐት ገብረመድኅንን ብ1908 ዓ.ም.ግ. ኣብ ዞባ ደቡብ ዓዲ ሣምራይ ተወልዱ። ኣብ መበል ሾብዓተ ዓመት ዕድመኦም ናይ ዓይኒ ስንክልና እኳ እንተ ኣጋጠሞም ኣባ ሓጎኦም ኣቶ ዑቑባጋብር ‘እዚስ ኣገልጋሊ ቤተ ክርስቲያን እዩ ዚኸውን’ ብምባል ኣብ ደብረ መርቆሬዎስ ናብ ዝነበሩ መምህር ገብረ እግዚኣብሔር በረኸት ንኽመሃሩ ኣብጽሕዎም። ኣብ ሽዱሽተ ዓመት ድማ ንዅሉ ጸዋትወ ዜማን ግእዝን ተማህሩ። ብድኅር’ዚ ናብ ደብረ ኣባይ ከይዶም ካብ መምህር ኋላሸት መዝገበ ቅዳሴ ብመምህርነት ተመረቑ።

ኣብ መምህር ወልደማርያም ደስታ ቤተ ክርስቲያን ኣርባዕቱ እንስሳ ንሠለስተ ዓመትን ሹድሽተ ወርኅን ቅኔ ምስ ተማህሩ፡ ደጊሞም ከኣ ኣብ መልኣከ ገነት ተክለሃይማኖት ዓዲያ መራጕዝ ንኣርባዕተ ዓመት ተማሂሮም ብቅኔ ተመረቑ። ፍቕሪ ቃለ እግዚአብሔር ስለዝነበሮም ዜማ ኣቋቋም ካብ መምህር መንግሥቱ ማርሥላሴ ተማህሩ።

መልአከ ገነት በርሀ ነጋሢ በቲ ዝተመረቕዎ ትምህርተ ቅኔ ካብ 1931 ዓ.ም.ግ. ኣብ ሃገሮም ኤርትራ ቅድም ኣብ ቅዱስ ሚካኤል ቤተ ክርስቲያን ዓዲ ቖሖ መራጕዝ፤ ቀጺሎም ድማ ኣብ ማይልሓም መራጕዝ ኪምህሩ ጀመሩ። እንሆ ድማ ክሳዕ ዕለተ ዕረፍቶም ኣሪገን ደኺመን ከይበሉ ጉባኤ ኣስፊሖም መንበር ዘርጊሖም ንልዕሊ 70 ዓመት ዚኣክል ምሂሮም። ብትሕርምትን ተጋድሎን ጸኒዖም ካብ መንበሮም ከይተንሥኡ ንዝመጽአ ተመሃራይ ገጾም ኣብሪሆም እናተቐበሉ ሲሲተ ልብ ቅኔ ይምህሩ ነበሩ። ኣብዚ ናይ መምህርነት ኣገልግሎቶም ድማ ኣስታት ኃሙሽተ ሽሕ ዝኾኑ ተመሃሮ ቅኔ ከፍርዩ ኸለዉ፡ ዓሠርተው ክልተ ኸኣ መምህራን ቅኔ ኣመሪቖም። በዚ ድማ ደቀ መዛሙርት እናኣብዝኁ ኣብ ምስፋሕ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ዝተጋደልዎ ገድልን ኣብ ምዕቃብ ልሳነ ግእዝን ዝገበርዎ ኣበርክቶ ልዕሊ ዝኾነ ዝጥቀስ ዓቢይ ታሪኽ እዩ።

ኣብታ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ‘ግብረ ዘወሀብከኒ ፈጸምኩ/ ነቲ ኽገብሮ ዝሃብካኒ ግብሪ ፈጸምኩ’ (ዮሓ. 17፡4) ኢሉ ዝተዛረበላ ዕለት፡ ኣቦና መልአከ ገነት በርሀ ነጋሢ ድማ ‘ በድርየኒ ፈጸምኩ ወሀይማኖትየኒ ዐቀብኩ ሠናየ ገድለ ተጋደልኩ . . . / ሠናይ ገድሊ ተጋዲለ፡ ሃይማኖተይ ኣጽኒዐ ጕያይ ፈጺመ እየ ’ (2ይ ጢሞ. 4፡2) ኢሎም፡ ኣብ ሚእቲ ዓመት ዕድመኦም፡ ጊዜ እርግና ኣኅሊፎም ምዕራፎም ነቲ ብፁዕነቶም ዘመልክት እዩ። ከምኡ’ውን ኣብ መዋዕለ ሥጋዊ ሕይወቶም ካብቲ ኣብ ኣቡነ ቡሩከ አምላክ ዝነበሮም ፍቕሪ ዝተላዕለ ምስ ተመሃሮኦም ኃቢሮም ካብ ክብረ በዓል ገዳም ደብረ ኮል አቡነ ቡሩከ አምላክ ተፈልዮም ዘይፈልጡ የኔታ በርሀ፡ ሥጋኦም ኣብቲ ዕለተ ክብረ በዓሉን ቦታኡን ሓመድ ኣዳም ምልባሶም ሥራሕ እግዚአብሔር እዩ። 

 መልአከ ገነት በርሀ ነጋሢ (ሀብተሥላሴ)፡ ኣብ ክብረ በዓል ኣቡነ ብሩከ ኣምላክ ዋዜማ ብጽቡቕ ኣገልጊሎም ለይቲ ኣብ ከባቢ ሰዓት 11፡00 ብሰላም ዓሪፎም። ሥርዓተ ቐብሮም ድማ ሰኑይ 1 ግንቦት 2008 ዓ.ም. ኣብ ክብረ በዓል ገዳም ደብረ ኮል አቡነ ቡሩከ አምላክ ኣብ ጸሎተ ቅዳሴ ተፈጺሙ። ኣብቲ ሥርዓተ ቐብሪ ንሊቅነቶምን ሞያኦምን ዚግባእ ስብሓታት ምስ በጽሐ፡ ገዳማውያንን ሊቃውንትን ካህናትን ዲያቆናትን ምእመናንን ምእመናትን ኣብ ዝተረኽቡሉ ጊዜ ኣብዚ ገዳም ደብረ ኮል አቡነ ቡሩከ አምላክ ሓመድ ኣዳም ለቢሶም ካብ መምህራን ደቆምውን ኣስታት 10 ዝኸውን ቅኔታት ብዘረፋ ቐሪቡ።

ስለዚ ከምቲ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ‘እቲ ብኣይ ዝኣምን እንተሞተ እኳ ዘለዓለማዊ ሕይወት ኣለዎ’ ዮሓ. 11፡25 ብዝበሎ መሠረት፡ ዋላ እኳ ኣቦና መልአከ ገነት በርሀ ነጋሢ ብሥጋ እንተሞቱ ካብ ሞት ናብ ዘለዓለማዊ ሕይወት ከምዝሰግሩ ጽኑዕ እምነት ኣሎና። ንቤተ ክርስቲያን ንሶም ብምጕዳሎ እኳ ብዙኅ ኃዘን እንተ ተሰምዓ መምህራን ደቆም ስለ ዝተክኡላ ድማ ምጽንናዕ ከምዝረኸበት ትገልጽ።

'ጻድቃንሰ ኢሞቱ አላ ኀበ እግዚኦሙ ነገዱ በመንግሥተ ሰማያት ይሁቦሙ ዘፈቀዱ' ከምዝብል ንመልአከ ገነት በርሀ ነጋሢ ዕረፍቲ ነፍሲ ገነት መንግሥተ ሰማያት የውርሶም። (1ይ ቆሮ. 2፡9)

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር፡ አሜን!

ዘመነ ዮሓንስ 2 ነሓሴ 2012 ዓ.ም.ግ…

August
Saturday
8
ዝክር፦ አትናስያ ቅድስት፡ ወደሚና ሰማዕት ወአኃዊሁ፡ ወኢዮጰራቅስያ ብፅዕት። ዘቅዳሴ ምንባብ መልእክታት፦ 1ይ ጢሞ. 5፡1-10 1ይ ጴጥ. 3፡1-6 ግብ. ሐዋ. 27፡39-ፍጻሜ ምስባክ፦ መዝ. 47/48 ወንጌል፦ ዮሐ. 8፡1-11 ቅዳሴ፦ ዘእግዝእትነ ማርያም። * * *
00:00 h