ምኅደራ ቤተ ክርስቲያን

Sep 23, 2019

ቅድስት ቤተ ክርስቲያን፡ ብደም ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተመሥረተት፡ እትመኅደረሉ ሥርዓተ ምኅደራ እትውንን እያ። ነዚ ሥርዓተ ምኅደራ’ዚ ድማ ሥርዓተ ኣምልኾኣ ንምፍጻም፡ ሕይወተ ሥጋን ሕይወተ ነፍስን ንምምራሕ፡ መንፈሳዉን ንብረታውን ዓለም ብኣገባብ ንምጥቃም ካብ እግዚአብሔር ዝተዋህበቶ እዩ።

ብጽሒት ኣገልግሎት፡ መሳልል ሥልጣን፡ ሥርዓተ ኣገልግሎት ካብ ዓለመ መላእክት ዝጀመረ እዩ።

ቅዱሳን መላእክት ነቲ ኣገልግሎቶም፡ ዝነብርዎ ከተማን ነገዶምን ብእግዚኣብሔር ዝተወሰነ እዩ። መራሕን ተመራሕን ብዝገልጽ ሥርዓት በብነገዶም ኃለቓ ተሸይምዎም እዩ። እዚ ኸኣ ሥርዓተ ምኅደራ ብዝግባእ የረድእ።

እግዚአብሔር ኣምላኽ፡ ንቀዳማይ ሰብ ኣቦና ኣዳም ንፍጥረታት ዘመኃድረሉ ጥበብን ኣምልኾኡ ዝፍጽመሉን ሥርዓትን ብኣምላካዊ ፍቕሩ ኣስተምሂርዎ እዩ። ካብ ኣቦና ኣዳም ክሳብ ሊቀ ነቢያት ሙሴ ዝነበሩ አበው ካብ እግዚኣብሔር መምርሒ እናተቐበሉ ከም ካህን፡ ነቢይ፡ መስፍን ኮይኖም ንእግዚአብሔር ኣገልጊሎም፣ ንደቂ ሰባት’ውን ኣመኃዲሮም እዮም።

ብዘመነ ኦሪት ካብ ሊቀ ነቢያት ሙሴ ክሳዕ ካህን ሳሙኤል ዝነበሩ አበው፡ ክህነትን ምስፍናን ኣሕቢሮም ብምኃዝ ናይ ቤተ እግዚአብሔርን፣ ናይ ሃገርን ምምኅዳር ኃላፍነት ተሸኪሞም እዮም። ምምኅዳሮም ኸኣ ረድኤተ እግዚአብሔር ዘይተፈልዮ፡ መንፈሳዊ ብስለት ዝመልኦ፡ ናይ ሥራሕ ምክፍፋል፡ መሳልል ሥልጣን፡ ተሳትፎ ሕዝቢ ዝነበሮ እዩ። “ሙሴ ኸኣ ካብ ኵሉ እስራኤል ከኣልቲ ሰባት ኃርዩ፡ ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ ኃላቑ ኪዀኑ ኃላቑ ሽሕን ኃላቑ ሚእትን ኃላቑ ኃምሳን ኃላቑ ዓሰርተን ገበሮም።” ይብል። (ዘፀ. 18፡25)

ካብ ካህን ሳሙኤል ንደኃር ክሳብ ሕገ ወንጌል ዘሎ ብመሪሕነት እቶም ኣብ ዘዘመኑ ዝተንሥኡ ሊቃነ ካህናት ዝእለ ርክበ ካህናትን መንፈሳዊ ምኅደራ ቤተ እግዚአብሔር ይምእከል ከም ዝነበረ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን የረድኣና።

ኣብ ሓዲሽ ኪዳን’ውን ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብትምህርትን ምሳሌን ግብርን ንመንፈሳዊ ምኅደራ ሠሪዑን ኣስተምሂሩን እዩ። ብቕዱሳን ሓዋርያት ከኣ ናይ ቤተ ክርስቲያን ምምኅዳራዊ መዋቕር፡ ሕግን ሥርዓትን ኣብቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝተቓንዐ ናይ መጀመርታ ጉባኤ ብሲኖዶስ ሓዋርያት ተወሲኑ እዩ። (ግብ. ሓዋ. 15፡6) ነቲ ሥርዓተ ምኅደራ ዘተግብሩ መንፈስ ቅዱስ ዝኃረዮም ብሕዝቢ ዝተመርጹ ኃለፍቲ ተሸሙ። (ግብ. ሓዋ. 8:1)

ስለዚ እዚ ዝተጠቕሰ ሥርዓተ ምኅደራ ንዝቕጽል ትውልዲ ናይ ሃይማኖታውን ሃገራውን ምኅደራ መሠረት እዩ። ሎሚ ቤተ ክርስቲያንና እትምርሓሉ ካብ ላዕሊ ክሳዕ ታሕቲ ዝተዘርግሐ መንፈሳዊ ምምኅዳር ካብዚ ዝጅምር እዩ። ኣብ ውሽጢ እዚ ምምኅዳራዊ ሥርዓት ከኣ ናይ ውሉደ ካህነት፡ ምእመናንን ምእመናትን ኵሉ ነናቱ ብጽሒት ኣለዎ።

ቀንዲ ዕላማ ናይዚ ሥርዓተ ምኅደራ ድማ ብብርሃን ትምህርተ ወንጌል ንጸልማት ዓለም ምርሓቕ፡ ብምሥጢራተ ቤተ ክርስቲያን ጸጋ እግዚአብሔር ንምዕዳልን ኣብ መንፈሳውን ማኅበራውን ጉዳያት ንዅሉ ወዲ ሰብ ንምሕባርን እዩ።

ነዚ ንምፍጻም ዘኽእል ፍልጠትን ጥበብን ንምውናን ከኣ ናይ እግዚኣብሔር ምሕረት ፡ናይ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣማላድነት፡ ናይ ቅዱሳን በረኸት ኣይፈለየና።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር፡ አሜን!

እዋናዊ ጽሑፋት

በዓለ ሥእል ዘጼዴንያ

ብመሠረት ትምህርቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ካብ ቅዱሳት ኣሣእል ብዙኅን ዓቢይን ጥቕሚ ይርከብ። ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝርከቡ ትምህርትታትን ታሪኻትን ብሥእላዊ ኣገላልጻ...

ነቢይ ኢሳይያስ

ነቢይ ኢሳይያስ ካብቶም ዓበይቲ ነቢያት ሓደ ዝኮነ ወዲ ኣሞጽ፡ ምናሴ ንጉሥ ብፋስ መፈለጺ ዕንፀይቲ ምስ ፈለጾ በዛ ዕለት 6 መስከረም...

ክብረ በዓል ጻድቕ አቡነ አንበስ ኣብ ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰንዓፈ…

ክብረ በዓል ጻድቕ አቡነ አንበስ ኣብ ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰንዓፈ ዓዲ ክሳድ እምባ ኣብ ዝርከብ ቤተ ክርስቲያኖም ፡ ብፁዕ ኣቡነ...

ክብረ በዓል ቅዱስ ዮሐንስ መጥምቅ ብድምቀት ተባዒሉ!

ዓመታዊ ኣብ 2/3 መስከረም ዝኽበር ዝክረ በዓል ምትረተ ርእሱ ናይ ቅዱስ ዮሐንስ መጥምቅ ኣብ ኵለን ብስሙ ታቦት ዝተቐርጸለን ኣብያተ ክርስቲያን...

“ካብ ኣንስቲ ኻብ እተወልዱ ኻብ ዮሓንስ መጥምቕ ዚዐቢ ሓደ እዃ…

ናይ ዘመነ ብሉይ ዛዛሚ ናይ ዘመነ ሓዲስ ድማ ጀማሪ ኾይኑ ካብ ዘመነ ብሉይ ናብ ዘመነ ሐዲስ ፡ ካብ ነቢያት ናብ...

አሥርቆት ዘወርኃ መስከረም 2019 ዓ.ም.

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ! ዮም ሠረቀ ለነ ወርኀ ቡሩክ መስከረም ያብጽሐነ እስከ ወርኀ ጥቅምት በሰላመ እግዚአብሔር! ወርኀ መስከረም...

ቃለ ቡራኬ ርእሰ ኣውደ ዓመት ቅዱስ ዮሓንስ ፳፻፲ወ፱ (2026)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ!!! ክቡራንን ክቡራትን፡ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ሃገር እትነብሩ ሕዝበ ክርስቲያን፡ ብሓፈሻ ኵልኹም ሕዝቢ ኤርትራ እንቋዕ...

እንቋእ ናብ ዘመነ ሉቃስ 2019 ዓ.ም. ኣብጽሓና

  ሣህሉ ለእግዚአብሔር በጊዜሁ፡ ምሕረት እግዚአብሔር ኣብ ጊዜኡ እዩ። (መዝ. ፷፰፥፲፫/68፥13) እቲ ንለይትን መዓልትን ጸልማትን ብርሃንን ኣፈራሪቁ ካብ ሰዓት ናብ ዕለት...

ኣብ ሃገረ ስብከት ኣሥመራ (ቤት መኻእ) ክብረ በዓል ቅዱስ ሩፋኤል…

ብዕለት 3 ጳጉሜን ዝኽበር ዝክረ በዓል ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሩፋኤል፣ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ባስልዮስ ቀዳማዊ ሻዱሻይ ፓትርያርክ ወርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት...

ኣብ ሃገረ ስብከት ማእከል ሰላዕዳዕሮ ክብረ በዓል ቅዱስ ሩፋኤልን ካህን…

ዓመታዊ ኣብ 3 ጳጉሜን ብሕብረት ዝኽበር ዝክረ በዓል ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሩፋኤልን ካህን መልከጸዴቅን  ብፁዕ  ኣቡነ ጎርጎርዮስ ጳጳስ ሃገረ ስብከታት...

መስተፍሥሔ አልባብ - ቅዱስ ሩፋኤል ሊቀ መላእክት!

ብዛዕባ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሩፋኤል ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ብኣእዳው ቅዱሳን ካብ ዝገልጹ ድርሳናት ሓደ ናይ ቍስጥንጥንያ ሊቀ ጳጳስ አቡነ ዮሓንስ...

3 ጳጕሜን - ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሩፋኤል

ቅዱሳን መላእክት፡ ልኡካን ኣገልገልቲ፡ ምሕረት እግዚአብሔር ናብ ሰባት፡ ምስጋና ልማኖ ጸሎት ሰባት ድማ ናብ እግዚአብሔር ዘብጽሑ ምእንቲ ዅሉ ፍጥረት ዝልምኑ...

latest articles

Saint Cyrus (Kiros) - 8 Hamle

    Today, St. Cyrus (Kiros) departed. He was the brother of Emperor Theodosius the Great. This saint knew will the...

Miracle at Cana of Galilee

  On this day 12ths January Geez calander, the church celebrates the commemoration of the miracle that our Lord Jesus...

The feast of the Nativity of Our Lord Jesus Christ…

On the day of 29 December 2018 geez calendar, we celebrate the birth of Our Lord Jesus Christ, the incarnated...

HIS HOLINESS ABUNE BASILIOS'S PASTORAL MESSAGE ON THE FEAST OF…

In the Name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God. “For behold, I bring...

The Sovereignty and patriarchal election of Eritrean Orthodox Tewahedo Church

There was never a time when our country Eritrea, the land of God, was devoid of the worship of God...

Transfiguration: (Debre Tabor)

This is the day celebrated on Nehase (August) 13 G.C. in which Our Lord Jesus Christ during his ministry, manifested...

St. Nathaniel (10 Hamle)

Saint Nathaniel is one of the great twelve apostles. This saint was from Cana of Galilee, and he was learned...

The Apostle Saint Paul

Saint Paul was a Jew, of the tribe of Benjamin, a Pharisee, the son of a Pharisee; and his kinsfolk...

The Apostle st. Peter

Peter was from Bethsaida, and he was a fisherman.  Our Lord chose him on the second day following that whereon...

St. Thaddeus: (2 Hamle)

This blessed apostle our Lord chose, and he was of the number of the Twelve Apostles. When the Holy Spirit...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...

13 January - The martyrdom of st.Demiana

On this day st. Demiana was martyred. This chaste and fighter virgin, was the daughter of Mark, Governor of El-Borollus...