Print this page

ሾብዓተ ነገራት ቍጽሮም 'ሾብዓተ'

Oct 15, 2018

• ሾብዓተ ባህርያተ ሰብ

ኣርባዕተ ባህርያተ ሥጋ
1. እሳት
2. ነፋስ
3. ማይ
4. መሬት
ከምኡ’ውን ሠለስተ ባህርያተ ነፍስ
5. ነቢብነት
6. ለባውነት
7. ሕያውነት

• ሾብዓተ ኣቦታት

1. ልዕሉ ኵሉ፡ ሰማያዊ ኣቦ ልዑል እግዚአብሔር። ሚል. 1፡10፣ ማቴ. 6፡9።
2. አበ ነፍሲ። ማቴ. 18፡18፣ ዮሐ. 20፡23
3. ወላዲ ኣቦ። መዝ. 102፡13
4. ኣቦ ክርስትና (ኣባልገ)። ሉቃ. 2፡25-28
5. ናይ ጡብ ኣቦ። ካብ እግዚአብሔር በረከት ንምርካብ ንዘይወለዶ ውላድ ከም ኣቦ ኮይኑ ዘዕብይ ኣቦ እዩ።
6. ናይ ሢመት ኣቦ። ንዲያቆናት፡ ቀሳውስት (ካህናት) እናሾመ ናይ ሃይማኖት ደቁ ዝገብር ኣቦ እዩ። ብፍላይ ንምንኵስና ናይ ቆብዕ ኣቦ ይበሃል። ከምኡ’ውን ንጳጳሳት ይምልከት። ግብ.ሓዋ. 6፡16፣ 13፡13።

• ሾብዓተ ሰማያት

ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ ክቝጸሩ ከለዉ፥
1. ጽርሐ አርያም። ዘዳ. 10፡13-14 1ይ ነገ. 8፡27 ።
2. መንበረ መንግሥት፦ መንበረ ጸባዖት’ውን ይበሃል። ሕዝ. 1፡26 ኢሳ. 6፡1 ራእ. 4፡2
3. ሰማይ ውዱድ፦ መንበረ መንግሥት ከም ዙፋን ዝተዘርገሐሉ እዩ። ሕዝ. 1፡22-23
4. መንግሥተ ሰማያት፦ ኵልና ንኽንኣትዋ ተስፋ እንገብራ ናይ ዘለዓለም ሕይወት እንነብረልና እያ። 1ይ ቆሮ. 2፡9፣ ገላ. 4፡26፣ ዕብ. 12፣ ራእ. 21፡2፡15
መላእክት በብነገዶም ዝነብሩለን ሠለስተ ሰማያት
5. ኢዮር
6. ራማ
7. ኤረር ።

• ሾብዓተ ሊቃነ መላእክት

1. ቅዱስ ሚካኤል
2. ቅዱስ ገብርኤል
3. ቅዱስ ሩፋኤል
4. ቅዱስ ራጉኤል
5. ቅዱስ ዑራኤል
6. ቅዱስ ፋኑኤል
7. ቅዱስ ሳቁኤል እዮም። ራእ. 4፡5፣ ሄኖ. 6፡1-8፣ ሄኖ. 10፡12-16፣ ይሁዳ ቍ. 9

• ሾብዓተ ምሥጢራተ ቤተ ክርስቲያን

1. ምሥጢረ ጥምቀት
2. ምሥጢረ ሜሮን
3. ምሥጢረ ቍርባን
4. ምሥጢረ ክህነት
5. ምሥጢረ ተክሊል
6. ምሥጢረ ንስሐ
7. ምሥጢረ ቀንዲል

• ሾብዓተ ጊዜያተ ጸሎት

1. ነግህ (ንግሆ ሰዓት 6)፥ መክ. 5፡3
2. ሠለስት (ረፋድ ሰዓት 9)፥ ዳን. 6፡10
3. ሽዱሽተ ሰዓት (ፍርቂ መዓልቲ) መዝ. 54፡17
4. ትሽዓቱ ሰዓት (ሰዓት 3)
5. ሠርክ (ሰዓት 5) መዝ. 140፡4
6. ንዋም (ምሸት ሰዓት 9) መዝ. 135፡2
7. ፍርቂ ለይቲ (ሰዓት 12 ለይቲ) መዝ. 118፡62

• ሾብዓተ ኃጣውእ እግዚአብሔር ዝጸልአን አረ እምብዛ ዝፍንፍነን፥

1. ዕቡይ ዓይኒ
2. ሓሳዊት ልሳን
3. ንጹሕ ደም ዜፍስሳ ኣእዳው
4. እኩይ ምኽሪ ዚፍሕስ ኣእምሮ
5. እኩይ ነገር ንምግባር ዚቕልጥፋ ኣእጋር
6. ሓሶት ዚዛረብ ሓሳዊ ምስክር
7. ኣብ መንጎ ኣኅዋት ባእሲ ዚዘርእ ሰብ። ምሳ. 6፡16-19

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር፡ አሜን!

***