ተሰአሎ ለአቡከ ወይነግረከ

Jun 03, 2016

 * መን ፈጠረካ⋮
- ሥላሴ፡፡
* ብመን ከ ተኣምን⋮
- ብሥላሴ፡፡
* ሥላሴ ክንደይ እዮም⋮
- ፫ተ ይኾኑ ፩ ይኾኑ፡፡
* ብምንታይ ፫ተ ይኾኑ⋮
- ብስም፣ብግብሪ፣ብኣካል
* ብምንታይ ከ ፩ደ ይኾኑ⋮
- ብባህርይ፣ብሥልጣን፣ ብፍቓድ፣ ብመለኮት።

* እንታይ ከ ስሞም⋮
- አብ ወልድ መንፈስ ቅዱስ
* እንታይ ከ ግብሮም⋮
- አብ ወላዲ፡ ወልድ ተወላዲ፡ መንፈስ ቅዱስ ሠራጺ፡፡
* አብ ማለት እንታይ ማለት እዩ፧
- ኣቦ፡፡
* ናይ መን ኣቦ⋮ ናይ ወልድ
* ወልድ ማለት ከ⋮ውሉድ፡፡
* ናይ መን ውሉድ⋮
- ናይ አብ ፡፡
* መንፈስ ቅዱስ ማለት ከ⋮
- ሠራጺ፡፡
* ካብ መን ዝሠረጸ⋮
- ካብ አብ፡፡
* ካብ ወልድ ኸ ይሠርጽ ድዩ⋮
- ኣይሠርጽን፡፡
እንታይ ደኣ ወንጌል ዮሓንስ ኣብ ምዕ.16 ቍ. 15 “እምዚአየ ይነሥእ” ዝብል፡
- እሞ ይሠርጽ’ዶ ኢሉ⋮ቃል እዩ “ይነሥእ” ዝበለ እምበር፡፡
ቃል ከ ኣበይ ኢሉ⋮“ይነሥእ እምኔየ” ኢሉ ዶ ስቕ ኢሉ፡፡ ወይነግረክሙ በለ እምበር፡፡
* ኣካል ዝተባህለ እንታይ እዩ⋮
- ኢድ፡ እግሪ፡ ዓይኒ፡ ስኒ፡ ኣፍ፡ ጽፍሪ፡ ካብ ጽፍሪ እግሪ ኂዙ ክሳዕ ጸጉሪ ርእሲ፡፡

- ንአብ ፍጹም ገጽ፡ ፍጹም ኣካል፡ ፍጹም መልክዕ ኣለዎ፡፡

- ንወልድ ፍጹም ገጽ፡ ፍጹም ኣካል፡ ፍጹም መልክዕ ኣለዎ፡፡
- ንመንፈስ ቅዱስ ፍጹም ገጽ፡ ፍጹም ኣካል፡ ፍጹም መልክዕ ኣለዎ፡፡
- ናይ ሥላሴ መልክዖም ሰብ ይመስሉ፡፡
* ሥላሴ ኣካሎም ከመይ እዩ⋮
- ምሉእ፡ ስፉሕ፡ ረቂቅ፡፡
* ናይ ሰብ ከ⋮
- ግዙፍ፡ ውሱን፡ ጸቢብ፡፡
* ምልኣቶም ከ ከመይ እዩ⋮
- ከም ብርሃን፡ ከም ሙቐት፡ ከም ንፋስ፡፡
* ስፍሓቶም ከ⋮
- ካብ ጽርሐ ኣርያም ንላዕሊ ቁመቱ፡ ካብ በርባሮስ ንታሕቲ መሠረቱ፡፡ እዚ ስለ ዝኾነ ሰብ ብዝፈልጦ ምንጋር እዩ እምበር፡ ንሥላሴ ዓለም ኣይውስኖምን፡ ንሳቶም ንዓለም ይውስኑ እምበር፡፡ እዚ ዓለም ድማ ከም ሰብ ኣብ ቤት ዘሎ ከም ኣቕሓ ኣብ ሳንዱቕ ዘሎ እዩ ፣ ሰብ ንቤት ኣቕሓ ንሳንዱቕ ኣይውስኖን፣ ሥላሴ ድማ ንዓለም ይውስንዎ እምበር ዓለም ንሥላሴ ኣይውስኖምን።
* ርቀቶም ከ ከመይ እዩ፧
- ካብ ኵሉ ንፋስ ይረቅቕ ። ካብ ንፋስ እሳት ፡ ካብ እሳት መላእኽቲ ፡ ካብ መላእኽቲ ነፍስና ትረቅቕ ፡ካብ ነፍስና ድማ ሥላሴ ይረቁ።
* ነፍስና ንሥላሴ ከመይ ኢላ ትረኣዮም⋮ - ከም እምባ፡፡
* ናይ ሥላሴ ባህርዮም እንታይ እዩ⋮
- ዘይጠሚ፡ ዘይጸምእ፡ ዘይሓምም፡ ዘይደክም፡ ዘይመውት።
* ናይ ሰብ ከ⋮
- ጠማዪ፡ ጸማኢ፡ ሓማሚ፡ ደኻሚ፡ መዋቲ እዩ፡፡
* ሥላሴ ናይ ሓድነት ስሞም እንታይዩ⋮
- እግዚአብሔር፣ ኣምላኽ፡ ፈጣሪ፡ ጸባዖት፣ ኣዶናይ፡ መለኮት፡፡
* ናይ እግዚአብሔር ወልድ ከ ስመ ሥጋዌኡ እንታይ እዩ⋮
- ኢየሱስ፣ ክርስቶስ፡ መድኃኔ ዓለም ኣማኑኤል፡፡
* ኢየሱስ ማለት እንታይዩ⋮
- ፈውሲ፡፡
* ክርስቶስ ማለት ከ⋮
- ክቡር፡ ክብሩ ግና ካብ ካልእ ኣይደልዮን ናይ ባህርዩ እዩ፡፡
* መድኃኔ ዓለም ማለት ከ⋮
- ተሰቒሉ ዓለም ዘድኃነ፡፡
* ዓለም ዝተባህለ እንታይ እዩ⋮
- ሰብ፡፡
* ኣማኑኤል ማለት ከ⋮
- ኣምላኽ ከሎ ሰብ፡ ሰብ ከሎ ኣምላኽ ዝኾነ፡፡
* ናይ ሰብ ባህርይ ስሙ እንታይ ይበሃል፧
- ሰብ
* ናይ ግብሪ ስሙ ኸ⋮
- መልኣክ፡ ሰይጣን ይበሃል፡፡
* እንታይ እንተኾነ መልኣኽ ይበሃል⋮
- እንተ ጾመ፡ እንተ ጸለየ፡ እንተ ተፋቐረ፡ እንተቘረበ፡ እንተ ሰገደ፡፡
* እንታይ እንተ ገበረ ከ ሰይጣን ይበሃል⋮
- እንተ ዘይጾመ፡ እንተ ዘይጸለየ፡ እንተ ዘይተፋቐረ፡እንተዘይቈረበ፡ እንተ ዘይሰገደ።

* ሥላሴ ብዅሉ ምሉኣት ድዮም⋮
እወ ብሰማይ፡ ብምድሪ፡ እወ ብባሕሪ፡ብየብስ፡እወ፡ብዕንጸይቲ፡ ብእምኒ፡ ብእንስሳ፡ ብኣራዊት፡ ብኃጥኣን፡ ብጻድቃን፡ ብኣጋንንት ብመላእክት፡፡
* ኣብ ኃጥኣን ከመይ ኢሎም ይኃድሩ⋮
- ከም እተደጐለ ሓዊ ከም ኣብ ቁራዕ ዘሎ ሜስ፡፡
* ኣብ ጻድቃን ከመይ ኢሎም ይኃድሩ⋮
- ከም ኣብ ፋኑስ ዘሎ መብራህቲ፡ ከም ኣብ ብርጭቆ ዘሎ ሜስ፡፡
* ኣብ ጐድፍ ኣብ ጸብሪ ኣለዉዶ⋮
- እወ ኣለዉ፡፡
* ኣይጽይቖምን ዶ⋮
- ከመይ ደኣ ብርሃን ፀሓይ ዘይጽየቕ፡ ኣይጽየቑን እዮም፡፡
 ፠ ናይ መን ሥጋ ትበልዕ⋮
- ናይ እግዚአብሔር ወልድ፡፡
፠ ናይ እግዚአብሔር አብን ናይ እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስን ከ⋮
- ኣይበልዕን፡፡
፠ እንታይ ኴንካ⋮
- ረቀቕቲ ኮይኖም፡፡
፠ ንሱስ ረቂቕ ዶ ኣይኮነን⋮
- ምስ ግዙፍ ሥጋ ተዋሒዱ እዩ፡፡
፠ ንሳቶም ዘይተዋሓዱ ኣርሒቖምና ጸሊኦምና ድዮም፡ ወይስ ንሱ ዕጫኡ በጺሕዎ ሰብ ዝኾነ ንሳቶም ሰብ ዘይኮኑ⋮

- ኣይኮነን ስለ ስሞም ከይልወጥ እዩ፡፡
፠ እትበልዖ ሥጋ ምዉት ድዩ ሕያው⋮
- ምዉት ብሰብነቱ፡ ሕያው ብመለኮቱ፡ ነፍስ እተፈለየቶ መለኮት ዝተዋሓሓዶ አብን መንፈስ ቅዱስን ህልዋን ዝኾንዎ፡፡
፠ ምዉት ብሰብነቱ እተባህለ መን እዩ⋮
- መለኮት፡፡
፠ ሕያው ብመለኮቱ ዝተባህለ ኸ መንዩ⋮
- ሥጋ፡፡
፠ ናይ ሥላሴ ህልውናኦም ከመይ እዩ⋮
- ከም ልቢ፡ ከም ቃል፡ ከም እስትንፋስ
፠ ሥላሴ ከም 3ተ ሰብ ድዮም ከም ሓደ ሰብ⋮
- ከም ሓደ ሰብ፡፡
፠ ኣብ ሠለስተ ሰብ ክንደይ ልቢ ኣሎ⋮
- ሠለስተ፣
፠ ክንደይ ቃል ኣሎ⋮
- ሠለስተ፣
፠ ክንደይ እስትንፋስ ኣሎ⋮
- ሠለስተ፣
፠ ኣብ ሥላሴ ኸ ክንደይ ልቢ ኣሎ⋮
- ሓደ
፠ ክንደይ ቃል ኣሎ⋮
- ሓደ
፠ ክንደይ እስትንፋስ ኣሎ⋮
- ሓደ፡፡
፠ መን ልቦም⋮
- አብ፣
፠ ቃሎም ከ⋮
- ወልድ፣
፠ እስትንፋሶም ከ⋮
- መንፈስ ቅዱስ፡፡
፠ ንአብ መን ልቡ⋮ ባዕሉ፣ ፠ ንወልድ መን ቃሉ⋮ ባዕሉ፣ ፠ ንመንፈስ ቅዱስ መን እስትንፋሱ⋮ ባዕሉ፡፡
፠ እግዚአብሔር ወልድ ካብ አብ መዓስ ተወልደ⋮
- ንዘለዓለም እናተወልደ ይነብር፡፡ “ኢየሐፅፅ ልደቱ ወኢይትመተር ልደቱ እም አብ” ፣
፠ ካብ እግዝእትነ ማርያም ክፅነስ ከሎኸ⋮
- ካብ አብ እናተወልደ ይነብር፡፡
፠ እቲ ካብ እግዝእትነ ማርያም ክውለድ ከሎ ኸ⋮
- ካብ አብ እናተወልደ ይነብር፡፡
፠ ክስቀል ከሎ ኸ⋮
- ካብ አብ እናተወልደ ይነብር፡፡
፠ መንፈስ ቅዱስ ከ ካብ አብ መዓስ ሠረጸ⋮
- ዘለዓለም ክሠርጽ ይነብር፡፡ ከም ፈልፋሊት ማይ ዘይትነጽፍ ፣ “ከመ ነቅዕ ዘይፈለፍል” ከም ዝበለ ቅዱስ ቄርሎስ ኣብ ተረፈ ጎርጎርዮስ ገባሬ መንክራት፡፡
፠ እንታይ እዩ ሃይማኖትካ⋮
- ተዋሕዶ
፠ ተዋሕዶ ማለት እንታይ እዩ ⋮
- ቃል ሥጋን ዝተዋሓሓደ፣ ሓደ ኣካል ሓደ ባህርይ ዝኾነ፣ ‘ ቃል ሥጋ ኮነ’ ከም ዝበለ ዮሓንስ (1፥14)።
፠ ብምንታይ ምኽንያት ተዋሓሓደ⋮
- ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ መጺኡ ንእግዝእትነ ማርያም ብድንግልና ክትፀንሲ፣ ክትወልዲ ኢኺ በላ። ንሳ ድማ ምድሪ ብዘይ ዘርኢ እትፈሪ፣ ሰበይቲ ብዘይ ሰብኣይ እትወልድ ኣበይ ርኢኻ በለቶ። ሉቃ 1፥31-38 ንሱ ድማ ንእግዚአብሔር እሞ እንታይ ይሰኣኖ ኾይኑ ኵሉ ይከኣሎ እዩ በላ፣ ንሳ ድማ ከምቲ ዝበልካኒ ይኹነኒ በለቶ። ይኹነኒ ምስ በለቶ ብቕልጡፍ ከም ብርሃን ከም ዓይኒ፣ ከም ምስማዕ ከም እዝኒ፣ ካብ ሥጋኣ ሥጋ፣ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ወሲዱ ሓደ ኣካል ሓደ ባህርይ ኮነ፣ ኣምላኽ ሰብ ኮነ፣ ሰብ ኣምላኽ ኮነ፣ “ ውእቱ እግዚአብሔር ዘኮነ ሰብአ ወውእቱ ሰብእ ዘኮነ ኣምላከ” ከምዝበለ ጎርጎርዮስ ዘእንዚናዙ ኣብ ቀዳማይ ክፍሊ።
ረቂቕ ግዙፍ ኮነ፣ ግዙፍ ረቂቕ ኮነ። ምሉእ ውሱን ኮነ፣ ውሱን ምሉእ ኮነ። ወልደ አብ በመለኮቱ ወወልደ ማርያም በትስብእቱ ክልተ ልደት ብተዋሕዶ ኸበረ። ብተዋሕዶ ንአብ ናይ ባህርይ ወዱ ኾነ። ከም በትረ ሙሴ፣ ከም ሰበይቲ ሎጥ፣ ከም ማየ ግብጽ፣ ከም ማይን ጸባን ኣይኮነን።
፠ ከመይ ኢሉ ደኣ ተወሓሓደ⋮
- ከም ሓውን ሓፂንን፣ ከም ነፍስን ሥጋን እዩ።
፠ በትረ ሙሴ እንታይ ዝኾነትያ⋮
- በትሪ ነይራ ተመን ዝኾነት እያ፣ (ዘፀ 4፥2-3)
፠ ሰበይቲ ሎጥ ከ⋮
- ሰበይቲ ነይራ ጨው ዝኾነት፣ ( ዘፍ 19፥26)
፠ ማይ ግብጺ ኸ ⋮
-ማይ ነይሩ ደም ዝኾነ፣ (ዘፀ 7፥20)
፠ እዚ እንታይ ይበሃል⋮
- ተለወጠ ይበሃል እምበር ተዋሓሓደ ኣይብሃልን፣
፠ ማይን ጸባን ከ ⋮
- ተሓዋወሰ ይበሃል እምበር ተዋሓሓደ ኣይብሃልን።
፠ እዚ ዘይፈልጥ ሰብ ክርስቲያን ተዋሕዶ እየ ክብል ኣይክእልን እዩ።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር፡አሜን!

ዘመነ ዮሐንስ 16 የካቲት 2012 ዓ.…

February
Monday
24
ዝክር፦ ዕረፍታ ለኤልሳቤጥ እሙ ለዮሐንስ መጥምቅ፡ ወበዓለ እግዝእትነ ማርያም በዘነሥአት ኪዳነ። ዘቅዳሴ ምንባብ፦ ገላ. 3፡17-ፍጻሜ። 2ይ ዮሐ. 1፡1-7። ግብ. ሐዋ. 1፡12-14። ምስባክ፦ መዝ. 88/89 ዓዲ መዝ. 67/68 ወንጌል፦ ሉቃ. 1፡39-56። ቅዳሴ፦ ዘ፫፻ት ግሩም። * * *
00:00 h
Ad Right

  

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ኪዳነ ምሕረት

ኪዳን ፦ “ተካየደ” ካብ ዝብል ግእዛዊ ግሢ ዝወፅአ ኾይኑ፡ “ተመሓሓለ፡ ተሰማምዐ፡ ተወዓዓለ” ማለት እዩ። ኪዳን፥ ንኽልተ ሓደ ዝገብር ናይ ፍቕርን...

ቀዳማይ ሰንበት ዓቢይ ጾም፡ ዘወረደ 

ቀጥታዊ ትርጕሙ ‘ዝወረደ’ ማለት እዩ። እዚ ድማ ምእንቲ ድኅነተ ዓለም፡ ካብ ሠለስተ ኣካል ሓደ ኣካል እግዚአብሔር ወልድ ብፍሉይ ኣካሉ ካብ...

ዓቢይ ጾም

ሓደ ካብ ሾብዓተ ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ዓቢይ ጾም እዩ። እዚ ጾም እዚ ፈጣሬ ሰማያትን ምድርን፡ ጐይታ ጐይቶትን ኢየሱስ ክርስቶስ ድኅሪ...

ዓቢይ ጾም፡ ካብ ሰኑይ 16 የካቲት ክጅመር እዩ!

ብኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ሕገ ቀኖና፡ ኣብ ዓመት 7ተ ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ኣለዉ። ነዞም ኣጽዋማት ኵሉ ክርስቲያን ክጾሞም ኣብ ፍትሓ...

ኪደት መንፈሳዊ ኮሌጅ ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ ተገምጊሙ!

12 የካቲት 2012 ዓ.ም.ግ (20 የካቲት 2020 ዓ.ም.)፡ ኪደት መንፈሳዊ ኮሌጅ ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ ዝግምግም ጉባኤ፡ ብፁዓን አቦታትን ኣባላት...

ሓዋርያ ቅዱስ ያዕቆብ ወልደ እልፍዮስ

ያዕቆብ ማለት አኀዜ ሰኰና አዕቃጺ (ሓንኳሊ) ማለት እዩ። ነገዱ ካብ ነገደ ጋድ ሃገረ ስብከቱ ኢየሩሳሌም ዕረፍቱ 10 የካቲት ቍጽሩ ካብ...

አዋጅ ምህላ ጾመ 40 ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያናት

“ቀድሱ ጾመ ወስብኩ ምህላ/እትጾሙሉ እዋን ፍለዩ ምህላ’ውን ኣውጁ” ኢዩ. 1፡14 ብኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ሕገ ቀኖና ኣብ ዓመት ካብ ዘለዉ ሾብዓተ...

ሠራሕተኛታት ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ናብ ገዳም ደብረ ጥሉል አቡነ…

05 የካ 2012 ዓ.ም.ግ (13 የካ 2020 ፈ.) ሠራሕተኛታት ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ናብ ገዳም ደብረ ጥሉል አቡነ አብራንዮስ (እንዳ...

በዓለ ስምዖን ኣረጋዊ - 8 የካቲት

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ነፍስን ሥጋን ተዋሒዱ ምስ ተወልደ፡ ሕጊ መጽሓፋዊ ንምፍጻም ኣብ 40 መዓልቱ፡ መሥዋዕቲ...

ክብረ በዓል ገዳም አቡነ እንድርያስ ሰፍኣ ተኸቢሩ!

ዓመት መጸ 1 የካቲት ዝበዓል ዝክረ ዕረፍቲ ኣቡነ እንድርያስ ሎሚ ዓመት 2012 ዓ.ም. እውን ብዓቢይ መንፈሳዊ ክብሪ ተኸቢሩ! ኣብዚ ክብረ በዓል...

ዕለታት ጾመ ነነዌ

ጾመ ነነዌ ሓደ ካብቶም 7ተ ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ቤተ ክርስቲያን እዩ። ጾመ ነነዌ ኵል ሳዕ ዓቢይ ጾም ቅድሚ ምእታዉ ቅድሚ...

ንዑ ደቂቅየ ወስምዑኒ . . እመሀርክሙ - ታሪክ ሰብአ ነነዌ…

እግዚአብሔር ዝፈትወኩም ሕፃናት ከመይ ኣሎኹም፧ ናብዚ ሰዓትን እዝን ዕለትን ብሰላም ዘብጸሓና እግዚአብሔር ዝኸበረን ዝተመስገነን ይኹን። ልበ ኣምላክ ኣቦና ቅዱስ ዳዊት...

  

latest articles

The feast of presenting the lord Christ in the temple…

On this day we celebrate the feast of presenting the lord Christ to the temple after 40 days of his...

The Fast of Nineveh - Monday 10 – 12 February…

In Eritrean Orthodox Tewahdo Church, one of the seven fasting periods is the fast of Nineveh.

Mystery of Baptism

Baptism is the sacrament given to all who believe in the Mystery of the Trinity and the Mystery of Incarnation...

Mystery of Incarnation

Mystery of Incarnation means the mystery of the descending of God the Son who is one of the Trinity from...

Mystery of the Holy Trinity

The Eritrean Orthodox tewahdo Church has Five pillars of Mysteries through which it teaches and demonstrates its basic religious belief...

Welcome to the Feast of the Nativity of Our Lord…

Glory to God. When the appointed time of salvation and the foretold prophesies came to pass, God the Son come to...

In Memory of His Holiness Abune Yacob the Second Patriarch…

His Holiness Abune Yacob, the Second Patriarch was one of the reputable leaders of the EriOTC, a shining star of...

Fast of the Prophets (Advent)

15th November (geez calander), marks the first day of the Advent Fast, a period of abstinence and penance practiced by...

FASTING

Fasting is abstinence from all things that a body needs, and one has to fast from animal products and from...

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church (EriOTC)

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God. “We call our...

Holy of Holies Our Lady, the virgin Mary

The word holy (kidus) in Geez denotes being special, pure and esteemed. This prefix is an attribute to denote the...

HOLY SCRIPTURES (part one)

All Scriptures are written with the inspiration of the Spirit of God or the breath of God. They are also...