ኣብ ትምህርተ ኅቡኣት’ውን “አምላከ ኵሉ እስመ ለከ ኵሉ፡ ወኵሉ ብከ ዘሀሎ ለከ አልቦ ካልእ ዘኢኮነ ዘዚአከ ለባሕቲትከ ለዓለመ ዓለም/ ኵሉ ንኣኻ እዩ ዝግዛእ እሞ ናይ ኵሉ ኣምላኽ ኢኻ፣ ኵሉ ውን ብኣኻ ዝተረኽበ እዩ፣ ዘሎ ዘበለ ኵሉ ፍጥረት ንኣኻ ንምግልጋል እዩ። ካልእ ናትካ ዘይኮነ የልቦን ንበይንኻ ንዘለዓለም ዋሕድ ባህርይ ኴንካ ትነብር።” ብምባል የጠቓልሎ።
ኵሉ ናይ እግዚአብሔር ብምዃኑ ሰብ ናተይ ዝብሎ የብሉን፡ ጥራዩ መጺኡ፡ ጥራዩ ድማ ይኸይድ። (ኢዮ. 1፡20-21) ግናኸ እግዚአብሔር ነቲ ካብኡ ዝተረኽበ፡ ናቱ’ውን ዝኾነ ኵሉ፡ ሰብ ከም አምኀ ከቕርበሉ ይደልን ይእዝዝን። “ውሉድ ንኣቦኡ” ከምዝህቦ ማለት እዩ። ኣቦ ካብ ውሉዱ ህያብ ክቕበል ከሎ፡ ዋላ እኳ ነቲ ውሉድ ኣብቲ ዘለዎ ደረጃ ዘብጽሖ፡ ዋላ’ውን ዋጋ ህያብ ናቱ እንተኾነ፡ ስለ ናይ ውላዱ ሠናይ ትምኒቱን መግለጺ ፍቕሩን እምብዛ ይሕጐስ። ጸጋ ውልድነት ዝተቐበለ ሰብ ድማ ካብቲ ዝሃቦ፡ ክህብ እንከሎ ንእግዚአብሔር ዘሐጕሶ እዩ። ከመይ! ምሃብ መግለጺ ፍቕሪ ስለዝኾነ።
እግዚአብሔር ኣብ ሰብ ዘለዎ ፍቕሪ ዝተገልጸ በቲ ዝሃቦን ዝገበረሉ ውዕለትን እዩ። (ዮሓ. 3፡16) ሰብ ግና ክንድ’ቲ እግዚአብሔር ዝሃቦ፡ ክህብ ዘይኽእል እኳ እንተኾነ መግለጺ ፍቕሩን ተኣዛዝነቱን ካብቲ ዘለዎ ካብ ዝደቐቐ ክሳብ ዝዓበየ፡ ካብ ዝረቐቐ ክሳብ ዝገዘፈ ዝርአን ዘይርአን ብኅቡእ ኮነ ብግሁድ ክህብ ኣለዎ።
ካብ ኵሉ ኣቐዲሙ እግዚአብሔር ካባና ዝደልዮ፡ ንገዛእ ርእስና ዝተቐደሰ፡ ዘሐጕስ ሕያው መሥዋዕቲ ጌርና ምውፋይን ምቕራብን እዩ። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ “እምበኣርሲ ኣኅዋተይ፡ ንሥጋኹም ሕያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዘብልን መሥዋዕቲ ጌርኩም ከተቕርብዎ፡ ብምሕረት ኣምላኽ እምዕደኩም ኣለኹ” ኢሉና ኣሎ። (ሮሜ 12፡1) ሕይወትና በቲ ብጥምቀት ዝኃደራ መንፈስ ቅዱስ ክትምራሕ፡ ፍቓዱ ክትፍጽም ንእኡ ትበቅዕ ምግባራ ካብ ኵሉ ዝበለጸ ህያብ እዩ። (ሮሜ 6፡12-13፣ 1ይ ቆሮ. 3፡16)
እቲ ካብ ጕስነት ክሳብ ንጉሥነት ዝበጽሐ ቅዱስ ዳዊት “ምንተ አአስዮ ለእግዚአብሔር በእንተ ኵሉ ዘገብረ ሊተ/ ኣብ ክንድ’ቲ ሠናይ ዝገበረለይ ኵሉስ ንእግዚአብሔር እንታይ ውሬታ ክመልሰሉ እየ” (መዝ. 116፡12) ብምባል ብበገናኡ ከመስግን ከሎ፡ ለይትን መዓልትን ምስጋና ምእንቲ ከይቋረጽ ዘመስግኑ 288 መዘምራን መደበ። (1ይ ዜና. 25፡7) ሰብ፡ ውሬታ እግዚአብሔር ክመልስ ስለዘይክእል ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣየር ዘስተንፈሰሉ፡ ስጕሚ ዝኸደሉ፡ ሥራሕ ዝሠርሓሉ፡ . . . ኵሉ ጊዜ፡ ኣብ ምሉእ መዋዕለ ሕይወቱ መሥዋዕተ ምስጋና ከቕርብ ይግባእ እዩ። (ኤፌ. 5፡20፣ 1ይ ተሰ. 5፡16-18)
ሰብ ነቲ ዝነብረሉ ዘሎ ለይትን መዓልትን፡ መዋዕል ዕድመ ናተይ እዩ ዝብሎ ‘ጊዜ’ ፈጣሪኡን ወሃቢኡን ጐይታ ዘመናት፡ ንዘመናት ዝለዋወጥ እግዚአብሔር ብምዃኑ ካብ ጊዜኡ ነቲ ዝሃቦ ክህብ ግዴታኡ እዩ። ምንጪ ኃይልና ዝኾነ እግዚአብሔር ፍልጠት ኮነ ክእለት፡ ሞያ ኮነ ጥዕና . . . ኵሉ ዝህበና ንሱ እዩ። ስለዝኾነ ነዚ ዝሃበና ኵሉ ጊዜ ኣብ ዝኾነ ኵነታትን ኣብ ኵሉ ቦታን ኣምልኾቱ ኣብ ምፍጻም፡ ዕዮ ወንጌል ኣብ ምስፋሕ፡ ቃሉ ኣብ ምምሃር፡ . . . ንእኡ ኣብ ምግልጋል ክንጥቀመሉ ቅዱሳት መጻሕፍት ይምህሩና። (ዘዳ. 6፡5)
ሰብ ጥራዩ ብምውላዱ ናተይ ዝብሎ እኳ እንተዘይብሉ ኣቦና ኢዮብ “ንስኻ ሃብካና” ከምዝበሎ ንዝሃበና ገንዘብ፡ እቶትን ንዋትን ኽንህብ’ውን ይግባእ እዩ። ጥበበኛ ሲራክ “ነቲ ኣዝዩ ልዑል ዝኾነ እግዚአብሔር ከምቲ ዝሃበካ ሃቦ፡ ከምቲ ዝተቐበልካዮ ድማ ብልግሲ ምለሰሉ፡ ንሱ ክኸፍለካ 7ተ ገይሩ ክፈድየካ እዩ።” ብምባል ይምዕድ። (ሲራ. 35፡10) ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ’ውን “ሀቡ ዘቄሣር ለቄሣር፡ ወዘእግዚአብሔር ለእግዚአብሔር/ እቲ ናይ ቄሣር ንቄሣር፡ እቲ ናይ እግዚአብሔር ድማ ንእግዚአብሔር ሃቡ።” (ማቴ. 22፡21) ብዝበሎ መሠረት ምስቲ ብዘመነ ብሉይ ዝነበረ ሥርዓት ተተኃኂዙ “ዓሥራት፡በኵራትን ቀዳምያትን” ዝብል ኣንቀጽ ተሠሪዑልና ኣሎ። ዓሥራት እንታይ ማለት እዩ፧ በኵራት እንታይ ማለት እዩ፧ ቀዳምያት እንታይ ማለት እዩ፧
. . . ይቕጽል።
ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ አሜን!