ወገብረ ሰላመ በደመ መስቀሉ/ ብደም መስቀሉ ሰላም ገብረ። ቈላ. 1፡19-20

Sep 26, 2020

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

   * ኣመጻጽኣ መስቀል፣

መስቀል ማለት ‘ሰቀለ’ ካብ ዝብል ግእዛዊ ግሲ ዝተረኽበ ኾይኑ ትርጕሙ ድማ ዝተመሳቐለ መስቀለኛ ማለት እዩ፣ ኣይሁዳውያን ‘ርጉም ፣ ውጉዝ ፣ ገበነኛ እዩ’ ንዝበልዎ ሰብ ብሰይፊ (ዘፀ. 21፥14)፣ ብእሳት (ዘሌ. 20፥14) ፣ብውግረተ እብን (ዘሌ. 20፥27)፡ኣብ መስቀል ብምስቃል . . . ይቐጽዕዎ ነበሩ። /ዘዳ. 21፥22)

ንንጹሐ ባህርይ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ  ሓንቲ በደል ዘይተረኽቦ ንምስቃል ዝተጠቕምሉ ሜላ ድማ ስቕለት ነበረ፣ ብመከራ ኣሣቕዮም ፡ኣእዳዉን ኣእጋሩን ሸንኪሮም፣ ኣብ መስቀል ሰቐልዎ፣ ጎድኑ ብዂናት ወግእዎ፣ ገበነኛ እዩ ንኽብሉ ‘‘ኢየሱስ ናዝራዊ ንጉሠ አይሁድ’’ ዝብል ጽሑፍ ኣብ ልዕሊ ርእሱ ጸሓፉ፣ ብፍቓዱ’ውን ሞተ።

በዚ ኸኣ ናይ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክቡር ደሙ ዝፈሰሰሉን ቅዱስ ሥጋኡ ዝተቘርሰሉን ስለ ዝኾነ፡ መስቀል ትእምርተ መርገም ምዃኑ ተሪፉ መግለጺ ኽብርን በረኸትን፣ ትእምርተ ኃፍረት ምዃኑ ተሪፉ ምልክት ናጽነትን ድኅነትን ሕይወትን ኮነ።   

 * ትንቢትን ምሳሌን

ነገረ መስቀል ብብዙኅ ትንቢት ተነጊሩ እዩ፣ ብብዙኅ ሕብረ ኣምሳል ውን ተመሥጢሩ እዩ፣ ኣቦና ኣዳም በደሉ ኣሚኑ ብኃዘንን ብኽያትን ምስለመነ ፡መፍቀሬ ንስሓ እግዚኣብሔር ብዓይነ ምሕረቱ ጠሚቱ፥‘‘ እትቤዘወከ በመስቀልየ ወበሞትየ/ ብመስቀለይን ብሞተይን ክብዘወካ እየ’’ ዝብል ተስፋ ሃቦን ቃል ኪዳን ኣተወሉን፣ (አክሲማሮስ ዘዓርብ፣ ቀሌ. 13 )ነቢየ እግዚኣብሔር ቅዱስ ዳዊት’ውን “ወወህብኮሙ ትእምርተ ለእለ ይፈርሁከ ከመ ያምስጡ እምገጸ ቅስት”(መዝ. 59፡4) ክብል ከሎ ብክርስቶስ ክርስቲያን፣ በወልድ ውሉድ ዝተባህሉ ምእመናንን ምእመናትን ካብ ኃጢኣትን ኣጋንንትን መናፍቃንን ፍትወታት እኩያትን ብትእምርተ መስቀል ዓወት ከም ዝረኽቡን ምርዳእ እዩ፣ ብሕብረ ኣምሳል ስለ ነገረ መስቀል ብዙኅ ተመሥጢሩ እዩ፣ ዕፀ ሕይወት (ዘፍ.3፡22)፣ ኖኅ ምስ ስድራቤቱ ዝደኃነላ መርከብ (ዘፍ. 6፡14-22)፣ ‘ወአስተኀለፈ እዴሁ ወባረኮሙ/ ኣእዳዉ ኣመሳቒሉ ባረኾም’  ከም ዝብል ኣቦና ያዕቆብ ንደቂ ዮሴፍ ዝባረኸሉ ምልክት (ዘፍ. 48፥14) ፣ ባሕረ ኤርትራ ዝኸፈለት በትረ ሙሴ (ዘፀ. 14፡16)፡ሙሴ ኣብ በረኻ ንኣስራዚ ተመን ዝሰቐለሉ ዕንፀይቲ (ዘኍ. 21፡8-9)፡ኣቃውማ ሙሴ ንጸሎት (ዘፀ. 17፡11-17) . . . ወቦ ዘተርፈ።

      * በረከተ መስቀል

እግዚአብሔር ዝሃቦ ተስፋን ፡ነቢያት ዝተነበይዎ ትንቢትን ንምፍጻም ፡ኣካላዊ ቓል እግዚኣብሔር ወልድ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ኣብ መልዕልተ መስቀል ተሰቒሉ ቕዱስ ሥጋኡ ቘረሰልና፡ ክቡር ደሙ’ውን ኣፍሰሰልና፡ ክብርቲ ነፍሱ’ውን ብፍቓዱ ኣኅለፈልና፣ በዚ ኣብ መስቀል ዝፈጸሞ ተበጃውነት ድማ ብዙኅ ጸጋን ክብርን ረኸብና፣ ብምኽንያት ኃጢኣተ ኣዳም፡ ካብ ኣዳም ክሳብ ሙሴ (እስከ ክርስቶስ) ኣብ ዝበደሉን ዘይበደሉን ሞት ነጊሡ ነበረ። (ሮሜ 5፡14) ኃጢኣት ብዘርኢ እናተመኃላለፈ፡ ብመርገመ ሥጋን መርገመ ነፍስን ተኣሢርና ብርደተ መቓብር ርደተ ገሃነም፡ ብሞተ ሥጋ ድማ ሞተ ነፍስ ተፈሪድና ዅልና ንመውት ነበርና።

ክርስቶስ ኣምላኽና ኻብ ሰማየ ሰማያት ወሪዱ ንሥጋና ተዋሒዱን ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ንኃጢኣትና (መርገምና) ስለ ዝተሰከመልና ግና ሞት ተሳዒሩ ሕይወት ረኺብና። (ሮሜ 6፥6) ኣቐዲሙ ነቢይ ኢሳይያስ ኣብ ትንቢቱ ምዕራፍ 53፥4-5 ከምኡ’ውን ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቱ ‘‘ ወለነሰ ተሣየጠነ ክርስቶስ እመርገማ ለኦሪት በዘወድአ በእንቲአነ ወፆረ መርገማ እስመ ከመዝ ይቤ መጽሐፍ ርጉም ውእቱ ኵሉ ዘስቁል ዲበ ዕፅ ከመ ይግባእ በረከተ አብርሃም ላዕለ አሕዛብ በእንተ ኢየሱስ ክርስቶስ ወንርከብ ተስፋሁ ለመንፈስ ቅዱስ በአሚን በክርስቶስ/ ንኣናስ ክርስቶስ ምእንታና ኃሊፉ መርገምና ብምፅዋር ካብ መርገም ኦሪት ኣድኃነና፣ መጽሐፍ ከምዚ ኢሉ እዩ እሞ ኵሉ ኣብ ዕንፀይቲ ዝተሰቕለ ርጉም እዩ፣ ብኢየሱስ ክርስቶስ ፡በረኸት ኣብርሃም ምእንቲ ንኣሕዛብ ኪኸውንን ሕና’ውን ንክርስቶስ ብምእማን ምእንቲ ተስፋ መንፈስ ቅዱስ ክንረክብን እዩ።’’ ብምባል ካብ መርገመ ሥጋን መርገመ ነፍስን ነጻ ኸም ዝኾንና ይገልጽ። (ገላ. 3፥13-14)ኃይሊ እግዚኣብሔር ዝተገልጸ ፡ግብረ ምድኃን ዝተፈጸመ ኣብ መልዕልተ መስቀል ብምዃኑ ‘‘ንሱ ንርእስኻ ክቕጥቅጥ እዩ’’ ተባሂሉ ኸም ዝተነግረ ፡ጐይታ ንዲያብሎስ ዝቐጥቀጦ ብመስቀሉ እዩ። (ዘፍ. 3፥15)።   

ኵልና ብእኡ እንኣምን’ውን ንዲያብሎስ እንቕጥቅጠሉ ኃይልና መስቀል እዩ።

ኣብ መንጎ እግዚኣብሔርን ሰብን፡ መላእኽትን ሰብን፣ ሥጋን ነፍስን፣ ሕዝብን ኣሕዛብን ሰላም ዝተረኽበ ብናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ቤዛነት ብምዃኑ መስቀል ትእምርተ ሰላም እዩ፣ ሓዋርያ ቕዱስ ጳውሎስ ‘‘ወገብረ ሰላመ በደመ መስቀሉ ለዘበሰማይ ወለዘበምድር/ ብደም መስቀሉ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ንዘለዉ ሰላም ገበረ።” (ቈላ. 1፥19-20) ይብል እሞ ኣብ መልእኽቱ ናብ ሰብ ኤፌሶን ድማ“ ንሱ ነቲ ኣብ መንጎ ዝነበረ ናይ ጽልኢ መንደቕ ብሥጋኡ ብምፍራስ ነቶም ክልተ ሓደ ዝገበረ ሰላምና እዩ። . . . ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ብሙማት ነቲ ጽልኢ ደምሰሶ።” (ኤፌ. 2፥13-14) ይብል። ስለዚ፡ መርገምና ዝተደምሰሰሉን ሞት ዝተሳዕረሉን መንደቕ ጽልኢ ዝፈረሰሉን፡ . . . ወዘይመስሎ ግብረ ቤዛነት ዝተፈጸመ ኣብ መልዕልተ መስቀል ስለ ዝኾነ፣ መስቀል ንዘለዓለም ትእምርተ ሰላምን ዓወትን ኃይልን ጽንዓትን . . . ኮይኑ ይነብር።

    * ክብረ በዓል መስቀል

በዓለ መስቀል ዓመታዊ 17 መስከረም ብድምቀት ይኽበር፣ ታሪኻዊ ኣመጻጽኣ ናይዚ በዓል እዚ ሰፊሕን ዓሚቚን እዩ፣ ብስቕለት ጐይታ ዝኸበረን ደመ መለኮት ዝፈሰሶን መስቀል ከም ፀሓይ እና ኣብርሀ ሕሙማን ይፍውስን ምዉታን የተንሥእን ስለ ዝነበረ ፡ኣይሁድ ብቕንእን ክፍኣትን ተላዒሎም፡ ዓሚቝ ጕድጓድ ኣዅዒቶም ቀበርዎ፣ንኸይርከብ ንስመ ዝክሩን ኸይልዓልን ድማ ዅሎም ነበርቲ ኢየሩሳሌም ጐሓፍን ርስሓትን ዘበለ ኣብ ልዕሊኡ ንኺጕሕፉ ኣዘዙ፣ እቲ ዝቐበሩሉ ቦታ ኸኣ ኽሳብ ጎቦ ዝኸውን ንኣስታት ሠለስተ ኽፍለ ዘመን       (300 ዓመት) ደፈንዎ፣ ኣብ 4ይ ኽፍለ ዘመን፡ ኣብ ቍስጥንጥንያ ንጉሥ ቈስጠንጢኖስ ኣብ ዝነገሠሉ ጊዜ ግና ኣደኡ ንግሥት እሌኒ ነቲ ንኣስታት ሠለስተ ሚእቲ ዓመት ዝተቐብረ መስቀል ንኽትደሊ ሠራዊትን ተሓጋገዝትን ኣኸቲላ ናብ ኢየሩሳሌም ኣተወት፣ ብጸሎትን ብምሉእ ተስፋን ብዝገበረቶ ኸቢድ ጻዕሪ ኪራኮስ ዝበሃል ሽማግለ “ናይ ጐይታ መስቀል ኣብ ቀራንዮ ምህላዉ ኣቦታትና ይነግሩና ነይሮም” ብምባል ናብ ጎልጎታ ሓበራ፣ ንሳ ድማ ፈልዩ ነቲ ቦታ ንምሕባር ዕንፀይቲ ኣኪባ፡ ሓዊ ኣንዲዳ፡ ዕጣን ኣትከኸት፣ እቲ ትኪ ዕጣን ከኣ ኣብ’ቲ መስቀል ተቐቢርዎ ዘሎ ቦታ ወሪዱ ምልክት ኣርእዩ ሰገደ። ኣብዚ ቦታ እዚ ድማ 17 መስከረም ኵዕታ ተጀሚሩ ድኅሪ ብዙኅ ድኻም ከኣ 10 መጋቢት መስቀል ተረኽበ፣ ንግሥቲ እሌኒ ተቐቢሩ ዝነበረ መስቀል ብምርካባ ስለ ዝተሐጐሰት፡ ኣብ ቅዱሳት መካናት ኣብያተ ክርስቲያን ኣሕነፀት፣ ዝተሓንፃ ኣብያተ ክርስቲያን ብዕለተ 16 መስከረም ተባሪኸን ፡ብዓቢይ ክብሪ ቅዳሴ ቤቱ ተኸብረ፣ በዚ መሠረት እዚ ድማ ዓመት መጽአ 17 መስከረም ንግሥቲ እሌኒ ዕጣን ኣትኪኻ ንመስቀል ከም ዝረኸበቶ ንምዝካር ዳሜራ ጌርናን ሽግ ኣብሪህናን ነኽብሮ። ኣይሁድ እኳ እንተ ኸሓድዎ ንሕና ግና ኸምቲ እቲ ትኪ ዕጣን ዝሰገደ ንሰግድ፣ መስቀል ኃይልና እዩ፡መስቀል ጽንዓትና እዩ፡መስቀል ቤዛና እዩ፡መስቀል መድኃኒ ነፍስና እዩ” እናበልና’ውን ንዝምረሉ።   

* ሃይማኖታዊ ባህልን ሥርዓትን መስቀል

ብሓፈሻ መስቀል ብትንቢት ዝተነግረ ፡ብሕብረ ኣምሳል ዝተመሥጠረ ፡ብደም ክርስቶስ ዝኸበረ፡ ቤዛነትን ድኅነትን ስለ ዝተፈጸመሉ ብዝተፈላለየ ሥርዓት ንገልጾን ነኽብሮን፣ ቤተ ክርስቲያን ብዘይ መስቀል ኣይትከልን እዩ፣ ካብ ጒልላት ክሳብ መሠረት ምልክት መስቀል እዩ፣ ካህናት መስቀል ይኅዙ፣ ብእኡ’ውን ይባርኹ፣ ሕዝበ ክርስቲያን ውን መስቀል ይሳለሙ፣ ኣብ ኵሉ ሕይወቶም ኪጅምሩን ኺፍጽሙን ብትእምርተ መስቀል የማዕትቡ፣ ኣብ መስቀል ብዝተኸፍለ ዋጋ ተዓዲጎም እዮም እሞ ኣብ ክሳዶም ይኣስርዎ፣ ኣብ ክዳውንቶምን ንብረቶምን ድማ ይስለምዎን ይሥእልዎን።

          * መልእኽቲ ቤተ ክርስቲያን።

ምልክት ምግባር ጥራሕ ዘይኮነ’ውን ጣዕምን ፍቕርን መስቀሉ ኣብ ልብና ኸነኅድር፣ ብፍኖተ መስቀሉ ኽንጓዓዝ ከምኡ’ውን ወትሩ ጣዕሚ መንግሥተ ሰማያትን ምረት ገሃነመ እሳትን እና ዘከርና ኣብ ሠናይ ግብሪ ተጸሚድና ብጸሎት ክንነቅሕ ይግባእ፣ በቲ ደሙ ዘፍሰሶ መስቀሉ ሥርየት ኃጢኣት ኪህበና ስለ ሃገርን ዓለምን ምጽላይ ዝግባእ እዩ፣ ነዚ ኽገልጽ ከሎ “ ኅሡ ሰላማ ለሀገር . . . ወጸልዩ በእንቲአሃ ኀበ እግዚአብሔር እስመ በሰላመ ዚአሃ ይከውን ሰላምክሙ/ ንሳ ብሰላም ክትነብር እንተ ኸኣለት ኢኹም ሰላም ትረኽቡ እሞ ናይ ሃገር ሰላም ድለዩ፡ ምእንታኣ’ውን ናብ እግዚኣብሔር ጸልዩ” (ኤር. 29:7)። ሓዋርያ ቕዱስ ጳውሎስ ብወገኑ “ጸልዩ ላዕለ ኵሉ ሰብእ ወላዕለ ኵሉ ነገሥት ወመኳንንት ከመ በኅዱእ ወበጽምው ይኩን ንብረትነ በኵሉ ጽድቅ ወንጽሕ/ ብህዱእን ሰላምን ሕይወትን ምእንቲ ኽንነብር ከኣ ምእንቲ ዅሎም ነገሥታትን ሰበ ሥልጣንን ጸልዩ” ብምባል ወትሩ ስለ ሃገርን ዓለምን ፣ስለ ንጉሥን ሠራዊቱን፣ ስለ ሕዝብን መኳንንትን መራሕቲ ሕዝብን ምጽላይ ከም ዝግባእ ይነግረና፣ ንኸምዚ ዝበለ ጸሎት ልዑል እግዚኣብሔር ኢዱ ዘርጊሑ ገጹ ኣብሪሁ ኸም ዝቕበሎ እሙን እዩ። ስለዚ ኻብዚ ናብ ዓለምና ወሪዱ ዘሎ ሕማም ንሃገርናን ሕዝብናን ብዓይኒ ምሕረቱ ጠሚቱ ኺምሕረና ንእግዚአብሔር ኣበርቲዕና ኽንልምኖ ቕድስቲ ቤተ ክርስቲያን ተዘኻኽር።ንሃገርና ክልልት በግርማ ሕጽርት በመንፈስ ቅዱስ ይግበረልና፡ ዓውደ ዓመትና ይባርኸልና። እዚ በዓልናን እዚ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዓመትን፣ ሃይማኖት ዝጸንዓሉ፡ ሥነ ምግባር ዝዓብየሉ፡ . . . ብሓፈሻ ዓመተ ሰላምን ፍቕርን ክኾነልና ናይ ልዑል እግዚኣብሔር ቅዱስ ፍቓድ ይኹነልና።

  • ስብሐት ለእግዚአብሔር ኪያነ ዘፈጠረ ከመ ናምልኮ፣
  • ስብሐት ለማርያም እመ ኣምላክ እግዝእትነ ወመድኃኒትነ፣
  • ስብሐት ለመስቀለ ክርስቶስ ዕፀ መድኃኒት ኃይልነ ወጸወንነ።

 ቤ/ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ

ሰንበት ፲፯ መስከረም ፳፻፲ወ፫ ዓ.ም

 

 

 

 

 

ቤት ማኅተም ኮኮበ ጽባሕ

 

 

 

ዘመነ ማቴዎስ 14 ጥቅምት 2013 ዓ.ም…

October
Saturday
24
ዝክር፦ ፊልጶስ አሐዱ እምሰብዐ ወክልኤቱ አርድእት፡ ወሙሴ ብእሴ እግዚአብሔር፡ ወገብረ ክርስቶስ መርዓዊ፡ ወአባ አረጋዊ፡ ወመራክዋ ወእለ ምስሌሁ፡ ወዱማቴዎስ፡ ወእምራይስ፡ ወአርባዕቱ ምእት ሠላሳ ወአሐዱ ሰማዕታት። ዘቅዳሴ ምንባብ መልእክታት፦ 1ይ ቆሮ. 7፡36-ፍጻሜ 1ይ ጴጥ. 2፡13-20 ግብ. ሐዋ. 8፡26-ፍጻሜ ምስባክ፦ መዝ. 18/19 ዓዲ መዝ. 16/17 ወንጌል፦ ማቴ. 19፡26-ፍጻሜ ቅዳሴ፦ ቅዳሴ ዘአበዊነ ሐዋርያት፡ ዓዲ ዘእ…
00:00 h
Ad Right

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ቅዱስ ኣቡነ አረጋዊ

‘ላዕለ ተኵላ ወከይሲ ትጼዐን፡ ወትከይድ አንበሳ ወከይሴ። ኣብ ልዕሊ ኣንበሳን ተመንን ትጸዓን ሽደን ኣንበሳን ገበልን ክትረግጽ ኢኻ። (መዝ. 91፡13)   ኣብ...

ተመሃሮን ዲያቆናትን ብመዓረገ ዲቁናን ክህነትን ተቐቢኦም

ኣብ ሃገረ ስብከት ኣሥመራን ማእከልን ንመዓርገ ዲቁናን ካህናትን ዝሓለፉ ተመሃሮን ዲያቆናትን ብብፁዓን ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ፡ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስን ብፁዕ...

ኣብ ደብረ ድኁኃን ገዳም ኣቡነ ዮናስ ሕንጸት መንበሪ መነኮሳይያት ይካየድ…

ኣብ ደብረ ድኁኃን ገዳም ኣቡነ ዮናስ ንመኮሳይያት (ደቂ ኣንስትዮ) ብሓድነት እናተደጋገፋ ዝነብራሉ ሕንፀት መንበሪ ኣባይቲ መነኮሳይያት ይካየድ ኣሎ። ነዚ ኣብ...

መነቓቕሒ ሥልጠና ተዋሂቡ!

ቤት ጽሕፈጥ መንበረ ፓትርያርክ ዝወደቦ፡ 39 ኃለፍቲ ክፍልታት፡ ሊቃነ ካህናትን ካልኦትን ኣባላት ክሳተውዎ ዚጸንሑ መነቓቕሒ ሥልጠና ብዓርቢ ዕለት 06 ጥቅምት...

ኣብ ህልው ኩነታት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ዝዝቲ ጉባኤ ተኻይዱ

05 ጥቅምት 2013 ዓ.ም.ግ (16 ጥቅምት 2020 ዓ.ም.ፈ) ኣብ ህልው ኩነታት ቤተ ክርስቲያን ብፍሉይ ድማ ኣብ ባጀታዊ ኣሰራርሓን እዋናዊ ጽልዋ...

“ብጸሎት ጻድቕ፡ ሃገር ካብ ጥፍኣት ትድኅን” - ቅዱስ…

ቅዱስ መጽሓፍ “ብጸሎት ጻድቕ ሃገር ካብ ጥፍኣት ትድኅን” ከምዝብል ንሕዝበ ክርስቲያን ብዛዕባ ናይ ጻድቃን መንፈሳዊ ፍቕርን ጽንዓት ሃይማኖትን ፍጹም ትዕግሥትን...

ታሪኽ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ብሓፂሩ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ! “ንኣታቶም ኣብ ቤተይን ኣብ ውሽጢ ደምበይን ስፍራ ካብ ኣወዳትን ኣዋልድን ዚበልጽ ስም ክህቦም እየ፡...

ክብረ በዓል ሰማዕት ቅድስት ኣርሴማ ብዓቢይ መንፈሳዊ ክብሪ ተባዒሉ!

ዓመት መጽአ 29 መስከረም ዝክረ ሰማዕትነት ቅድስት ኣርሴማ ኣብ ኦርቶዶክሳውያን ኣብያተ ክርስቲያን ዝኽበር ኮይኑ፣ ብስማ ዝተሓንፀ ቤተ ክርስቲያንን ዝተገደመ ገዳምን...

አሥርቆት ዘወርኀ ጥቅምት

ዮም ሠረቀ ለነ ወርኀ ቡሩክ ጥቅምት ያብጽሐነ እስከ ወርኀ ኅዳር በሰላመ እግዚአብሔር! ወርኀ ጥቅምት ቡሩክ መዓልቱ ፲ወ፩ቱ ሰዓት ወሌሊቱኒ ፲ወ፫ቱ...

ቅዱስ ኣቦ አቡነ አብሳዲ

ዘደብረ ክሳሄ ወደብረ ማርያም ኣብ “ሓይቀ መሳሕል” ትብሃል ኣብ ትግራይ ዳብሽ እንዳ ማርያም እትርከብ ዓዲ ዝቕመጡ፡ ካህን ቶማስን እምነ ሰሎሜን ዝበሃሉ...

ንማዕርገ ዲቁናን ክህነትን ዝተሓጽዩ ንመርመራ ቀሪቦም

ክፍሊ ኣገልግሎት ካህናት ሃገረ ስብከት ኣሥመራን ዞባ ማእከልን ብዘዳለዎ፡ ናይ መዓርገ ዲቁናንን፡ክህነትን ፡ፈተና ካብ ኩለን ሃገረ ስብከት ኣሥመራ፡ካብ ዝርከባ...

ዘመነ መፀው

ኣብ ዓመት ካብ ዘለዉ ኣርባዕተ ወቕትታት እቲ ካብ መስከረም 26 ክሳዕ ታኅሣሥ 25 ዘሎ ጊዜ ዘመነ መፀው(ቀውዒ) ይበሃል። እዚ ወቕቲ...

  

latest articles

The feast of the Holy Cross - Mesekel (The Founding…

The Mesekel holiday is celebreated on Meskerem 17 (27th of September) and Megabit 10 (19th of March). The word Meskel...

The Ascension of St Mary (part two)

Moreover, Whilst John the evangelist was preaching in the country of Asia, on the sixteenth day of the month of...

The Ascension of St Mary (part one)

"At your right hand stands the queen." (Psalm 45:9)IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY...

The Fast of Assumption of the Virgin Mary

This fast lasts from Nehassie (August) 1 to 16. Our Lady departed on 21 of Ter (January) in 50 A.D...

“Blessed is he that considereth the poor” Ps. 41:1

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God Amen. The basic necessities...

The Apostle Saint Paul

Saint Paul was a Jew, of the tribe of Benjamin, a Pharisee, the son of a Pharisee; and his kinsfolk...

The Apostle st. Peter

Peter was from Bethsaida, and he was a fisherman.  Our Lord chose him on the second day following that whereon...

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...

The feast Of Pentecost

IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY SPIRIT, ONE GOD. On this day the Holy...

Ascension

After the Lord Jesus Christ had finished the operation of His wisdom upon earth, by His Passion, and His Death...

Tsinset (Annunciation – Feast of Incarnation)

In accordance with the cannon of the Church, one of the nine major feast days of Our Lord. it Tsinset (Annunciation...