በቴርጌላ ማርያም - ካብ ተላባዒ ሕማም ዝደኃነ ብጸሎት ማርያም!

Apr 03, 2020

ናይ እግዚአብሔር ምሕረት ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ጸሎት ምስ ኵልና ይኹን እሞ ኣብ መጽሐፈ ተአምረ ማርያም ካብ ዝሰፈሩ ተአምራት ሓደ ታሪኽ ኸምዚ ዝስዕብ ይብል፦

‘በቴርጌላ ማርያም’ ዝስሙ ሕፃን ምስ ዓበየ ኣብ ኣፍ ቤት መስፍን ኣቦኡ የገልግል ነበረ። ንብዙኃት ደቂ’ቲ መስፍን ዘጻልኡ መሣርሕቲ ሰይጣን ዝኾኑ ቀናኣት ሰባት ኣብ ልዕሊ በቴርጌላ ማርያም ብጽልኢ ተላዕሉ። ብምኽሪ ሰይጣን ምስ መስፍን ካብ ዝተጻልኡ ብዙኃት ሰባት ብመግረፍትን ማእሠርትን ክሳቀዩን ክሞቱን ከለዉ ንሕፃን በቴርጌላ ድማ ‘ካብዚኦም ኣይፍለን’ዩ ከምኣቶም እዩ’ እናበሉ ምስ መስፍን ኣጻልእዎ።

እቲ መስፍን ከኣ ዘረባ ናይዞም ብዙኃት ሓሰውቲ ሰሚዑ ነዚ ሕፃን ኣእሰሮ። ኣብኡ ድማ ምስ ክልተ እሱራት ኣኅዋቱ ኮነ። ኣብቲ ወርኃት እቲ ብፍጹም ክንገር ዘይክኣል ኣብ ልዕሊ ኵሉ ሰብ ቀሣፊ ሕማም ተላገብ ጀመረ። ሓደ መዓልቲ በቴርጌላ ማርያም ደቂሱ ከሎ ኣብ ቅድሚኡ ሥእለ እግዝእትነ ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ፍቁር ወዳን ሥዕለ ስቅለት ክርስቶስን ርኣየ። ነቲ ዝረኣዮ ንሱ ከምዚ በለ፦ ጐይታና ኣብ ቅዱስ ዕፀ መስቀል ከም ዝተሰቕለ ኮይኑ መጽአ፣ ኣፉ ከም ጕሁር እሳት ይመስል ነበረ፣ በቲ መድኃኒት ዝኾነ ቃሉ ድማ ሠለስተ ጊዜ ‘በቴርጌላ ማርያም’ ኢሉ ጸውዓኒ።

ብድኅር’ዚ ንሱ ስቅ ምስ በለ ብፍጹም ሓጐስ ተንሢአ ንእግዚአብሔርን ንፀዋሪተ ጕሁር እሳት እግዝእትነ ቅድስት ድንግል ማርያምን ኣመስገንኩ።

ነዚ ራእይ’ዚ ምስ ርኣየ ኵሉ ጊዜ ተጊሁ ናብ ወላዲተ ኣምላክ እግዝእትነ ቅድስት ድንግል ማርያም “ኦ ረዳኢት ጽጉማት ዝኾንኪ እግዝእትነ ቅድስት ድንግል ማርያም ኣቦይን ኣደይን ንዓኺ እንዲዮም ሓደራ ሂቦሙኒ።” እናበለ ብንብዓት ናብኣ ይልምን ነበረ። ስሌኣ’ውን ብዙኅ ጊዜ ርእሱ ብመላጸ ላጸየ።

ሓደ መዓልቲ እቲ መስፍን ነቲ ልኡኽ ሰይጣን ዝኾነ ሓስዩ ዘጸለሞ ሰብኣይ ጸዊዑ ንቤቴርጌላ ማርያም ጸውዓዮ ኢሉ ለኣኾ። እዚ ኽፉእ ከም ለዋህ ሰብ ክምስምስ እናበለ ንቤቴርጌላ ማርያም ጸውዖ።

እዚ ሰብኣይ’ዚ ከምቲ ነቲ ራእየ ነቢያት ክፍጽም ዝመጸ ካብ ብርሃን ዝተረኽበ ብርሃን ጐይታ ብ30 ቅርሺ ንኸሓድቲ ኣይሁድ ኣኅሊፉ ዝሃበ ካብ ንጹሓን ማኅበረ ሓዋርያት ዘተፈልየ ልኡኽ ሰይጣን ዝኾነ ይሁዳ ንእኡ መሰለ።

ንቤቴርጌላ ማርያም ከኣ “መስፍን ይጽውዓካ ስለዘሎ ቀልጢፍካ ምጻእ” በሎ። ቤቴርጌላ ማርያም ድማ ብፍጥነት ተንሢኡ ሰዓቦ። እቲ ሰብኣይ ድማ ከይፈለጠ በቲ ሕማም ብድብድ ዘለዎ መሪሑ ብፍሩስ ቦታ ኣኅሊፉ፡ ናብዚ ዓቢይ መስፍን ኣብጽሖ። እግዝእትነ ቅድስት ድንግል ማርያም ንልቢ ናይዚ መስፍን ኣራህርሀት። ብዘሐጕስ ጥዑም ቃል ንወዱ በቴርጌላ ማርያም ተዛረቦ። ንሕማሙ መድኃኒት ሂቡ ከኣ “ናብ ገዛኻ ኪድ” በሎ።

እቲ ገባሪ ክፉእ ሰብኣይ ከኣ ንበቴርጌላ ማርያም በቲ ተላባዒ ሕማም ዘለዎ ፍሩስ መንገዲ ኣኅሊፉ ኣብ ቤቱ ኣብጺሕዎ ተመሊሱ ከደ። በቴርጌላ ማርያም ካብ ሕማም ብድብድን ሞትን ካብ ክፍኣት ዓመጽቲ ሰባትን ደኃነ። ናብ መስፍን ቅድሚ ምጽውዑ ሓደ ኃዉ ብሕማም ብድብድ ሞተ። ካብቲ መስፍን ምስ ተመልሰ ውን ካልኣይ ኃዉ ብሕማም ብድብድ ሞተ።

ቤቴርጌላ ማርያም ግን ብኣማላድነት እግዝእትነ ቅድስት ድንግል በ፪ ማርያም ድኃነ።

ጸሎታን በረኸታን ምሕረት ፍቁር ወዳን ምስ ኵልና ይኹን፡ ኣሜን።

No events found.
Ad Right

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ማኅሌታይ ቅዱስ ያሬድ 

'ኣብ ወርኂ ታኅሣሥ ዕለቱ ሰኑይ፡ ሰዓቱ ሰዓት ፫ተ ብግዕዝ (9ተ)፡ ኣብ ቅድሚ ታቦተ ጽዮን ኣክሱም ደው ኢሉ ድምፁ ዓው ብምባል...

“ተዘከረኒ እግዚኦ አመ ትመጽእ በመንግሥትከ።/ ጐይታይ ብመንግሥትኻ ክትመጽእ ከሎኻ ዘክረኒ።”…

እቲ ብየማን ጐይታ ተሰቒሉ ዝነበረ ሽፍታ (ፈያታዊ ዘየማን)፡ ደመ ማኅተምን መርኆ ድኅነትን ተዋሂቡ ንኣቦና ኣዳም ቀዲሙ ናብ ገነት ከምዝኣተወ ቅዱሳት...

“ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ቅድሚ ዓለም ምፍጣሩ ኣብ ሕሊና ኣምላኽ…

እዚ ቓል’ዚ ኣብ መቅድም ተኣምረ ማርያም ዝርከብን ወትሩ ዝንበብን ኮይኑ፡ እግዚአብሔር ኣምላኽ ቅድሚ ንዓለም ምፍጣሩን ዘመን ምቝጻሩን፡ ኣዴና ቅድስት ድንግል...

ቅዱስ ኣትናቴዎስ

ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ከምዝሕብሮ፡ ድኅሪ ዘመነ ሓዋርያት ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ኣብ ዝተፈላለየ ዘመናት ብደገ ብዓላውያን ነገሥታት፡ ብውሽጢ ድማ ብናይ ጽርኣውያን...

ርክበ ካህናት

“ርክበ ካህናት” ማለት ናይ ካህናት መራኸቢ፡ ጉባኤ፡ መተኣኻኸቢ፡ መዛተዪ . . . ወዘይመስሎ ዝብል ትርጕም ኣለዎ። ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና፡ ዓመታዊ...

ናባይ ንዑ፡ ኣነ ኸኣ ከዕርፈኩም እየ! (ማቴ. 11፡28)

ክታብ ካብ ኣልፋ ወዖ እግዚአብሔር ኣምላኽ! ኣኽቢረ ብኣርኣያይን ብኣምሳለይን ዝፈጠርክኹም ደቀይ! ቅድሚ ኵሉ ሰላመይ ምስ ኵላትኩም ይኹን! ቅድሚ ሕጂ ብዙኅ ደብዳቤታት ሰዲደልኩም...

አሥርቆት ዘወርኀ ግንቦት

ዮም ሠረቀ ለነ ወርኀ ቡሩክ ግንቦት ያብጽሐነ እስከ ወርኀ ሰኔ በሰላመ እግዚአብሔር! ወርኀ ግንቦት ቡሩክ መዓልቱ ፲ወ፬ቱ ሰዓት ወእምዝ ይትዌስክ። ሎሚ...

ባሕቲ ግንቦት፡ ልደተ ማርያም

ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ኣብ ሕሊና ኣምላኽ ዝነበረት፣ ገና ከይተወልደት ትንቢት ዝተነግረላ፡ ሱባኤ ዝተቘጽረላን ምሳሌ ዝተመሰለላን እያ። ሊቀ...

ዮም ፍሥሐ ኮነ በእንተ ልደታ ለማርያም/ ሎሚ ብልደት ቅድስት ድንግል…

ልደት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ሃንደበታዊ ኣይኮነን። ካብ ፅንሰታ ክሳዕ ልደታ ኵሉ መስተንክር እዩ። ትንቢት ዝተነግረሉ፡ ሱባዔ ዝተቘጽረሉ፡ ምሳሌ ዝተመሰለሉ...

“ሓዋርያ ኣፍሪቃ - ቅዱስ ማርቆስ ወንጌላዊ”

ሓደ ካብ ጸሓፍቲ ኣርባዕቱ ወንጌል ቅዱስ ማርቆስ እዩ። ‘ዮሐንስ’ ዝብል ኻልኣይ ስም (ግብ. 13፡13) እኳ እንተሃለዎ ፍሉጥ ግና ‘ማርቆስ’ ዝብል...

ጸሎት ምእንቲ ዝሓመሙ ሰባት

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ “ለምኑ ክወሃበኩም እዩ፡ ድለዩ ክትረኽቡ ኢኹም፡ ማዕጾ ኳሕኵሑ ክረሓወልኩም እዩ” (ማቴ. 7፡7) ዝበሎ ኣምላካዊ ቃሉ መሠረት...

  

latest articles

Tsinset (Annunciation – Feast of Incarnation)

In accordance with the cannon of the Church, one of the nine major feast days of Our Lord. it Tsinset (Annunciation...

The feast of presenting the lord Christ in the temple…

On this day we celebrate the feast of presenting the lord Christ to the temple after 40 days of his...

The Fast of Nineveh - Monday 10 – 12 February…

In Eritrean Orthodox Tewahdo Church, one of the seven fasting periods is the fast of Nineveh.

Mystery of Baptism

Baptism is the sacrament given to all who believe in the Mystery of the Trinity and the Mystery of Incarnation...

Mystery of Incarnation

Mystery of Incarnation means the mystery of the descending of God the Son who is one of the Trinity from...

Mystery of the Holy Trinity

The Eritrean Orthodox tewahdo Church has Five pillars of Mysteries through which it teaches and demonstrates its basic religious belief...

Welcome to the Feast of the Nativity of Our Lord…

Glory to God. When the appointed time of salvation and the foretold prophesies came to pass, God the Son come to...

In Memory of His Holiness Abune Yacob the Second Patriarch…

His Holiness Abune Yacob, the Second Patriarch was one of the reputable leaders of the EriOTC, a shining star of...

Fast of the Prophets (Advent)

15th November (geez calander), marks the first day of the Advent Fast, a period of abstinence and penance practiced by...

FASTING

Fasting is abstinence from all things that a body needs, and one has to fast from animal products and from...

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church (EriOTC)

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God. “We call our...

Holy of Holies Our Lady, the virgin Mary

The word holy (kidus) in Geez denotes being special, pure and esteemed. This prefix is an attribute to denote the...