መንፈሳዊ ድኻም

Dec 21, 2019

ብሓፂሩ ‘መንፈሳዊ ሕይወት’፥ ማለት ሕይወትካ ንእግዚአብሔር ምሃብ፡ ብሃይማኖቱ ጸኒዕካ ከም ሕጉን ሥርዓቱን ውን ምምልላስ እዩ። እዚ ኸኣ ነቲ ጊዜያዊ ብዘለዓለማዊ ፡ ሥጋዊ ውን ብመንፈሳዊ ሓሳብን ግብርን ኣጣሚርካ፣ ንሥጋኻ ብነፍስኻ ኣግዚእካ፡ ንዅሉ ዕዮ ሥጋዊ ሕይወትካ ንነፍስኻ ብዘይጸሉ ኣገባብ ምንባር እዩ። ስለዚ ከምዚ ዝበለ ሕይወት ንነብር እንተለና፡ ደረጃና ደኣ ይፈላለ ይኸውን እምበር ጕዕዞና ወይ እንኸዶ መንገዲ ‘መንፈሳዊ ጕዕዞ’ ተባሂሉ ይጽዋዕ።

በዚ መንፈሳዊ ጕዕዞ እዚ ገሌና ፍሑኽ እናበልና፡ ገሌና ብዘገምታዊ ጕዕዞ፡ ገሌና ብቕልጡፍ ስጉምቲ፡ ገሌና እውን ብጉያ ንኸይድ ንህሉ። ግናኸ ነዚ ዝተፈላለየ ደረጃ መንፈሳዊ ጕዕዞና ዘድክሙን ዘውድቑን ክልተ ነገራት ኣለዉ። ንሳቶም ድማ፦

1. ኣብ ብዘሎ ሕይወትና ንድኅሪት ምጥማት። ዘፍ.19:26
2. ኣብ ብዘሎ ጕዕዞ ሕይወትና ደው ምባል። ዘፍ. 19፡17

ብሓፈሻ ኣብ ጕዕዞ መንፈሳውነት፥ ‘መንፈሳዊ ዝሕታለ ወይ መንፈሳዊ ድኻም’ ከየርኣየ ዝኃልፍ የለን። ይትረፍ ኣባናስ ኣብ ቀዳሞት አበው ውን ይርአ ነይሩ እዩ። ግና’ኸ ዋላ እኳ መንፈሳዊ ዝሕታለ ኣብ አበው ይርአ እንተ ነበረ ምናልባሽ እቲ ናቶም ናትና ዝበርትዐ መንፈሳዊ ሕይወትና ክኸውን ይኽእል እዩ፡ ንሱ ከማን እንተ በጺሕናዮ እዩ። ስለዚ ነፍስና ክንምርምር የድልየና። ቀዳሞት ከማን ብመንፈስ ዝደኽሙ ካብ ነበሩ ደኣ ኣነ እንተ ደኸምኩ ጸገም የብሉን ኢልና ንነፍስና ከይነጸናንዕ ንጠንቀቕ!

ኣብ ደረጃ ጕዕዞና ብዛዕባ ዝኃለፈን ዚመጽእን ክንዝክሮምን ክንገብሮምን ዝግብኡና ነገራት ኣለዉ። ናይ ዝኃለፍናዮ ጕዕዞ ነቲ ኃጢኣትና ደኣ እምበር ነቲ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ዝገበርናዮ ግብሪ ጽድቂ ክንዝክርን ክንጽብጽብን ኣይግባእን ። ምኽንያቱ
ኃጢኣትካ ምዝካር ንዝመጽእ ግብሪ ጽድቂ ዘዳልው እዩ። ነቲ ዝኃለፍካዮ ጽድቂ ምዝካር ግና ንናይ ጽባሕ ኃጢኣት ዘዳሉ እዩ። ንመጻኢ ሕይወትና ብጽድቂ ክትዕንብብ እንተ ደሊና፥ ኣቐዲምና ዝኃጣእናዮ እናዘከርና ክንበኪ ደኣ እምበር ‘የቐድስ ነይረ ፡ ይንሳሕ ነይረ ፡ ይቈርብ ነይረ፡ ይመሃር ነይረ’ ምባል ናይ ከንቱነት ከንቱ እዩ። ጕዕዞ ሕይወት ‘ብነይረ’ እንተዝኸውንሲ፡ ዲያብሎስ ልዕሊ ኵሎም መላእኽቲ እዩ ዝነበረ! ሕጂ ኸ፧

ኣብ መንፈሳዊ ጕዕዞና ዝሕታለ ኮነ ድኻም ሳሕቲ ድዩ ዋላስ ኣብ ዝበዝኀ ክፋል ሕይወትና እዩ ዝርአ፧ ናይዚ ድኻም መበገሲ መን እዩ፧ ባዕለይ ብፍቓደይ ድየ ወይስ ካብ ካልእ ዝመጽእ እዩ፧

፨ ስለዚ ነቶም ብዙኅ ጊዜ ኣብ ሕይወትና ንዘጋጥም ድኽመት ምኽንያት ክኾኑ ዝኽእሉ ነጥብታት ንጠቅስ፥

* ካብ ንስሓ ሕይወት ምርሓቕ

ኣብ ንስሓ ሕይወት ዘሎ ሰብ ዘወትር ንእግዚአብሔር ዘኽብር ካብ ጸልማት ኃጢኣት ዝወፅአ እዩ። ግንኸ ኣብ ዝበዝኀ ሰብ እዚ ዓይነት ናይ ንስሓ ሕይወት ቀጻልነት የብሉን። በዚ ኸኣ ድኅሪ ጊዜ ኃጢኣቱ ክሳዕ ምርሳዕ በጺሑ፡ ውድቀቱን ውርደቱን ክዝንግዕ ይጅምር። ነቲ ኣቐዲሙ ዝነበሮ ጸጋኡ የጥፍእ፡ ንርእሱ ምግሣጽ ይገድፎ፡ ትሕትናኡ የጥፍእ ፡ ኃጢኣቱ ኣብ ቅድሚኡ ኣይረኣዮን። ነቢየ እግዚአብሔር ቅዱስ ዳዊት ግና “ ኃጢኣተይ ኵሉ ጊዜ ኣብ ቅድመይ እዩ” እናበለ ብንብዓት ኵሉ ጊዜ ዓራቱ የጠልቅዮ ስለዝነበረ መንፈሳዊ ኃይሉ ክደክም ኣይከኣለን።

ኣብዚ እንነብረሉ ዘመን መንፈሳዊ ሕይወትና ንስሓ ዘይብሉ ሕይወት እንተኾይኑ ከንቱ ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና። ገሌና ‘የርክበሉ እየ’፣ ገሌና ‘መንእሰይ እየ ዘሎኹ’፣ ገሌና እውን ኣብ ቅዳሴ ኮነ ጉባኤ ስለእንሳተፍ በዚ ተጸናኒዕና ካብ ንስሓ ሕይወት ዝረሓቅና ውኁዳት ኣይኮንናን። እንተኾነ ግና ሓደ ከነስተውዕሎ ዘለና ኣሎ። ንሱ ኸኣ ኵሎም ኣይሁድ ብግብዝና ተወጢሮም ንጐይታ ኣብቲ ብፍቓዱ ሥጋኡ ዝቘረሰሉን ደሙ ዘፍሰሰሉን ቀራንዮ መስቀል ኃዲጎሞ ከም ዝኸዱ ንፈልጥ ኢና፡ ሎሚ እውን ንሕና ንቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን (ቀራንዮ) ገዲፍናያ እንኸይድ ውኁዳት ኣይኾናን ኢና፣ እሞ ደኣ ካብ ኣይሁድ ብምንታይ ኢና ንፍለ፧ እቲ ሓደ ፍልልይ ናይ ጊዜ ዘመን ጥራሕ እዩ፣ በዚ ኸኣ ‘ዘመናውያን ኣይሁድ’ ተባሂልና ንጽዋዕ።

እምበኣር ነቶም ካብዚ ናይ ንስሓ ሕይወት ብዝተፈላለየ ምኽንያት ተፈሊና ዘለና ናብ ንስሓ ሕይወት ክመልሰና፣ ነቶም ኣብ ንስሓ ዘለና ድማ ጀመርቲ ዘይኮነስ ፈጸምቲ ኽገብረና ጸጋ እግዚአብሔር ኣይፈለየና፡ ኣሜን!

* ካብቶም መንፈሳዊ ኃይሊ ዝህቡና ፍረታት ጽድቂ ምርሓቕ

ሓደ ካብቲ ንመንፈሳዊ ሕይወትና ዘድክም፥ ካብቶም ምስ እግዚአብሔር ዘራኽቡና ግብርታት ምፍላይ እዩ። እዚኣቶም ድማ ቅዳሴ፡ ጾም፡ ጸሎት፡ ምጽዋት፡ ስግደት፡ ምንባብ ቅዱሳት ጽሑፋት፡ ኣብ መንፈሳዊ ጉባኤታት ምስታፍ ፡ ዝማሬ፡ ዕሽር ሞባእን ምውፃእ፡ . . . ። ሓደ ሰብ ካብዞም ዝተጠቕሱ ምስ ዝፍለ ብርኡይ ይደክም፣ ንመንፈሳዊ ዝሕታለ ውን ቅሉዕ ይኸውን።

* ካብ መንፈሳዊ ዕቤት ጠጠው ምባል

ኣብቲ በጺሕናዮ ዘለና ደረጃ መንፈሳውነት ደው ምባልን ንታሕቲ ገጽካ ምውራድን ሓደ ካብቲ ንመንፈሳዊ ዕቤት ዘዳኽም እዩ። ብመንፈስ ምዕባይ ዘወትር ንቅድሚት ኣጠሚቱ ካብ ጸጋ ናብ ጸጋ ዘሰጋግር ዓቢይ መንፈሳዊ ኃይሊ እዩ።

እግዚአብሔር ‘ፍጹማን ኩኑ’ ዝበለና ናይ ክርስትና ፍጽምና ወሰን ዘይብሉ ዘይባተኽ ደው ዘይብል ምዃኑ ንኽነግረና እዩ። ተጋድሎ ናይ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ንዘክር! ንሱ ምሥጢር ተገለጸሉ፡ ክሳዕ ሣልሳይ ሰማይ ተነጢቁ ከደ፡ ብዙኅ ድንቅን ተኣምራትን ገበረ። ቅዱስ ጳውሎስ ግና “ ብድኅረይ ዘሎ እናረሳዕኩ ንቅድመይ ገጸይ እመጣጠር ኣለኹ” ብምባል ንቅድሚት ምስጓም ከም ዝግባኣና መኺርና ኣሎ። ስለዚ ንቅድሚት ጠሚትካ ምጕዓዝ ንነፍስና ዘየቛርጽ ትግሃት ይህብ፡ መንፈሳዊ ኃይሊ ውን የስንቕ ።

* ካብቲ ግቡእ ሥርዓተ ኣምልኾ ምእላይ

ኣብ ሕይወት ብፍላጥ ይኹን ብዘይ ፍላጥ፡ ብስምዒት ኮነ ሸለልትነት ካብ ልቢ ዘይመንጨወ ሥርዓተ ኣምልኾ ምህላው ውፅኢቱ ንመንፈሳዊ ሕይወት ዘዳኽም እዩ ። ንምሳሌ፥ ክትጽልይ ከሎኻ ምህዋኽ. . . ካብ ምስትውዓል የውፅእ። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ “ ካብ እልፊ ቃላት ብልሳንሲ ኃሙሽተ ቃላት ብምስትውዓል ይበልጽ”(1ይ ቆሮ. 14፡19) ዝበሎ፣ ከምኡ’ውን “ ኣነ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ዝቖምኩ ክጽልይ እምበር ቃላተይ ከጠዓዕም ኣይኮንኩን” ዝብል ካብ ብሂል አበው ኣሎ።

* ኃላፍነት ምብዛኅ

ካልእ መበገሲ ናይ መንፈሳዊ ድኽመት ተባሂሉ ዝጥቀስ ኃላፍነት ምብዛኅ እዩ። ኃላፍነት ክበዝኅ ከሎ እቲ ፆሩ ትዕግሥትኻን ትሕትናኻን ተፈታቲኑ ንመንፈሳዊ ድኻም የቃልዓካ።
መንፈሳዊ ሕይወት ክጅምር ከሎ፡ ናብ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ብዓቢይ ፍርሓትን ትሕትናን፡ ናብ ቤተ እግዚአብሔር ክኣቱ ብቑዕ ከምዘይኮነ ርእሱ እናገሠፀ ይኣትውን ምሕረት እግዚአብሔር ክረክብ ወትሩ ብጸሎት ይተግህን ነበረ። ድኅሪ ጊዜ ግና ፆር ኃላፍነት ምስ ተሰከመ ክሳብ ንርእሱ ምርሳዕ በጺሑ ብዛዕባ ካልኦት ሰባትን ሥራሕን ጥራሕ ይሓስብ። ኣቐዲሙ ፡ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ኣንቢቡ ንክነብረሉ ዝጋደል ዝነበረ፡ ሕጂ ግን ንኻልኦት ክምህር ኢሉ ጥራሕ የንብብ። ኣብ ክንዲ ብሕይወቱ ንቤተ ክርስቲያን ከገልግል ዝሓስብ ብፍልጠቱ ክነብርን ክኸብርን ይጽዕር። ስለዚ ከምዚ ዓይነት ሕይወት ንመንፈሳዊ ድኽመት ዘቃልዕ እዩ።

* ኣብ ናይ ካልኦት ሰባት ሕይወት ጣልቃ ምእታው

ገለ ሰባት ኣብ ሕይወት ካልእ ሰብ ጣልቃ ብምእታውን ጸቕጢ ብምፍጣርን ምክንያተ መንፈሳዊ ድኻም ዝኾኑሉ ጊዜ ኣሎ። እዚ መንፈሳዊ ሰብ ብልክዕን ዓቀን ብዝኃለፎ ዕቤት መንፈሳውነትን ኵሉ ጊዜ ብሕይወቱ ንእግዚአብሔር ከሐጕስ ይጽዕር ነበረ። ድኅሪ ሰባት ኣብቲ ሕይወቱ ጣልቃ ኣትዮም ‘መንእሰይ እንዲኻ ንምንታይ ከም ሰብካ ዘይትዕንድር ዘይትጻወት፡ ካብ ሕጂ ከምዚ ኢልካ ኣበይ ክትበጽሕ ኢኻ፡ ትምህርትኻ ዘይትገብር ቤተ ክርስቲያን ደኣ ቀስ ኢልካ ዘይተርክበሉ’ እናበሉ ኣተሓሳስባኡ ንኽልውጥ ምኽንያት ይኾንዎ። በዚ ተጽዕኖ እዚ ውን ንርእሱ ኣብ ክንዲ ንእግዚአብሔር ምሕጓስ ንሰባት ምሕጓስን ድላይ ሰባት ምፍጻምን ዕላማኡ ይኸውን። ካብቲ ኂዝዎ ዝነበረ ሕይወት በብቝርብ ይዳኸም። በዚ ኸኣ እቲ ምዉቅ ዝኾነ ፍቕሪ እግዚአብሔር እናዝሓለ ይኸይድ፣ እግዚአብሔር ዋልታኡን ሕይወቱን ምዃኑ ረሲዑ ውን ንድኽመት ዝተቓልዐ ሰብ ይኸውን።

* ዕላማ መንፈሳዊ ሕይወት ምስሓት

እዚ ኸኣ ሠናይ ምግባር ንእግዚአብሔር ዝቐርብ መሥዋዕቲ ምዃኑ ረሲዕካ ብሰባት ንክትርአ ወይ ከም ልማድ ፡ ወይ ተገዲድካ ብጸቕጢ ዝፍጸም፡ ንእግዚአብሔር ኣምላኽ ምሕጓስ ገዲፍካ ንሰባት ከተሐጒስን ብሰባት ክትነኣድን ኢልካ ዝግበር እዩ። እዚ ዓይነት ሰብ’ዚ ዕላማኡ ወትሩ ንሰባት ከሐጒስ ዝተግህ እዩ። ስለዚ ውፅኢቱ፡ ንሰብ ኢልካ ትገብሮ ዓስብኻ ካብ ሰብ ስለ እትቕበሎ፡ እቲ ካብ እግዚአብሔር ክቕበሎ ዝግባእ ምሕረትን ጸጋ ጠጠው ብምባሉ መንፈሳዊ ሕይወቱ ድኹም ይኸውን።

* ዓለማዊ ሓሳብን ፍትወተ ሥጋን

ኣብ ዓለም ክሳብ ዘለና ክንሠርሕን ብተግባር ኣእዳውና ክንነብርን እግዚአብሔር ኣዚዙና እዩ። እንተኾነ ግና ብሰንኪ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ብዙኅ ውረድ ደይብ፡ ሓሳብ ዓለምን ናይ ሥጋኻን ጥራሕ ምፍጻም ሳዕቤኑ መንፈሳውነትካ ክሳብ ምርሳዕ የብጽሕ። ንእግዚአብሔርን ንመንፈሳዊ ሕይወትካን ዝኸውን ጊዜ ትስእን።
ሓደ ሰብ ብሓሳብ ሥጋ ምስ ዝተኃዝ ፡ ፍቕሪ እግዚአብሔር ካብ ልቡ ይጠፍእ ። መንፈሳዊ ሕይወቱ ድማ ድኹም ይኸውን። ስለዚ ከምዚ ዓይነት ሰብ “ ካበይ ከም ዝወደቕካ ዘክር” ዝብል ቃል ብምዝካር መበገሲ ውድቀቱ ክዝክርን ንርእሱ ብዕምቆት ክምርምርን ይግባእ። (ራእ.ዮሓ. 2፡5)

* ትዕቢት
በቲ ዝተዋህበካ ጸጋ ኣብ ክንዲ ነቲ ዝሃበካ እግዚአብሔር ምምስጋን፡ ባዕልኻ ጽዒርካ ከም ዝረኸብካዮ ኣምሲልካ ምዕባይ ውፅኢቱ ክፉእ ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና። ምኽንያቱ ሠናይ ውህበት (ጸጋ) ኵሉ ካብ ላዕሊ እዩ። ኣብዛ ምድሪ እዚኣ እንተ በርታዕካን እንተ ሠልጠንካን ብናይ መን ኃይሊ እዩ፧ ኣብዛ ዕለት’ዚኣ ብሕይወት ኣጽኒሑ ብዕድመን ጥዕናን ዝዓቀበካስ መን እዩ፧ ስለዚ እቲ ናይ እግዚአብሔር ንእግዚአብሔር ምሃብ ይግባእ። ኵሉ ጸጋ ናትካ ከም ዘይኮነ እኳ ደኣ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ዓቢይ ዕዳ ከም ዘለካ ፈሊጥካ ነዚ ዕዳ እዚ ናብቲ በዓል ቤት ናይዚ ሠናይ ውህበት ዝኾነ እግዚአብሔር ዕዳኻ ንምኽፋል ክትቃለስ ይግባእ። ነዚ እንተገበርካ ፈጺምካ ካብ ትዕቢት ወፂእካ ኣብ መንበር ትሕትና ክትቅመጥ ይከኣል እዩ። በዚ ውን ካብ መንፈሳዊ ድኻም ትርሕቕ ።

ድኽመትና ኣለሊና መፍትሒ ረኺብና ድልዱል ዝኾነ መንፈሳዊ ጕዕዞ ክንጓዓዝ እግዚአብሔር ጸጋኡ የብዝኃልና!

ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ አሜን! 

No events found.
Ad Right

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ክብረ በዓል ወዝክረ ዕረፍት አቡነ ኤዎስጣቴዎስ 18 መስከረም 2013 ዓ.ም…

ኣብ ናይ መንፈስ ደቆም ገዳማትን ብሽሞም ኣብ ዝተሓንፁ ኣብያተ ክርስቲያንን ክብረ በዓል ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ተኸቢሩ።

ክብረ በዓል ቅዱስ መስቀል 2013 ዓ.ም. ብመንፈሳዊ ተመስጦን ሓበንን ተባዒሉ!

ትማሊ ዕለት 17 መስከረም 2013 ዓ. ም. ክብረ በዓል ቅዱስ መስቀል፡ ዓቃቤ ወንበር ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ...

“ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝነገሩኹም መራሕትኹም ዘክርዎም” ዕብ. 13፡7 - አቡነ…

ቅዱስ አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ካብ ኣቦኡ ክርስቶስ ሞዐን፡ ኣደኡ ሥነ ሕይወትን ኣብ እንድርታ፡ ጽራእ ኣብ ዝተባህለ ዓዲ ተወልደ። ክርስቶስ ሞዐን ሥነ...

ወገብረ ሰላመ በደመ መስቀሉ/ ብደም መስቀሉ ሰላም ገብረ። ቈላ. 1፡19-20

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!    * ኣመጻጽኣ መስቀል፣ መስቀል ማለት ‘ሰቀለ’ ካብ ዝብል ግእዛዊ ግሲ ዝተረኽበ ኾይኑ ትርጕሙ ድማ ዝተመሳቐለ...

እንቋዕ ናብ በዓለ መስቀል 2013 ዓ.ም. ኣብጽሓና!

ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወፃእን እትነብሩ ምእመናንን ምእመናትን፣ ቅዱስ ፍቓዱ ኮይኑ ካብ ዘመነ ዮሓንስ ናብ ዘመነ ማቴዎስ ዘሰጋገረና እግዚአብሔር ኣምላኽና፣ እንቋዕ...

ንቤት ንባብ ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ መንፈሳዊ ኮሌጅ ዘገልግል…

ንቤት ንባብ ደብረ ሲና ቅድስት ስላሴ መንፈሳዊ ኮሌጅ ኣብ መሥርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ከም መወከሲ ዘገልግል መጻሕፍቲ ብገባሬ ሠናይ ኣቶ ቴድሮስ...

ዓመታዊ በዓል ቤት ትምህርት ሰንበት ቅዱስ ዮሐንስ ቤተ ክርስቲያን መድኃኔ…

ብዕለት 2 መስከረም 2013 ዓ.ም.ግ. “እግዚአብሔር ከኣ በደልካ ኣርሒቑልካ እዩ ኣይትመውትን ኢኻ” 2ይ ሳሙ. 12፡13 ብዝብል ኃይለ ቃል ዓመታዊ በዓል...

ካብ ርእሰ ዓውደ ዓመት ክሳዕ ፀአተ ክረምት

1. ካብ ዮሐንስ (መለወጢ ዘመን ) ክሳዕ ዘካርያስ (1 መስከረም ክሳዕ 8 መስከረም) ሓድሽ ዓመት ዝትክኣሉ እዋን ስለዝኾነ ኣብ ልቢ ክርስቲያን...

በዓለ ሥእል ዘጼዴንያ

ብመሠረት ትምህርቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ካብ ቅዱሳት ኣሣእል ብዙኅን ዓቢይን ጥቕሚ ይርከብ። ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝርከቡ ትምህርትታትን ታሪኻትን ብሥእላዊ ኣገላልጻ...

ሓድሽ ዓመት ብሓድሽ መንፈስ!

ኣብቲ ብብርሃን ዝወቀበ ዘመን ኣዳራሽ ፡ ኣርባዕተ ወንጌላውያን ከም ዕንቍ ተኾሊዖም ብሓጐስ ዝነብርሉ፡ ሓደ ንበይኑ ኣብ መደቡ ግልል ኢሉ ነበረ።...

ዓመታዊ በዓል ቤት ትምህርት ሰንበት ቅዱስ ሩፋኤል ቤተ ክርስቲያን መድኃኔ…

ብዕለት 3 ጳጕሜን 2012 ዓ.ም.ግ. “ሕይወቱ ምሉእ ንእግዚአብሔር ኣሚኑ ዝኃፈረ የለን” መጽ.ሲራ. 2፡10 ብዝብል ኃይለ ቃል ዓመታዊ በዓል ቤት ትምህርት...

ገዳም ደብረ ደናግል ሰማዕት ቅድስት ኣርሴማ ገዳመን ክሓንፃ ፕላን ኣጽዲቀን…

ናይ ደቀ ኣንስትዮ ገዳም ደብረ ደናግል ሰማዕት ቅድስት ኣርሴማ ብ29 መስከረም ብሠናይ ፍቓድ ቅዱስ ሲኖዶስ ምስ ተገደመ ቤተ ጸሎት፡ መንበሪ...

  

latest articles

The feast of the Holy Cross - Mesekel (The Founding…

The Mesekel holiday is celebreated on Meskerem 17 (27th of September) and Megabit 10 (19th of March). The word Meskel...

The Ascension of St Mary (part two)

Moreover, Whilst John the evangelist was preaching in the country of Asia, on the sixteenth day of the month of...

The Ascension of St Mary (part one)

"At your right hand stands the queen." (Psalm 45:9)IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY...

The Fast of Assumption of the Virgin Mary

This fast lasts from Nehassie (August) 1 to 16. Our Lady departed on 21 of Ter (January) in 50 A.D...

“Blessed is he that considereth the poor” Ps. 41:1

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God Amen. The basic necessities...

The Apostle Saint Paul

Saint Paul was a Jew, of the tribe of Benjamin, a Pharisee, the son of a Pharisee; and his kinsfolk...

The Apostle st. Peter

Peter was from Bethsaida, and he was a fisherman.  Our Lord chose him on the second day following that whereon...

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...

The feast Of Pentecost

IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY SPIRIT, ONE GOD. On this day the Holy...

Ascension

After the Lord Jesus Christ had finished the operation of His wisdom upon earth, by His Passion, and His Death...

Tsinset (Annunciation – Feast of Incarnation)

In accordance with the cannon of the Church, one of the nine major feast days of Our Lord. it Tsinset (Annunciation...