ዘመነ አስተምህሮ (6 ኅዳር ክሳዕ 6 ታኅሣሥ)

Dec 12, 2019

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዕለት፡ ብፍላይ ከኣ ዕለተ ሰንበት እሑድ ዝዝመር፡ ዝስበኽ፡ ዝንበብን ዝቕደስን ብሓፈሻ ዝበጽሕ ስብሐታትን ዝንበብ ቃለ እግዚአብሔርን ምሥጢር ዝኃዘ፡ ምስቲ ጊዜ ዝዛመድ ምዕዶን ተግሣጽን ዘለዎ እዩ። በዚ መሠረት ካብ 6 ኅዳር ክሳዕ 6 ታኅሣሥ ዘሎ ጊዜ ዘመነ ኣስተምህሮ ይበሃል። ብዛዕባ ምሕረትን ይቕሬታን እግዚአብሔር ዘመልክት እዩ።

ኣብዚ ውሽጢ እዚ ዘመነ ኣስተምህሮ፡ ነናቶም ስያሜን ትምህርትን ዘለዎም ኃሙሽተ ሰናብቲ ኣለዉ። ንሳቶም ድማ፦

1. አስተምህሮ፦ 6-12 ኅዳር

በዛ ቀዳማይቲ ሰንበት’ዚኣ ዝዝመር መዝሙር “ኢተዘኪሮ አበሳ ዚአነ ፡ ኢኃደገነ ፍጹመ ንማሰን/ ኃጢኣትና ዘኪሩ፡ ፈጺምና ክንጠፍእ ኣይኃደገናን” ዝብል፡ ናይ እግዚአብሔር ምሕረትን ይቕሬታን፡ ርኅራኄን ትዕግሥትን ዝገልጽ እዩ። ንሕና ገና ኣብ ኃጥኣት እናነበረና፡ እግዚአብሔር በቲ ዓቢይ ምሕረቱን ብዙኅ ርኅራኄኡን ነዊኅ ትዕግሥቱን ዕድመ ንንስሓ ከምዝህበና ብዛዕባ ምሕረት እግዚአብሔር ዝንገረላ ሰንበት እያ። (ሮሜ 5፡10)

ኣቐዲሙ ነቢየ ልዑል ቅዱስ ዳዊት “ኢትዝክር ለነ አበሳነ ዘትካት፡ ፍጡነ ይርከበነ ሣህልከ እግዚኦ፡ እስመ ተመንደብነ ፈድፋደ/ ዝቐደመ በደልና ኣይትዘክረልና፡ ኣዚና ተሸጊርና ኣሎና እሞ ምሕረትካ ቀልጢፋና ትርከበና” መዝ. 78(79)፡8 ክብል ዝጸለዮ፡ ግብረ መልሲ ከም ዝረኸበ ከረድእ ከሎ ቅዱስ ያሬድ ‘ኢተዘኪሮ አበሳ ዚአነ” ክብል ዘመረ።

2. ቅድስት፦ 13-19 ኅዳር

ኣብዛ ዕለት’ዚኣ “ሎቱ ስብሐት ወሎቱ አኰቴት። ለዘቀደሳ ለሰንበት። . . .” እናተባህለ ዝዝመር ኮይኑ ናይ ባህርይ ቅድስና እግዚአብሔር፣ ንዕለተ ሰንበት ድማ ብጸጋኡ ፍጹም ከም ዝቐደሳ ይንገር። ክብርን ቅድስናን ነቲ ዘክበራ፡ ዝቐደሳ ድማ ምስጋና ከም ዝግብኦ ይንገረሉ።

3. ምኵራብ፦ 20-26 ኅዳር

በዛ ሰንበት’ዚኣ "አምላክ ፍጹም በህላዌሁ። ዘሀሎ እምቅድመ ይትፈጠር ዓለም ዘበመንግሥቱ ይኴንን ዓለመ። . . . / ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ዝነበረ፡ ብህላዌኡ ፍጹም ዝኾነ ኣምላኽ ብሥልጣነ መንግሥቱ ንዓለም (ደቂ ሰባት) ይፈርድ ።” እናተባህለ ዝዝመር ኮይኑ፣ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ምኵራብ (ቤት ጸሎት ኣይሁድ) ኣትዩ ከም ዝመሃረ፡ ከምኡ’ውን ነፋሳትን ማዕበል ባሕርን ከም ዝገሠፀ ይንገር። (ማቴ. 8፡23-34)
ብተወሳኺ ድማ ዘለዓለማዊነት ናይ እግዚአብሔርን፣ ነቶም ሃይማኖቶም ኣጽኒዖም ምግባሮም ኣጸቢቖም ናብኡ ዚቐርቡ ካብ ኵሉ መከራ ከም ዘድኅኖም ይግለጽ። መዝ. 33፡5-6

4. መፃጕዕ፦ 27 ኅዳር - 3 ታኅሣሥ

በዛ ራብዓይቲ ሰንበት ፈዋሴ ድዉያን ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ ዓይነ ሥዉር ኾይኑ ዝተወልደ ከም ዘብርሃሉ፣ ኣይሁድ ድማ ብተኣምራቱ ተደኒቖም ከብቅዑ ከይኣመኑ ከም ዝተረፉ ይንገር። ዮሐ. 9፡1-41

ኣርእስቲ መዝሙር ድማ "ይቤሉ እስራኤል ኢርኢነ ወኢሰማዕነ ዘዕውሩ ተወልደ ወተከሥተ አዕይንቲሁ በሰንበት።/ እስራኤል ብዕለተ ሰንበት ዓይነ ሥዉር ኮይኑ ዝተወልደ እሞ ዓይኑ ንዝበርሃሉ ኣይርኣናን ኣይሰማእናን በሉ።"

5. ደብረ ዘይት፦ 4-6 ታኅሣሥ

በዛ ዕለት'ዚኣ ብዛዕባ ነገረ ምጽኣት ጐይታን እታ መዓልቲ ከም ሰራቂ ሃንደበት ከይመጽአቶም ከላ ሕዝበ ክርስቲያን ሰማያዊ መዝገብ ክእክቡ ከም ዘለዎም፡ ከምኡ’ውን ቀዳሞት ኣበው ኣብ ዝኣተውዎ ቦታ ዕረፍቲ ንኽኣትዉ ነቶም ዝቐደሙ ብእምነትን ብግብርን ክመስልዎም ከም ዝግባእ ዘዘኻኽር ትምህርቲ ይንገር። (ሉቃ. 12፡31-40)

ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ አሜን!

No events found.

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ብርሃነ ዓለም፡ ማኅቶተ ቤተ ክርስቲያን፡ ንዋየ ኅሩይ ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ

ሐዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ ዓሌቱ ዕብራዊ ኾይኑ ኣብ ከተማ ጠርሴስ ተወሊዱ። ሮማውያን ነቶም ኣብ ትሕቲኦም ዚመሓደሩ ሕዝቢ፡ ሮማዊ ዜግነት...

ኰኵሐ ቤተ ክርስቲያን ሊቀ ሐዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ

ሊቀ ሓዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ ቅዱሳን ሓዋርያት: ብኸመይ ከም እተጸውዑን ክሳዕ ዕርገት ዝነበርዎ ኵነታትን ኣብ ኣርባዕቱ ወንጌል፡ ድኅሪ ዕርገትን ክሳዕ መጀመርያ ስሳታትን...

ዓምደ ሃይማኖት ወማኅቶተ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ቄርሎስ

ቅዱሳን አበው ሊቃውንት፡ ከም መጠን ስፍሓት ኣእምሮኦምን ጽንዓት ሃይማኖቶምን መንፈስ ቅዱስ ገሊጽሎም መንፈሳውያን ድርሳናት፡ ተግሣፃት፡ መድበላት ዝጸሓፉ፣ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ...

ብመስቀሉ ክዘንመልና እዩ ፈውሰ ምሕረቱ

እስከ ኽንዛረብ ምእንትዚ ተላቢዑ ዘሎ ኮሮና ሕማምእግዚአብሔር ንሰብ ክፈጥሮ ከሎ ብተድላ ብደስታ ክነብር እምበር ኣይነበረን ክሳቐ ብሕማምምናልባት ነዚ ሰብ ዘጽሕን...

ቅዱስ ሓዋርያ ታዴዎስ፦ “ነዚ እዩ ጐይታ ሃብታም መንግሥተ ሰማያት ካብ…

ታዴዎስ ማለት ዘርእን ማእረርን፡ ካህነ ኣምላኽ ማለት እዩ። ቍጽሩ ምስ ዓሰርተው ክልተ ሓዋርያት ኮይኑ ሃገረ ስብከቱ ሶርያ እዩ። ሊቀ ሓዋርያት...

አሥርቆት ዘወርኀ ሐምሌ

ዮም ሠረቀ ለነ ወርኀ ቡሩክ ሐምሌ ያብጽሐነ እስከ ወርኀ ነሐሴ በሰላመ እግዚአብሔር! ወርኀ ሐምሌ ቡሩክ መዓልቱ ፲ወ፬ቱ ሰዓት ወሌሊቱኒ ፲ቱ...

ገዳም ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ ቴድረር

ገዳም ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ ቴድረር ኣብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ደቀምሓረ፡ ካብ ከተማ ደቀምሓረ ንደቡብ 25 ኪሎ ሜትር ኣብ ከባቢ...

“ብኃጢኣት ሕዝበይ እየ ኣብ ኢድኩም ኣውዲቐያ!”

ገቢረ ተአምራት ወላዲተ ኣምላክ ድንግል ማርያም፡ ተነጊሩ ዘይጽገብ ተጻሒፉ ዘይፍጸም እዩ። ካብ ፅንሰታ ዝጀመረ ገቢረ ተአምራት ክሳዕ ምጽኣተ ክርስቶስ በቲ...

"ወያስተዴሉ ክረምተ ለምድር/ ንምድሪ ዝናም የዝንመላ” “መዝ. ፻፵፮፥፰/147፡8

ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና፡ ንዓመት ኣብ ኣርባዕተ ወቕትታት ማለት ዘመነ መፀው፡ ዘመነ ሓጋይ፡ ዘመነ ፀደይ ከምኡ ውን ዘመነ ክረምት ብምባል ትኸፍሎ። 

እንቋዕ ናብ ዘመነ ክረምት ብሰላም ኣብጽሓና!

ዘመነ ክረምት  ካብ 26 ሰኔ ክሳዕ 25 መስከረም ዘሎ ወቅቲ ጊዜ ክረምቲ እዩ። ሰማይ ብደመና ተሸፊኑ፡ ዝናም ብመብረቕን ድምፂ ነጐድጓድን ተዓጂቡ ንምድሪ...

“ብፁዕ ዘይሌቡ ላዕለ ነዳይ ወምስኪን/ ንድኻ ዝሓልየሉ ሰብ ብፁዕ እዩ”(መዝ…

ንሕይወተ ሥጋ ኣድለይቲ ዝኾኑ ነገራት ማይ፡ እንጌራ፡ ክዳን፡ መኅደሪ ቤት እዮም። (ሢራ. 29፡21) ብቐዳምነት ነዚኦም ዘይረኸቡን ዘይብሎምን ሰባት “ጽጉማት” ይበሃሉ። ብተወሳኺ’ውን...

ገዳም ደብረ ሲና

ገዳም ደብረ ሲና፡ ኣብ ዞባ ዓንሰባ ንኡስ ዞባ ዒላበርዕድ ከባቢ መንሳዕ፡ ካብ ዒላበርዕድ ንሸነኽ ምሥራቕ ብእግሪ ናይ ክልተ ሰዓትን ፈረቓን...

  

latest articles

The Apostle Saint Paul

Saint Paul was a Jew, of the tribe of Benjamin, a Pharisee, the son of a Pharisee; and his kinsfolk...

The Apostle st. Peter

Peter was from Bethsaida, and he was a fisherman.  Our Lord chose him on the second day following that whereon...

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...

The feast Of Pentecost

IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY SPIRIT, ONE GOD. On this day the Holy...

Ascension

After the Lord Jesus Christ had finished the operation of His wisdom upon earth, by His Passion, and His Death...

Tsinset (Annunciation – Feast of Incarnation)

In accordance with the cannon of the Church, one of the nine major feast days of Our Lord. it Tsinset (Annunciation...

The feast of presenting the lord Christ in the temple…

On this day we celebrate the feast of presenting the lord Christ to the temple after 40 days of his...

The Fast of Nineveh - Monday 10 – 12 February…

In Eritrean Orthodox Tewahdo Church, one of the seven fasting periods is the fast of Nineveh.

Mystery of Baptism

Baptism is the sacrament given to all who believe in the Mystery of the Trinity and the Mystery of Incarnation...

Mystery of Incarnation

Mystery of Incarnation means the mystery of the descending of God the Son who is one of the Trinity from...

Mystery of the Holy Trinity

The Eritrean Orthodox tewahdo Church has Five pillars of Mysteries through which it teaches and demonstrates its basic religious belief...