ይትዔገሥ ከመ ዘኢየአምር

Dec 09, 2019

 ከም ዘይፈልጥ ይዕገሥ!” (ቅዳሴ ሠለስቱ ምእት ቍ. 59-60)

እግዚአብሔር፡ ብባህሪኡ ከሀሌ ኵሉ፡ ማእምረ ኵሉ፡ ምሉእ በኵለሄ እዩ። “አኃዜ ዓለም በእራኁ ኵሉ እኁዝ ውስተ እዴሁ፡ ይጸውር ድደ ወይነብር ጠፈረ” ከምዝብል ኵሉ ዝርአን ዘይርአን ፍጥረት ኣብ ትሕቲኡ እዩ። "ንስኻ መርመርካኒ ከምኡ’ውን ፈለጥካኒ። ዝገብሮ ዘበለ ኵሉ ትፈልጥ፡ ንሓሳበይ ካብ ርኁቕ ተስተውዕሎ። ክዓዪ ከሎኹን ከዕርፍ ከሎኹን ትርኢ ንብዘሎ ተግባራተይ’ውን ኣጸቢቕካ ትፈልጦ ኢኻ። . . . ቅድሚ ምዝራበይ ነቲ ኽብሎ ዝደሎኹ ኣቐዲምካ ትፈልጦ ኢኻ። . . . ካባኻ ናበይ ክኸይድ እየ፧ ካብ ገጽካስ ናበይ ክሃድም እየ፧ . . . ” ከምዝበለ ቅዱስ ዳዊት (መዝ. 139፡1-12) ኵሉ ቅድምን ድኅርን ፡ ዝኃለፈን ዘሎን ዝመጽእን፡ ቀረባን ርኁቅን ብእኡ ፍሉጥ እዩ። ካብኡ ዝኅባእ የለን።

“እስመ አልቦ ነገር ዘይሰአኖ ለእግዚአብሔር/ ንእግዚአብሔር ዝሰኣኖ ነገር የልቦን” (ሉቃ. 1፡37) እሞ ፡ ኣብ ሰማይ ኮነ ኣብ ምድሪ ፍቓዱ እንተ ደኣ ኮይኑ ንሱ ዘይምልሶ ሕቶ የለን።

ዓቕሚ ሰብ ግና ውሱንን ድኹምን ብምዃኑ ብዘይ እግዚአብሔር ከንቱ እዩ። ንሰብ ዘይከኣሎ ብእግዚአብሔር ግና ኵሉ ስለዝከኣል፡ ንሕና ሕዝበ ክርስቲያን ወትሩ ነቲ ንሱ ዝፈልጦ ኣብ ሕይወትና፡ ቤትና፡ ቤተ ክርስቲያንና፡ ሃገርናን ኵሉ ዓለምን . . . ንልዕሊ ዓቕምና ዝኾነ ሕቶን ድሌትን ባዕሉ ግብረ መልሲ ክህበሉ ንጽበ። 

ይኹን እምበር ሕቶና ከይተመለሰ፡ ነገራት ከይተፈወሰ፡ ሓቂ ከይነገሠ፡ በዳሊ ከይተኸሰ ተበዳሊ ከይተካሕሰ፡ መንደቕ ኃጢኣት ከይፈረሰ፡ . . . ጊዜ ምስ ወሰደ ብዛዕባ ስቕታን ትዕግሥትን እግዚአብሔር ንሓትት። እንተኾነ እግዚአብሔር ስቕ ዝብለሉ ትዕግሥቱ፡ ብተግባር ዝፍጽመሉ ፍቓዱ ማንም ፍጡር ዝምርምሮ ኣይኮነን። “እግዚአብሔርሰ መስተዐግሥ ወዓቢይ ኃይሉ/ እግዚአብሔር ብዓል ዓቢይ ኃይሊ እኳ እንተኾነ ዕጉሥ እዩ።” (ናሆ. 1፡3)

 318 ሊቃውንተ ቤተ ክርስቲያን’ውን ብኣንክሮ ክገልጽዎ ከለዉ፡ “ይጸምም ከመ ዘኢይሰምዕ፡ ያረምም ከመ ዘኢይሬኢ፡ ይትዔገሥ ከመ ዘኢየአምር፡ ያጐነዲ ከመ ዘኢይሁብ” ይብሉ። ትርጕሙ ድማ ከም ዘይሰምዕ ይጽነን፡ ከምዘይርኢ ስቕ ይብል፡ ከም ዘይፈልጥ ይዕገሥ፡ ከም ዘይህብ ድማ የደንጒ” (ቅዳሴ ሠለስቱ ምእት ቍ. 59-60)

ሕዝበ እግዚአብሔር እስራኤል ዘሥጋ ኣብ ባርነት ግብጺ ኣብ ትሕቲ መምለክያነ ጣዖት ግብጻውያን ን430 ዓመት መከራ ሕይወት ኣኅለፉ። ነፍሰ-ጾር ኣደታት ጭቃ እናኣብዓጣ ክሓርሳ፡ ንዝወለድኦም’ውን ምስቲ ጭቃ ሓዊሰን ከብዕጣን ኽረግጻን ክሳዕ ምእዛዝ ግፍዒ ግብጻውያን ከቢዱ ነበረ። እስራኤላውያን ከኣ ባርነት መሪርዎም ገዓሩ ናብ ኣምላኽ’ውን ጠርዑ። ናይ ጸላእቶም ጽዋዕ ኃጢኣት ስለዝመልአ፡ እግዚአብሔር ንኣውያቶም ሰምዐ። ኃይሉ ኣርኣየ፣ ተኣምራት ገበረ፣ ንሕዝቡ ድማ ዝምርሕሉ ትእዛዝ ሂቡ፡ ባሕሪ ከፊሉ ጸላእቶም ስዒሩ፡ መና እናመገበ ናብ ምድረ ርስት ኣእተዎም። 

ብተመሳሳሊ መሥፈርት ግፍዕን መከራን ጸላእቲ ሥጋናን ነፍስናን ምስ ኣኸለ እግዚአብሔር ኃይሉ የርእየና። ጽዋዕ ምንፍቕናን ስሕተትን ኣጽራረ ቤተ ክርስቲያን ምስ መልአ፡ እግዚአብሔር ግብረ መልሲ ይህብ እሞ ዕቅበተ እምነትን ግብረ ሠናይን ይሰፍን። ብምሕረትን ሰላምን’ውን ይበጽሓና። ኣብዚ ንምብጻሕ ግና ብትዕግሥትን ተጋድሎን ምጽናዕ የድሊ። 

እቲ ናይ ሰብ ድኅነት እምበር ጥፍኣት ዘይደሊ እግዚአብሔር፥ ሃይማኖት እናሓፀፀ፡ መዳልወ ፍትሕ እናተዓምፀፀ፡ ክፍኣት እናተገብረ፡. . . ትዕግሥቲ ምግባሩ ኵሉ ሰብ ናብ ንስሓ ተመሊሱ ሕይወት ንኽረክብ እዩ። (1ይ ጴጥ. 3፡9) እንተኾነ ሓደ ሓደ ብኽሕደት ማዕበል ዝጠለቑ፡ ብመንፈስ ዝወደቑን ካብ ርትዕት ሃይማኖት ዝረኃቑን ሰባት ግና “ሰብ ከምዚ እናኾነ ክሳዕ መዓስ ስቕ ይብል፧ ኣብ ቤቱ ከምዚ እናተፈጸመ ስለምንታይ ይዕገሥ፧” ብማለት ቀልጢፉ ኃይሉ ብዘይ ምርኣዩ ክሳዕ ንህልውና እግዚአብሔር ኣብ ምልክት ሕቶ ከእትዉ ይስምዑን ይረኣዩን እዮም። 

እግዚአብሔር ግና ብምሉእ ልብናን ነፍስናን ኃይልናን ንእግዚአብሔርነቱ ክሳዕ እንፈልጥን እነስተውዕልን ንዅሉ እናረኣየን እናፈለጠን ስቕ ይብል እዩ።

ኣብ ዘመነ ብሉይ ኪዳን፡ ሓለቓ ሠራዊት ሶርያ ዝነበረ ንእማን ዝበሃል ሰብኣይ ካብ ሕማም ለምጹ ንክሓዊ ብምኽሪ ካብ እስራኤል ተማሪኻ ኣብ ሶርያ ዝነበረት ጓል ናብ ነቢይ ኤልሳዕ መጽአ። ቃል ነቢይ ኤልሳዕ ሰሚዑ ድማ ኣብ ማይ ዮርዳኖስ ምስ ተሓጽበ ካብ ለምጹ ነጺሑ ሓወየ።(2ይ ነገ. 5፡1-ፍ) ንእማን ማየ ጸሎት ተሓጺቡ ካብ ለምጹ ምስ ነጽሐ ኣዝዩ ስለዝተሓጐሰ “እንሆ ሕጂስ ብዘይካ ኣብ እስራኤል ኣብ ብዘላ ምድሪ ኣምላኽ ከምዘየልቦ ፈለጥኩ” (2ይ ነገ. 5፡15) ኢሉ ብዘይካ እግዚአብሔር ካልእ ኣምላኽ ከምዘየለ ምስክርነቱ ገለጸ። ንእማን ክሳዕ እታ ጓል እትነግሮ ምስ ሕማሙ ዘጽንሖ ብዘይካ እግዚአብሔር ካልእ ኣምላኽ ከምዘየለ ክሳዕ ዝፈልጥ እዩ ነይሩ። 

ከምኡ’ውን ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ 38 ዓመት ሰብ ስኢኑ ብምኽንያት ሕማም ተደኒሱ ኣብ ዓራት ተጣቢቑ ዝነበረ መፃጉዕ፡ ክሳዕ ክንድዚ ዓመት ከየሕወየ ምጽንሑን እግዚአብሔር ከኣ ስቕ ምባሉን፡ ግብሪ ኣምላኽ ንኽግለጽን እቲ ንሰብ ዘይከኣሎ ንእግዚአብሔር ከምዝከኣሎ ንምርዳእን እዩ ነይሩ። (ዮሓ. 5፡1-18) ነታ ከነናዊት ሰበይቲ ንጓላ ክምሕረላ ኣብ እግሩ ኮይና ከተእዊ ከላ ስቕ ዝበላ ኣማላድነት ቅዱሳን ሓዋርያት ክሳዕ ዝግለጽን፣ ናታ ትዕግሥታ፡ ትሕትናኣን ጽንዓት ሃይማኖታን ክሳዕ ዝፍለጥን እዩ ነይሩ። (ማቴ. 15፡21-29)

ማኅበራነ ኣይሁድ ንጐይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ “ሕጊና ኣፍሪሱ፡ ንርእሱ ‘ኣነ ወልደ እግዚአብሔር እየ’ ኢሉ፡ ንሰንበት ስዒሩ” ኢሎም ክሲ ከቕርቡሉ ከለዉ ዝኾነ ከይመለሰ ብስቕታ ዝኃለፈሉ ምኽንያት ዘደንቕ እዩ። "ኣቐዲመ ማያት ኣፍሲሰ፡ ነፋሳት ኣንፊሰ፡ ብርሃናት ኣመላሊሰ፣ ሓጋይን ክረምትን ለይትን መዓልትን ኣፈራሪቐ ብዝናም ኣብቒለ ብፀሓይ ኣብሲለ ዝመገብክኹም፣ ሕጂ ድማ ከድኅነኩም ምስ መጻኹ ስለምንታይ ትሰቕሉንን ትገርፉንን ኣለኹም” ኢሉ ኣይተዛረበን። ነዚ ከድንቕ ከሎ ሊቅ ኣባ ሕርያቆስ፡ “ኦ ትዕግሥት ዘኢከሠተ አፉሁ በሕማሙ በቅድመ እለ ይረግዝዎ/ ኣብ ቅድሚ ገረፍቱ ስለ ስቓዩ ዘይዛረብ ወልደ እግዚአብሔር ትዕግሥቱ ክንደይ ይደንቕ!” ይብል። ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ስቕ ዝበለ እቲ ሕማሙ፡ ስቕለቱን ሞቱን ነቶም ዝሰቕልዎ’ውን ከይተረፈ ንዅሉ ዓለም ኣድላዪ ስለዝነበረ እዩ። (ማቴ. 26፡62) 

ንትዕግሥቲ እግዚአብሔር ሰኣን ምፍላጥ ብዙኅ ጊዜ ነማርር ኢና። “ኵሉ ክፉእ ተግባር ናይቶም ውርደትና፡ ጥፍኣትናን ሞትናን ዝምነዩ ሰባት እናረኣየ ስለምንታይ ስቕ ይብል፧ ንብል ኢና። እንተኾነ ሰብ ንፈታዊኡ ጸላኢኡ ንኽገብሮ ጊዜ ኣይወስደሉን እዩ፣ እግዚአብሔር ግና ንጸላእትና ፈተውትና ንኽገብሮም ኵሉ ይከኣሎ እዩ እሞ እቶም ጸላእትና ፈተውትና ክሳዕ ዝኾኑ ስቕ ከምዝብል ከነስተውዕል ይግባእ። 

ስለዚ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ከም እትምህረና፥ እግዚአብሔር፡ ኣብ ጊዜኡ ንትዕግሥቱን ስቕታኡን ክምልስ ከሎ፡ ሞት ብሕይወት፡ መዓት ብምሕረት፡ ውድቀት ብትንሣኤ፡ ጸልማት ብብርሃን፡ ስደት ብሚጠት፡ ፍርሂ ብትብዓት፡ ምስኣን ብምርካብ ከምዝትካእ፣ ኵሉ ዘይከኣል ዝመስል ዝነበረ ከምዝከኣል፣ ነዊኅ እዋን ዝወሰደ ብቅጽበት ከምዝቕየርን ታሪኽ ከምዝልወጥን እሙን እዩ።

ስለዚ ናይ እግዚአብሔር ትዕግሥቱን ስቕታን ፈሊጥና ኣብ ርትዕት ተዋሕዶ ሃይማኖትና ክንጸንዕ ጸጋኡ የብዝኃልና! 

ስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል፡ ወለወላዲቱ ማርያም ድንግል፡ ወለመስቀሉ ክቡር ወኃያል፡ አሜን።

No events found.

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ብርሃነ ዓለም፡ ማኅቶተ ቤተ ክርስቲያን፡ ንዋየ ኅሩይ ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ

ሐዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ ዓሌቱ ዕብራዊ ኾይኑ ኣብ ከተማ ጠርሴስ ተወሊዱ። ሮማውያን ነቶም ኣብ ትሕቲኦም ዚመሓደሩ ሕዝቢ፡ ሮማዊ ዜግነት...

ኰኵሐ ቤተ ክርስቲያን ሊቀ ሐዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ

ሊቀ ሓዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ ቅዱሳን ሓዋርያት: ብኸመይ ከም እተጸውዑን ክሳዕ ዕርገት ዝነበርዎ ኵነታትን ኣብ ኣርባዕቱ ወንጌል፡ ድኅሪ ዕርገትን ክሳዕ መጀመርያ ስሳታትን...

ዓምደ ሃይማኖት ወማኅቶተ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ቄርሎስ

ቅዱሳን አበው ሊቃውንት፡ ከም መጠን ስፍሓት ኣእምሮኦምን ጽንዓት ሃይማኖቶምን መንፈስ ቅዱስ ገሊጽሎም መንፈሳውያን ድርሳናት፡ ተግሣፃት፡ መድበላት ዝጸሓፉ፣ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ...

ብመስቀሉ ክዘንመልና እዩ ፈውሰ ምሕረቱ

እስከ ኽንዛረብ ምእንትዚ ተላቢዑ ዘሎ ኮሮና ሕማምእግዚአብሔር ንሰብ ክፈጥሮ ከሎ ብተድላ ብደስታ ክነብር እምበር ኣይነበረን ክሳቐ ብሕማምምናልባት ነዚ ሰብ ዘጽሕን...

ቅዱስ ሓዋርያ ታዴዎስ፦ “ነዚ እዩ ጐይታ ሃብታም መንግሥተ ሰማያት ካብ…

ታዴዎስ ማለት ዘርእን ማእረርን፡ ካህነ ኣምላኽ ማለት እዩ። ቍጽሩ ምስ ዓሰርተው ክልተ ሓዋርያት ኮይኑ ሃገረ ስብከቱ ሶርያ እዩ። ሊቀ ሓዋርያት...

አሥርቆት ዘወርኀ ሐምሌ

ዮም ሠረቀ ለነ ወርኀ ቡሩክ ሐምሌ ያብጽሐነ እስከ ወርኀ ነሐሴ በሰላመ እግዚአብሔር! ወርኀ ሐምሌ ቡሩክ መዓልቱ ፲ወ፬ቱ ሰዓት ወሌሊቱኒ ፲ቱ...

ገዳም ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ ቴድረር

ገዳም ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ ቴድረር ኣብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ደቀምሓረ፡ ካብ ከተማ ደቀምሓረ ንደቡብ 25 ኪሎ ሜትር ኣብ ከባቢ...

“ብኃጢኣት ሕዝበይ እየ ኣብ ኢድኩም ኣውዲቐያ!”

ገቢረ ተአምራት ወላዲተ ኣምላክ ድንግል ማርያም፡ ተነጊሩ ዘይጽገብ ተጻሒፉ ዘይፍጸም እዩ። ካብ ፅንሰታ ዝጀመረ ገቢረ ተአምራት ክሳዕ ምጽኣተ ክርስቶስ በቲ...

"ወያስተዴሉ ክረምተ ለምድር/ ንምድሪ ዝናም የዝንመላ” “መዝ. ፻፵፮፥፰/147፡8

ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና፡ ንዓመት ኣብ ኣርባዕተ ወቕትታት ማለት ዘመነ መፀው፡ ዘመነ ሓጋይ፡ ዘመነ ፀደይ ከምኡ ውን ዘመነ ክረምት ብምባል ትኸፍሎ። 

እንቋዕ ናብ ዘመነ ክረምት ብሰላም ኣብጽሓና!

ዘመነ ክረምት  ካብ 26 ሰኔ ክሳዕ 25 መስከረም ዘሎ ወቅቲ ጊዜ ክረምቲ እዩ። ሰማይ ብደመና ተሸፊኑ፡ ዝናም ብመብረቕን ድምፂ ነጐድጓድን ተዓጂቡ ንምድሪ...

“ብፁዕ ዘይሌቡ ላዕለ ነዳይ ወምስኪን/ ንድኻ ዝሓልየሉ ሰብ ብፁዕ እዩ”(መዝ…

ንሕይወተ ሥጋ ኣድለይቲ ዝኾኑ ነገራት ማይ፡ እንጌራ፡ ክዳን፡ መኅደሪ ቤት እዮም። (ሢራ. 29፡21) ብቐዳምነት ነዚኦም ዘይረኸቡን ዘይብሎምን ሰባት “ጽጉማት” ይበሃሉ። ብተወሳኺ’ውን...

ገዳም ደብረ ሲና

ገዳም ደብረ ሲና፡ ኣብ ዞባ ዓንሰባ ንኡስ ዞባ ዒላበርዕድ ከባቢ መንሳዕ፡ ካብ ዒላበርዕድ ንሸነኽ ምሥራቕ ብእግሪ ናይ ክልተ ሰዓትን ፈረቓን...

  

latest articles

The Apostle Saint Paul

Saint Paul was a Jew, of the tribe of Benjamin, a Pharisee, the son of a Pharisee; and his kinsfolk...

The Apostle st. Peter

Peter was from Bethsaida, and he was a fisherman.  Our Lord chose him on the second day following that whereon...

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...

The feast Of Pentecost

IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY SPIRIT, ONE GOD. On this day the Holy...

Ascension

After the Lord Jesus Christ had finished the operation of His wisdom upon earth, by His Passion, and His Death...

Tsinset (Annunciation – Feast of Incarnation)

In accordance with the cannon of the Church, one of the nine major feast days of Our Lord. it Tsinset (Annunciation...

The feast of presenting the lord Christ in the temple…

On this day we celebrate the feast of presenting the lord Christ to the temple after 40 days of his...

The Fast of Nineveh - Monday 10 – 12 February…

In Eritrean Orthodox Tewahdo Church, one of the seven fasting periods is the fast of Nineveh.

Mystery of Baptism

Baptism is the sacrament given to all who believe in the Mystery of the Trinity and the Mystery of Incarnation...

Mystery of Incarnation

Mystery of Incarnation means the mystery of the descending of God the Son who is one of the Trinity from...

Mystery of the Holy Trinity

The Eritrean Orthodox tewahdo Church has Five pillars of Mysteries through which it teaches and demonstrates its basic religious belief...