“ ወያሠጥሞን ውስተ ቀላየ ባሕር ለአበሳነ /ንኣበሳና ናብ ማዕሙቝ ቀላይ ከሥጥሞ እዩ። ” ሚክ. 7፡19

Jan 19, 2020

ካብ ሠለስተ ኣካል ሓደ ኣካል፡ እግዚአብሔር ወልድ ካብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ሥጋኣ ሥጋ ካብ ነፍሳ ነፍስ ወሲዱ ብተዋሕዶ ካብ ክልተ ኣካል ሓደ ኣካል፡ ካብ ክልተ ባህርይ ሓደ ባህርይ ኮይኑ ተወልደ። ኣካላዊ ቃል ምስ ሥጋ ተዋሓደ፤ ቅድምና ዘይነበሮ ሥጋ ቀዳማዊ ኣምላኽ ተባህለ፤ ብጐይትነት ዘይፍለጥ ሥጋ ብጐይትነት ተፈልጠ፡ እቲ ዘይርአ መለኮት ብሥጋ ተጋህደ።

ኣምላኽ’የ ኢሉ ንዕለቱ ኣይዓበየን፡ እንታይ ደኣ ሕጊ ጠባያውን ሕጊ መጽሓፋውን እናፈጸመ በብንእሽቶ ዓበየ። እቲ ዘመን ዘይቍጸረሉ ኣምላኽ በቲ ዝለበሶ ሥጋ ዘመን ተቘጺርሉ 30 ዓመት ምስ መልኦ ብኢድ ዮሓንስ ንኽጥመቕ ናብ ማየ ዮርዳኖስ ወረደ፡፡ ነዚ ኽገልጹ ከለዉ ሊቃውንት ‘ወረደ ወልድ እምሰማያት ውስተ ምጥማቃት/ ወልድ ካብ ሰማያት ናብ ቦታ መጥመቂ ወረደ ’ እናበሉ የዝይሙ። (ዋዜማ ዘጥምቀት)

• ስለምንታይ ኣብ ሠላሳ ዓመቱ ተጠሚቑ፧

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ 30 ዓመቱ እምበር፡ ልዕል ኢሉ ኣብ 40 ዓመቱ ወይ ትሕት ኢሉ ኣብ 20 ዓመቱ ዘይተጠምቀሉ ምኽንያት ነቲ ወዲ 30 ዓመት ኮይኑ ዝተፈጥረ ኣዳም ስኢንዎ ዝነበረ ጸጋ ውልድነት ንኽመልሰሉን፡ ውልድነት እተውህብ ኣፍ ደገ ምሥጢራት ዝኾነት ጥምቀት ባሪኹ ቀዲሱ ንምሃብን እዩ።

• ስለምንታይ ብኣገልጋሊኡ ቅዱስ ዮሓንስ ተጠሚቑ፧

ኣብቲ እዋን እቲ ቅዱስ ዮሓንስ ኣብ ከባቢ ዮርዳኖስ ናይ ንስሓ ትምህርቲ እናመሃረ ናይ ንስሓ ጥምቀት የጥምቕ ነበረ። ከምቲ ብትንቢት ኣቐዲሙ ዝተነግረሉ ድማ ቅዱስ ዮሓንስ ቀቅድሚኡ ጸራጊ መንገዲ ኮይኑ ንሕዝቢ ብማየ ንስሓ እናኣጥመቐ ንናይ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣማናዊ ጥምቀት የዳሉ ነበረ። (ሚል. 3፥1፤ ኢሳ. 40፥3-5)

ብዘላ ሃገር ይሁዳን ኵሎም ሰብ ኢየሩሳሌምን ናብኡ ይመጹ ብኃጢኣቶም እናተናዘዙ ውን ኣብ ፈለገ ዮርዳኖስ ብእኡ ይጥመቑ ነበሩ። (ማቴ. 3፥1-12፤ ሉቃ. 3፥1-20)

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ባህርይ ኣምላኽ ክነሱ ብኢድ ኣገልጋሊኡ ቅዱስ ዮሓንስ ንኽጥመቕ ብፍጹም ትሕትና ካብ ገሊላ ናብ ዮርዳኖስ መጸ። እዚ ኣርኣያ እዩ። ‘ከምቲ ኣነ ናብ ማየ ዮርዳኖስ ወሪደ ብኢድ ኣገልጋሊየይ ዝተጠመቕኩ፡ ንስኻትኩም''ውን ናብ ቤተ ክርስቲያን ኬድኩም ብኢድ ካህናት ተጠመቑ’ ንኽብል እዩ። ምኽንያቱ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንቅዱስ ዮሓንስ ‘መጺእካ ኣጥመቐኒ’ እንተዝብሎ ነይሩ ካብኡ ንደኃር ነገሥታትን መኳንንትን ንካህናት ‘መጺእኩም ኣጥምቑልና’ ምበልዎም ነይሮም።

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንኽጥመቕ ናብኡ ክመጽእ ዝረኣየ ቅዱስ ዮሓንስ፡ ‘ኣነ እምበር ብኣኻ ኽጥመቕ ይግብኣኒ፡ ንስኻዶ ናባይ ትመጽእ’ ኢሉ ኣበዮ። ጐይታ ድማ ‘ወይደልወነ ከመ ንፈጽም ኵሎ ጽድቀ/ኵሉ ጽድቂ ክንፍጽም ይግብኣና እዩ’ ኢሉ ብእኡ ንኽጥመቕ ፍቓዱ ከምዝኾነ ምስ ነገሮ ቅዱስ ዮሓንስ ንጐይታ እንታይ ኢሉ ከምዘጥምቖ ንምፍላጥ ‘ስም አብ ኣባኻ ህልው እዩ፡ ስም ወልድ ባዕልኻ ኢኻ፡ ስም መንፈስ ቅዱስ ከኣ ኣባኻ ህልው እዩ፡ ንኻልእሲ ብስምካ አጥምቕ ንኣኻኸ ብስም መን ከጥምቐካ እየ፧’ ኢሉ ሓተቶ።(ሲኖዶስ ዘሓዋርያት) ጐይታ ኸኣ ‘ወልዱ ለብሩክ ከሣቴ ብርሃን ተሣሃለነ፡ አንተ ካህኑ ለዓለም በከመ ሢመቱ ለመልከ ጼዴቅ/ ወዲ ብሩኽ ከሣቴ ብርሃን ይቕረ በለልና፡ ከም ክህነት መልከ ጸዴቅ ዘለዓለማዊ ካህን ኢኻ’ እናበልካ ኣጠምቐኒ ምስ በሎ፡ ብኡ ንብኡ ኣጥመቖ። በዚ ድማ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ንቅዱስ ዮሓንስ ‘መጥምቀ መለኮት’ ኢላ ከተኽብሮን ክትጽውዖን ከላ፡ ንትሕትና ኣምላኽና ኸኣ ‘ዕፁብ ድንቂ እዩ’ እናበለት ወትሩ ትሰብኽ።

• ጐይታና መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ተጠምቀ ቅድሚኡ ዘይተገልጸ ሰማያዊ ምሥጢር፡ ምሥጢረ ሥላሴ ተገልጸ። ኣብ ሓደ እዋን ሠለስተ ኣካል ሥላሴ ማለት እግዚአብሔር ወልድ ብፍሉይ ኣካሉ ሰብ ኮይኑ ኣብ ማየ ዮርዳኖስ ክጥመቕ ከሎ፤ እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ድማ ብኣምሳለ ርግብ ወሪዱ ኣብ ርእሱ ተቐመጠ፡ እግዚአብሔር አብ ድማ ካብ ሰማይ ‘ብእኡ ዝተሓጐስኩ ፍትዊ ወደይ እዚ እዩ’ ዝብል ድምፂ ኣስምዐ። (ማቴ. 3፥13-17)

• ስለምንታይ ብማይ ተጠሚቑ፧

ጐይታና መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብማይ ዝተጠምቀ ‘እነዝኃክሙ በማይ ንጹሕ/ ጽሩይ ማይ ክነጽገልኩም እየ እሞ ክትጸርዩ ኢኹም’ (ሕዝ. 36፡25-29) ዝብል ትንቢትን ዝተነግረ ምሳሌን ንምፍጻም እዩ። ብማይ እምበር ብጸባ ይኹን ብመዓር ዘይተጠምቀሉ ምኽንያት ከኣ መንጽሕን መጽረይን ዝኾነ ማይ ኣብ ዝኾነ ቦታን ብዝኾነ ሰብ ሃብታም ኮነ ድኻ ተረካቢ ስለዝኾነ እዩ። ከምኡ’ውን ኣቐዲሙ ኣብ ልዕሊ ሰብአ ትካት (ኣብ ዘመነ ኖኅ ዝነበሩ ሕዝቢ) ኮነ ንግብጻውያን ብዘስዓቦ ጥፍኣት ማይ ንመዓት ከምዝተፈጠረ ይውሰድ ስለዝነበረ ንምሕረት’ውን ከምዝተፈጥረ ንምሕባርን ንማያት ንምቕዳስን ጥምቀቱ ብማይ ገበሮ።

• ስለምንታይ ኣብ ማየ ዮርዳኖስ ተጠሚቑ፧

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ማየ ዮርዳኖስ ዝተጠመቀሉ ምኽንያት ትንቢት ንምፍጻም እዩ። እዚ ድማ ብነቢየ እግዚአብሔር ዳዊት ‘ባሕሪ ርእያቶ ሃደመት፡ ዮርዳኖስ ንድኅሪት ተመልሰት፡ ኣኽራን ከም ደዓውል፡ ኰረቢት ከም ዕያውቲ ተሰራሰሩ፡ ኣቲ ባሕሪ እንታይ ኴንኪ ዝሃደምኪ፧ ኣታ ዮርዳኖስከ ንድኅሪት እተመለስካ፧ ኣቱም ኣኽራን ከም ደዓውል ኣቱም ኰረቢትሲ ከም ዕያውቲ እተሰራሰርኩም እንታይ ኴንኩም ኢኹም፧ ኣቲ ምድሪ ኣብ ቅድሚ እቲ ነኻውሕ ናብ ቀላያት ንዓረ ናብ ዓይኒ ማያት ዝለወጠ እግዚአብሔር ኣምላኽ ያዕቆብ ኣንቀጥቕጢ።’ ክብል ተነብዩ ነበረ። (መዝ. 114፥3-8) ኣብነቱ ድማ ዮርዳኖስ ኣብ ላዕሊ ምንጩ ሓደ እዩ፡ ትሕት ኢሉ ግና ኣብ ክልተ ይምቀል፡ ድኅሪ እዚ ኸኣ ወሪዱ ናብ ሓደ መጺኡ ይራኸብ። ኵሉ ሰብ'ውን ትውልዱ ካብ ሓደ ኣዳም እዩ። ትሕት ኢሉ ግና እስራኤል በግዝረቶሙ (ብግዝረት) ኣሕዛብ ከኣ በቍልፈቶሙ (ብዘይ ምግዛር) ናብ ክልተ ተፈላልዮም ነበሩ። ዳኅራይ ግና ሕዝብን ኣሕዛብን ብናይ ክርስቶስ ልደትን ጥምቀትን ሞትን ኣሚኖም ብስም ሥላሴ ተጠሚቖም፡ ብጥምቀት ሓደ ከምዝኾኑ ንምግላጽ እዩ። (ኤፌ 2፥11)

ብካልእ ወገን'ውን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ማየ ዮርዳኖስ ዝተጠምቀሉ ምኽንያት ማያት ንምቕዳስን ዕዳ ኣዳምን ሔዋንን ንምድምሳስን እዩ። ዲያብሎስ ነቲ ናይ ኣዳምን ሔዋንን ‘ ኣዳም ገብሩ ለዲያብሎስ ሔዋን አመቱ ለዲያብሎስ’ ዝብል ግዙኣቱ ምዃኖም ዘረጋግጸሉ ስም ባርነቶምን ዕዳ ደብዳቤኦምን ጽሒፉ ነቲ ሓደ ኣብ ዮርዳኖስ፡ ነቲ ሓደ ድማ ኣብ ሲኦል ደርቢዎ ነበረ። እምበኣር ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነዚ ኣብ ዮርዳኖስ ተደርብዩ ዝነበረ ዕዳ ደብዳቤ ብሰብነቱ ረጊጹ ብኣምላኽነቱ ኣምኪኹ ንኽድምስሶ ኣብ ዮርዳኖስ ተጠምቀ። በዚ ከኣ እቲ ኣቐዲሙ ነቢይ ሚክያስ ‘ወያሠጥሞን ውስተ ቀላየ ባሕር ለአበሳነ / ንኣበሳና ናብ ማዕሙቝ ቀላይ ከሥጥሞ እዩ።’ ሚክ. 7፡19 ዝበሎ ትንቢት ተፈጸመ።

• ሠራዔ ሕግ ጐይታና መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣርኣያን ኣብነትን ኮይኑ ተጠሚቑ፡ ክብረ ውልድነት ንረኽበሉን ሰማያዊ ርስቲ ንወርሰሉን ጥምቀት ሠርዓልና። ‘ ዘኢተወልደ ዳግመ እማይ ወእመንፈስ ቅዱስ ኢይክል በዊኣ ውስተ መንግሥተ እግዚአብሔር/ ካብ ማይን ካብ መንፈስ ቅዱስን ዘይተወልደ ናብ መንግሥተ እግዚአብሔር ኪኣቱ ዚኽእል ከቶ የልቦን።’ (ዮሓ. 3፡5) ድማ ይብለና። ስለዚ ከምቲ ንሱ ዝተጠመቖን በቲ ዝኣዘዞን፡ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ነቶም ካብ ሥድራ ምእመናን ዝተወልዱ ወዲ ኣብ ኣርብዓ መዓልቱ፡ ጓል ድማ ኣብ ሰማንያ መዓልታ ከምኡ’ውን ነቶም ኢኣማንያን ዝነበሩ’ሞ ደኃር ኣሚኖም ዝመጹ ካብ 40 መዓልቲ ክሳዕ 3ተ ዓመት ምሂራ ኣረዲኣ እናኣጥመቐት ጸጋ ውልድነት ከም ዝረኽቡን ብርቀት ካብ መንፈስ ቅዱስ ተወሊዶም ብወልድ ውሉድ ብክርስቶስ ክርስቲያን ተሰምዮም ዕለት ዕለት በታ ጸባብ ኣፍ ደገን ቀጣን መንገድን ዝኾነት ቅንዕቲ ሃይማኖት መስቀል ክርስቶስ ተሰኪሞም ንኽጐዓዙ ናብ ማኅበረ ምእመናን ከም ዝጽምበሩ ትገብር።

• እምበኣር ዓመት መጸ በዓለ ጥምቀት ከነኽብርን በቲ ዝተባረኸ ማይ ክንጸግን ከሎና ካልኣይ ጊዜ ንምጥማቕ ዘይኮነስ ካብ ጥምቀት ጐይታ በረኸት ንምስታፍን ብጥምቀት ዝተዋህበና ጸጋን ኃላፍነትን ንምስትውዓል እዩ። ስለዚ እዚ በዓል እዚ ሓደ ካብ ዓበይቲ በዓላት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ስለዝኾነን ብዙኅ ምሥጢራት ዘለዎ ምዃኑ'ውን ፈሊጥና በቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ዝሠርዓትልና ኣብ ድሮ (ዋዜማ) ጥምቀት ዝጽወም ጾመ ገሃድ ክንጸውም ከምኡ’ውን ኣብቲ ዕለተ በዓል ጥምቀት ካብ ዝተሠርዐ ማኅሌት፡ ጸሎተ ቅዳሴ፡ መንፈሳዊ ጉባኤ፡ . . . በረኸት ክንሳተፍ ይግባእ።

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ካብ ኃጢኣት ኣጽርዩ ጽሩይ ልቢ ዝፈጥር፡ ኣረጊት ሰብነት ኣርሒቑ ሓድሽ ሰብነት ዘልብስ ማየ ሕይወት ኪነጽገልና ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና፡ ኣሜን። (ሕዝ. 36፡25-29)

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር፡ አሜን!

ዘመነ ማቴዎስ 19 መስከረም 2013 ዓ.…

September
Tuesday
29
ዝክር፦ ጎርጎርዮስ ሊቀ ጳጳሳት ዘአርማንያ፡ ወአባ ቂርቆስ ገዳማዊ። ዘቅዳሴ ምንባብ መልእክታት ኤፌ. 2፡13-ፍጻሜ 1ይ ጴጥ. 5፡1-6 ግብ. ሐዋ. 14፡1-7 ምስባክ መዝ. 70/71 ወንጌል ማቴ. 12፡9-21 ቅዳሴ ቅዳሴ ዘዮሐንስ አፈ ወርቅ። * * *
00:00 h
Ad Right

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ክብረ በዓል ቅዱስ መስቀል 2013 ዓ.ም. ብመንፈሳዊ ተመስጦን ሓበንን ተባዒሉ!

ትማሊ ዕለት 17 መስከረም 2013 ዓ. ም. ክብረ በዓል ቅዱስ መስቀል፡ ዓቃቤ ወንበር ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ...

“ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝነገሩኹም መራሕትኹም ዘክርዎም” ዕብ. 13፡7 - አቡነ…

ቅዱስ አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ካብ ኣቦኡ ክርስቶስ ሞዐን፡ ኣደኡ ሥነ ሕይወትን ኣብ እንድርታ፡ ጽራእ ኣብ ዝተባህለ ዓዲ ተወልደ። ክርስቶስ ሞዐን ሥነ...

ወገብረ ሰላመ በደመ መስቀሉ/ ብደም መስቀሉ ሰላም ገብረ። ቈላ. 1፡19-20

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!    * ኣመጻጽኣ መስቀል፣ መስቀል ማለት ‘ሰቀለ’ ካብ ዝብል ግእዛዊ ግሲ ዝተረኽበ ኾይኑ ትርጕሙ ድማ ዝተመሳቐለ...

እንቋዕ ናብ በዓለ መስቀል 2013 ዓ.ም. ኣብጽሓና!

ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወፃእን እትነብሩ ምእመናንን ምእመናትን፣ ቅዱስ ፍቓዱ ኮይኑ ካብ ዘመነ ዮሓንስ ናብ ዘመነ ማቴዎስ ዘሰጋገረና እግዚአብሔር ኣምላኽና፣ እንቋዕ...

ንቤት ንባብ ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ መንፈሳዊ ኮሌጅ ዘገልግል…

ንቤት ንባብ ደብረ ሲና ቅድስት ስላሴ መንፈሳዊ ኮሌጅ ኣብ መሥርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ከም መወከሲ ዘገልግል መጻሕፍቲ ብገባሬ ሠናይ ኣቶ ቴድሮስ...

ዓመታዊ በዓል ቤት ትምህርት ሰንበት ቅዱስ ዮሐንስ ቤተ ክርስቲያን መድኃኔ…

ብዕለት 2 መስከረም 2013 ዓ.ም.ግ. “እግዚአብሔር ከኣ በደልካ ኣርሒቑልካ እዩ ኣይትመውትን ኢኻ” 2ይ ሳሙ. 12፡13 ብዝብል ኃይለ ቃል ዓመታዊ በዓል...

ካብ ርእሰ ዓውደ ዓመት ክሳዕ ፀአተ ክረምት

1. ካብ ዮሐንስ (መለወጢ ዘመን ) ክሳዕ ዘካርያስ (1 መስከረም ክሳዕ 8 መስከረም) ሓድሽ ዓመት ዝትክኣሉ እዋን ስለዝኾነ ኣብ ልቢ ክርስቲያን...

በዓለ ሥእል ዘጼዴንያ

ብመሠረት ትምህርቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ካብ ቅዱሳት ኣሣእል ብዙኅን ዓቢይን ጥቕሚ ይርከብ። ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝርከቡ ትምህርትታትን ታሪኻትን ብሥእላዊ ኣገላልጻ...

ሓድሽ ዓመት ብሓድሽ መንፈስ!

ኣብቲ ብብርሃን ዝወቀበ ዘመን ኣዳራሽ ፡ ኣርባዕተ ወንጌላውያን ከም ዕንቍ ተኾሊዖም ብሓጐስ ዝነብርሉ፡ ሓደ ንበይኑ ኣብ መደቡ ግልል ኢሉ ነበረ።...

ዓመታዊ በዓል ቤት ትምህርት ሰንበት ቅዱስ ሩፋኤል ቤተ ክርስቲያን መድኃኔ…

ብዕለት 3 ጳጕሜን 2012 ዓ.ም.ግ. “ሕይወቱ ምሉእ ንእግዚአብሔር ኣሚኑ ዝኃፈረ የለን” መጽ.ሲራ. 2፡10 ብዝብል ኃይለ ቃል ዓመታዊ በዓል ቤት ትምህርት...

ገዳም ደብረ ደናግል ሰማዕት ቅድስት ኣርሴማ ገዳመን ክሓንፃ ፕላን ኣጽዲቀን…

ናይ ደቀ ኣንስትዮ ገዳም ደብረ ደናግል ሰማዕት ቅድስት ኣርሴማ ብ29 መስከረም ብሠናይ ፍቓድ ቅዱስ ሲኖዶስ ምስ ተገደመ ቤተ ጸሎት፡ መንበሪ...

ኣብ ምድላው ዝርከብ ሥርዓተ ትምህርቲ ቤት ትምህርቲ ሰንበት ንምግምጋም ጉባኤ…

ብዕለት 4-5 ጳጕሜን 2012 ዓ.ም. ኣብ ኣዳራሽ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ንኣብ ምድላው ዝርከብ ሥርዓተ ትምህርቲ (ካሪክሉም) ዝግምግም ጉባኤ ተቓኒዑ።...

  

latest articles

The feast of the Holy Cross - Mesekel (The Founding…

The Mesekel holiday is celebreated on Meskerem 17 (27th of September) and Megabit 10 (19th of March). The word Meskel...

The Ascension of St Mary (part two)

Moreover, Whilst John the evangelist was preaching in the country of Asia, on the sixteenth day of the month of...

The Ascension of St Mary (part one)

"At your right hand stands the queen." (Psalm 45:9)IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY...

The Fast of Assumption of the Virgin Mary

This fast lasts from Nehassie (August) 1 to 16. Our Lady departed on 21 of Ter (January) in 50 A.D...

“Blessed is he that considereth the poor” Ps. 41:1

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God Amen. The basic necessities...

The Apostle Saint Paul

Saint Paul was a Jew, of the tribe of Benjamin, a Pharisee, the son of a Pharisee; and his kinsfolk...

The Apostle st. Peter

Peter was from Bethsaida, and he was a fisherman.  Our Lord chose him on the second day following that whereon...

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...

The feast Of Pentecost

IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY SPIRIT, ONE GOD. On this day the Holy...

Ascension

After the Lord Jesus Christ had finished the operation of His wisdom upon earth, by His Passion, and His Death...

Tsinset (Annunciation – Feast of Incarnation)

In accordance with the cannon of the Church, one of the nine major feast days of Our Lord. it Tsinset (Annunciation...