ኣብ ዘመነ አበው፡ ካብ ኣቦና አብርሃም ዝተወልዱን ዘይተወልዱን ነገዳት ተፈልዮም ዝፍለጡሉ መለለዪ ኮይኑ ነበረ። እዚ ምልክት’ዚ ካብ እግዚአብሔር ንኣቦና ኣብርሃም ዝተዋህበ ምልክት ኪዳን ነበረ። እግዚአብሔር ድማ ንኣብርሃም ከምዚ በሎ፦
“እቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ብድኅሬኻ ድማ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ዘርእኻን ዘሎ እትሕልውዎ ኺዳን እዚ እዩ፦ ኣባኻትኩም ተባዕታይ ዘበለ ዅሉ ይገዘር። ሥጋ ዕልቦኹም ግዘሩ። እዚ ነቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኹምን ዘሎ ምልክት ኪዳን እዩ። . . . ዘይተገዝረ ተባዕታይ ማለት ሥጋ ዕልቦኡ ዘይተገዘረ ዅሉ ኪዳነይ ኣፍሪሱ እዩ እሞ ካብ ሕዝቡ ይሰቐቕ”። (ዘፍ. 17፡10-14)
ኵሉ ሰብ ትውልዱ ካብ ሓደ ኣዳም እኳ እንተኾነ በዚ ንኣብርሃም ዝተዋህቦ ምልክት ኪዳን ግና እስራኤል በግዝረቶሙ (ብግዝረት)፣ ኣሕዛብ ከኣ በቍልፈቶሙ (ብዘይ ምግዛር) ናብ ክልተ ተፈላልዮም ክሳብ ምምጻእ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጸንሑ። ዳኅራይ ግና ሕዝብን ኣሕዛብን ሓደ ክገብር ዝመጸ ጐይታ፡ ሕገ ኦሪት ዝኾነ ግዝረት ተሪፉ ብስም ሥላሴ ተጠሚቖም ሓደ ዝኾንሉ ሕገ ወንጌል ዝኾነ ጥምቀት ሠርዐ። (ኤፌ. 2፥11) ቅዱሳን ሓዋርያት፡ ንዅሉ ዓለም ዘይሮም መሃሩ፡ ንዝኣመኑ ድማ እናጥመቑ ሃብተ ውልድነትን ጸጋ መንፈስ ቅዱስን ይዕድሉ ነበሩ።
ክርስትና ዘይተቐበሉ ቤተ ኣይሁድ ግና “ወንጌል እንበለ ኦሪት፡ ጥምቀት እንበለ ግዝረት ኣይጠቅምን እዩ” እናበሉ ንስብከተ ሓዋርያት የተዓናቕፉ ነበሩ።
ኣብ ዘመነ ክርስትና፡ ግዝረት ኣብ ነገረ ድኅነት ዝህቦ ጥቕሚ ከምዘየለ ከረድእ ከሎ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፦ “ወንሕነሰ በመንፈስ ወበአሚን ንሴፎ ንጽድቅ። እስመ በኀበ እግዚእነ ኢየሱስ ክርስቶስ ተገዝሮሂ ኢይበቍዕ ወኢተገዝሮሂ ኢያሰልጥ ዘእንበለ ዳእሙ በአሚን ወበተፋቅሮ።/ ንሕና ግና ብመንፈስን ብእምነትን ክንጸድቕ ተስፋ ንገብር ኣሎና፣ ከመይ ኣብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብፍቕርን እምነትን ምጽናዕ እምበር ግዝረት ኮነ ዘይግዝረት ጥቕሚ የብሉን።” ይብል። (ገላ. 5፡6 ፣ ገላ. 6፡15)
ከምኡ’ውን ቅዱሳን ነቢያትን ሓዋርያትን እቲ ቀንዲ ግዝረት ካብ ልቢ ዝምንጩ ክፍኣት ቈሪጽካ ምድርባይ፣ ካብ ኃጣውእ ምፍላይን ምዃኑ ገሊጾሞ ኣለዉ። ነቢይ ኤርምያስ “ተገዘሩ ለአምላክክሙ ወግዝሩ እከየ ልብክሙ / ንኣምላኽኩም ተገዘሩን ክፍኣት ልብኹምን ግዘሩ” ይብል። (ኤር. 4፡4)
ኣብ ኦሪት ዘፀኣት’ውን “ግዝሩ እከዮ ለልብክሙ/ ናይ ልቦናኹም ክፍኣት ቈሪጽኩም ደርብዩ” ከምዝብል። (ዘፀ. 10፡16፣ ሮሜ 2፡29)
ስለዚ ኣብ ዘመነ ክርስትና ንዝኾነ ክርስቲያን፦ ሥጋ ዕልቦኡ እንተተገዝረ ዘጽድቆ፣ እንተ ዘይተገዝረ ድማ ዘዀንኖ ኣይኮነን።
ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር፡ አሜን!