‘ወናሁ አነ እፌኑ ተስፋሁ ለአቡየ ላዕሌክሙ/ እንሆ ኣነ ተስፋ ኣቦይ ክሰደልኩም እየ’ ሉቃ. 24፡49

Jun 16, 2016

ተስፋ ማለት ነቲ ዘይርአ ከም ዝርአ፡ ነቲ ዘየሎ ከምዘሎ፡ ነቲ ዘይኸውን ድማ ከምዝኸውን ጌርካ ብእምነት ንእግዚአብሔር ምጽባይ እዩ። ተስፋ ሓንቲ ካብተን ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ቆሮንቶስ ጽሒፍሎም ዘሎ ቓላት እያ። ( 1ይ ቆሮ. 13፥13)
እምነት ኣብ እግዚአብሔር ተስፋ የግብር፡ ተስፋ ድማ ፍቕሪ ኣምላኽ የንግሥ እዩ እሞ ኣብዚ ጊዜና ትስፍዋት ክንከውን ይግባእ።

ተስፋ፡ ካብ ቀደም ኣትኂዛ ከም ዝነበረት መጽሐፍ ቅዱስ ይነግረና።

፠ ተስፋ ኣብ ምፍጣር ዓለም፡- እግዚአብሔር ሰማይን ምድርን ምስ ፈጠረ፡ ንምድሪ ምስ ጠመታ ብጸልማትን ብማይን ዝተኸበትን ዝተዋሕጠትን ነበረት። እግዚአብሔር ንምድሪ ተስፋ ኣተወላ በለ ድማ “ ብርሃን ይኹን በለ፡ ከምኡ ድማ ኾነ። ምድሪ ብብርሃንን፡ ከምኡ ውን ብዕንባባታትን፡ ኣታኽልትን፡ ሣዕርን ኣዕዋፍን፡ እንስሳታትን ወቂባ ተረኽበት። ምድሪ ድማ ተስፋኣ ብሠናይ ነገር ተፈጸመላ፡ ለምሊማ ንምርኣያ ባህ እተብል ድማ ኾነት።” (ዘፍ. 1፥1-ፍጻሜ፣ መጽሐፈ አክሲማሮስ ዘዐርብ ምዕ. 2 )።


፠ ተስፋ ኣብ ጊዜ ኣዳምን ሔዋንን፡- እዚ ዓይነት ተስፋ ነቶም ብሰንኪ በደሎም ካብ ገነት ወፂኦም ምሉእ ሕይወቶም ብቐቢጸ ተስፋ ዝነበሩ ኣዳምን ሔዋንን ዝተዋህበ እዩ። ንሱ ድማ “ንዅሉ ንብዓትኩምን ጣዕሳኹምን ርእየ እየ እሞ ድኅሪ ኃሙሽተ መዓልትን ፈረቃን (5500 ዓመት) ካብ ጓል ጓልካ ተወሊደ ከድኅነካ እየ” ዝብል ዓቢይ ቃል ተስፋን ምጽንናዕን ተዋህቦም። ጊዜኡ ምስ በጽሐ ኸኣ ካብ ሞት ናብ ሕይወት ተሰጋገሩ። (ዘፍ. 3፥15)
ስለዚ እዚ ተስፋ እዚ ንኣሽሓት ዓመታት ኣብ ልቦም ዓቝሮም ክሳዕ ጐይታ ምእንታኦም ዝብጆ ብማዕዶ እናረኣይዎ ብሞት ካብዚ ዓለም ኃለፉ። ነዚ ከረድኣና ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ይብል፡- “ እዚኦም ኵላቶም ነተን ተስፋታት ኣይረኸብወንን ግናኸ ካብ ርኁቕ ርእዮም ብሓጐስ ተቐበልወን እሞ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኣጋይሽን ስደተኛታትን ምዃኖም እናተኣመኑ ብእምነት ኃለፉ” (ዕብ. 11፥13)

ተስፋ ኣብ ሕይወት እታ ዝበለጸት እያ። ከመይ እቲዅሉ ተስፋኡ ዘጥፍአ ሰብ ጊዜ ሕይወቱ ኣብ ጭንቀት፡ ኃዘንን ጓህን ዝጠሓለ መንፈስ እግዚአብሔር ዘይብሉ እዩ ዝኸውን። ከምዚ ዓይነት ሰብ ድማ ግዙእ ዲያብሎስ እዩ። እቶም ደቂ እግዚአብሔር ዝኾኑ ግና ዘይትኃልፍ ተስፋ መንግሥተ ሰማያት ኣላቶም። ነዛ ተስፋ ንኸብርሃልና ድማ ከምዚ ይብለና፡- “ዘዐይን ኢርእየ ወዕዝን ኢሰምዐ፡ ውስተ ልበ ሰብእ ዘኢተሐለየ፡ ዘአስተዳለወ እግዚአብሔር ለእለ ያፈቅርዎ/ ዓይኒ ዘይረኣዮ እዝኒ ዘይሰምዖ ኣብ ልቢ ደቂ ሰባት ዘይተሓሰበ እግዚአብሔር ነቶም ዘፍቅርዎ ኣዳልዩሎም ኣሎ . . .” ( 1ይቆሮ. 2፥9)።
እዚ ስለዝኾነ ድማ ነታ መንግሥተ እግዚአብሔር ንኽንወርስ ኣብ ዓለም ብመከራን ሽግርን ንነብር። እታ ተስፋና ኣብዛ መሬት ጥራይ ከምዘይኮነት ከረድእ ከሎ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ከምዚ ይብለና፡- “ኣብዛ ሕይወት እዚኣ ጥራይ ብክርስቶስ ተስፋ እንተ ገበርናስ ካብ ኵሉ ሰብ እነደንግጽ ምኾንና ኔርና” (1ይቆሮ. ፲፭፥፲፱/ 15፥19)። እሞ'ኸ ሕዝበ ክርስቲያን! ስለምንታይ ደኣ ተስፋ ከምዘይብሉ፡ ኵሉ ጊዜ ኣብ ጭንቀትን ኃዘንን ክንነብር ዝርአ፧ !

ነቶም ተስፋ ዝቘረጹ፡ ተስፋ ከምዘለዎም ብግብርን ብቓልን መድኅን ዓለም ክርስቶስ ምሂሩና እዩ ፦

፠ እታ ሾብዓተ ኣጋንንቲ ኃዲሮምዋ ብጭንቀት ትነብር ዝነበረት ማርያም መግደላዊት ደኃር ግና ቅድሚ 11ተ ሓዋርያት ትንሣኤ ጐይታ ዝርኣየት፤
፠ እቲ ምሉእ ሕይወቱ ኣብ ሽፍትነት ዘኅለፎ ኣብ የማን ጐይታ ተሰቒሉ ዝነበረ ቐዳማይ ኮይኑ ንገነት ዝኣተወ፤
፠ እቲ ዓማፅን ተቐባሊ ቐረጽን ዝነበረ ዘኬዎስ ጐይታ ኣብ ቤቱ ኸይዱ ዚባረኾ፤
፠ እቲ ኣብ ዓራት ንሠላሳን ሸሞንተን ዓመት ተደኒሱ ዝነበረ መፃጉዕ ዓራትካ ኣልዒልካ ኪድ ዝተባህለ፤ . . .ወዘይመስሎ እዚኣቶም ኵሎም ብተስፋ ስለ ዝተጸበዩ፡ ጐይታ ድማ ተስፋኦም ብምርኣይ ካብ

ኵሉ ሽግሮም ኣናገፎም። እሞ'ኸ ደኣ ነዚኣቶም ካብቲ ኵሉ ሽግሮም ኣውፂኡ ተስፋ ዝሃቦም ጐይታ፣ ንኣና ኸ ክንደይ ዝኣኽል ተስፋ ዘይህበና ፧ ብርግጽ! ኣምላኽ ነቶም ብዙኅ ዝተሸገሩን ሕይወት ትርጕም ዘይብሉ ኾይኑ ዝስምዖምን ሕዝበ ክርስቲያን ተስፋ ይህቦም እዩ።

ንምሳሌ፡- “ ካብ ደቂ እታ ምርዕውትስ ደቂ እታ በይና ዘላ ኺበዝኁ እዮም እሞ ኣቲ ዘይወለድኺ መኻን ዕልል በሊ . . .” (ኢሳ. 54፥1-3) ይብለና። እቲ ዘይሓዊ ዝመስለና ሕማም'ውን መድኃኒት ከም ዘለዎ ብእግዚአብሔር ተስፋ ክንገብር ይግብኣና፡፡ ከመይ! ነቲ ዕዉር ዘብርሀ፤ ነታ ንዓሠርተው ሸሞንተ ዓመት መንፈስ ድኻም መንደዓት ዝኃዛ ዘሕወያ (ሉቃ. 13፥10)፤ ነታ መበለት ወዳ ካብ ሞት ኣተንሢኡ ዝሃባ (ሉቃ. 7፥14-16)፤ ነታ ብዙኅ ደም ዝፈስሳ ዝነበረ ዘንጽሓ . . .ወዘይስሎ። እዚ ዅሉ በቲ ኣብ እግዚአብሔር ዝገበርዎ ተስፋ ዝረኸብዎ ምሕረት ብምዃኑ ንሕና ድማ ነዚ ዅሉ ተረዲእና ብተስፋ ክንነብር ይግብኣና እዩ።

ነቲ ዅሉ ዝከኣሎ እግዚአብሔር ንከኽእለና ብምሉእ እምነት ንለምኖ “ . . . በቲ ዅሉ ኃይሊ ዝህበኒ እግዚአብሔር ንዅሉ እኽእሎ እየ” ድማ ንብል።(ፊል. 4፥13) “ወተሰፈዎ ለእግዚአብሔር ተዐገሥ ወአጽንዕ ልበከ ወተሰፈዎ ለእግዚአብሔር/ ብእግዚአብሔር ተተሰፎ፡ በርትዕ ልብኻ ቐጥ ኣብል ኣጆኻ እወ ብእግዚአብሔር ተስፋ ግበር” ከምዝበለ ዘማሪ ዳዊት (መዝ. 27፥14)።

እግዚአብሔር ኵሉ ጊዜ ክሓልየልና ዝነብር ርኅሩኅ ኣምላኽ ምዃኑ ከረድእ ዘማራይ ዳዊት ከምዚ ይብል፡- “ሠራዊት እኳ ኪቃወሙኒ እንተ ዝኸቡኒ ኣነ ኣይፈርህን እየ። ጸላእተይ ኪቃወሙኒ ኢሎም እንተ ዝለዓሉኒ ውን ኣብ እግዚአብሔር እምነት ኣሎኒ” (መዝ. 27፥3) ከምኡ ውን “ንሱ ኸኣ በለ ካብቶም ምሳታቶም ዘለዉስ ምሳና ዘለዉ ይበዝኁ እዮም እሞ ኣይትፍራህ በሎ።” ይብል ። (2ይ ነገ. 6፥16)
ኵሉ ጊዜ ዋላ'ውን ሽግር ኣብ ዝበዝኃና ጊዜ ተስፋ ከምዘለና እግዚአብሔር'ውን ከምዘናግፈና ምርዳእን ምስትብሃልን ይግባእ። ከመይ! ንሕና ሕዝበ ክርስቲያን ብተስፋ ኢና እንነብር (ሮሜ 12፥12) “ ኣይክገድፈኩምን እየ ከቶ'ውን ሸለል ኣይብለኩምን ክሳዕ መወዳእታ ጊዜ ምሳኻትኩም እየ” (ማቴ. 28፥20)።

እሞ'ኸ ደኣ ንሕና ነዚ ቓል እዚ እናሰማዕናን እናረኣናን ብቐቢጸ ተስፋ ክንጓዓዝ’ዶ ይግባእ እዩ፧ ኣይፋሉን! ምኽንያቱ ኣብ ጽላል እቲ ካብ ሕጂ ዅሉ ጊዜ ብለይትን መዓልትን ክሳዕ ዘለዓለም ምእታውናን ምውፃእናን ዚሕሉ ኣምላኽ ስለዘሎና። (መዝ. 121፥8)

ኵሉ ጊዜ ኣብ እግዚአብሔር ተስፋ ገይርና ክንጽበ ይግባእ። ነዚ ከረድኣና ልቢ ኣምላኽ ዝተሰምየ ዘማራይ ዳዊት ነቶም እስራኤል ዘሥጋ ከምዚ በሎም “ኣታ እስራኤል ካብ ሕጂ ንዘለዓለም ብእግዚአብሔር ተስፋ ግበር” (መዝ. 131፥3)። እዚ ቓል እዚ ነዞም ኣብዚ ጊዜ ዘለና እስራኤል ዘነፍስ ሕዝበ ክርስቲያን’ውን ከምዝኾነ ክንርድኦን ክንግንዘቦን ይግባእ። እዚ ተስፋ እዚ ግና ምሉእ እምነትን ትውክልትን ኣብ እግዚአብሔር ዘለዎ ኪኸውን ይግባእ። ካብዚ ወፃኢ ምልክት ተስፋ ምቝራጽ ዝኾነ ኣብ መንጎ ፡- ‘ስለምንታይ እዩ እግዚአብሔር ክሳብ ሕጂ ዘይሰምዓና፡ ኣበይ ኣሎ ፍቕሩ፡ ኣበይ ኣሎ ሥርሑ፧ ’ ክንብል ኣይግባእን። እዚ ዅሉ እግዚአብሔር ዘይፈትዎ ሥራሕ ስለ ዝኾነ ብልሳንና ኣይነውሥኣዮ። ከም ፍቓድካ ንበል! ሽዑ እቲ ንኣና ሠናይ ዝኾነ ነገር ባዕሉ ክፍጽመልና እዩ። ከምቲ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ቆሮንቶስ ከምዚ ብምባል ዝጸሓፈሎም፡- “ብዅሉ ወገን ንጽቀጥ ግናኸ ኣይጸበበናን፡ እንገብሮ ይጠፍኣና ግናኸ ተስፋ ኣይንቐብጽን ኢና” (2ይ ቆሮ. 4፥8) ዋላ እንተ ተሸገርና፡ ፈተና ውን እንተበዝኃና ተስፋ ክንቈርጽ ኣይግብኣናን እዩ። ንሕና እቶም ኣብ እግዚአብሔር እንውከል ግና ኵሉ ጊዜ ብኃይሊ እግዚአብሔር ከም እንብርትዕ ንፍለጥ “እቶም ንእግዚአብሔር ዚጽበዩ ግና ኃይሎም ይሕደስ ከም ንስሪ ብኣኽናፍ ይድይቡ፡ ይጐዩ እሞ ኣይሕለሉን፣ ይኸዱ እሞ ኣይደኽሙን” (ኢሳ. 40፥31)።

፠ እምበኣር ኣኅዋትን ኣኃትን ኵሉ ጊዜ ኣብ ዓለም ከሎኻ ሽግር፡ ጸገምን ፈተናን፡ ራህዋን ሰላምን ተሓዋዊሱ ከጨንቐካ ይኽእል ይኸውን። እቲ ንዅሉ ዝፈትሕን ሰላም ዝህብን ግና እግዚአብሔር እዩ እሞ ኣብ እግዚአብሔር ንወከል። “ኣታ ኂደት መጓሰ እታ መንግሥቲ ክህበኩም ፍቓድ ኣቦኹም እዩ እሞ ኣይትፍራህ” (ሉቃ. 12፥32)። “ነታ ኣምላኽ ዝሓናፂኣን ዝሠራሒኣን መሠረት ዘለዋ ኸተማ ይጽበ ስለዝነበረ ብእምነት ኣብታ ምድሪ ተስፋ ከም ኣብ ምድሪ ጓና ኾይኑ ተቐመጠ እሞ ምስቶም ነዛ ተስፋ እዚኣ መዋርስቱ ዝኾኑ ይስሓቅን፡ ያዕቆብን ኸኣ ኣብ ድንኳን ይነብር ነበረ” (ዕብ. 11፥9-10) እሞ'ኸ ደኣ ንሕና ኣበይ ምንባር እዩ ዝኅሸና ! ነታ ተስፋ መንግሥተ ሰማይ'ዶ፡ ወይስ ነዛ ዓለም ኢና ንደሊ፡ ቀጺሉ ውን ናብ ዕብራውያን ዝተጻሕፈ እንተርኢና ከምዚ ኢሉ ይምዕደናን ይመኽረናን፥ “እምበኣርከስ ነቲ ብዙኅ ዓስቢ ዘለዎ ትብዓትኩም ኣይትደርብይዎ፡ ፍቓድ እግዚአብሔር እናገበርኩም ነታ ተስፋ ምእንቲ ኺትወርስዋ ትዕግሥቲ የድልየኩም እዩ።” (ዕብ. 10፥35-36)።
ሕዝበ ክርስቲያን! ኣብዛ ዘለናያ ጊዜ ብዙኅ ትዕግሥቲ ከምዘድልየና ተረዲእና ኣብ እግዚአብሔር ተስፋ ብምግባር ፍጹም እምነት ንኃዝ።
ነዚ ንምፍጻም እግዚአብሔር ሰላሙ፡ ምሕረቱን ተስፋኡን ይሃበና።

ስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀል ክቡር፡ አሜን!

ዘመነ ዮሐንስ 16 የካቲት 2012 ዓ.…

February
Monday
24
ዝክር፦ ዕረፍታ ለኤልሳቤጥ እሙ ለዮሐንስ መጥምቅ፡ ወበዓለ እግዝእትነ ማርያም በዘነሥአት ኪዳነ። ዘቅዳሴ ምንባብ፦ ገላ. 3፡17-ፍጻሜ። 2ይ ዮሐ. 1፡1-7። ግብ. ሐዋ. 1፡12-14። ምስባክ፦ መዝ. 88/89 ዓዲ መዝ. 67/68 ወንጌል፦ ሉቃ. 1፡39-56። ቅዳሴ፦ ዘ፫፻ት ግሩም። * * *
00:00 h
Ad Right

  

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ኪዳነ ምሕረት

ኪዳን ፦ “ተካየደ” ካብ ዝብል ግእዛዊ ግሢ ዝወፅአ ኾይኑ፡ “ተመሓሓለ፡ ተሰማምዐ፡ ተወዓዓለ” ማለት እዩ። ኪዳን፥ ንኽልተ ሓደ ዝገብር ናይ ፍቕርን...

ቀዳማይ ሰንበት ዓቢይ ጾም፡ ዘወረደ 

ቀጥታዊ ትርጕሙ ‘ዝወረደ’ ማለት እዩ። እዚ ድማ ምእንቲ ድኅነተ ዓለም፡ ካብ ሠለስተ ኣካል ሓደ ኣካል እግዚአብሔር ወልድ ብፍሉይ ኣካሉ ካብ...

ዓቢይ ጾም

ሓደ ካብ ሾብዓተ ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ዓቢይ ጾም እዩ። እዚ ጾም እዚ ፈጣሬ ሰማያትን ምድርን፡ ጐይታ ጐይቶትን ኢየሱስ ክርስቶስ ድኅሪ...

ዓቢይ ጾም፡ ካብ ሰኑይ 16 የካቲት ክጅመር እዩ!

ብኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ሕገ ቀኖና፡ ኣብ ዓመት 7ተ ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ኣለዉ። ነዞም ኣጽዋማት ኵሉ ክርስቲያን ክጾሞም ኣብ ፍትሓ...

ኪደት መንፈሳዊ ኮሌጅ ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ ተገምጊሙ!

12 የካቲት 2012 ዓ.ም.ግ (20 የካቲት 2020 ዓ.ም.)፡ ኪደት መንፈሳዊ ኮሌጅ ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ ዝግምግም ጉባኤ፡ ብፁዓን አቦታትን ኣባላት...

ሓዋርያ ቅዱስ ያዕቆብ ወልደ እልፍዮስ

ያዕቆብ ማለት አኀዜ ሰኰና አዕቃጺ (ሓንኳሊ) ማለት እዩ። ነገዱ ካብ ነገደ ጋድ ሃገረ ስብከቱ ኢየሩሳሌም ዕረፍቱ 10 የካቲት ቍጽሩ ካብ...

አዋጅ ምህላ ጾመ 40 ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያናት

“ቀድሱ ጾመ ወስብኩ ምህላ/እትጾሙሉ እዋን ፍለዩ ምህላ’ውን ኣውጁ” ኢዩ. 1፡14 ብኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ሕገ ቀኖና ኣብ ዓመት ካብ ዘለዉ ሾብዓተ...

ሠራሕተኛታት ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ናብ ገዳም ደብረ ጥሉል አቡነ…

05 የካ 2012 ዓ.ም.ግ (13 የካ 2020 ፈ.) ሠራሕተኛታት ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ናብ ገዳም ደብረ ጥሉል አቡነ አብራንዮስ (እንዳ...

በዓለ ስምዖን ኣረጋዊ - 8 የካቲት

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ነፍስን ሥጋን ተዋሒዱ ምስ ተወልደ፡ ሕጊ መጽሓፋዊ ንምፍጻም ኣብ 40 መዓልቱ፡ መሥዋዕቲ...

ክብረ በዓል ገዳም አቡነ እንድርያስ ሰፍኣ ተኸቢሩ!

ዓመት መጸ 1 የካቲት ዝበዓል ዝክረ ዕረፍቲ ኣቡነ እንድርያስ ሎሚ ዓመት 2012 ዓ.ም. እውን ብዓቢይ መንፈሳዊ ክብሪ ተኸቢሩ! ኣብዚ ክብረ በዓል...

ዕለታት ጾመ ነነዌ

ጾመ ነነዌ ሓደ ካብቶም 7ተ ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ቤተ ክርስቲያን እዩ። ጾመ ነነዌ ኵል ሳዕ ዓቢይ ጾም ቅድሚ ምእታዉ ቅድሚ...

ንዑ ደቂቅየ ወስምዑኒ . . እመሀርክሙ - ታሪክ ሰብአ ነነዌ…

እግዚአብሔር ዝፈትወኩም ሕፃናት ከመይ ኣሎኹም፧ ናብዚ ሰዓትን እዝን ዕለትን ብሰላም ዘብጸሓና እግዚአብሔር ዝኸበረን ዝተመስገነን ይኹን። ልበ ኣምላክ ኣቦና ቅዱስ ዳዊት...

  

latest articles

The feast of presenting the lord Christ in the temple…

On this day we celebrate the feast of presenting the lord Christ to the temple after 40 days of his...

The Fast of Nineveh - Monday 10 – 12 February…

In Eritrean Orthodox Tewahdo Church, one of the seven fasting periods is the fast of Nineveh.

Mystery of Baptism

Baptism is the sacrament given to all who believe in the Mystery of the Trinity and the Mystery of Incarnation...

Mystery of Incarnation

Mystery of Incarnation means the mystery of the descending of God the Son who is one of the Trinity from...

Mystery of the Holy Trinity

The Eritrean Orthodox tewahdo Church has Five pillars of Mysteries through which it teaches and demonstrates its basic religious belief...

Welcome to the Feast of the Nativity of Our Lord…

Glory to God. When the appointed time of salvation and the foretold prophesies came to pass, God the Son come to...

In Memory of His Holiness Abune Yacob the Second Patriarch…

His Holiness Abune Yacob, the Second Patriarch was one of the reputable leaders of the EriOTC, a shining star of...

Fast of the Prophets (Advent)

15th November (geez calander), marks the first day of the Advent Fast, a period of abstinence and penance practiced by...

FASTING

Fasting is abstinence from all things that a body needs, and one has to fast from animal products and from...

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church (EriOTC)

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God. “We call our...

Holy of Holies Our Lady, the virgin Mary

The word holy (kidus) in Geez denotes being special, pure and esteemed. This prefix is an attribute to denote the...

HOLY SCRIPTURES (part one)

All Scriptures are written with the inspiration of the Spirit of God or the breath of God. They are also...