"ወኩን መሃይምነ እስከ ለሞት/ ክሳዕ ሞት እሙን ኩን" (ራእ. ፪፥፲/ 2፥10)

Oct 01, 2015

እቲ ቐዳማይን ዳኅራይን ሞይቱ ዝነበረ እሞ ሕያው ዝኾነ ወልደ እግዚአብሔር ሕያው ወወልደ ማርያም ሥግው ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተዛረቦ ኃይለ ቃል’ዩ። እዚ ቃል’ዚ ኣቡቀለምሲስ ዮሓንስ፥ ንሄሬኔዎስ (ኢያሳ) መራሒ ሓንቲ ካብ ኣብ ንእሽቶ እስያ ዝነበራ ሾብዓተ ኣብያተ ክርስቲያን ዝኾነት ሴመርኔስ ዝጸሓፈሉ እዩ።
“እሙን ኩን” ማለት ኣብ ጊዜኡን ኣብ ዘይጊዜኡን፣ ቦታን ኵነታትን ከይወሰነካ ክሳዕ ሞት ኣብ ሃይማኖትካ ጽኑዕ ኩን እዩ።

እምነት፡ ነቲ ብተስፋ እንጽበዮ ከም እንረኽቦ ዜረጋግጽ፡ ነቲ ዘይረአ ከምዘሎ ዘረድእ እዩ። (ዕብ. ፲፩፥፩/ 11፥1) “ክሳዕ ሞት እሙን ኩን” ማለት ብህልውና፡ ረድኤትን መጋብነትን ዘለዓለማዊ ፈጣሪ እግዚአብሔር ኣሚንካ፡ ንእኡ እናኣሥመርካን ብትእዛዛቱ እናተመላለስካን በቲ ዝህበካ ዓስቢ ብተስፋ ጸኒዕካ ምንባር እዩ።

ብኣርባዕተ ባህርያተ ሥጋን ሠለስተ ባህርያተ ነፍስን ዝቘመ ሰብ፦ ኣብተን ከም ትኽስታ ሓፀርቲ፡ ቀልጢፈን ዚኃልፋን ነፊረን ዚኸዳን መዋዕል ዕድኡ ኣብ እምነቱ ጸኒዑ ሠናይ ግብሪ ፈጺሙ ኣኽሊል ሕይወት ደፊኡ ዘይትኃልፍ መንግሥቲ ኣምላኽ ንኺወርስ እዩ ተጸዊዑ። ግና ሰብ ዕላማ ተፈጥሮኡ፡ ተልእኾ ጻውዒቱ ፈጺሙ ክሳዕ ሞት ንኸይእመን ካብ ዲያብሎስ፣ ዓለምን ሥጋን ብዙኅ ይፍተን’ዩ። ወርቂ እምነት ብሓዊ ፈተና ስለዝዅላዕ ድማ ጒዕዞ ክርስትና ናብ ሕይወት ዚወስድ መንገዲ ብምዃኑ ጐደናኡ ሰጣሕ ጐልጐል ዘይኮነስ ተሪር ዓቐብ፣ መንገዱ ገፊሕ ዘይኮነስ ጸቢብ፣ ኣፍ ደገኡ ውን ርሒብ ዘይኮነስ ቀጢን እዩ። (ማቴ. ፯፥፲፫-፲፬/7:13-14) ቅዱሳን ሓዋርያት ውን “እስመ በብዙኅ ሕማም ሀለወነ ንባኣ ለመንግሥተ እግዚአብሔር / ንመንግሥቲ እግዚአብሔር ኪንኣትዋ ዝግብኣና ብብዙኅ ጸበባ እዩ” (ግብ. ፲፬፥፳፪/ 14፥22) ከም ዝበሉ፣ “ብክርስቶስ ክርስቲያን’የ፡ ኣማኒ’የ” ምባል ጥራሕ ኣኽሊል ሕይወት ዘውህብ ኣይኮነን። ንሃይማኖትካ ከም ብሌን ዓይንኻ ብሠናይ ተግባር እናተኸናኸንካ ክሳዕ ሞት ጻዕሪ፡ ጽንዓትን ገድልን ዝሓትት’ዩ። ቀዳሞት ቅዱሳን ኣቦታት ከም ፍቓድ ኣምላኽ ሠናይ እናገበሩ ንገዛእ ርእሶም ኣብቲ እሙን ፈጣሪ ኣማኅፂኖም (1ይጴጥ. ፬፥፲፱/4:19) ክሳዕ ሞት እሙናት ኮይኖም ንኣኽሊል ሕይወት፡ መንግሥተ ኣምላኽ ብቑዓት ኮይኖም ተረኺቦም እዮም።

* ኣቦ እምነት ኣቦና ኣብርሃም፦ “ካብ ዓድኻን ካብ ኣዝማድካን ካብ ዓዲ ኣቦኻን ውፃእ፡ ናብቲ ኣነ ዘርእየካ ምድሪ ኸኣ ኺድ” (ዘፍ. ፲፪፥፩/12፥1) ተባሂሉ ምስ ተጸውዐ ብእምነት ናበይ ከም ዚኸይድ ከይፈለጠ ወፅአ፣(ዕብ. ፲፩፥፰/11:8) ዓቢይ ሕዝቢ ከምዝኸውንን ወዱ ከምዝትንሥእን ኣሚኑ ክሳዕ ወዱ ንምሥዋዕ ተኣመነ። “ንሱ ኣብ ቅድሜኻ እሙን ኮይኑ ስለዝረኸብካዮ ምስኡ(ምስ ኣብርሃም) ኪዳን ኣቶኻ” (ነህ. ፱፥፰/9:8) ዝብል ውን ክጽሓፈሉ ከኣለ። ካብ ኃጢኣት ብንስሓ ውፅኡ፣ ካብ ዓለምን ፍትወታን ናብ ቤተ ክርስቲያን ተጸግዑ ዝበሃለና፡ ደቂ ኣብርሃምን ብክርስቶስ እሙናትን ንኽንስመ እዩ።

* እቲ እግዚአብሔር “እሙን” ኢሉ ዝምስክረሉ ሰብ፡ ክንደይ ዝተዓደለ’ዩ! ነቢይ ሙሴ ኣብ ኵሉ ሕዝበ እስራኤል እሙን መራሒ፣ ኣብ ኵሉ ቤተ እግዚአብሔር’ውን እሙን ስለዝነበረ፣ ነቲ ዘይርአ ብእምነት ርእዩ ጸንዐ፣ ንደቂ እስራኤል ባሕሪ ኤርትራ ብንቑጽ ምድሪ ኣሳጊሩ ምድረ ርስቲ ኣእተዎም።(ዘኍ. ፲፪፥፯/12:7, ዕብ. ፫፥፭/3፥5, ፲፩፥፳፫-፳፱/11፥23-29)።
ካብታ ብግብጺ ዝተመሰለት ኃጢኣት፡ ዓለም፡ ሲኦል፣ ንዅሎም ኣብ ጒዕዞ ዘጋጥሙ ባሕሪ ፈተናታት ኣሳጊሩ ናብታ ብምድረ ርስቲ እትምሰል ጽድቂ፡ ቤተ ክርስቲያን፡ ገነት ዘእቱ እምነት እዩ።

“ክሳዕ ሞት” ድማ ኣብ ግብጺ ዓለም፡ ኣብ መንገዲ ባሕሪ ኤርትራን ኣብ ምድረ ርስቲ ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ኵሉ እሙን ምዃን ይግባእ። ምኽንያቱ ነዚ ፈተና’ዚ ሰጊርና ካብ እግዚአብሔር እንቕበሎ ክብሪ ምስ ሕዝበ እስራኤል ዝረኸብዎ ክብሪ ዘይመዓራረ፡ መወዳድርቲ ዘይብሉ ስለዝኾነ። “ስቓይ እዚ ዘመን’ዚ ነቲ ኣባና ኪግለጽ ዚመጽእ ዘሎ ክብሪ ከምዘይመዓራረዮ እኣምን’የ” ከምዝበለ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ (ሮሜ ፰፥፲፰/ 8፥18)።

* ንባዕሉ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ካብ ፍቕሪ ክርስቶስ ዚፈልየኒ መን’ዩ፧ እናበለ ስለ’ታ እምነቱ ሠናይ ገድሊ ተጋዲሉ’ዩ፦“ነታ እምነት ውን ሓልየያ’የ፣ ደጊም እቲ ቅኑዕ ፈራዲ ዝኾነ ጐይታ በታ መዓልቲ’ቲኣ ዚህበኒ ኣኽሊል ጽድቂ ተነቢሩለይ ኣሎ” በለ። (2ይ ጢሞ. ፬፥፯/4 ፥7) “እምነት … ሞተይ... ኣኽሊል ጽድቂ” ዝብሉ ቃላት ጠቒሱ’ሎ።* እዞም ኵሎም ቅዱሳን ኣብ እምነት ጸኒዖም ሞቱ፣ ነቲ እግዚአብሔር ዘተስፈዎም ድማ ኣብ ጊዜኡ ረኸቡ፣ እግዚአንሔር ብእኦም ስለዝተሓጐሰ ድማ ኣምላኾም ተባሂሉ ኪስመ ፍቓዱ ኾነ። (ዕብ. ፲፩፥፲፫/11፥13)።
ስለዚ ንሕና ክንመስሎ ዚግብኣና፡ ክንዝክሮ ዘድልየና፡ ክንስዕቦ ውን ዘሎና፡ ኣሰር እምነት ናይ’ዞም ቅዱሳን እዩ። ነዚ እዩ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ “ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝነገሩኹም መራሕትኹም ዘክርዎም። ከመይ ኢሎም ከምዚነበሩን ከምዚሞቱን ኣስተውዒልኩም ኣሰር ኣሰር እምነቶም ሰዓቡ።” ዝብለና። (ዕብ. ፲፫፥፯/13፥7) ኣብዚ ወለዶ’ዚ ግና ከም ኣቦታትና ሰይፊ፡ ስደት፡ ማእሠርቲ . . . እንፍተኖ ዳርጋ የልቦን። ኣብ ልብና ኑፋቄ ዘኅድሩ፣ ኣብ ምሕረትን ፍቕርን እግዚአብሔር ክንጠራጠር ዝገብሩ ግና ኣለዉ።* ዘይከውን ኪኸውን’ዩ፡ ዘይመጽእ ኪመጽእ’ዩ፡ ዘይተባህለ ተባሂሉ ወይ ውን ንዝተባህለ ኣጋኒንካ ብምውራይ ዘጨንቑን ተስፋ ዘቝርጹን ክፉኣት ወረታት ኣለዉ። ክፉእ ወረ እምነትካ ኣጒዲሉ ዘጠራጥር’ዩ። ሕዝበ እስራኤል ወረ ዓሠርተ ሰለይቲ ሰሚዖም በቲ ዝሓለዎም፡ ዝመርሖም፡ ዝመገቦምን ዝተዋጋኣሎምን እግዚአብሔር ተጠራጢሮም ተስፋ ኣብ ምቝራጽ በጺሖም ነይሮም’ዮም። (ዘኍ. ፲፫፥፲፬/ 13:14) ሎሚ ውን ከምዞም ዓሠርተ ሰለይቲ፡ ሓቂ ምስ ሓሶት ሓዋዊሶም፡ ኣሕሊሙኒ፡ ኣርእዩኒ. . . እናበሉ ልቢ ምእመናን ዘምልቑ በዚኆም ኣለዉ። እንተኾነ ክርስቲያን ክፉእ ወረ እንተሰምዐ፡ ብተስፋ ዚትርጒምን ንጊዜ ኣምላኽ ዚጽበን፡ ይትረፍ ነቲ ሓቅነቱ ዘይተረጋገጸ ዘጠራጥር ዘረባስ፡ ነቲ ኪፍጸም እዩ ዝተባህለ ሓቂ ውን ንምውራይ ዘይህወኽ ንምዝራብ ከኣ ደንጓዪ ኪኸውን ኣለዎ። (ያዕ. ፩፥፳/ 1፥20) ሕፃን ሳሙኤል ነቲ ካብ እግዚአብሔር ዝሰምዖ እኳ ንካህን ኤሊ ተሃዊኹ ኣይነገሮን። (1ይ ሳሙ. 3፥15) ነዚ እዩ ጥበበኛ ሰሎሞን “እቲ እናሓመየ ዜውሪ፡ ዘይእሙን ሰብ ምሥጢር ይቐልዕ፡ እቲ እሙን ሰብ ግና ንነገር ይሥውሮ።” ዝበለ። (ምሳ. 11፥13)።

* ዓለማዊ ፈተና፡ ምድራዊ ጸበባ፡ ሥጋዊ ኃዘንን መከራን ንጊዜኡ ዚኃልፍ ስለዘይመስል ንእምነት ይፈታተን’ዩ። ሽግርን መከራን መምዘኒን መፈተኒን እምነት ደኣ እምበር ንእምነት ዘዳኽምን ዘጕድልን ኪኸውን ኣይግባእን። ብዙኃን ሰባት ሓደ ሓደ ሽግራት ሕማም ድዩ ኃደጋ፡ ወይ ኃዘን ምስ ዘጋጥሞም ፡“እግዚአብሔር ኣይሰምዓናን፡ እግዚአብሔር ምሳና እንተኣሊኻ፡ እዚ ነገር እዚ ስለምንታይ በጽሓናን፧” ኢሎም ይጠራጠሩ።(መሳ. ፮፥፲፫/6፥13)።
ክርስቲያን ግና እግዚአብሔር ኵሉ ጊዜ ኣብ ቅድሚኡን ድኅሪኡን ምዃኑ እንተኣሚኑ ብሥጋዊ መከራ ኣይናወጽን፣ ዓለምን ፍትወታን ንእምነቱ ኣይሓልኮን እዩ። “ጸላእተይ ኪቃወሙኒ ኢሎም እንተዚለዓሉ ውን ኣብ ኣምላኸይ እምነት ኣሎኒ” ኢሉ እናዘመረ ወትሩ እሙን ይኸውን። ኵሉ ጊዜ እግዚአብሔር ንውልቅና ኾነ ብኅብረት ንዅሉ ምሳና ኮይኑ ንኣና ጥቕሚ ከምዝዓዪ ክንኣምን ይግባእ። ኵሉ ፍጻሜታት ብፍቓዱን ኣብ ትሕቲኡን ምዃኑ፡ ነቲ ዝመደቦ ካብ ምፍጻም ዝኽልክሎ ከምዘየልቦ ርግጸኛታት ምዃን የድሊ።

* ሰብ ኣእምሮኡ ውሱን ብምዃኑ፡ ንረቂቕ ጥበብ ኣምላኽ ብሥጋዊ ፍልጠት ኪበጽሖ ዘይከኣል’ዩ። ግና በቲ ምድራዊ ጥበብን ሥጋዊ ፍልጠትን ነቲ ሰማያዊ ጸጋን መንፈሳዊ ሕይወትን ክትምርምሮ ምፍታን፡ እምነትን ሳይንስን ምትሕውዋስ ንእምነት ዘጕድልን ዘድክምን እዩ። ኣብ ዘመነ ሓዋርያት ዚነበሩ ግኖስቲካውያን ንትምህርተ ክርስትና ምስ ፍልስፍናን ፍልጠትን ስለዝደባለቕዎ፡ ካብ ሃይማኖት ርኂቖም ተጐዲኦም እዮም። በብጊዜኡ ዝተንሥኡ መናፍቓንን ከሓድያንን ውን ከም ኣርዮስ፡ ንስጥሮስ፡ ማርቲን ሉተር... መርከብ እምነት ተሰይራቶም ኣብ ባሕሪ ጥርጣረን ክሕደትን ዝሰጠሙ’ዮም።

ሎሚ ውን እንተኾነ መጻሕፍቲ ፍልስፍና ዘንብቡ፡ ብሳይንስ ዝተዋሕጡ ሰባት ንህልውና እግዚአብሔር ኪጠራጠሩ፡“እቲ ኃይሉ፡ ተኣምራቱ ኣበይ’ሎ፧ ብኸመይ ይፍለጥ፧. .” እናበሉ ኣብ ዝርአን ዝተረጋገጸን ጥበብ ዚኣምኑ ኣይተሳእኑን። ክርስቲያን ግና “እቲ ዚርአ ኃላፋይ እዩ፥ እቲ ዘይርአ ግና ዘለዓለማዊ እዩ። ንሕና ኸኣ ኣብቲ ዚርአ ዘይኮነስ ኣብቲ ዘይርአ ኢና እንጥምት ዘሎና” ክብል ኣለዎ፡ ወትሩ ክዝክሮን ክደግሞን ውን ይግባእ።(2ይቆሮ. ፬፥፲፰/ 4፥18)።

ሕዝበ ክርስቲያን! እግዚአብሔር ኣብ ዝተዛረቦ ቓል፡ ዚኣተዎ ኪዳንን ዚሃቦ ተስፋን ዘይጠልም ንዚፈትውዎን ትእዛዙ ንዚሕልዉን ክሳዕ ሽሕ ወለዶ ምሕረት ዚገብር፡ እሙን ኣምላኽ ምዃኑ ንፍለጥ። (ዘዳ. ፯፥፱/7፥9)።

ንሕና ድማ ኣብቲ መንፈሳዊ ሕይወትናን ኣገልግሎትናን እሙናት ንኹን። ኣብ ጸሎትና፣ ጾምና፣ ንስሓና፣ ቍርባንና፣ ኣብ ስብከትና፣ መዝሙርና፣. . . በቲ ኣምላኽ ንነፍስ ወከፍና ዝሃበና ብውኁድ ንተኣመን እሞ ንሱ ኸኣ ዓስብና ክህበና እሙን’ዩ። “ኣንታ እሙንን ለባምን ኣገልጋሊ ብውኁድ ተኣሚንካ ኢኻ፡ ኣብ ብዙኅ ኪትሽየም ኪድ ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶ” (ማቴ. ፳፬፥፳፭/ 24፥25) ዝብል ድምፂ ዓወት ከስምዓና እዩ። “ንሕና እሙናት እንተዘይኮይንና ግና ንሱ ንርእሱ ኪኽሕድ ስለዘይክእል እሙን ኮይኑ እዩ ዝነብር።” (2ይጢሞ. ፪፥፲፫/2፥13)።

እቲ ናይ እምነትና ጀማርን ፈጻምን ኦ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንስኻ ኢኻ እዩ’ሞ ክሳዕ ሞት እሙናት ንኽንከውን “ኦ ጐይታ ንዘይምእማንና ደግፎ፡ እምነት ወስኸና” (ማር. ፱፥፳፬/ 9፥24) እናበልና ብእምነት ንጸሊ።

እሙን ጐይታ ብምሕረቱ፡ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ብኣማላድነታ፡ እምነቶም ዘመስከሩ ቅዱሳን ብጸሎቶም ምሳና ይኹኑ! ኣሜን!!!

                                                                                                        ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር፡ አሜን!

No events found.
Ad Right

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ክብረ በዓል ወዝክረ ዕረፍት አቡነ ኤዎስጣቴዎስ 18 መስከረም 2013 ዓ.ም…

ኣብ ናይ መንፈስ ደቆም ገዳማትን ብሽሞም ኣብ ዝተሓንፁ ኣብያተ ክርስቲያንን ክብረ በዓል ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ተኸቢሩ።

ክብረ በዓል ቅዱስ መስቀል 2013 ዓ.ም. ብመንፈሳዊ ተመስጦን ሓበንን ተባዒሉ!

ትማሊ ዕለት 17 መስከረም 2013 ዓ. ም. ክብረ በዓል ቅዱስ መስቀል፡ ዓቃቤ ወንበር ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ...

“ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝነገሩኹም መራሕትኹም ዘክርዎም” ዕብ. 13፡7 - አቡነ…

ቅዱስ አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ካብ ኣቦኡ ክርስቶስ ሞዐን፡ ኣደኡ ሥነ ሕይወትን ኣብ እንድርታ፡ ጽራእ ኣብ ዝተባህለ ዓዲ ተወልደ። ክርስቶስ ሞዐን ሥነ...

ወገብረ ሰላመ በደመ መስቀሉ/ ብደም መስቀሉ ሰላም ገብረ። ቈላ. 1፡19-20

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!    * ኣመጻጽኣ መስቀል፣ መስቀል ማለት ‘ሰቀለ’ ካብ ዝብል ግእዛዊ ግሲ ዝተረኽበ ኾይኑ ትርጕሙ ድማ ዝተመሳቐለ...

እንቋዕ ናብ በዓለ መስቀል 2013 ዓ.ም. ኣብጽሓና!

ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወፃእን እትነብሩ ምእመናንን ምእመናትን፣ ቅዱስ ፍቓዱ ኮይኑ ካብ ዘመነ ዮሓንስ ናብ ዘመነ ማቴዎስ ዘሰጋገረና እግዚአብሔር ኣምላኽና፣ እንቋዕ...

ንቤት ንባብ ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ መንፈሳዊ ኮሌጅ ዘገልግል…

ንቤት ንባብ ደብረ ሲና ቅድስት ስላሴ መንፈሳዊ ኮሌጅ ኣብ መሥርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ከም መወከሲ ዘገልግል መጻሕፍቲ ብገባሬ ሠናይ ኣቶ ቴድሮስ...

ዓመታዊ በዓል ቤት ትምህርት ሰንበት ቅዱስ ዮሐንስ ቤተ ክርስቲያን መድኃኔ…

ብዕለት 2 መስከረም 2013 ዓ.ም.ግ. “እግዚአብሔር ከኣ በደልካ ኣርሒቑልካ እዩ ኣይትመውትን ኢኻ” 2ይ ሳሙ. 12፡13 ብዝብል ኃይለ ቃል ዓመታዊ በዓል...

ካብ ርእሰ ዓውደ ዓመት ክሳዕ ፀአተ ክረምት

1. ካብ ዮሐንስ (መለወጢ ዘመን ) ክሳዕ ዘካርያስ (1 መስከረም ክሳዕ 8 መስከረም) ሓድሽ ዓመት ዝትክኣሉ እዋን ስለዝኾነ ኣብ ልቢ ክርስቲያን...

በዓለ ሥእል ዘጼዴንያ

ብመሠረት ትምህርቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ካብ ቅዱሳት ኣሣእል ብዙኅን ዓቢይን ጥቕሚ ይርከብ። ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝርከቡ ትምህርትታትን ታሪኻትን ብሥእላዊ ኣገላልጻ...

ሓድሽ ዓመት ብሓድሽ መንፈስ!

ኣብቲ ብብርሃን ዝወቀበ ዘመን ኣዳራሽ ፡ ኣርባዕተ ወንጌላውያን ከም ዕንቍ ተኾሊዖም ብሓጐስ ዝነብርሉ፡ ሓደ ንበይኑ ኣብ መደቡ ግልል ኢሉ ነበረ።...

ዓመታዊ በዓል ቤት ትምህርት ሰንበት ቅዱስ ሩፋኤል ቤተ ክርስቲያን መድኃኔ…

ብዕለት 3 ጳጕሜን 2012 ዓ.ም.ግ. “ሕይወቱ ምሉእ ንእግዚአብሔር ኣሚኑ ዝኃፈረ የለን” መጽ.ሲራ. 2፡10 ብዝብል ኃይለ ቃል ዓመታዊ በዓል ቤት ትምህርት...

ገዳም ደብረ ደናግል ሰማዕት ቅድስት ኣርሴማ ገዳመን ክሓንፃ ፕላን ኣጽዲቀን…

ናይ ደቀ ኣንስትዮ ገዳም ደብረ ደናግል ሰማዕት ቅድስት ኣርሴማ ብ29 መስከረም ብሠናይ ፍቓድ ቅዱስ ሲኖዶስ ምስ ተገደመ ቤተ ጸሎት፡ መንበሪ...

  

latest articles

The feast of the Holy Cross - Mesekel (The Founding…

The Mesekel holiday is celebreated on Meskerem 17 (27th of September) and Megabit 10 (19th of March). The word Meskel...

The Ascension of St Mary (part two)

Moreover, Whilst John the evangelist was preaching in the country of Asia, on the sixteenth day of the month of...

The Ascension of St Mary (part one)

"At your right hand stands the queen." (Psalm 45:9)IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY...

The Fast of Assumption of the Virgin Mary

This fast lasts from Nehassie (August) 1 to 16. Our Lady departed on 21 of Ter (January) in 50 A.D...

“Blessed is he that considereth the poor” Ps. 41:1

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God Amen. The basic necessities...

The Apostle Saint Paul

Saint Paul was a Jew, of the tribe of Benjamin, a Pharisee, the son of a Pharisee; and his kinsfolk...

The Apostle st. Peter

Peter was from Bethsaida, and he was a fisherman.  Our Lord chose him on the second day following that whereon...

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...

The feast Of Pentecost

IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY SPIRIT, ONE GOD. On this day the Holy...

Ascension

After the Lord Jesus Christ had finished the operation of His wisdom upon earth, by His Passion, and His Death...

Tsinset (Annunciation – Feast of Incarnation)

In accordance with the cannon of the Church, one of the nine major feast days of Our Lord. it Tsinset (Annunciation...