ገዳም ደብረ ወርቅ አቡነ ሊባኖስ

Jan 10, 2020

ገዳም ደብረ ወርቅ ኣብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ ብሸነኽ ደቡብ ካብ ሰርሓ ብእግሪ ናይ ኣርባዕተ ሰዓትን ፈረቓን መንገዲ፡ ወይ ውን ብንኡስ ዞባ ጾሮና፡ ካብ ጾሮና ንሸነኽ ደቡብ ብእግሪ ዳርጋ ናይ ኣርባዕተ ሰዓት ምስ ተጓዓዝካ ዝርከብ ገዳም እዩ። ኣብ ብራኸ ካብ ጽፍሒ ባሕሪ 2275 ሜትሮ ዝርከብ እምባ፡ ኣቀማምጣ መሬቱ ከቢብ ዓንኬላዊ ብእምባ ዝተኸበ መእተዊኡ ብሸነኽ ምዕራብ እዩ። እዚ ገዳም’ዚ ብ523 ዓ.ም. ብኣቡነ ሊባኖስ ተገደመ።

ኣቡነ ሊባኖስ ትውልዲ ዓዱ ኣብ ቍስጥንጥንያ (ዘሮም) ርእሰ ከተማ ግሪኽ ኮይኑ፡ ኣቦኡ ንጉሥ ኣብርሃም ኣደኡ ንግሥቲ ማርያም (ባዚሊሳ) ይበሃሉ። እዞም ሥድራ ቤት እዚኦም ውላድ ስኢኖም ንብዙኅ ዓመት ኣብ ቤተ ክርስቲያን እናተመላለሱን ንድኻታት እናመጽወቱን ውላድ ክህቦም ንኣምላኽ ይልምኑ ስለዝነበሩ፡

ነዚ ቅዱስ ውላድ ብሠለስተ ሓምለ ሃቦም። ኣቡነ ሊባኖስ ዕድሜኡ ንምስትውዓል ምስ በጽሐ፡ ሥጋውን መንፈሳውን ትምህርቲ ተማህረ። ኣካለ መጠን ምስ ኣኸለ ኸኣ ፍቓድ ሥድራኡ ንኽመልእ ጓል ንጉሥ ቍስጥንጥንያ ተመርዓወ። እንተኾነ ግና “ነቲ ደቁን ንብረቱን ሰበይቱን ኃዲጉ ዝስዕበኒ ዘለዓለማዊ ክብሪ መንግሥተ ሰማይ ኣለዎ” ዝብል ቃል ቅዱስ ወንጌል ዘኪሩ፡ ካብ ኣቦኡን ኣደኡን በዓልቲ ቤቱን ክፍለ ሓሰበ። ፍርቂ ለይቲ ምስ ኮነ እግዚአብሔር ኣምላኽ እቲ ሠናይ ድሌቱ ርእዩ ንቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ ሰዲዱ፡ ‘እግዚአብሔር ፈላሲ ኴንካ ክትነብር ኃርዩካ እዩ እሞ ካብ ቤት ኣቦኻን ካብዛ ሃገርን ወፂእካ ሰዓበኒ’ በሎ። ንኣቦይ ክነግሮ እምበር ኢሉ ብልቡ እናሓሰበ ኸሎ፡ ‘ብሕጂ ኣቦኻ እግዚአብሔር፡ ኣደኻ ድማ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን እያ፡ ንዓ ካብዛ ዓለም ናብታ ዘለዓለማዊ ሓጐስ ዘለዋ’ በሎ። በዚ ኸኣ ብቓል መልኣኽ ተሓጕሱ ገለ ነገር ከይተማልአ ነቲ መልኣኽ ስዓቦ እሞ ናብ ግብጺ ደብረ ዘይቲ ዝብሃል ገዳም ናብ ኣቡነ ጳኵሚስ ኣብጽሖ። ካብ ኣቡነ ጳኵሚስ ኣርዑት ምንኵስናን ኣስኬማን ተቐቢሉ ብብሕትውናን ገዳማዊ ሕይወትን ይነብር ነበረ።

ብድኅሪ እዚ ብፍቓድ ናይ መንፈስ ወላዲኡ ናብ ምድረ ኣግዓዚ ብመርሳ ተኽላይ ተሳጊሩ ብ430 ዓ.ም. ኣተወ። ኣብ በዓቲ ብጽኑዕ ብሕትውና ኣብ መታሕት ኣስገደ በቕላ ሾብዓተ ዓመት ገበረ። ኣብዚ ብብሕትውና ዝነብረሉ ዝነበረ ዓመታት ንመጽሓፍ ወንጌል ማቴዎስ ካብ ቋንቋ ጽርኢ ናብ ቋንቋ ግእዝ ስለዝተርጐመ ካብ ናይ ጥንቲ ቓላት ዓረብ ‘መታ(መጣዕ)’ ዝብል ቅጽል ስም ሃብዎ።

ኣቡነ ሊባኖስ ብሓዋርያዊ ተልእኾን ብብሕትውናን እናተዛወረ ብመስቀሉ ዝባረኾን ብእግሩ ዝረገጾን ኣብ ብዙኅ ቦታታት ምድረ ኣግዓዚ ድዉያን ዚፍውስ ማየ ጸሎታት ኣለዉ።

ኣቡነ ሊባኖስ ኣብታ ንሰብዓ ዓመት ብተባሕትዎ ዝተቐመጠላ ጉሕ ጨዓ (ጕንሒ ጨዓ) ደኃር እንዳ ባ መጣዕ ዝተባህለት በዓቲ ከምዘሎ ኣባ ኤልያስ ምስ ፈለጠ ሰብ ልኢኹ ናብ ኣክሱም ወሰዶ። ነቲ ቅድስናኡ ሓደ እኳ ከይፈለጠ፡ ኣብ መንጽር ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝነበረ ዓቢይ ዱር ብኅቡእ ብዙኅ ተኣምራት እናገበረ ይነብር ነበረ። ኣብ ኣክሱም ኣብ ዝነበረሉ ዓመታት፡ እቶም ኃለፍቲ ቤተ ክህነት ብላዕ (ግቦ) ኪቕበሉ ምስ ርኣየ፡ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ‘ዘነሣእክሙ በጸጋ ሃቡ በጸጋ/ ነቲ ብናፃ ዝተቐበልኩምዎ ብናፃ ሃቡ’ እናበለ ስለምንታይ ነዚ ትገብሩ’ ኢሉ ኣትሪሩ ተቓወሞም። በዚ ምኽንያት’ዚ ኸኣ ተሰጒጉ ካብ ኣክሱም ወፂኡ ደረቓ ኣብ ዝተባህለ በረኻ በዓቲ ዓጽዩ ንሠለስተ ዓመትን ሽዱሽተ ወርኅን ተቐመጠ። ኣክሱማውያን ግና በቲ ኣብ ልዕሊ ኣቡነ ሊባኖስ ዝገበርዎ ግፍዒ ንሠለስተ ዓመት ዝኸውን ዝናም ተኸልኪሎም ምስ ተሸገሩ፡ ንኣባ ኣድኃኒ ዝተባህለ መነኮስ ክዓርቕዎም ለመንዎ። ኣባ ኣድኃኒ ነቲ ኣቡነ ሊባኖስ ዘለዎ ቦታ ኽገልጸሉ ብዝኣተዎ ሱባኤ፡ ኣብ በዓቱ ኪጽሊ ምስ ረኸቦ ‘ ኦ ኣቦና ከም ኣምላኽካ መሓሪ ኹን፡ ዝናም ክዘንም ድማ ጸሊ’ በሎ። ኣቡነ ሊባኖስ ከኣ ነቲ ግብሪ ኃጢኣት ገዲፎም ከምቲ ሓዋርያት ዝሠርዕዎ ብትእዛዝ እግዚአብሔር ኪኸዱ ከምዘለዎም ብምንጋር ጸልዩ ከምዝዘንም ገበረ።

ብኸምዚ ዝበለ ብሕትውና ብጸሎቱን ተኣምራቱን ትምህርቱን ጸኒሑ ናብ ገዳመ ቡር ጕናጕና መጺኡ ተቐመጠ። ኣብ ኃምሻይ ክፍለ ዘመን ምስ ዝነበረ ኃፀይ ገብረ መስቀል ኮይኑ ኣባ ኣድኃኒ እናተራድኦ ናይ ቤተ መስቀል ጕናጕና ቤተ ክርስቲያን ኣሕኒፁን መነኮሳት ኣፍርዩን ብድኅሪኡ ንኺብሕተሉ ናብ ሃም ማየ ክብሮም ዝበሃል ከደ። ኣብ ብዙኅ ቦታታት ማይ ስለዘፈልፈለ፡ ዕብየት ተኣምራቱን መግለጺ ክብሩን ነቲ ቦታ ‘ማይ ክብሮም’ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብዚ ቦታ እዚ ንነዊኅ ዓመት ተቐሚጡ ኣብያተ ክርስቲያን እናኣሕነፀ፡ ወንጌል እናሰበኸ፡ ብሥርዓተ ጳኵሚስ ናይ ገዳማትን ምንኵስናን እብነ መሠረት ኣንበረ። ኣብ ዘመኑ ኣብ ውሽጢ ገዳም ደብረ ወርቅን ከባቢኣ ንዝርከባ ጥንታውያን ገዳማትን ኣስታት 20,000 መነኮሳት ምንባሮም ገድለ ኣቡነ ሊባኖስ ይሕብር።

ኣቡነ ሊባኖስ ብብሕትውና ሕይወት ገድሉ እናቐጸለ ኸሎ፡ ኣዋልድ ሃም ብፍትወተ ሥጋ ስለዝተጻብእኦ፡ ናብ ሽዋ ኸይዱ ገዳም ገዲሙ ተቐመጠ። ኣቡነ ሊባኖስ ኣብ ብዙኅ ቦታታት እናተዛወረ ሓዋርያዊ ተልእኾኡ ምስ ፈጸመ ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ መጺኡ፡ ‘ዕረፍትኻ ኣኺሉ እዩ እሞ ናብታ ዝነበርካያ ቦታ ናብ ሃም ተመለስ፡ ዕረፍትኻ ኣብኣ እዩ፡ ንኽብርኻ ኸኣ ክሳዕ ዳግም ምጽኣት ብስምካ ክትጽዋዕ እያ’ ምስ በሎ ተንሢኡ ናብ ሃም መንገዱ ኣቕንዐ። እንተኾነ ግና ነቲ ኣብ ሃም ዘኅለፎ ፈተና ዘኪሩ ‘ኦ ጐይታይ ብሕይወተ ሥጋይ ናብ ሃም ኣይተእትወኒ’ ኢሉ ምስ ጸለየ፡ ሓራሳት ኣብ ዝተባህለ ቦታ ብሠለስተ ጥሪ ዓሪፉ፡ ኣብ ገዳሙ ደብረ ወርቅ ተቐብረ።

ኃፀይ ገብረመስቀል፡ ከምዚ ዝበለ ሓደ ዓቢይ ኣቦ ኣብ በረኻ ተቐቢሩ ኪተርፍ ኣይግባእን እዩ’ ብምባል ናብ ኣክሱም ንኺውሰድ መቓብሩ ኪፈሓር ኣዘዘ። እንተኾነ ግና ፍቓድ እግዚአብሔር ከምዘይኮነ ዘብርህ እቶም መቓብር ኪኵዕቱ ዝጀመሩ ሰባት ኵሎም ኣዕይንቶም ምስ ዖሩ ኃፀይ ገብረመስቀል ‘ፍቓዱ ስለ ዘይኮነ ድዩ’ ኢሉ እናኣስተንተነ ኸሎ፡ ካብቲ መቓብር፦ ‘ብእግዚአብሔር ዝተዋህበኒ መዕረፊ ቦታይ እዚ ስለዝኾነ ኣብዚ ቦታ እዚ ዓቅምኻ ብዘፍቅዶ ቤተ ክርስቲያን ሕነፀለይ’ ዝብል ቃል ተሰምዐ። ድኅር’ዚ ብወርቂ ቤተ ክርስቲያን ሓነፀ እሞ በዚ ደብረ ወርቅ ኣቡነ ሊባኖስ ሃም ዝብል መጸውዒ ስም ተዋህባ።

መንፈስ ቅዱስ ከምቲ ንዅሎም ቅዱሳን ዝተፈላለየ ህያብ ዝህቦም፡ ንኣቡነ ሊባኖስ ድማ ዝረገጾ ባይታ ማይ ይነትዕ ነበረ። ገዳም ደብረ ወርቅ ካብ ፍጹም ከውሒ ዝፍልፍል ተኣምራታዊ ማይ ኣለዎ። ካብ ዝኾነ ቦታ ዝመጽኡ ዝተፈላለየ ሕማምን ድናሰን ዘለዎም ሰባት ይሓውዩ።

ኣቡነ ሊባኖስ ካብ እግዚአብሔር ብዝተቐበሎ ቃል ኪዳን መሠረት፡ ኣብ ከባቢ እዚ ገዳም ደብረ ወርቅ ዝርከብ ደብረ ሓዋርያት ዝተባህለ ናይ ብዙኃን ቅዱሳን ኣስከሬን ከይፈረሰ፡ ምስ መግነዙን ኣካሉን ዝነብር ኣሎ። ከምኡ’ውን ካብ ልሙጽ ጸድፊ ብውሕልነት ተዃዒቶም ዝተሠርሑ ጋህስታት ንኣስታት 1500 ዓመት ከይመልኡ ክሳዕ ሎሚ ኣብ ጥቕሚ ይውዕሉ ምህላዎም ኣዝዩ ዘድነቕ እዩ።
ብተወሳኺ ድማ ናይዚ ገዳም’ዚ ጥንታውነት ዝሕብር ታሪኻዊ ቅርሳ ቅርስን ጽሑፍን ኣሣእልን ይርከብ እዩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ገዳም ደብረ ወርቅ ኣቡነ ሊባኖስ ሃም ኣብ ሠለስተ ዝተኸፍለ እዩ፡-
1. መቃብር ኣቡነ ሊባኖስ
2. ኣቡነ ሊባኖስ ን43 ዓመት ዝጸለየሉ ‘እንዳ ማይ ክብሮም’ ሕጂ ብስም ቅዱስ ዮሓንስ ዝጽዋዕ ታቦት ዘለዎ
3. ‘እንዳ ሓዋርያት’ ዝበሃል ድማ ዓፅመ ቅዱሳን ዘለዎ ቦታ ኾይኑ ብስም ቅዱሳን ጴጥሮስ ወጳውሎስ ታቦት ዘለዎ እዩ።

ገዳም ደብረ ወርቅ ኣቡነ ሊባኖስ ሃም ብዅሉ መዳዩ ታሪኽን ተኣምራትን ዘለዎ ኣሰር ጥንታውነቱ ዘይበተኸ፡ መልክዕ ቀዳሞት ኣበው ዘይገደፉ መነኮሳት ብብዝኂ ዘለውዎ ሕሊናኻ ዘህድእ መንፈስ ቅሳነት ዝህብ ቅዱስ ቦታ እዩ እሞ ናብኡ ነጊድና በረኸት ክንሳተፍ ናይ እግዚአብሔር ቅዱስ ፍቓድ ይኹነልና። ብቓል ኪዳን ኣቡነ ሊባኖስ ይሓልወና!
 

ወስብሐት ለእግዚአብሔር  ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር፡ አሜን!

ዘመነ ዮሐንስ 24 መጋቢት 2012 ዓ.…

April
Thursday
2
ዝክር፦ አባ መቃርስ ሊቀ ጳጳሳት፡ ወአፈድፈዱ ምክረ ላዕለ እግዚእነ። ዘቅዳሴ ምንባብ፦ ገላ. 4፡12-20 1ይ ጴጥ. 1፡21-ፍጻሜ ግብ. ሐዋ. 5፡12-16 ምስባክ፦ መዝ. 81/82 ወንጌል፦ ማቴ. 26፡1-5 ቅዳሴ፦ ዘ፫፻ት ግሩም።         *   *   *
 - 23:00 h
Ad Right

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

“ መድኃኔ ዓለም ”

  እግዚአብሔር አምላኽ ቅድሚ ኵሉ ዝነበረ’ዩ። ሰማያት ከይተዘርግሑ፡ ገጹ መሬት ከይተራእየ፡ ጐቦታት ከይቆሙ፡ ቀላያት ከይዓመቑን ወሓይዝ ከይወሓዙን ንሱ ብባህሪኡ ዝነበረ እዩ።...

7ይ ሰንበት ዓቢይ ጾም፡ ‘ኒቆዲሞስ’

  ኣብ ዓቢይ ጾም ካብ ዘለዋ ሸሞንተ ሰናብቲ፡ እታ ሻብዓይቲ ሰንበት ‘ኒቆዲሞስ’ ትብሃል። ኣብዛ ዕለት’ዚኣ ዚዝመርን ዚንበብን ዚወሃብ ትምህርትን ብዛዕባ ኒቆዲሞስ...

“ወእንዘ የሐውሩ ነጽሑ/ እናኸዱ ሓወዩ” ሉቃ. 17፡15

ጐይታናን አምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ኣብ መዋዕለ ስብከቱ ናብ ኢየሩሳሌም ክኸይድ ከሎ ብማእከል ሰማርያን ገሊላን ኃሊፉ፡ ናብ ሓንቲ ከተማ ኣተወ።...

በቴርጌላ ማርያም - ካብ ተላባዒ ሕማም ዝደኃነ ብጸሎት ማርያም!

ናይ እግዚአብሔር ምሕረት ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ጸሎት ምስ ኵልና ይኹን እሞ ኣብ መጽሐፈ ተአምረ ማርያም ካብ ዝሰፈሩ ተአምራት...

በቴርጌላ ማርያም - ካብ ተላባዒ ሕማም ዝደኃነ ብጸሎት ማርያም!

ናይ እግዚአብሔር ምሕረት ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ጸሎት ምስ ኵልና ይኹን እሞ ኣብ መጽሐፈ ተአምረ ማርያም ካብ ዝሰፈሩ ተአምራት...

መግለጺ ቅዱስ ሲኖዶስ

ቅዱስ ሲኖዶስ ብምኽንያት ሕማም ኮረና ቫይረስ ሓዲሽ መግለጺ ኣውጺዑ!

6ይ ሰንበት፡ ‘ገብርኄር’

  ሻዱሻይ ሰንበት ዓቢይ ጾም “ገብርኄር” ትበሃል። እዛ ሰንበት እዚኣ ‘ገብርኄር’ ዝተሰምየት፡ ማኅሌታይ ቅዱስ ያሬድ ኣብ ዝደረሶ ጾመ ድጓ፡ ብዛዕባ ቅኑዓት...

ገብር ኄር

  ኣብ ዓቢይ ጾም ኣብ ዝርከቡ ሸሞንተ ሰናብቲ እታ ሻድሸይቲ ሰንበትን ምስኣ ዘላ ሰሙን ገብርኄር ተባሂላ ትፍለጥ። ጐይታ ሠራዊት እግዚአብሔር ነዛ...

ገዳም ደብረ ጽጌ ወደብረ ድኁኃን አቡነ ዮናስ

ሀሎ አሐዱ ብእሲ በአሐቲ ሀገር እንተ ስማ ቡር ሀገረ መስቀል ዘስሙ ንዋየ እግዚእ ወስመ ብእሲቱ ኂሩተ ማርያም / ኣብ ‘ቡር...

ንግደት ኢየሩሳሌም ኣብ በዓለ ፋሲካ 2012 ዓ.ም.ግ. (2020 ዓ.ም.) ንዘይተወሰነ…

ብመሪሕነት ቅዱስ ሲኖዶስን ብማእከልነት ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ተማእኪሉ ዝካየድ ንግደት ናብ ሀገረ ቅድስት ኢየሩሳሌም፡...

ደብረ ዘይት - ነገረ ምጽአተ ክርስቶስን ኅልፈተ ዓለምን

ኣብ ዓመት ብዛዕባ ዳግማይ ምጽኣት ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከምኡ’ውን ኅልፈተ ዓለም ብፍሉይ እንዝክረሉ ሠለስተ ጊዜያት ኣለዉ። እቲ ሓደ...

“ወዝንቱ ዘመድ ኢይወፅእ ዘእንበለ በጾም ወበጸሎት። /እዚ ከምዚ ዝበለ ብዘይ…

 ዘለናዮ ቅንያት፡ ናይ ጐይታናን አምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጾም ኣብነት ብምግባር፡ ፈቃደ ሥጋና ብፈቃደ ነፍስና ኣግዚእና፡ ካብ አኃዜ ኵሉ ወብዙኀ...

  

latest articles

Tsinset (Annunciation – Feast of Incarnation)

In accordance with the cannon of the Church, one of the nine major feast days of Our Lord. it Tsinset (Annunciation...

The feast of presenting the lord Christ in the temple…

On this day we celebrate the feast of presenting the lord Christ to the temple after 40 days of his...

The Fast of Nineveh - Monday 10 – 12 February…

In Eritrean Orthodox Tewahdo Church, one of the seven fasting periods is the fast of Nineveh.

Mystery of Baptism

Baptism is the sacrament given to all who believe in the Mystery of the Trinity and the Mystery of Incarnation...

Mystery of Incarnation

Mystery of Incarnation means the mystery of the descending of God the Son who is one of the Trinity from...

Mystery of the Holy Trinity

The Eritrean Orthodox tewahdo Church has Five pillars of Mysteries through which it teaches and demonstrates its basic religious belief...

Welcome to the Feast of the Nativity of Our Lord…

Glory to God. When the appointed time of salvation and the foretold prophesies came to pass, God the Son come to...

In Memory of His Holiness Abune Yacob the Second Patriarch…

His Holiness Abune Yacob, the Second Patriarch was one of the reputable leaders of the EriOTC, a shining star of...

Fast of the Prophets (Advent)

15th November (geez calander), marks the first day of the Advent Fast, a period of abstinence and penance practiced by...

FASTING

Fasting is abstinence from all things that a body needs, and one has to fast from animal products and from...

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church (EriOTC)

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God. “We call our...

Holy of Holies Our Lady, the virgin Mary

The word holy (kidus) in Geez denotes being special, pure and esteemed. This prefix is an attribute to denote the...