ቅዱስ ዘሲማስ ምስ ጻድቃን ዘብሔረ ብፁዓን

Apr 16, 2021

ቅዱስ ዘሲማስ፡ ካብ ወገን ፍልስጥኤም መፍቀርተ እግዚአብሔር ሥድራ ቤት ክርስቶስ ዝኾኑ ወለዲ ተወሊዱ። ገና ብንእስነቱ መንፈሳዊ ጥበብን ትምህርተ ሃይማኖትን ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያንን ክመሃር ናብ ኣረጋዊ መነኮስ ወሰድዎ። ኵሉ ምስ ተማህረ ዲያቆን ተሠይመ። ኣስኬማ መላእክት ኣርዑት ምንኩስና ሂቦም ኣመንኮስዎ። ቅዱስ ዘሲማስ፡ ብሃይማኖቱ ጽኑዕ፡ ብሠናይ ምግባሩ ንኡድ፡ ንምስጋና ንቑሕ፡ ንኣገልግሎት ትጉህ ኮይኑ ኣብዚ ገዳም 45 ዓመት ምስ ገበረ ሢመተ ክህነት ተቐብአ።

ብኣገልግሎተ ክህነት ን13 ዓመት ብጽኑዕ ተጋድሎ ምስ ጸንሐ፡ “ካብ ገቢረ ጽድቅ ዘይፈጸምክዎ ዝተርፈኒ እንታይ ኣሎ፧” ዝብል ናይ ርእስኻ ልዕል ምባል ሕልና ኣብ ልቦናኡ ተመላለሰ።

ዋላ’ኳ ጸላኤ ሠናያት በዚ እንተፈተኖ፡ መፍቀሬ ሰብእ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ግና መልኣኹ ልኢኹ ኣብ ጥቓ ባሕረ ዮርዳኖስ እትርከብ ገዳመ ዮርዳኖስ ከምዝኸይድ ገበሮ። ኣብዚ ገዳም’ዚ ካብኡ ዝበልጹ ብተጋድሎኦም ፍጹማን ዝኾኑ ኣረጋዊያን ምስ ረኣየ ንሱ ካብኦም ኣዝዩ ከምዝንእስ ተረድአ። ምስኣቶም’ውን ንብዙኅ ዓመታት ብተጋድሎ ነበረ።

ቅዱስ ዘሲማስ፡ ዝጸናንዓሉ ምእንቲ ክገልጸሉ ወትሩ ናብ እግዚአብሔር ይልምን ነበረ። ሓደ ካብቲ ዝተግልጸሉ ንቅድስት ማርያም ግብጻዊት ምርካቡ እዩ። ቅድስት ማርያም ግብጻዊት ን47 ዓመት ካብ ሰብ ተፈልያ ኣብ መንፈሳዊ ተጋድሎ ዝተጸምደት ኮይና ብተጋድሎኣ ተጸናኒዑ፡ ባዕሉ ኣቝሪብዋ፡ ኣንበሳ መቓብር ፍሒርሉ ባዕሉ’ውን ዝቐበራ እያ።

እቲ ካልእ ዝተገልጸሉ ድማ ኣብ መዓርገ ቅድስና በቒዑ ብዛዕባ ብሔረ ብፁዓን በጺሑ ዝጸሓፎ እዩ። ከምዝፍለጥ ካብ 20 ዓለማት ዝኾነት ካብ ኃሙሽተ ዓለመ መሬት ሓንቲ ብሔረ ብፁዓን እያ። ኣብዛ ቦታ’ዚኣ ዝነብሩ ሰባት፡ ቅድም ናይ ደቂቀ እስራኤል ምርኮ ባቢሎን ምስ ኣብቅዐ፡ ሚጠት ናብ እስራኤል ምስ በጽሐ፦ “ምንት ኃጢአቱ ለይሁዳ አኮኑ ኢየሩሳሌም ወምንት ጌጋዩ ለእስራኤል አኮኑ ሰማርያ/ እዚ ኵሉ እምበር ዝበጽሓና ኢየሩሳሌም እኽሊ ተኽሊ እተብቍል ለምለም ሃገር እያ እሞ በሊዕና ካብ ጽጋብና ዝተላዕለ ኃጢኣት ስለ ዝሠራሕና’ዶ ኣይኮነን፧ ስለዚ ናብቲ ሃገር’ቲ ኣይንምለስን ኢና” ዝበሉ እዮም። በዚ ኸኣ እግሮም ናብ ዝመርሖም ክኸዱ ከለዉ ኣብ ምውት ባሕሪ በጽሑ። ምውት ባሕሪ፡ ሣዕሪ ኮነ ክንቲት ደርሆ እንተ ደርበኻሉ ዘጥሕል እዩ። ንዕኦም ግና ተኸፊልሎም ተሳጊሮም ብሔረ ኣዛፍ ኣተዉ። ብሔረ ዕረፍት ማለት እዩ፣ ከምኡ’ውን ብሔረ ብፁዓን እዩ። ኣብ ብሔረ ብፁዓን ዝነብሩ ሰባት ርእሶም ንፈቃደ እግዚአብሔር ዘግዝኡ ብአምልኮተ እግዚአብሔር ጸኒዖም፣ ሥጋ ካብ ምብላዕ፡ መስተ ካብ ምስታይ ብትሕርምት ዝነብሩ እዮም። ዕድሚኦም ሓደ ሽሕ ዓመት ኮይኑ ኣብ ሽሕ ዓመቶም እቶም ሰብኡት ምስ ኣንስቶም ሠለስተ ጊዜ ጥራሕ ሩካቤ ይፍጽሙ። ብሠለስተ ሩካቤ ሠለስተ ይወልዱ፣ ነቲ ሓደ ወዲ ንቤተ እግዚአብሔር ይህብዎ፣ ነቶም ክልተ ወድን ጓልን ድማ ከኣ ንዘርኢ የኃድግዎም። ክሞቱ ከለዉ ከኣ መቓብሮም ኵዒቶም፡ ነዝማዶም ኣኪቦም ተሰናቢቶም ይሞቱ። ብሔረ ብፁዓን፡ ኃጢኣት ዘይብላ ለይትን መዓልትን ብርሃን ዘይፍለያ ዓለም እያ።

ኣባ ዘሲማስ፡ ናብዛ ብሔረ ብፁዓን ሓደ ብምሥራቅ ሓደ ብምዕራብ ዝነበሩ ኣእዋም ገጢሞሙሉ ንምውት ባሕሪ ተሳጊሩ ኣተወ። ኣብ ብሔረ ብፁዓን ዝነብሩ ሰባት ከኣ ተቐቢሎም ዝኃደረሉ ቦታን ክልተ ዝለኣኽዎ ቈልዑን ሃብዎ። ሓደ መዓልቲ ብፁዓውያን ሰባት ንኽርእይዎ መጽኡ እሞ ነዞም ቈልዑ ንገሩልና ክንረኽቦ በልዎም። ንሳቶም ድማ ኣትዮም ንኣባ ዘሲማስ ነገርዎ። ንሱ ግና ግብረ እድ ኮነ ጸሎት ኂዙ ስለዝነበረ “ደቂሱ እዩ ዘሎ ወይ የለን በልዎም” ኢሉ ሰደዶም። እቶም ቈልዑ ግና ኣብ ሃገሮም ሓሶት ስለዘየለ ‘ብናቱ ሃገር የለን ብናትና ሃገር ግና ኣሎ’ ኢሎም እቲ ሓቂ ነገርዎም። እቶም ብፁዓውያን ሰባት ድማ “ጸሊእናዮ ንዝመጻእና ሓሶትሲ ኣብ ሃገርና ክምህረልና” ብምባል ካብ ሃገርና ውፅኣልና ኢሎም ኣውፅእዎ።

ኣባ ዘሲማስ፡ ፍቕሪ ስለ ዝጐደሎ ነቲ ምውት ባሕሪ ዘሳገርዎ ኣእዋም ከምቲ ናይ ቅድም ዘይገጥሙ ኮኑ። ተመሊሱ ኣብ እግሮም ወዲቑ ‘ይቕረ በሉለይ’ ምስ በሎም ግና ገጢሙሉ ተሳጊሩ ከደ።

ካብዚ ጊዜ ጀሚሩ በዓቱ ዓጽዩ እግዚአብሔር ዝገበረሉ ኵሉ እናኣመስገነ፣ ነቲ ዝጸሓፎ ዜና ብፁዓውያን ዘብሔረ ብፁዓን እናኣንበበ ይነብር ነበረ።

በዚ ኸኣ ንእግዚአብሔር ኣሥሚሩ፣ ካብዚ ዓለም ተፈልዩ ኣብ 93 ዓመት ዕድሚኡ ብ9 ሚያዝያ ኣዕረፈ።

 

በረከት ቅዱስ ዘሲማስ ምሳና ይኹን።

ሰላም ዘሲማስ ሶበ ጸለየ ወአስተብቍዐ፣ መጠነ ዓመታት አርብዓ፣ ብሔረ ብፁዓን በዊኦ አምሳለ ማቴዎስ ቦአ፣ ኵሎ በህየ እንተ ነፀረ ወሰምዐ፣ በውስተ ዓለም ከመ ይስብክ ወፅአ።

 

በረከት ጻድቃን ዘብሔረ ብፁዓን ምሳና ይኹን።

ሰላም እብል ዕደወ ብፁዓነ፣ ዘነፀሮሙ ዘሲማስ ወከመ ስምዐ ጽድቅ ኮነ፣ እንበይነ ኢበልዑ ሥጋ ወእንበይነ ኢሰትዩ ወይነ፣ በሥምረተ አምላክ ክርስቶስ አድምዑ መካነ፣ ኀበ አልቦ ሕማመ ወአልቦ ኀዘነ።  

ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ አሜን!

 

 

 

 

Ad Right

ዘመነ ማቴዎስ 10 ግንቦት 2013 ዓ.…

May
Tuesday
18
ሠለስቱ ደቂቅ አናንያ ወአዛርያ ወሚሳኤል፡ ወአብርሃም ፀራቢ፡ አባ ሚካኤል ሰማዕት፡ ወኖብ። ዘቅዳሴ ምንባብ መልእክታት 2ይቆሮ. 5፡11-ፍጻሜ 1ይዮሐ. 1፡4-ፍጻሜ ግብረ ሓዋርያት ግብ. ሐዋ. 3፡17-ፍጻሜ ምስባክ መዝ. 65/66 ወንጌል ማቴ. 18፡18-22 ቅዳሴ ቅዳሴ ዘወልደ ነጐድጓድ። * * *
00:00 h

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

አቡነ ብፁዓ አምላክ

ያፍቅረነ እግዚእን ዘመደ ማርያምን ዝበሃሉ ፍቅረ እግዚአብሔር ዘለዎም ብሃይማኖት ጽኑዓትን ብሥነ ምግባር ትጉሃትን ሰብ ኃዳር ነበሩ። ወትሩ ብጸሎት ንቑሓት ስለዝነበሩ፡...

ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ አቡነ ቄርሎስ 5ይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ…

ሎሚ ዕለት 5 ግንቦት 2013 ዓ.ም.ግ (13/05/2021 ፈ.) 5ይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ንምምራጽ ኣብ ዝተገብረ ጉባኤ ሊቀ...

ብኣምራጺት ኮሚተ ንምርጫ ቅዱስ ፓትርያርክ ዝምልከት ጸብጻብ ሥራሕ ኣብ ጉባኤ…

ብዕለት 07 ሚያዝያ 2013 ዓ.ም.ግ ዝቖመት 7ተ ዝኣባላታ ኣምራጺት ኮሚተ ክትዓሞ ዝጸንሐት ንጥፈታት ናብ ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣቕሪባ።

ንምርጫ ቅዱስ ፓትርያርክ ካብ ዝተፈላለየ ኣህጉረ ስብከት ዝመጹ ተወከልቲ መብርሂ…

ኣብ ውሽጢ ሃገር ካብ ዝርከባ ሃገረ ስብከታትን ንኡሳን ሃገረ ስብከትን ዝመጹ ተወከልቲ ምስ ጉዳይ ምርጫ 5ይ ፓትርያርክ ኣብ ዝትኣሳሰር ጉዳይ...

ቅዱስ ሲኖዶስ ኃሙሻይ ፓትርያርክ ንምሻም ዝምልከት 5ይ መግለጺ ኣውፂኡ!

ቅዱስ ሲኖዶስ ኃሙሻይ ፓትርያርክ ንምሻም ዝምልከት 5ይ መግለጺ ኣውፂኡ!  

ልዑላውነት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ

ልዑላውነት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ (pdf file)

5ይ ፓትርያርክ ንምሻም ንሃገረ ስብከት ኣሥመራ ዝውክሉ 7ተ ኣባላት ተመሪጾም!

26 ሚያዝያ 2013 ዓ.ም. 5ይ ፓትርያርክ ንምሻም ንሃገረ ስብከት ኣሥመራ ዝውክሉ 7ተ ኣባላት ኣብ ኣዳራሽ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ብዝተገብረ...

ቃለ ቡራኬ በዓለ ትንሣኤ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ 2013 ዓ.ም.

ብምኽንያት በዓለ ትንሣኤ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ  ፳፻፲፫(2021 ) ብኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ዝተፈነወ መልእኽቲ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዘለኹም ክቡራንን...

ቤተ ክርስቲያን ኣብ ብቤት ምኽሪ ኣብያተ ክርስቲያን ዓለም ኣብ ዝተወደበ…

ቤት ምኽሪ ኣብያተ ክርስቲያናት ዓለም ዕለት ፳፩ ሚያዚያ ፳፻፲ወ፫ ዓ.ም (29/04/2021) ኣብ ዝወደቦ ብዓይነቱ ናይ ፈለማ ዝኾነ ልዕሊ 40 ዝኾኑ...

ጽልዋ ኮቢድ 19 ኣብ ክርስቲያናዊ ተልእኮ ኣፍሪቃ ብዝብል ኣርእስቲ ዝተዳለዋ…

ጽልዋ ዓለምለኻዊ ለበዳ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ኮቪድ 19 ኣብ ሓፈሻዊ ክርስቲያናዊ ተልእኮን ብፍላይ ድማ ኣብ ጉዕዞ ሰላም ኣህጉር ኣፍሪቃ ዘኸተሎን...

“ነሥአ ደዌነ ወፆረ ሕማመነ/ብሓቂ ንሱ ሕማምና ተቀበለ፡ ንሥቓይና ተሰከመ” …

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ። ዕለተ ዓርብ (ስቅለት) ኣብ ሥነፍጥረት ብዕለት ዓርቢ “ንግበር ሰብአ በአርአያነ ወበአምሳሊነ” ፡ ከም መልክዕና ብምስልና...

  

latest articles

PRAYER

Prayer is a word by which man communicates with his Creator in Faith, thanking and beseeching Him for the forgiveness...

FAITH AND WORKS

Faith is “a confidence or trust in God”. Faith gives assertion to the things we hope for and explains the...

The feast of the Holy Cross - Mesekel (The Founding…

The Mesekel holiday is celebreated on Meskerem 17 (27th of September) and Megabit 10 (19th of March). The word Meskel...

The Ascension of St Mary (part two)

Moreover, Whilst John the evangelist was preaching in the country of Asia, on the sixteenth day of the month of...

The Ascension of St Mary (part one)

"At your right hand stands the queen." (Psalm 45:9)IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY...

The Fast of Assumption of the Virgin Mary

This fast lasts from Nehassie (August) 1 to 16. Our Lady departed on 21 of Ter (January) in 50 A.D...

“Blessed is he that considereth the poor” Ps. 41:1

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God Amen. The basic necessities...

The Apostle Saint Paul

Saint Paul was a Jew, of the tribe of Benjamin, a Pharisee, the son of a Pharisee; and his kinsfolk...

The Apostle st. Peter

Peter was from Bethsaida, and he was a fisherman.  Our Lord chose him on the second day following that whereon...

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...

The feast Of Pentecost

IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY SPIRIT, ONE GOD. On this day the Holy...