ሰማዕት ቅዱስ አበ ኖብ

Jul 31, 2020

ሎሚ ሕፃናት ከም ፍቓድ እግዚአብሔር ሓደ ካብ ሰማዕታት ዝኾነ ናይ ኣባ ኖብ ታሪኽ ክንርኢ ኢና። ሰማዕት ዝብል ቃል ትርጕሙ መስካሪ ማለት እዩ። ብጀኻ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ  ኣምላክ ከም ዘየሎ መስኪሮም ብጀክኡ ንኻልእ ኣይነመልኽን ብምባሎም ብዙኅ መኸራ ጸጊቦም ክሳዶም ብሰይፍ ዝተቘርጹ ሰማዕታት ይበሃሉ።

ቅዱስ አበ ኖብ ካብቶም ብዘመነ ዲዮቅሊጥያኖስ ሰማዕትነት ካብ ዝወሰዱ ቅዱሳን ሓደ እዩ።

ንቅዱስ አበ ኖብ ወለዱ ቅዱሳን፡ ብፍርሓተ እግዚአብሔር ዝመላለሱ ምእመናን ብምንባሮም ንወዶም አበ ኖብ ወዲ 12 ዓመት ክሳብ ዝኮኖ ፈሪሀ እግዚአብሔር እናመሃሩ ስለዘዕበይዎ ቤተ ክርስቲያን ዘፍቕር ናይ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ቃልን ምሥጢርን ኪመሃር ዝፈቱ ኮነ። ኣብ ዘመኑ ዲዮቅልጥያኖስ ዚተባህለ ከሓዲ ንጉሥ ነጊሡ ነበረ። እዚ ከሓዲ ንጉሥ ኣብ ልዕሊ ክርስቲያን ዘውርዶ መኸራን ካብ ጐይታ ዝቕበልዎ ኣክሊልን ይሰምዕ ብምንባሩ ሰማዕትነት ኪቕበል ይደሊ ነበረ።

ሓደ መዓልቲ ቤተ ክርስቲያን ኣትዩ ትምህርቲ ክኸታተል ከሎ፦ ሓደ ካህን ንሕዝበ ክርስቲያን ኣብ ሃይማኖቶም ምእንቲ ክጸንዑ “ካብ ኣምልኮተ ጣዖት ተዓቀቡ፡ ሰብነትኩም ስለ ኢየሱስ ክርስቶስ ንሞት ኣኅሊፍኩም ምስ እትህቡ ንኣኻትኩም ክብሪ ሰማዕትነት የውህበኩም እዩ” እናበለ ክምህር ሰምዖ። ቀልጢፉ ናብ ቤቱ ተመሊሱ ወለዱ ዝገደፍሉ ወርቅን ብሩርን ንድኻታት መጽዊቱ ናብ ሃገረ ገምኑዲ ሰማዕትነት ኪቕበል ተበገሰ። ኣብ መንገዲ ኣብ ጫፍ ባሕሪ ሉስዮስ ዝተባህለ መኰንን ረኺቡ ብመርከብ ኪወስዶ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ለመኖ። እቲ መኰንን ግና ከሓዲ ስለ ዝነበረ ስም ኢየሱስ ክርስቶስ ብምስምዑ ኣሳቕዮ።

ኣብዚ ጊዜ’ዚ መልኣኽ እግዚአብሔር ተገሊጹ ኣጸናንዖ፡ እቲ መኰንን’ውን ናብ ሃገረ ሰሜን ኪጓዓዝ ከሎ ንቅዱስ ኣባ ኖብ ምስኡ ወሰዶ፡ ኣብቲ ናይ’ታ መርከብ ዓንዲ ቍልቁል ኣፉ ሰቐሎ፡ እቲ መኰንን ንኺበልዕን ኪሰትን ኮፍ ምስበለ እቲ ዚሰትዮ መስተ ከም እምኒ ረግአ። እቶም ወተሃደራት ኵላቶም ዓይኖም ዓወሩ፡ ዝተላእከ መልኣከ እግዚአብሔር መጺኡ ንቅዱስ አበ ኖብ ካብ ዝተሰቕሎ መስቀል  ኣውረዶ፡ ብኣፉን ብኣፍንጫኡን ንዝወረደ ደም ደረዘሉ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ እታ መርከቦም ብኃይሊ ንፉሰ ተገፊዓ ከተማ ኣትሪብ በጽሑ። እቶም ወተሃደራት’ውን በቲ ዝረኣይዎ ተኣምራት ተማሪኾም ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣመኑ። እቲ መኰንን ሓሪቑ ርእሶም ቈሪጹ ቐተሎም። ንቅዱስ አበ ኖብ ኣብ ናይ ሓጺን ዓራት ኣደቂሶም ኣብ ትሕቲኡ ብርቱዕ ሓዊ ኣንደዱ፡ ንሱ ግና ብጸሎቱ እግዚአብሔር ኣድኃኖ።

ንኻልኣይ ጊዜ ኣካላቱ ብመጋዝ ምስ ቈራረጽዎ መልኣኽ እግዚአብሔር መጺኡ ኣድኃኖ።

ድኅሪኡ ናብ እስክንድርያ ከተማ ወሰድዎ፡ ምትሃታውያን ኣትማን ሰደዱሉ፡ ክትንክፍዎ ግና ኣይተኻእሎምን። ካብቶም ኣትማን ሓደ ናብ ርእሲ እቲ መኰንን ስለ ዝተጠምጠመ ንቅዱስ አበ ኖብ ንኸድኅኖ ኡይ እናበለ ለመኖ። ቅዱስ አበ ኖብ ብጸሎቱ ነቲ ተመን ካብ ክሳዱ ከም ዝወርድ ገበረ።
እቶም ጠንቈልቲ ግና ከድኅንዎ ኣይከኣሉን። እቲ መኰንን ንእኡ ብምስቓይ ምስ ደኸመ ክሳዱ ብሴፍ ኪቘርጽዎ ኣዘዘ።

በዚ ጊዜ’ዚ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ወሪዱ “ኦ ፍቑረይ አበ ኖብ ኣብቲ ሥጋኻ ዚዓርፈሉ ቦታ ዓቢይ ፈውሲ ኪኸውን እዩ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ጊዜ ሽግሩ ስምካ ብምጽዋዕ ካባይ ረድኤት ዝለመነ ኵሉ ድኅነት ክገብረሉ እየ፡ ዝክርኻ ዝገበረ፡ ንጥሙይ ዘብልዐ፡ ጽሙእ ዘስተየ፡ መባእ ዝሃበ፡ መጽሓፍካ ዘጽሓፈን፡ ዝጸሓፈን ብስምካ ናባይ ዚተማሕጸነ ኃጢኣቱ ይቕረ ኢለ መንግሥተ ሰማያት ከውርሶ እየ” ዝብል ቃል ኪዳን ሂብዎ ንሰማይ ዐረገ።

ቅዱስ አበ ኖብ ሓምሌ 24 ከኣ ኣኽለለ ሰማዕትነት ተቐቢሉ ዓረፈ፡ ንሥጋኡ ድማ ቅዱስ ዮልዮስ ምስ ክልተ ኣገልገልቱ ኣብ ደቡብ ግብጺ ንሒሳ ናብ ዚበሃል ሃገሩ ለኣኾ። ገዱሉ ዝጸሓፈሉ'ውን ቅዱስ ዮልዮስ እዩ።

ናይ ቅዱስ አበ ኖብ በረኸት ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን። አሜን!

ሰላም ለኖብ እንተ ሠረፀ እምከርሣ፡

ለታሕተ ምድር ንሂሳ፡

መኰንን ዕልው ጸጉበ ኃጢአት ወአበሳ፡

እንዘ ያውዒ ሥጋሁ በፍልሐተ ተይ ወፒሳ፡

እምፍቅረ ክርስቶስ ኢክህለ ለነፍሱ ያግኅሣ።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!

 

No events found.
Ad Right

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ክብረ በዓል ወዝክረ ዕረፍት አቡነ ኤዎስጣቴዎስ 18 መስከረም 2013 ዓ.ም…

ኣብ ናይ መንፈስ ደቆም ገዳማትን ብሽሞም ኣብ ዝተሓንፁ ኣብያተ ክርስቲያንን ክብረ በዓል ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ተኸቢሩ።

ክብረ በዓል ቅዱስ መስቀል 2013 ዓ.ም. ብመንፈሳዊ ተመስጦን ሓበንን ተባዒሉ!

ትማሊ ዕለት 17 መስከረም 2013 ዓ. ም. ክብረ በዓል ቅዱስ መስቀል፡ ዓቃቤ ወንበር ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ...

“ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝነገሩኹም መራሕትኹም ዘክርዎም” ዕብ. 13፡7 - አቡነ…

ቅዱስ አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ካብ ኣቦኡ ክርስቶስ ሞዐን፡ ኣደኡ ሥነ ሕይወትን ኣብ እንድርታ፡ ጽራእ ኣብ ዝተባህለ ዓዲ ተወልደ። ክርስቶስ ሞዐን ሥነ...

ወገብረ ሰላመ በደመ መስቀሉ/ ብደም መስቀሉ ሰላም ገብረ። ቈላ. 1፡19-20

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!    * ኣመጻጽኣ መስቀል፣ መስቀል ማለት ‘ሰቀለ’ ካብ ዝብል ግእዛዊ ግሲ ዝተረኽበ ኾይኑ ትርጕሙ ድማ ዝተመሳቐለ...

እንቋዕ ናብ በዓለ መስቀል 2013 ዓ.ም. ኣብጽሓና!

ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወፃእን እትነብሩ ምእመናንን ምእመናትን፣ ቅዱስ ፍቓዱ ኮይኑ ካብ ዘመነ ዮሓንስ ናብ ዘመነ ማቴዎስ ዘሰጋገረና እግዚአብሔር ኣምላኽና፣ እንቋዕ...

ንቤት ንባብ ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ መንፈሳዊ ኮሌጅ ዘገልግል…

ንቤት ንባብ ደብረ ሲና ቅድስት ስላሴ መንፈሳዊ ኮሌጅ ኣብ መሥርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ከም መወከሲ ዘገልግል መጻሕፍቲ ብገባሬ ሠናይ ኣቶ ቴድሮስ...

ዓመታዊ በዓል ቤት ትምህርት ሰንበት ቅዱስ ዮሐንስ ቤተ ክርስቲያን መድኃኔ…

ብዕለት 2 መስከረም 2013 ዓ.ም.ግ. “እግዚአብሔር ከኣ በደልካ ኣርሒቑልካ እዩ ኣይትመውትን ኢኻ” 2ይ ሳሙ. 12፡13 ብዝብል ኃይለ ቃል ዓመታዊ በዓል...

ካብ ርእሰ ዓውደ ዓመት ክሳዕ ፀአተ ክረምት

1. ካብ ዮሐንስ (መለወጢ ዘመን ) ክሳዕ ዘካርያስ (1 መስከረም ክሳዕ 8 መስከረም) ሓድሽ ዓመት ዝትክኣሉ እዋን ስለዝኾነ ኣብ ልቢ ክርስቲያን...

በዓለ ሥእል ዘጼዴንያ

ብመሠረት ትምህርቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ካብ ቅዱሳት ኣሣእል ብዙኅን ዓቢይን ጥቕሚ ይርከብ። ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝርከቡ ትምህርትታትን ታሪኻትን ብሥእላዊ ኣገላልጻ...

ሓድሽ ዓመት ብሓድሽ መንፈስ!

ኣብቲ ብብርሃን ዝወቀበ ዘመን ኣዳራሽ ፡ ኣርባዕተ ወንጌላውያን ከም ዕንቍ ተኾሊዖም ብሓጐስ ዝነብርሉ፡ ሓደ ንበይኑ ኣብ መደቡ ግልል ኢሉ ነበረ።...

ዓመታዊ በዓል ቤት ትምህርት ሰንበት ቅዱስ ሩፋኤል ቤተ ክርስቲያን መድኃኔ…

ብዕለት 3 ጳጕሜን 2012 ዓ.ም.ግ. “ሕይወቱ ምሉእ ንእግዚአብሔር ኣሚኑ ዝኃፈረ የለን” መጽ.ሲራ. 2፡10 ብዝብል ኃይለ ቃል ዓመታዊ በዓል ቤት ትምህርት...

ገዳም ደብረ ደናግል ሰማዕት ቅድስት ኣርሴማ ገዳመን ክሓንፃ ፕላን ኣጽዲቀን…

ናይ ደቀ ኣንስትዮ ገዳም ደብረ ደናግል ሰማዕት ቅድስት ኣርሴማ ብ29 መስከረም ብሠናይ ፍቓድ ቅዱስ ሲኖዶስ ምስ ተገደመ ቤተ ጸሎት፡ መንበሪ...

  

latest articles

The feast of the Holy Cross - Mesekel (The Founding…

The Mesekel holiday is celebreated on Meskerem 17 (27th of September) and Megabit 10 (19th of March). The word Meskel...

The Ascension of St Mary (part two)

Moreover, Whilst John the evangelist was preaching in the country of Asia, on the sixteenth day of the month of...

The Ascension of St Mary (part one)

"At your right hand stands the queen." (Psalm 45:9)IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY...

The Fast of Assumption of the Virgin Mary

This fast lasts from Nehassie (August) 1 to 16. Our Lady departed on 21 of Ter (January) in 50 A.D...

“Blessed is he that considereth the poor” Ps. 41:1

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God Amen. The basic necessities...

The Apostle Saint Paul

Saint Paul was a Jew, of the tribe of Benjamin, a Pharisee, the son of a Pharisee; and his kinsfolk...

The Apostle st. Peter

Peter was from Bethsaida, and he was a fisherman.  Our Lord chose him on the second day following that whereon...

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...

The feast Of Pentecost

IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY SPIRIT, ONE GOD. On this day the Holy...

Ascension

After the Lord Jesus Christ had finished the operation of His wisdom upon earth, by His Passion, and His Death...

Tsinset (Annunciation – Feast of Incarnation)

In accordance with the cannon of the Church, one of the nine major feast days of Our Lord. it Tsinset (Annunciation...