ኣባ ገሪማ

Jun 23, 2020

ስም ኣቡኡ ንጉሠ ሮማ መስፍያኖስ ስም ኣደኡ ሰፍኖግያ፡ ኣደኡ መካን ስለዝነበረት ናብ ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ለመነት እግዚአብሔር ነዚ ብሩክ ውላድ ሃባ፡ ስሙ ከኣ ይስሓቅ በልዎ።

ምስ ዓበየ መጻሕፍተ ቤተ ክርስቲያን መሃርዎ ድኅር’ዚ ድያቆን ተሰየመ። ወላዲኡ ምስ ዓረፈ ኣብ ሮሜ ኣብ መንበር ኣቡኡ ኣንበርዎ( ኣንገሥዎ) በዚ ሥልጣን ብንግሥነት ፮ተ ዓመት ብፍትሕን ቅንዕናን የመሓድር ነበረ።

ኣባ ጴንጠሌዎን በዓል በዓቲ ነዚ ምስ ሰምዐ “ኦ ይስሓቅ ወደይ ምውታን ንምውታን ክቀብርዎ ኅደጐም፡ ንስኻ ግና ነታ ዘይትሓልፍ መንግሥቲ ክርስቶስ ክትረክብ ናባይ ነዐ’’ ክብል ለኣከሉ።

ንጉሥ ይስሓቅ ነዚ ሰሚዑ መንግሥቱ ኃዲጉ ብለይቲ ወጽአ። ሊቀ መላእክት ቅዱስ ገብርኤል ተገሊጹ ብብርሃናዊ ክንፉ ፀይሩ ኣብ ኣፍ ደገ ቤቱ ንኣባ ጴንጠሌዎን ኣብ ሰዓት ፫ ኣብጽሖ። ርሕቀት ናይ’ዚ መንገድ ፲ ወርኅን ፬ተ መዓልቲን ዝወስድ እዩ፡ ሽዑ ዝነበረ ንጉሥ ኢትዮጲያ ኣልዓሜዳ እዩ።

ኣብ ጰንጠሌዎን ንቅዱስ ይስሓቅ ምስ ረኣዮ ሓቂፉ ሰዓሞ ድኅር’ዚ ልብሰ ምንኵስና ኣልበሶ ክሳዕ ቆርበት ሥጋኡ ምስ ዓፁሙ ዝላገብ ብጾምን ጸሎትን ይገግህ ነበረ። ድኅር’ዚ ናብ መካነ መደራ ከይዱ 23 ዓመት ዘድንቑ ዓበይቲ ተኣምራት እናገበረ ኣጋንንቲ እናውጽዐ ድውያን እናፈወሰ ተቐመጠ።

ሓደ ጊዜ ሥርናይ ናይ ወጋሕታ ዘሪኡ ኣብ ሠርክ ኣኺቡ ኣኼዱ ካብኡ ቍርባን ኣቕረበ። ንጽባሒቱ ብኣብዑር ኣብ ልዕሊ ገረብ ኣደይቢ ዓውዲ ኣኼደ። ብነፋስ ኣጽርዩ ድማ ብመስፈር 72 ኮነሉ። ካልእ’ውን ኣብ ከውሒ ናይ ወይኒ ሓረግ እንተተከለ ብኡ ንብኡ በቍላ ፈረየት።

ሓደ ጊዜ’ውን መጽሓፈ ክጽሕፍ ከሎ ፀሓይ ክትዓርብ ምስ ቀረበት ደው ክትብል እንተ ኣዘዛ ክሳዕ ምጽሕፍ ዝፍጽም ደው በለት። ኣብቲ ጥፋጣፉ ዝነጠበሉ ክሳዕ ሕጂ ድውያን ይፍውስ ኣሎ። ብርዑ ካብ ኢዱ ምስ ወደቀት ንዕለቱ በቍላ ተረክበት።

ሓደ እዋን ሰባት ቀሲስ ይስሓቅ ድኅሪ ምብልዑ ቅዳሴ ኣትዩ ኢሎም ናብ ኣባ ጰንጠሌዎን ከሰስዎ። ኣብ ጰንጠሌዎን ናብ ኣብ ይስሓቅ እናከደ ከሎ ኣብ መንገዲ ረከቦ እሞ “ኣንታ ወደይ ዝነግረካ ኣሎኒ’ሞ ነዞም ሰባት ካባና ኣርኅቆም” በሎ። ቅዱስ ይስሓቅ ድማ “ሰባት ጥራይ ዘይኮኑስ ኣግራብን ኣእማን እውን ካባና ይርሓቁ” በሎ። ሽዑ ከም ቃሉ ኮይኑሉ 10 ምዕራፍ ዝኸውን ረሓቍ። ሽዑ ኣባ ጰንጠሌዎን “ኦ ወልድየ ገረምከኒ/ ኦ ወደይ ገሪምካኒ” በሎ ድኅሪ’ዚ ገሪማ ተሰምየ።

ሠናይ ጉዕዞ ሕይወት ምስ ፈጸመ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ስሙ ንዝጽውዕ ተዝካሩ ንዝገብር ኵሉ ናይ ምሕረት ቃል ኪዳን ኣተወሉ። ብሠረገላ ብርሃን ካብ ገጽ ሞት ተሠዊሩ።

እግዚአብሔር ብጸሎቱ ንኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይሓልወና።

No events found.
Ad Right

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ቀዳማይ መሥርሕ ኣርትዖት መጽሓፍ ቅዱስ ሐዲስ ኪዳን ንምክያድ ዝዓለመ ጉባኤ…

ብናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን እትውነን መጽሓፍ ቅዱስ ንምድላው ዝዓለመ ብክፍሊ ጉባኤ ሊቃውንት ብግእዝን ትግርኛን ዝቐረበት መጽሓፍ ሐዲስ ኪዳን...

ቅዱስ ሲኖዶስ ምስ ምምኅዳር ሃገረ ስብከት ኅቡራት መንግሥታት ኣሜሪካን ካናዳን…

ብዕለት 20 ሐምሌ 2012 ዓ.ም. (27/07/2020 ፈ.) ተወከልቲ ቅዱስ ሲኖዶስ ምስ ምምኅዳር ሃገረ ስብከት ኅቡራት መንግሥታት ኣሜርካን ካናዳን ብመንገዲ ማኅበራዊ...

ብሕንፃ እንዳ ኣቡን ኣቡነ ማርቆስ ዝፍለጥ ሕንጻዊ ጽገና ይግበረሉ ኣሎ

 ኣብ ከተማ ኣሥመራ ከባቢ ርእሰ ኣድባራት ደብረ ጽዮን ቅድስት ድንግል ማርያም ዝርከብ ብእንዳ ኣቡን ኣቡነ ማርቆስ ዝፍለጥ ዋንነት ቅድስት ቤተ...

ተኣምር ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን፣ ጸሎቱን በረኸቱን ምስ…

ሓደ ንእግዚአብሔር ዝፈርህ፡ ለዋህ፡ ትሑት፡ ገባሬ ሠናይን ተቐባል ጋሻን ዝኾነ ሰብኣይ ነበረ። ነፍስ ወከፍ ወርኂ ዕለት 26 ዝክር ብስም ኣቡነ...

ሓዋርያዊት ቅድስት ቴክላ

ኣብ ዘመነ ስብከቱ ንሐዋርያ ጳውሎስ ዝስዕባ ካብ ዝነበራ ቅዱሳት ኣንስት ሓንቲ ቅድስት ቴክላ እያ። ኣብ ዝተወለደትሉ ሃገር ኒቆምድያ ኣብ ቤት...

ሰማዕት ቅዱስ አበ ኖብ

ሎሚ ሕፃናት ከም ፍቓድ እግዚአብሔር ሓደ ካብ ሰማዕታት ዝኾነ ናይ ኣባ ኖብ ታሪኽ ክንርኢ ኢና። ሰማዕት ዝብል ቃል ትርጕሙ መስካሪ...

መራኄ ብርሃናት ቅዱስ ዑራኤል

ቅዱሳን መላእክት- ልዑካት እግዚአብሔር፡ ኣብሠርቲ ሐጐስ፡ ሓለውቲ ሰባት እዮም። ቅዱሳን መላእክት ወትሩ ከይደኸሙ ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እግዚአብሔር ጸባዖት ፍጹም ምሉእ...

“ኣእምሮኹም ብምሕዳስ ተለወጡ ደኣ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ” ሮሜ…

ዓለም፡ ካብ ሰብ ወፃኢ ዝቖመት ጽላሎት ኣይኮነትን። ኵሉ ሰብ ኣብኣ እናነበረ ኵሉ ናታ በረኸትን መዓትን ይካፈል። ተለዋዋጢት ስለዝኾነት’ውን ከምኣ ይለዋወጥ።

ዜና ዕረፍት ሊቀ መዘምራን ያሬድ ካፍል

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ካብ ዘፍረየቶም ሊቃውንተ ዜማ ሓደ ሊቀ መዘምራን ያሬድ ካፍል እዮም። እዞም ሊቅ’ዚኦም ኣብ መበል 64 ዕድሚኦም...

“ዘበአማን እስራኤላዊ” ቅዱስ ሐዋርያ ናትናኤል

ሕሊና ዘመላልሶ ሓሳብ ልብን ኵላሊትን ዝምርምር ናይ ባህርይ ኣምላኽ በይኑ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ንእኡ ኵሉ ግሉጽ እዩ፣ ካብኡ ዝሥወር...

ጻድቅ ኣቡነ ኪሮስ - 8 ሐምሌ

ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ነቶም ብፍጹም ሃይማኖትን ሥነ ምግባርን ጸኒዖም ኣብ እግዚአብሔር ዝተኣመኑ፡ ኣብ ዓለም ዘይሮም ዝመሃሩን ክሳዕ ፍጻሜ ሕይወቶም ዘገልገሉ፡...

ብርሃነ ዓለም፡ ማኅቶተ ቤተ ክርስቲያን፡ ንዋየ ኅሩይ ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ

ሐዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ ዓሌቱ ዕብራዊ ኾይኑ ኣብ ከተማ ጠርሴስ ተወሊዱ። ሮማውያን ነቶም ኣብ ትሕቲኦም ዚመሓደሩ ሕዝቢ፡ ሮማዊ ዜግነት...

  

latest articles

The Apostle Saint Paul

Saint Paul was a Jew, of the tribe of Benjamin, a Pharisee, the son of a Pharisee; and his kinsfolk...

The Apostle st. Peter

Peter was from Bethsaida, and he was a fisherman.  Our Lord chose him on the second day following that whereon...

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...

The feast Of Pentecost

IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY SPIRIT, ONE GOD. On this day the Holy...

Ascension

After the Lord Jesus Christ had finished the operation of His wisdom upon earth, by His Passion, and His Death...

Tsinset (Annunciation – Feast of Incarnation)

In accordance with the cannon of the Church, one of the nine major feast days of Our Lord. it Tsinset (Annunciation...

The feast of presenting the lord Christ in the temple…

On this day we celebrate the feast of presenting the lord Christ to the temple after 40 days of his...

The Fast of Nineveh - Monday 10 – 12 February…

In Eritrean Orthodox Tewahdo Church, one of the seven fasting periods is the fast of Nineveh.

Mystery of Baptism

Baptism is the sacrament given to all who believe in the Mystery of the Trinity and the Mystery of Incarnation...

Mystery of Incarnation

Mystery of Incarnation means the mystery of the descending of God the Son who is one of the Trinity from...

Mystery of the Holy Trinity

The Eritrean Orthodox tewahdo Church has Five pillars of Mysteries through which it teaches and demonstrates its basic religious belief...