ቅዱስ ጴጥሮስ ተፍጻሜተ ሰማዕት

Dec 07, 2019

ቅዱስ ጴጥሮስ ተፍጻሜተ ሰማዕት ካብቶም ፍርሃት እግዚአብሔር ዝነበሮም፡ውላድ ግና ዘይነበሮም ሊቀ ካህናት ቴዎድሮስን ቅድስት ሶፍያን ኣብ ሃገረ ግብጽ ተወሊዱ።

ኣብ በዓል ጴጥሮስ ወጳውሎስ (5 ሓምለ)፡ ኣደኡ ቅድስት ሶፍያ ብዙኃት ፃዕዳ ክዳን ዝተኸድኑ ምእመናንን ምእመናትን ንደቆም ኂዞም ናብ ቤተ ክርስቲያን ኪኸዱ ከለዉ ምስ ርኣየት እምብዛ ኃዘነት። ናብ ቤተ ክርስቲያን ኣትያ ኸኣ ቡሩኽ ውላድ ኽህባ ንጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣምሪራ ብንብዓት ለመነት።

ቅዱስ ፍቓድ ጐይታ ኾይኑ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ቅዱሳን ሓዋርያት ጴጥሮስን ጳውሎስን ተገሊጾም፦ “እግዚአብሔር ንንብዓትኪ፡ ንጸሎትክን ምህለላኽን ተቐቢልዎ እዩ፡ ቡሩኽ ውላድ ከኣ ኪህበኪ እዩ እሞ ስሙ ጴጥሮስ በሊዮ፡ ናብ ሊቀ ጳጳሳት ኣባ ቴዎናስ ኴድኪ ንገርዮ እሞ ንሱ ክጽልየልኪ እዩ” በልዋ።

ብድኅር’ዚ ፀኒሳ ምስ ወለደት ስሙ ‘ጴጥሮስ’ ሰመየቶ። ቅድስት ሶፍያ ወዳ ሾብዓተ ዓመት ምስ ኮኖ ልክዕ ከም ሕፃን ሳሙኤል ንሊቀ ጳጳሳት ወፈየቶ። ፍትው ወዲ ኸኣ ነበረ እሞ ፈለማ ኣናጕንስጢስ ብድኅሪኡ ዲያቆን ቀጺሉውን ኣብ ኣገልግሎት ኣብያተ ክርስቲያናት ምእንቲ ክላኣኾ ኢሉ ካህን ጌሩ ሸሞ።

ኣባ ቴዎናስ ጊዜ ዕረፍቱ ምስ ቀረበ ድማ ንዅሎም ኤጲስ ቆጶሳትን ካህናትን ጸዊዑ ብድኅሪኡ ንጴጥሮስ ‘ሊቀ ጳጳሳት’ ንኽሸምዎ ኣዘዘ። በዚ ኸኣ ጴጥሮስ ‘ሊቀ ጳጳሳት’ ምስ ተሾመ እቲ ሕዝቢ ኣዝዩ ተሓጐሰ።

ኣብቲ ዘመኑ፡ ኣብ ኣንጾኪያ ምስ ንጉሥ ዲዮቅልጥያኖስ ብኣምልኮተ ጣዖት ዝሓብር ክልተ ውላድ ዝነበሮ መኰንን ነበረ። ሰበይቱ ግና ብሃይማኖታ ቀናእን ርትዕትን ስለዝነበረት ነቶም ደቃ ኣብ ኣንጾኪያ ከተጠምቖም ስለዘይከኣለት ንከተጠምቖም ኢላ ብመርከብ ናብ እስክንድርያ ኽትከይድ ከላ ኣብ ማእከል ባሕሪ ማዕበል ተላዒሉ ነታ መርከብ ከጥሕላ ደለየ። እዛ ቅድስት ኣደ፡ ደቃ ጥምቀተ ክርስትና ከይተጠምቁ ንከይሞቱ ስለዝፈርሀት በቲ ካብ ጡባ ጠቢሓ ዝወፅኣቶ ደም ገጾም ብትእምርተ መስቀል ኣማዕቲባ ሠለስተ ጊዜ ብስም አብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ኣብ ባሕሪ እናኣለኸት ኣጥመቐቶም።

ፍቓድ ኣምላኽ ኮይኑ እዚ ምስ ገበረት እቲ ማዕበል ባሕሪ ሃዲኡ ብሰላም ናብ እስክንድርያ ኣተወት። ከም ብሓድሽ ነቶም ደቃ ኸተጥምቕ ኢላ ናብ ሊቀ ጳጳሳት ቅዱስ ጴጥሮስ ከደት። ሊቀ ጳጳሳት ቅዱስ ጴጥሮስ ንከጥምቖም ሠለስተ ጊዜ እንተፈተነ እቲ ማይ ረጊኡ ምዃን ኣበዮ። ሽዑ ነደኦም ጸዊዑ ‘እንታይ ዝገበርክዮ ኣሎ’ ኢሉ ሓተታ፣ ንሳ ኸኣ ኵሉቲ ዝገበረቶ ነገረቶ እሞ ቅዱስ ጴጥሮስ ነቲ ገባሬ ተኣምራት ኣምላኽ ኣመስጊኑ፡ ቤተ ክርስቲያንና ሓንቲ እያ፡ ጥምቀት’ውን ሓንቲ እያ፡ ዳግማይ ጥምቀት የለን’ በላ።

ከምኡ ውን ቅዱስ ጴጥሮስ ነቲ ንፈጣሪና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝኸሓደ ኣርዮስ ብዙኅ እዋን ገሢጽዎ ክምለስ ሰለዘይከኣለ ብውግዘት ፈልዩ ካብ ቤተ ክርስቲያን ሰጐጎ። ብድኅር’ዚ ኣርዮስ በዓል ሊቀ ካህናት ኣኪላስን እለ እስክንድሮስን ካብ ግዘቱ ንኽፈትሖ ከምዝልምንሉ ገበረ። ቅዱስ ጴጥሮስ ግና ውግዘቱ ብምጽናዕ “በዛ ሎሚ ለይቲ ጐይታይ ኢየሱስ ክርስቶስ ቀዳድ ክዳን ለቢሱ ቆይሙ ምስ ርኣኽዎ ‘መን ክዳንካ ቀዲድዎ፧’ እንተበልክዎ ኣርዮስ ክዳነይ ቀደዶ፣ ካብ ባህርይ ኣቦይ አብን ባህርይ ሕይወተይ መንፈስ ቅዱስን ፈለየኒ’በለኒ። ንስኻትኹም ግና ድኅረይ ሊቃነ ጳጳሳት ክትሽየሙ ኢኹም፣ ካብ ስሕተት ኣርዮስ ተሓለዉ ተጠንቀቁ። ንስኻ ኣኪላስ ድኅረይ ቅድሚ እለእስክንድሮስ ሊቀ ጳጳሳት ክትሸየም ኢኻ ግና ብኽሕደት ንኣርዮስ ክትመስሎን ቀልጢፍኻ ክትመውትን ኢኻ” በሎም።

ቅዱስ ጴጥሮስ ሕዝቢ ንጣዖት ከይሰግድ ይምህር ከም ዘሎ ንጉሥ ዲዮቅልጥያኖስ ፈሊጡ ኣብ ቤት ማእሠርቲ ኣእትዩ ብሴፍ ክቐትልዎ ኣዘዘ። ቅዱስ ጴጥሮስ ግና ኵሉ ሕዝቢ ኣብታ ቅንዕቲ ሃይማኖት ክጸንዕ ኣዘዞም። “ኦ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ምፍሳስ ደመይ መፈጸምታ ኣምልኾ ጣዖታት ይኹን፣ ጣዖታት ከኣ ካብ ኵሉ ዓለም ይሰዓሩን ይጥፋኡን” ኢሉ ክጽሊ ከሎ “እቲ ዝበልካዮ ብሓቂ ይኹን” ዝብል ቃል ካብ ሰማይ መጸ። ነዚ ቃል’ዚ ከኣ ኣብቲ ቦታ ቀሪባ ዝነበረት ድንግል ሰምዓቶ።

ብድኅር'ዚ ቅዱስ ጴጥሮስ ነቶም ወተሃደራት ዝተኣዘዝክምዎ ፈጽሙ በሎም፡ 29 ኅዳር ክሳድ ርእሱ ብሰይፍ መተርዎ፡ እሞ ኣኽሊል ሰማዕትነት ተቐበለ። ርእሱ ምስ ተቘርጸ እቲ በድኑ ከይወደቐ ንኽልተ ሰዓት ዝኣኽል ጸንሐ። ምስ ወግሐ እቶም ምእመናን ብሰማዕትነት ከም ዝተሰየፈ ምስ ፈለጡ ነቲ ሥጋኡ ናብ ቤተ ክርስቲያን ኣምጺኦም ኣብ መንበሩ ኣንበርዎ። ቅድም ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ መንበረ ሢመቱ ኮፍ ኢሉ ዝረኣዮ ስለዘይነበረ፡ ነዚ ዝፈልጡ ‘ስለምንታይ ደኣ ኣብ መንበርካ ኮፍ ኢልካ ዘይትፈልጥ ኮፍ ኢልካ’ ምስ በልዎ “ኣነ ኣብዚ መንበር ኃይሊ እግዚአብሔር ስለ ዝርኢ ኣብዚ ኮፍ ክብል ኣይደፍርን” በሎም። ድኅርዚ ገኒዞም ምስ ሥጋ ቅዱሳን ሊቃነ ጳጳሳት ኣንበርዎ ካብቲ ሥጋኡ ከኣ ብዙኅ ተኣምራትን መንክራትን ይፍጸም ነበረ።
                           

በረከቱን ረድኤቱን ምስ ኵልና ይኹን።

ሰላም ለከ ሰባኬ ሃይማኖት በጥያቄ፡

አምሳለ ጳውሎስ በተሰሎንቄ፡

ዕፀ ወይን ጴጥሮስ ወዕፀ ሐዲስ ኤሎቄ፡ 

አርጋበ ዘሞርሞንቄ፣ 

እንተ ጸለልከ እም አንቄ፡ 

እፌኑመ ጊዜ ሠርክ አውዓየከ መርቄ።

  ስብሐት ለእግዚአብሔር፡ ወለወላዲቱ ድንግል፡ ወለመስቀሉ ክቡር፡ አሜን።

ዘመነ ዮሐንስ 15 ጥር 2012 ዓ.ም.

January
Friday
24
ዝክር፦ አብድዩ ነቢይ፡ ወጎርጎርዮስ፡ ጴጥሮስ ወሶፍያ፡ ወቂርቆስ ወእሙ ኢየሉጣ። ዘቅዳሴ ምንባብ፦ ዕብ. 12፡1-10። 1ይ ጴጥ. 4፡10-14። ግብ. ሐዋ. 10፡34-39። ምስባክ፦ መዝ. 78/79 ወንጌል፦ ዮሐ. 16፡1-6። ቅዳሴ፦ ቅዳሴ ዘዲዮስቆሮስ፡ ዓዲ ዘወልደ ነጐድጓድ። * * *
00:00 h
Ad Right

  

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ሰማዕት ቅድስት ድምያና ምስ ኣርብዓ ሰማዕታት ደናግል ሰዓብታ

ሣልሳይ ክፍለ ዘመን ኣብ ምፍጻሙ ሓደ ማርቆስ ዝበሃል ሕያዋይ ክርስቲያን ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ግብጺ ናይ ዝርከባ ክልተ ኣውራጃታት ኣማሓዳሪ ነበረ።...

11 ጥር 2012 ዓ.ም. በዓለ ጥምቀት ኣብ ኵለን ኦርቶዶክሳውያን ኣብያተ…

ኣብ ውሽጥን ወፃእን ዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ በዓለ ጥምቀት ብድምቀት ክኽበር ከሎ፡ ብደረጃ ሃገር ድማ ኣብ...

እንቋዕ ናብ በዓል ቃና ዘገሊላ ኣብጽሓና!

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብታ ኣብ ዞባ ገሊላ እትርከብ ቃና ዝገበሮ ተኣምር ምኽንያት ብምግባር በዓል ቃና ዘገሊላ እናተባህለ ብስብሓታትን ጸሎተ ቅዳሴን...

“ ወያሠጥሞን ውስተ ቀላየ ባሕር ለአበሳነ /ንኣበሳና ናብ ማዕሙቝ ቀላይ…

ካብ ሠለስተ ኣካል ሓደ ኣካል፡ እግዚአብሔር ወልድ ካብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ሥጋኣ ሥጋ ካብ ነፍሳ ነፍስ ወሲዱ ብተዋሕዶ...

“ልሕቀ በበሕቅ / በብንእሽቶ ዓበየ”

ባዕሉ እግዚአብሔር ዝሃቦ ተስፋን፡ ነቢያት ዝተነበይዎ ትንቢትን ንምፍጻም፡ ኣካላዊ ቃል እግዚአብሔር ወልድ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ፍጹም ሰብ ኮይኑ ኣብ ቤተ ልሔም...

መበል 50 ዓመት ወርቃዊ ኢዮቤልዩ ምምሥራት ደብረ ብርሃን ቅድስት ሥላሴ…

7 ጥር 2012 ዓ.ም.ግ (16 ጥሪ 2020 ፈ.) ክብረ በዓል ቅድስት ሥላሴ ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያን ክኸብር ከሎ ብፍሉይ ግን...

ሓበሬታ ብዛዕባ ንግደት ኢየሩሳሌም 2020 ዓ.ም. (2020 ፈ.)

 ቤት ጽሕፈት ነጋድያን ኢየሩሳሌም ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ብዛዕባ ንግደት ኢየሩሳሌም ኣብ በዓለ ፋሲካ 2012 ዓ.ም.ግ. (2020 ዓ.ም.) ዝምልከት...

ጋሻ ንምቕባል ንቀዳደም! - ሥላሴ ኣብ ቤት አብርሃም

ጋሻ ምቕባል፡ ብዙኅ በረኸትን ጸጋን ዘውህብ እዩ። 7 ሓምሌ ኣቦና ኣብርሃም ጋሻ ብምቕባሉ፡ ኣጋእዝተ ዓለም ቅድስት ሥላሴ ኣብ ቤቱ ዝተኣንገዱሉን፡...

ግዝረት ኣብ ክርስትና፧?!

ግዝረት፡ ማለት ሕፃን ዕልቦኡ ዝኽንሸበሉ ኵነት እዩ። ዕልቦ ፆታዊ ኽፍሊ ኣካል ናይ ሕፃን ብምቕራጽ ዝፍጸም እዩ።

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ተገዚሩ ድዩ፧

ሓደ ካብተን ትሽዓተ ንኡሳን በዓላት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ በዓለ ግዝረት’ዩ። ሠራዔ ሕግ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዘይካ በይና ኃጢኣት ፡ ሕጊ...

ክብረ በዓል ገዳም ደብረ ወርቅ ኣቡነ ሊባኖስ ብዓቢይ ኽብሪ ተባዒሉ!

“ደቂቅየ ወደቂቅክሙ ኢይትጓነዩ በበዓልየ ወበዓልክሙ/ ኣብ በዓለይን በዓልኩምን ደቀይን ደቅኹምን ኣይፈላለዩ” ጻድቅ ኣቡነ ሊባኖስ ኣብ መፋርቅ 4ይ ክፍለ ዘመን ካብ ቁስጥንጥንያ...

ኣብ ሃገረ ስብከት ደቡብ መንደፈራ ጉባኤ ተቓኒዑ!

ብዕለት 26 ታኅሣሥ 2012 ዓ.ም. (05/01/20 ፈ.) ብብፁዕ አቡነ ሉቃስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ዝተመርሐ፡ ናይቲ ሃገረ ስብከት ኃለፍቲ ክፍልታትን...

  

latest articles

Mystery of Baptism

Baptism is the sacrament given to all who believe in the Mystery of the Trinity and the Mystery of Incarnation...

Mystery of Incarnation

Mystery of Incarnation means the mystery of the descending of God the Son who is one of the Trinity from...

Mystery of the Holy Trinity

The Eritrean Orthodox tewahdo Church has Five pillars of Mysteries through which it teaches and demonstrates its basic religious belief...

Welcome to the Feast of the Nativity of Our Lord…

Glory to God. When the appointed time of salvation and the foretold prophesies came to pass, God the Son come to...

In Memory of His Holiness Abune Yacob the Second Patriarch…

His Holiness Abune Yacob, the Second Patriarch was one of the reputable leaders of the EriOTC, a shining star of...

Fast of the Prophets (Advent)

15th November (geez calander), marks the first day of the Advent Fast, a period of abstinence and penance practiced by...

FASTING

Fasting is abstinence from all things that a body needs, and one has to fast from animal products and from...

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church (EriOTC)

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God. “We call our...

Holy of Holies Our Lady, the virgin Mary

The word holy (kidus) in Geez denotes being special, pure and esteemed. This prefix is an attribute to denote the...

HOLY SCRIPTURES (part one)

All Scriptures are written with the inspiration of the Spirit of God or the breath of God. They are also...

EXISTENCE OF GOD

The name God signifies the Divine Being, meaning He who created the world and governs it. There is one invisible...