ነቢይ ዕንባቆም

Nov 10, 2018

ዕንባቆም፦ ማለት ማእምር፡ ለባዊ ነባቢ ማለት እዩ። ካብ ነገደ ስምዖን ካብ ኣቦኡ ናኮርን ኣደኡ ሬፋን ተወልደ። ኣብ ዘመነ ሕዝቅያስ ዝተንሥአ ነቢይ እዩ።

እስራኤላውያን ተማሪኾም ኣብ ባቢሎን ኣብ ዝነበርሉ እዋን፡ ነቢይ ዕንባቆም ኣብ ምድረ ይሁዳ ይምህር ነበረ። ነቢይ ዕንባቆም፡ ጸብሒ ኣብሲሉ እንጌራ ፈትፊቱ ነቶም ኣብ ግራት እኽሊ ዚዓጽዱ ዝነበሩ ሰባት ንኸብጽሓሎም ኂዝሎም ኪኸይድ ከሎ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ተገሊጹ፦ “ሰድ ዘንተ ምሳሐ ለዳንኤል እኁከ ዘሀሎ ውስተ ግበ ባቢሎን/ ነዚ ምሳሕ እዚ ናብቲ ኣብ ጕድጓድ ኣናብስ ኣብ ባቢሎን ዘሎ ኃውኻ ዳንኤል ውሰዶ።” በሎ። ነቢይ ዕንባቆም ድማ “ ባቢሎንሃ ኢየአምር፡ ግበ አናብስትሂ ኢርኢኩ / ባቢሎን ኣበይ ከም ዘሎ ኣይፈልጦን እየ፣ ጕድጓድ ኣናብስት’ውን ኣይረኣኹን’’ በሎ። እቲ መልኣኽ ድማ ብጸጕሪ ርእሱ ኣንጠልጢሉ ከም ነፋስ እናፋጸየ ናብ ባቢሎን ኣብጽሖ። ናብቲ ጕድጓድ ኣናብስ ብዕጽዉ ኣትዩ ንነቢይ ዳንኤል ሂብዎ ከደ።

ሽዑ ነቢይ ዳንኤል “ ተዘከረኒኑ እግዚአብሔር ዘኢኃደጎሙ ለእለ ያፈቅርዎ/ ነቶም ዘፍቅርዎ ዘይኃድግ እግዚአብሔር ብሓቂ ዘኪርኒ” ብምባል ኣመስገነ። እዚ ምሳሌ እዚ፡ ሊቃውንት ከመሥጥርዎ ከለዉ ግበ ኣናብስት ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም፣ እቲ መግቢ ናይ መግበ ነፍስ፣ ነቢይ ዕንባቆም ከኣ ናይ ጐይታ ምሳሌ እዩ። ብዕፅዉ ኣትዩ ብዕፅዉ ምውፃኡ፡ ጐይታ ብኅቱም ድንግልና ተፀኒሱ ብኅቱም ድንግልና ናይ ምውላዱ ምሳሌ እዩ። (ተረፈ ዳንኤል 1፡33-39)

ነቢይ ዕንባቆም 4 ምዕራፋት ዘለዎ መጽሓፈ ትንቢት ጽሒፉ እዩ።

ነቢይ ዕንባቆም፡ ካብ ካልኦት ነቢያት ብዝተፈልየ ኣብ መጽሓፉ ንርእሱ ‘ነቢይ’ ኢሉ ዝጸውዐ እዩ።

ኣብዚ መጽሓፉ፡ ንሱ ብዛዕባ ምርኮ እስራኤላውያን ኣብ ኢድ ባቢሎናውያን ዝሓተቶን፣ እግዚአብሔር ድማ ዝመለሰሉን ተጠቒሱ ኣሎ።

ንሓዲስ ኪዳን ዘመልክቱ ትንቢታት ተገሊጾም ኣለዉ። ንምሳሌ፦ “እግዚኦ ሰማዕኩ ድምፀከ ወፈራህኩ ርኢኩ ግብረከ ወአንከርኩ በማእከለ ክልኤ እንስሳ ርኢኩከ/ ኦ ጐይታ ድምፅኻ ሰሚዐ ፈራህኩ፡ ተግባራትካ ርእየ ተደነቕኩ። ኣብ ማእከል ክልተ እንስሳ ረኣኹኻ።” በለ። (ዕን. 3፡2) እዚ ኸኣ ኣቐዲሙ ብመንፈሰ ትንቢት ንዝረሓቐ ኣቕሪቡ፡ ንዝረቐቐ ኣጕሊሑ ዝተዛረቦ ኮይኑ፥ ኣብ ጊዜ ልደት ኣብ መንጎ ላሕምን ኣድግን፣ ኣብ ጊዜ ስቕለት ኣብ መንጎ ፈያታዊ ዘየማንን ፈያታዊ ዘጸጋምን፣ ኣብ ጊዜ ወሪደ መቃብር ኣብ መንጎ ዮሴፍን ኒቆዲሞስን፣ ኣብ ጊዜ ፍርዲ ኣብ መንጎ ጻድቃንን ኃጥኣንን ርኣኹኻ እሞ ድምፅኻ ሰሚዐ ፈራህኩን ተግባራትካ ርእየ ተደነቕኩን” በለ።

“እግዚአብሔርሰ እምቴማን ይመጽእ ወቅዱስኒ እም ደብረ ፋራን ወእም ኣኅጉረ ይሁዳ/ እግዚአብሔር ካብ ቴማን፡ እወ እቲ ቅዱስ ካብ እምባ ፋራን ይመጽእ ኣሎ” ኢሉ’ውን ብዛዕባ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ተነበየ። ‘ፋራን’ ማለት ኃያል ማለት እዩ፡ ስለዚ “እቲ ኃያል ጐይታ ኣባኺ ኃደረ” ማለት እዩ።

ኣብ መወዳእታ መጽሓፉ ድማ ዘቕረቦ መዝሙርን ጸሎትን ጠቒሱ ኣሎ።

“ ሶበ ትትሀወክ ነፍስየ በምሕረትከ ተዘከረኒ . . . ወአንሰ እትፌሣሕ በእግዚአብሔር ወእትኃሠይ በአምላኪየ ወመድኃንየ። እግዚአብሔር አምላኪየ ወኃይልየ ዘይሠርዖን ለፍጻሜየ፡ ወያቀውመኒ ውስተ መልዕልት ወዲበ ልዑላት ያፄዕነኒ ከመ እማዕ በመኃልይሁ። / ኣብ ዝተሃወኽኩሉ ጊዜ ብምሕረትካ ተዘከረኒ . . . ኣነ ግና ብኣምላኸይን መድኃኒየይን እግዚአብሔር ፈጺመ ይሕጐስ። እግዚአብሔር ኣምላኸይን ኃይለይን እዩ፣ ነእጋረይ ዘጽንዐን፡ ፍጻሜየይ ዘሥምረለይ ንሱ እዩ። ኣብ ሕጉ ኣሚነ ንኽዕወት ኣብ ልዕልና የቑመኒን፡ ኣብ ኣሕዛብ የሥልጥነኒን። (ዕን. 3፡2-19)

ጸሎቱን በረኸቱን ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን!

ሰላም እብል ለእንተ ኮንከ ነጻሬ፡
ነቢሮ አምላክ ማእከለ እንስሳ ኑባሬ፡
ዕንባቆም ነቢይ ወልደ ናኮር እምነገደ ኅሬ፡
ሥራዌ እንዘ ይኤምር እማሬ፡
ውስተ ዐፀደ ወይን ይብል ኢይከውን ፍሬ።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!

No events found.
Ad Right

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ጾመ ነቢያት፡ ካብ ሠሉስ 15 ኅዳር ጀሚሩ፡ በዓለ ልደት ድማ…

ቅድሚ በዓለ ልደት ኣብ ዘሎ ጊዜያት፡ “ወጥንተ ዚአሁ መንፈቀ ኅዳር/ መጀመርታኡ ፍርቂ ወርኀ ኅዳር” ከምዝብል ካብ 15 ኅዳር ጀሚሩ ክሳዕ...

ክብረ በዓል ቅዱስ ሚካኤል ተኸቢሩ ብዓቢይ መንፈሳዊ ድምቀት ተባዒሉ!

ዓመት መጽአ 12 ኅዳር እስራኤላውያን ካብ ባርነት ግብጻውያን ብመሪሕነት ሊቀ መላእት ቅዱስ ሚካኤልን ናጽነት ዝወጽእሉ ብምዝካር ዝኽበር ክብረ በዓል ቅዱስ...

"ንኣይ ዝሕግዘንን ዝከላኸለለይን ሚካኤል እዩ” ዳን. 10፡21

ቅዱስ ሚካኤል ሓደ ካብቶም ሊቃነ መላእኽቲ እዩ። (ይሁዳ 1፡9) ኃይላት ናይ ዝበሃሉ ነገድ ሓለቓ እዩ። (ሄኖ. 10፡2-12) ቅዱስ ሚካኤል ናይ...

ኣብ ሃገረ ስብከት ደቡብ፡ ክብረ በዓል ቁስቋም ማርያም ኣረጊት ድባርዋ…

6 ኅዳር ክብረ በዓል ቁስቋም ኣብ ማርያም ኣረጊት ድባርዋን ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስን ጳጳስ ሃገረ ስብከት ደቡብ...

ዛዘምቲ ደረጃ ዲፕሎማ ቤት ትምህርቲ ስነ መለኮት ደብረሲና ቅድስት ሥላሴ…

ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ከም ኣካል ብዘመናዊ ኣገባብን ሥርዓተ ትምህርትንምሥልጣንን ምምሃርን ኣገልገልቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን  ምሉእ ባይታ ብምጥጣሕ፡ ኣኅዳሪ መንፈሳዊ ኮሌጅ...

ሊቀ ሰማዕት ቅዱስ ጊዮርጊስ

ሰማዕት ዝብል ቃል ‘ሰምዐ’ መስከረ ካብ ዝብል ግእዛዊ ግሥ ዝተረኽበ ኪኸውን ከሎ ምምስካር፡ ምስክር ማለት እዩ። “ብዛዕባ እቲ ኻብ መጀመርታ ዚነበረ...

ሓዊ ማሕየዊ

‘ቲ ፈተና - ሓዊ፡ ንኣይ ዝተኣጒደ፡ዋላ ተሽለቘኒ ውሽጠይ እናንደደ፡ደኃር ግን ፈሊጠ ምስ በጽሐ እዋኑ፡ንምድራዊ ሕይወተይ መብሰሊ ምዃኑ።    ምኽንያቱ፡    ምድራዊ ሕይወተይ...

ዓመታዊ በዓል ቤት ትምህርት ሰንበት ቅድስት ኣርሴማ ሲደሮት ቤተ ክርስቲያን…

ብዕለት 7 ጥቅምት 2013 ዓ.ም.ግ. “ኣብ ዓይንኽ ዘሎ ስርወ ዘየስተውዓልካስ ንምንታይ ኣብ ዓይኒ ኃውኻ ዘሎ በሰር እትርኢ” ማቴ 7፡3 ብዝብል...

ምክረ አበው - 'ዜና መዋዕል ካብ ዘርእ ክሳዕ ማእረር'

ዘርኢ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ተዘሪኡ፡ በቝሉ፡ ዓንቢቡ ፈርዩ ኣብ ዓጺድ ከምዝበጽሕ፣ ሰብ ድማ ኣብዚ ምድሪ ብዘርኢ ተወሊዱ፡ ጐቢዙ፡ ዓብዩ፡ ኣሪጉ...

ቤት ትምህርቲ ሥነ መለኮት ደብረ ሲና ንሣልሳይ ጊዜኣ ተምሃሮ ተቀቢላ።

ቤት ትምህርቲ ሥነ መለኮት ደብረ ሲና ብደረጃ ዲግርን ዲፕሎምን ዝምሃሩ 60 ዝኣክሉ ተምሃሮ ተቀቢላ። እዞም ካብ ዝተፈላለዩ ሃገረ ስብከትን ንኡሳን...

ብምውህሃድ ክፍሊ ውጥንን ባጀትን ዝተነድፈ ናይ 5 ዓመት ረቂቅ ስትራቴጂካዊ…

እዚ ንሓደ ዓመት ዝኣክል ብኮሚተ ምድላው ስትራቴጂካዊ ውጥንን ክሥርሓሉ ዝጸንሐን ብተሳትፎ ኵለን ክፍልታት ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክን ሃገረ ስብከታትን ንኡሳን...

ኣቐዲሞም ብመዓርገ ዲቁናን ክህነትን ዝተቐብኡ ውሉደ ክህነት ናይቲ ክወስድዎ ዝቐነዩ…

ክፍሊ ኣገልግሎት ካህናትን ስብከተ ወንጌልን ሃገረ ስብከት ኣሥመራ፡ ኣቀዲሞም ኣብ ዝኃለፈ ወርኂ ብማዕርገ ዲቁናን ክህነትን ንዝተቀብኡ ኣገልገልቲ ክህቦ ናይ ዝጸንሐ...

  

latest articles

FAITH AND WORKS

Faith is “a confidence or trust in God”. Faith gives assertion to the things we hope for and explains the...

The feast of the Holy Cross - Mesekel (The Founding…

The Mesekel holiday is celebreated on Meskerem 17 (27th of September) and Megabit 10 (19th of March). The word Meskel...

The Ascension of St Mary (part two)

Moreover, Whilst John the evangelist was preaching in the country of Asia, on the sixteenth day of the month of...

The Ascension of St Mary (part one)

"At your right hand stands the queen." (Psalm 45:9)IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY...

The Fast of Assumption of the Virgin Mary

This fast lasts from Nehassie (August) 1 to 16. Our Lady departed on 21 of Ter (January) in 50 A.D...

“Blessed is he that considereth the poor” Ps. 41:1

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God Amen. The basic necessities...

The Apostle Saint Paul

Saint Paul was a Jew, of the tribe of Benjamin, a Pharisee, the son of a Pharisee; and his kinsfolk...

The Apostle st. Peter

Peter was from Bethsaida, and he was a fisherman.  Our Lord chose him on the second day following that whereon...

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...

The feast Of Pentecost

IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY SPIRIT, ONE GOD. On this day the Holy...

Ascension

After the Lord Jesus Christ had finished the operation of His wisdom upon earth, by His Passion, and His Death...