ትንቢተ ዮናስ

Oct 04, 2017

ሓደ ካብ 46 መጻሕፍተ ብሉያት ዝኾነ ትንቢተ ዮናስ እዩ። ናይዚ መጽሓፍ’ዚ ጸሓፊ ባዕሉ ነቢይ ዮናስ እዩ ዝብል ትውፊት ኣሎ።

ዮናስ፡ ማለት “ርግቢት ወይ ከኣ ለዋህ” ማለት እዩ። ሕፃን እንከሎ፡ ብነቢይ ኤልያስ ካብ ሞት ዝተንሥአ ወዲ ሰርፕታዊት ሰበይቲ እዩ። (1ይ ነገ. 17፡17-24) ብኣካልን ብጸጋን ምስ ዓበየ ድማ ኣብ 1200 ዓመት ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ፡ ኣብ ዘመነ ንጉሥ ዓሞፅ ወዲ ምናሴ ሃብተ ትንቢት ተዋሂብዎ ዝንበ ነቢይ እግዚአብሔር ኮነ።

ዋላ እኳ ነቢይ ዮናስ እስራኤላዊ ነቢይ እንተኾነ ብትእዛዝ እግዚአብሔር ካብ ምድረ እስራኤል ወፃኢ ናብ ዝኾነት ከባቢ 120,000 ተቐማጦ ዝነበርዋ ናይ ኣሶራውያን ዓባይ ርእሰ ኸተማ ነነዌ ከይዱ ኣስተምሃረ።

እግዚአብሔር ኣምላኽ፡ ንነቢይ ዮናስ “ተንሥእ እሞ ናብ ነነዌ ናብታ ዓባይ ከተማ ኬድካ መሃር” በሎ። ነቢይ ዮናስ ግና ለውሃት እግዚአብሔር ከምኡ’ውን ክፍኣት ሕዝቢ ነነዌ ይፈልጥ ስለዝነበረ ፈቓደኛ ኮይኑ ኣይተረኽበን። ዮናስ ማለት ለዋህ ስለዝኾነ፡ ‘ኣብ ቅድሚኡ ስለዝረኣየኒ እኮ እዩ ከምዚ ዝበለኒ’ ኢሉ ካብ ገጽ እግዚአብሔር ንምኽዋል ንተርሴስ ብእትኸይድ መርከብ ተሳፊሩ መንገዱ ቐጸለ። ሽዑ እታ መርከብ ኣብ ማእከል ባሕሪ ምስ በጽሐት ብርቱዕ ማዕበል ተላዒሉ ነታ መርከብ ኪግምጥላ ደለየ። እቶም ኣብታ መርከብ ተሳፊሮም ዝነበሩ ሕዝቢ ዘቃልለሎም መሲልዎም ነቲ ኣቝሑቶም ናብ ባሕሪ ኪድርብዩ ኸለዉ፡ ዮናስ ግና ደቂሱ ነበረ። እቲ መራሕ መርከብ ድማ እዚ ዅሉ ሕዝቢ ኪጭነቕን ኪሽገርን ከሎ ዮናስ በጥ ኢሉ ደቂሱ ምስ ረኣዮ ‘ኣንታ ሰብኣይ እንታይ እዩ ሥራሕካ፧ እዚ ሕዝቢ ኣብ ዓቢይ ኃደጋ ወዲቑ ናብ ዘዘምልኾ ኣምላኽ እናለመነን እናተማሕፀነን ንምንታይ ኢኻ ናብ ፈጣሪኻ ዘይትልምን፧’በሎ። ሽዑ ዮናስ እዚ ብሰንኪ ኃጢኣተይ ዝመጽአ እዩ፡ ስለዚ ናብዚ ባሕሪ ደርብዩኒ’ሞ እዚ ማዕበል ክሃድኣልኩም እዩ’ በሎም። እቶም ሕዝቢ ግና ከመይ ጌርና ክንድርብየካ እንተኾነ ግዳ ዝሃድኣልና እንተኾይኑሲ ዕጫ ነውድቕ’ሞ እቲ ዕንጨይቲ ዝበጽሖ ይደርበ፡ ተበሃሂሎም ዕንጨይቲ እንተውደቑ ናብኡ በጽሐ። እቲ ማዕበል እናበርትዐ ምስ ከደ ግና እንከይፈተዉ ንዮናስ ናብቲ ባሕሪ ደርበይዎ። ይኹን ደኣ እምበር እግዚአብሔር ንዮናስ ዚውሕጥ ዓሣ ኣንበሪ ኣዳልዩ ስለ ዝነበረ ዮናስ ምስ ተደርበየ ዓሣ ተቐቢሉ ወሓጦ፡ እቲ ማዕበል ድማ ሃድአ፡ እቲ ንዮናስ ዝወሓጦ ዓሣ ድኅሪ ሠለስተ መዓልቲ ኣብ ጫፍ ምድሪ ነነዌ ተፍኦ፡ ዮናስ ከኣ ነቲ ሃገር ስለ ዘይፈልጦ “እዚ ሃገር’ዚ መን ይበሃል፧” ኢሉ እንተ ሓተተ ነነዌ በልዎ። ዮናስ ካብ ኢድ እግዚአብሔር ከም ዘየምለጠ ተረዲኡ ናብታ ኸተማ ኣተወ። ስፍሓት እታ ኸተማ መንገዲ ሠለስተ መዓልቲ ስለ ዝነበረ፡ መንገዲ ሓደ መዓልቲ ዚኸውን ምስ ከደ፡ ‘እስከ ሠሉስ ዕለት ትትገፈታዕ ነነዌ/ እዛ ኸተማ’ዚኣ ኣብ ሣልሳይ መዓልቲ ክትግልበጥ እያ’ እናበለ ኪምህር ጀመረ። እዚ ትምህርት’ዚ ኸኣ ኣብ እዝኒ ንጉሥ በጽሐ። ንጉሥ ካብ ዙፋኑ ወሪዱ፡ ማቕ ተኸዲኑ፡ “ካብ ዝጠቡ ሕፃናት ጀሚሩ ክሳብ እንስሳ፡ ንሠለስተ መዓልቲ ንኺጾሙ ትእዛዝ ኣመኃላለፈን ጽኑዕ ኣዋጅ ኣወጀን። ሽዑ ሕዝቢ ነነዌ በቲ መልእኽቲ እግዚአብሔር ኣመኑ። መግለጺ ስቡር ልቦምን ትሕትናኦም ድማ ማቕ ተኸዲኖም ኃጢኣቶም እናተኣመኑ ጾሙን ጸለዩን። በዚ መሠረት እግዚአብሔር ኣምላኽ ነቲ እምነቶምን ስቡር ልቦምን ጾሞምን ጸሎቶምን ከምኡ’ውን ካብ እኩይ ግብሮም ማለት ካብኡ ክፉእ መንገዶም ከም ዝተመልሱ ተመልኪቱ ከምቲ ተዛሪብዎ ዝነበረ ኣይቀጽዖምን፡ ነቲ መዓት ናብ ምሕረት መለሶ። (ዮና. 1-ፍጻሜ)

ነቢይ ዮናስ፡ ከምቲ ዝተነበዮ ጥፍኣት ከተማ ነነዌ ኸም ዘይተፈጸመ ምስ ርኣየ ፍጹም ኰረየ። ናብ እግዚአብሔር ድማ “ኦ እግዚአብሔር እልምነካ ኣሎኹ፡ እቲ ኣብ ሃገረይ ከሎኹ ዝተዛረብክዎስ እዚዶ ኣይኮነን፧ መሓርን ርኅሩኅን ንዅራ ደንጓይን በዓል ዓቢይ ምሕረትን ንእኩይ እትጥዓሰሉን ኣምላኽ ከም ዝኾንካ ስለ ዝፈለጥኩ እየ ኣቐዲመ ናብ ስፐይን ዝሃደምኩ። ኦ እግዚአብሔር እምበኣርሲ ሕጂ ኻብ ብሕይወት ምንባርሲ ሙማት ይኅሸኒ እሞ እልምነካ ኣሎኹ ውሰደኒ” ኢሉ ጸለየ። እግዚአብሔር ድማ “ክሳዕ ክንድዚ ክትቍጣዕ’ዶ ይግባኣካ እዩ፧” ኢሉ ሓተቶ። ነቢይ ዮናስ ከኣ ኻብታ ኸተማ ንወገን ምሥራቕ ኣቢሉ ወፀ እሞ ኣብኣ ተቐመጠ። ንርእሱ ድማ ዳስ ገበረ። ነታ ኸተማ ዚወርዳ ኺርኢ ኸኣ ኣብ ጽላላ ተቐመጠ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ከኣ ንዮናስ ከተጽልለሉ እሞ ኻብ ሕሰሙ ኸተናግፎ ኢሉ ሓንቲ ተኽሊ ኣብቈለ ኣብ ልዕሊኡ ኸም እትዓቢ ድማ ገበራ። ዮናስ’ውን በታ ተኽሊ ኣዝዩ ተሓጐሰ። ግናኸ ንጽባሒቱ ምስ ወግሐ ኣምላኽ ነታ ተኽሊ ሓሰኻ ከም ዚበልዓ ገበረ፡ ንሳ ኸኣ ነቐጸት። ፀሓይ ምስ በረቐት ድማ እግዚአብሔር ኣምላኽ ውዑይ ንፋስ ምሥራቕ ሰደደ፡ ፀሐይ ከኣ ንዮናስ ክሳዕ ዜሕለሉ ርእሱ ወቕዓቶ። ንሱ’ውን ‘ካብ ብሕይወት ምንባር’ሲ ሞት ይኅሸኒ’ ኢሉ ንሕይወቱ ሞት ለመነላ።

እግዚአብሔር ኣምላኽ ከኣ ንዮናስ “ብዛዕባ እታ ተኽሊ ኽትቍጣዕ’ዶ ይግብኣካ እዩ፧” ኢሉ ሓተቶ። ዮናስ ድማ “ክሳዕ ሞት ዜብጽሕ ቍጥዓ እኳ ኽቝጣዕ ይግብኣኒ እዩ፧” ኢሉ መለሰሉ።

እግዚአብሔር ከኣ “ንስኻ በታ ዘይደኸምካላን ዘየዕቤኻያን ብሓንቲ ለይቲ በቘለት ብሓንቲ ለይቲ ድማ ጠፍአት ተኽሊ ትጕሂ ኣሎኻ። ኣነኸ ነታ ዓባይ ከተማ ነነዌ የማኖም ካብ ጸጋሞም ኪፈልዩ ዘይክእሉ ካብ ሚእትን ዕሥራን ሽሕ ዚበዝኁ ሰብን ብዙኃት እንስሳን ዘለውዋ ክርኅርኃላ ዘይግብኣኒ’ዶ ይመስለካ፧” በሎ።

ብድኅር’ዚ ነቢይ ዮናስ ናብ ምድረ እስራኤል ተመሊሱ ተቐመጠ። ኣብ 170 ዓመት ዕድመኡ ድማ ብዕለት 25 መስከረም ብሰላም ዓረፈ።

ካብ ካልኦት መጻሕፍተ ነቢያት፡ ብዛዕባ ነቢየ እግዚአብሔር ኣስፊሑ ዝገልጽ መጽሓፍ ትንቢተ ዮናስ እዩ። ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ ብዛዕባ ኸተማ ነነዌን ጾም ሕዝቢ ነነዌን ነቢይ ነነዌ ዮናስን . . . ተገሊጹ ኣሎ።

ኣከፋፍላ ናይዚ መጽሓፍ፦

1. መጸዋዕታ ዮናስን ህድማኡን
2. ሠለስተ መዓልትን ለይትን ጸሎት ዮናስ ኣብ ከርሠ ዓሳ
3. ስብከት ዮናስን ፍሪኡን
4. ኵራ ዮናስን መልሲ እግዚአብሔርን

ብሓፈሻ እዚ መጽሓፍ’ዚ ለውሃትን ይቕረ በሃልነትን ፍቕርን ምሕረትን እግዚአብሔር፣ ፍሬ ንስሓን ጾምን፣. . . ዝገልጽ መጽሓፍ እዩ።

ሰላም ለዮናስ በከርሠ አንበሪ ዘትኀትመ፡

አምሳለ ክርስቶስ ይኩን በከርሠ መቃብር ዘኖመ፡

እግዚአብሔር ይቤሎ ጊዜ በሐሩር ሐመ፡

ኢይሣሃላኑ ለነነዌ ወኢይምህካ ዳግመ፡

እንተ ኢተከልከ አንተ ትምህክ ሐምሐመ።

በረከተ አምላኩ ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን!

No events found.

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ብርሃነ ዓለም፡ ማኅቶተ ቤተ ክርስቲያን፡ ንዋየ ኅሩይ ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ

ሐዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ ዓሌቱ ዕብራዊ ኾይኑ ኣብ ከተማ ጠርሴስ ተወሊዱ። ሮማውያን ነቶም ኣብ ትሕቲኦም ዚመሓደሩ ሕዝቢ፡ ሮማዊ ዜግነት...

ኰኵሐ ቤተ ክርስቲያን ሊቀ ሐዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ

ሊቀ ሓዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ ቅዱሳን ሓዋርያት: ብኸመይ ከም እተጸውዑን ክሳዕ ዕርገት ዝነበርዎ ኵነታትን ኣብ ኣርባዕቱ ወንጌል፡ ድኅሪ ዕርገትን ክሳዕ መጀመርያ ስሳታትን...

ዓምደ ሃይማኖት ወማኅቶተ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ቄርሎስ

ቅዱሳን አበው ሊቃውንት፡ ከም መጠን ስፍሓት ኣእምሮኦምን ጽንዓት ሃይማኖቶምን መንፈስ ቅዱስ ገሊጽሎም መንፈሳውያን ድርሳናት፡ ተግሣፃት፡ መድበላት ዝጸሓፉ፣ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ...

ብመስቀሉ ክዘንመልና እዩ ፈውሰ ምሕረቱ

እስከ ኽንዛረብ ምእንትዚ ተላቢዑ ዘሎ ኮሮና ሕማምእግዚአብሔር ንሰብ ክፈጥሮ ከሎ ብተድላ ብደስታ ክነብር እምበር ኣይነበረን ክሳቐ ብሕማምምናልባት ነዚ ሰብ ዘጽሕን...

ቅዱስ ሓዋርያ ታዴዎስ፦ “ነዚ እዩ ጐይታ ሃብታም መንግሥተ ሰማያት ካብ…

ታዴዎስ ማለት ዘርእን ማእረርን፡ ካህነ ኣምላኽ ማለት እዩ። ቍጽሩ ምስ ዓሰርተው ክልተ ሓዋርያት ኮይኑ ሃገረ ስብከቱ ሶርያ እዩ። ሊቀ ሓዋርያት...

አሥርቆት ዘወርኀ ሐምሌ

ዮም ሠረቀ ለነ ወርኀ ቡሩክ ሐምሌ ያብጽሐነ እስከ ወርኀ ነሐሴ በሰላመ እግዚአብሔር! ወርኀ ሐምሌ ቡሩክ መዓልቱ ፲ወ፬ቱ ሰዓት ወሌሊቱኒ ፲ቱ...

ገዳም ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ ቴድረር

ገዳም ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ ቴድረር ኣብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ደቀምሓረ፡ ካብ ከተማ ደቀምሓረ ንደቡብ 25 ኪሎ ሜትር ኣብ ከባቢ...

“ብኃጢኣት ሕዝበይ እየ ኣብ ኢድኩም ኣውዲቐያ!”

ገቢረ ተአምራት ወላዲተ ኣምላክ ድንግል ማርያም፡ ተነጊሩ ዘይጽገብ ተጻሒፉ ዘይፍጸም እዩ። ካብ ፅንሰታ ዝጀመረ ገቢረ ተአምራት ክሳዕ ምጽኣተ ክርስቶስ በቲ...

"ወያስተዴሉ ክረምተ ለምድር/ ንምድሪ ዝናም የዝንመላ” “መዝ. ፻፵፮፥፰/147፡8

ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና፡ ንዓመት ኣብ ኣርባዕተ ወቕትታት ማለት ዘመነ መፀው፡ ዘመነ ሓጋይ፡ ዘመነ ፀደይ ከምኡ ውን ዘመነ ክረምት ብምባል ትኸፍሎ። 

እንቋዕ ናብ ዘመነ ክረምት ብሰላም ኣብጽሓና!

ዘመነ ክረምት  ካብ 26 ሰኔ ክሳዕ 25 መስከረም ዘሎ ወቅቲ ጊዜ ክረምቲ እዩ። ሰማይ ብደመና ተሸፊኑ፡ ዝናም ብመብረቕን ድምፂ ነጐድጓድን ተዓጂቡ ንምድሪ...

“ብፁዕ ዘይሌቡ ላዕለ ነዳይ ወምስኪን/ ንድኻ ዝሓልየሉ ሰብ ብፁዕ እዩ”(መዝ…

ንሕይወተ ሥጋ ኣድለይቲ ዝኾኑ ነገራት ማይ፡ እንጌራ፡ ክዳን፡ መኅደሪ ቤት እዮም። (ሢራ. 29፡21) ብቐዳምነት ነዚኦም ዘይረኸቡን ዘይብሎምን ሰባት “ጽጉማት” ይበሃሉ። ብተወሳኺ’ውን...

ገዳም ደብረ ሲና

ገዳም ደብረ ሲና፡ ኣብ ዞባ ዓንሰባ ንኡስ ዞባ ዒላበርዕድ ከባቢ መንሳዕ፡ ካብ ዒላበርዕድ ንሸነኽ ምሥራቕ ብእግሪ ናይ ክልተ ሰዓትን ፈረቓን...

  

latest articles

The Apostle Saint Paul

Saint Paul was a Jew, of the tribe of Benjamin, a Pharisee, the son of a Pharisee; and his kinsfolk...

The Apostle st. Peter

Peter was from Bethsaida, and he was a fisherman.  Our Lord chose him on the second day following that whereon...

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...

The feast Of Pentecost

IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY SPIRIT, ONE GOD. On this day the Holy...

Ascension

After the Lord Jesus Christ had finished the operation of His wisdom upon earth, by His Passion, and His Death...

Tsinset (Annunciation – Feast of Incarnation)

In accordance with the cannon of the Church, one of the nine major feast days of Our Lord. it Tsinset (Annunciation...

The feast of presenting the lord Christ in the temple…

On this day we celebrate the feast of presenting the lord Christ to the temple after 40 days of his...

The Fast of Nineveh - Monday 10 – 12 February…

In Eritrean Orthodox Tewahdo Church, one of the seven fasting periods is the fast of Nineveh.

Mystery of Baptism

Baptism is the sacrament given to all who believe in the Mystery of the Trinity and the Mystery of Incarnation...

Mystery of Incarnation

Mystery of Incarnation means the mystery of the descending of God the Son who is one of the Trinity from...

Mystery of the Holy Trinity

The Eritrean Orthodox tewahdo Church has Five pillars of Mysteries through which it teaches and demonstrates its basic religious belief...