“ምናዳ እቲ ብራናታት ተማልኣለይ” (2ይ ጢሞ. 4፡13) - ቅዱሳት መጻሕፍተ ብራና

Jul 28, 2021

ጥንታውያን መጻሕፍተ ብራና፦ ብኽኢላታት ሰብ ሞያ ብኢድ ኣብ ብራና ዝተጻሕፉ፣ ናይ ሃይማኖት፡ ታሪኽ፡ ፍልስፍና፡ ምኅደራ፡ ቊጽሪ፡ ሥነ ፍልጠት፡ ሕጊ፡ ሥነ ጥበብ፡ ሥነ ፈለክ፡ ሥነ ሕይወት (ሕክምና፡ሕርሻ)፡ ሥነ መድኃኒት፣ ሥነ ሥእል፡ ኪነ ሕንፃ፡ . . . ትኅዝቶ ዘለዎም፣ ምንጪ መንነት፡ እምነት፡ ባህሊ፡ ታሪኽን ሥልጣኔን፣ መሠረት ሥነ ጽሑፍ፣ እሙናት ምስክር ትውፊትን ውርሻን እዮም።

እዞም ጥንታውነትን ሃብትን ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ዝገልጹ መጻሕፍተ ብራና፥ መንፈሳዊ ፍልጠት ዝርከበሎም፡ ምንጭታት ትምህርተ ሃይማኖት ዝኾኑ፡ ንታሪኽ ሃገርን ሕዝብን ወለዶታትን መዝጊቦም ዝኃዙ፡ ገድለ ቅዱሳንን ገቢረ ተኣምራትን ዝግለጸሎምን እዮም።

ቀዳሞት አበው ብልዑል ጻዕሪ ብራና ፍሒቖም፡ ቀለም በጽቢጾም፡ ብርዒ ቀሪጾም፡ ካብ ፊደል ክሳብ ሓረግን ምልክት ዜማን ዝበጽሕ ትኅዝቶ ኣዳልዮም እዮም።

ቈርበት ምድላው፡ ቀለም ምብጽባጽ፡ ብርዒ ምቕራጽ፡ ኣጸሓሕፋ. . . ብሓፈሻ ኣብ መወዳእታ መጽሓፈ ብራና ንምብጻሕ ነናቱ መሥርሕን ኣሠራርሓን ኣለዎ።   

ብመጀመርታ ቈርበት ናይ እንስሳት ማለት በጊዕ፡ ጤል፡ ምራኽ፡ ዝራብዕ፡ ዓጋዜን. . . ክኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ቈርበት ናይ ዝዓበረ ወይ ዝሠብሐ እንስሳ ክኸውን የብሉን። ምኽንያቱ ናይ ዕባራ እንስሳ ቈርበት እንተኾይኑ፡ እቲ ብራና ስለ ዝረቅቕን ዝጽጒርን እቲ ዝጸሓፍ ናይ ክልቲኡ ገጻት ፊደል ይሕወስን ይድምሰስን ዘይንጹር ይኸውንን።

ናይ ኣዝዩ ሥቡሕ እንስሳ ቈርበት እንተ ኾይኑ ድማ እቲ ሥብሒ ነቲ ቀለም ይቃወሞን ኣይቅበሎን። ስለዚ እቲ ቈርበት ምጡን ሥብሒ ዘለዎ ክኸውን ይግባእ።

ብምቕጻል እቲ ቈርበት ምስ ተሓርደ፡ ኣብ ጽላል ቦታ ብመሥማር ተወጢሩ ይነቅጽ። እዚ ኸኣ ኣብ ፀሓይ እንተነቒጹ ሥብሒ መኺኹ ምስቲ ቈርበት ተዋሒዱ ብቐሊሉ ስለዘይጸርን ቀለም ኣብ ምቕባል ስለዝጽግምን እዩ።

ቈርበት ንሠለስተ መዓልቲ ኣብ ማይ ተኣሊኹ ይትርክስ።

ብኣርባዕተ መዓዝን ካብ የማናይ ኢድ ክሳብ ጸጋማይ ኢድ ስላሽ ብምግባር ተቐዲዱ፣ ብታሕቲ ድማ ኻብ የማናይ እግሪ ናብ ጸጋማይ እግሪ ስላሽ ብምቕዳድ ከምኡውን ብየማን ብጸጋም ይቕደደሉ፡ ብኣርባዕቲኡ ወገን ብመጠን ዕቤት ቈርበት ዘንጊ ማለት ሓን ይስኵዓሉ። እቲ ቘርበት ምእንቲ ኸይቅደድ እቲ ገመድ ኣብቲ ሓፂን እናተሰኵዐ ተገቲሩ ይነቅጽ።

ምስ ነቐጸ፡ ቅርጺ ፊደል ‘ገ’ ብዝመስልን ብልሑ ልክዕ ከም መላጸ ዝኾነ ብመጻረቢ ምሳር፡ ካብ ላዕሊ ንታሕቲ እናሰሓብካ እቲ ጸጒሪ ይፈሓቚ። ብድኅር’ዚ ጨው ብራና ብዝተባህለ ፃዕዳ እምኒ ኣብ ጓህሪ ተጠቢሱ፡ አሐርፍፍ ኣቢልካ ይርመም (ይሕሰ ወይ ይድረዝ)። ምስኡ ማይ እናነብነብካ ሥብሑን ርስሓቱን ይጸርን ይሕከኽን። ካብዚ ንላዕሊ ሥብሒ እንተደኣ ተሪፉ ግና ሳሙና ወይ ኦሞ ይግበሮ። ፈጺሙ ሥብሑ ኸይጠፍእ’ውን ጥንቃቐ የድልዮ። ምኽንያቱ ሥብሑ ፈጺሙ እንተጠፊኡ ስለዝረቅቕ እቲ ዝጸሓፍ ናይ ክልቲኡ ገጻት ፊደል ከምዝተሓዋወስ ይገብሮ።

ብኸምዚ እቲ ኣብቲ ቈርበት ዝነበረ ሥጋ ምስ ጸረየ ንዘለካ ቕርጺ መጽሓፍ ብምቕራብ ነቲ ተገቲሩ ዝነቐጸ ብራና እናለካዕኻ ትቘርጾ። ካብ 4-6 ጥራዝ እናገበርካ ንኽጸሓፍ ተዳልዎ።

ምስ ተዳለወ፡ ኣብ ክልተ ጫፋት ብመስፈ ብምውጋእ፡ መሥመር ብምጥቃም፡ ኣፉ ጉድም ብዝበለ ዓንቃሪቦ ሠሚርካ ሕንጻጻት ተውፅኣሉ። እቲ ቀለም ዘይወድቆ ናይ ላዕልን ታሕትን ክፋል ብላዕለዋይ ወገን ንእስ ዝበለ፡ ብታሕተዋይ ወገን ዕብይ ዝበለ ይኸውን። ምኽንያቱ ኵሉ ጊዜ ብኢድ ሰብ ተታኂዙ ስለዝድምሰስ እዩ።

. . . ይቕጽል።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ አሜን!

Ad Right

ዘመነ ማርቆስ 15 መስከረም 2014 ዓ.…

September
Saturday
25
ፍልሰተ ሥጋሁ ለእስጢፋኖስ፡ ወአባጴጥሮስ። ዘቅዳሴ ምንባብ መልእክታት ቈላ.1፡1-10 ያዕ. 5፡13-ፍጻሜ ግብረ ሓዋርያት ግብ. ሐዋ. 6፡7-ፍጻሜ ምስባክ መዝ. 127/128 ወንጌል ዮሐ. 15፡12-19 ቅዳሴ ቅዳሴ ዘወልደ ነጐድጓድ። * * *
00:00 h

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ሓድነታዊ ጉባኤ ሓድሽ ዝተመርጸ ምምሕዳር ሰበካ ጉባኤን ምእመናን ኣባላት ሰበካ…

መሪሕነት ኣባላት ሰበካ ጉባኤ መድኃኔ ዓለም ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርቲያን ኤርትራ (ሉሳካ) ከምኡውን ምእመናን ምእመናት ነበርቲ ሃገረ ዛምብያ ብማእከልነት ቀሲስ...

ጉባኤ ማኅበር መላእ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣፍሪቃ ኣብ ሃገረ ዛምብያ ይካየድ…

ብማኅበር መላእ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣፍሪቃን(AACC) ብኣኣንጋድነት ቤት ምኽሪ ኣብያተ ክርስቲያናት ዛምብያ (CCZ) ተወዲቡ፡ ኣብ ዛዕባ ሕዝባዊ ዕዳን ብልሽውናን ምቁጽጻር ከምኡ’ውን...

ጉባኤ ኤፌሶን (431 ዓ.ም.) 1ይ ክፋል

ዝቐደመ ጉባኤታት ኣብ ምሥጢረ ሥላሴ ንዝተላዕለ ኑፋቄታት፣ ብፍላይ ብተመሃሮ ቤት ትምህርቲ አንጾኪያ፣  መልሲን ግቡእ መግትኢ ዝኸውን ውግዘትን ኣቐሚጡ ነበረ። ብድሕሪ...

በዓለ ሥእል ዘጼዴንያ

ብመሠረት ትምህርቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ካብ ቅዱሳት ኣሣእል ብዙኅን ዓቢይን ጥቕሚ ይርከብ። ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝርከቡ ትምህርትታትን ታሪኻትን ብሥእላዊ ኣገላልጻ...

በዅሪ ጽምብል ሥነ ሥርዓት መመረቕታ ኮለጅ ነገረ መለኮት ደብረ ሲና…

ኮለጅ ነገረ መለኮት ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ ዘኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ ብመዓልታውን ምሸታውን መርሐ ግብር ክምህሮም ካብ ዝጸንሐ ተማሃሮ፡...

“ነቢይ ኢሳይያስ”

ነቢይ ማለት ፡ መንፈስ ትንቢት ኃዲርዎ ብዛዕባ ዚመጽእ ትንቢት ዚንበ፣ ብዛዕባ ዝኃለፈን ዚመጽእን ራእይ ዚርኢ፣ ብዛዕባ ግብረ እግዚአብሔር ኣብ ታሪኽ...

ዜና መዋዕል ካብ ልደት ክሳዕ ግብአተ መሬት መሪጌታ ባራኺ ገብረመድኅን…

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ! “በድርየኒ ፈጸምኩ ወሃይማኖትየኒ ዐቀብኩ፡ እንከሰ ጽኑሐ ሊተ አክሊለ ጽድቅ ዘየዐሥየኒ እግዚአብሔር ይእተ ዕለተ መኰንነ...

ኣብ ቤት ማኅተም ኮከበ ጽባሕ ንልዕሊ 20 ዓመት ዝሠርሑ መሪጌታ…

ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ቤት ማኅተም ኮከበ ጽባሕ ማኅበረ ሓዋርያት ንልዕሊ 20 ዓመት ዝሠርሑ መሪጌታ በራኺ ገብረመድኅን ኣብ...

እንቋዕ ካብ ዘመነ ማቴዎስ ናብ ዘመነ ማርቆስ ብሰላም ኣሰጋገረናን ኣብጽሓናን!

ዝናም ብመብረቕን ድምፂ ነጐድጓድን ተዓጂቡ ንምድሪ ዘዕለቕልቐሉ ወርኀ ክረምት ኣኅሊፉ፡ ንምድሪ ብልምላሜን ጽጌያትን ኣወቂቡ፡ ናብዚ ሓዲስ ዘመን ንሰጋገረሉ ወርኀ መስከረም...

ካብ ርእሰ ዓውደ ዓመት ክሳዕ ፀአተ ክረምት

1. ካብ ዮሐንስ (መለወጢ ዘመን ) ክሳዕ ዘካርያስ (1 መስከረም ክሳዕ 8 መስከረም) ሓድሽ ዓመት ዝትክኣሉ እዋን ስለዝኾነ ኣብ ልቢ ክርስቲያን...

ቃለ ቡራኬ ርእሰ ዓውደ ዓመት 2014 ዓ.ም.

አቀድም አእኵቶቶ ለእግዚአብሔር በኢየሱስ ክርስቶስ በእንተ ኵልክሙ እስመ ተሰምዓት ሃይማኖትክሙ ውስተ ኵሉ ዓለም። (ሮሜ ፲፩፡፰)/ ኣቐዲመ ንዂልኻትኩም ብኢየሱስ ክርስቶስ ሃይማኖትኩም...

ዜና ዕረፍት ሊቀ ሊቃውንት ኃይለሥላሴ ገብረሚካኤል

 “ኣታ ሕያዋይን እሙንን ኣገልጋሊ . . . ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶ” (ማቴ. 25፡21) ሊቀ ሊቃውንት ኃይለሥላሴ ገብረሚካኤል ኣብ መበል 90 ዕድሚኦም...

  

latest articles

Transfiguration: (Debre Tabor)

This is the day celebrated on Nehase (August) 13 G.C. in which Our Lord Jesus Christ during his ministry, manifested...

PRAYER

Prayer is a word by which man communicates with his Creator in Faith, thanking and beseeching Him for the forgiveness...

FAITH AND WORKS

Faith is “a confidence or trust in God”. Faith gives assertion to the things we hope for and explains the...

The feast of the Holy Cross - Mesekel (The Founding…

The Mesekel holiday is celebreated on Meskerem 17 (27th of September) and Megabit 10 (19th of March). The word Meskel...

The Ascension of St Mary (part two)

Moreover, Whilst John the evangelist was preaching in the country of Asia, on the sixteenth day of the month of...

The Ascension of St Mary (part one)

"At your right hand stands the queen." (Psalm 45:9)IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY...

The Fast of Assumption of the Virgin Mary

This fast lasts from Nehassie (August) 1 to 16. Our Lady departed on 21 of Ter (January) in 50 A.D...

“Blessed is he that considereth the poor” Ps. 41:1

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God Amen. The basic necessities...

The Apostle Saint Paul

Saint Paul was a Jew, of the tribe of Benjamin, a Pharisee, the son of a Pharisee; and his kinsfolk...

The Apostle st. Peter

Peter was from Bethsaida, and he was a fisherman.  Our Lord chose him on the second day following that whereon...

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...