“ደዮ ውስተ ልብከ በኵሉ ጊዜ ወጠብልሎ ውስተ ክሳድከ/ ኵሉ ጊዜ ኣብ ልብኻ ዕቘሮ፡ ኣብ ክሳድካ’ውን ኣሲርካ ኃዞ” ምሳ 6÷21 - ማዕተብ

Feb 05, 2019

ሃይማኖት መሠረት ክኸውን ከሎ ምስ ሃይማኖት ተተኃኂዙ ዝኸይድ ድማ ባህለ ሃይማኖት፡ ትውፊታዊ ሥርዓት ኣሎ። ሓደ ካብ ባህለ ሃይማኖት ድማ ድኅሪ ጸጋ ጥምቀትን ሃብተ ውልድነትን ኣብ ክሳድ ዝእሠር ‘ማዕተብ’ እዩ።

‘ማዕተብ’ ዝብል ቃል ካብ “ዐተበ” ዝብል ግሢ ዝወፀ ኮይኑ ‘ኣመልከተ፡ ባረኸ’ ማለት እዩ። ማዕተብ፦ ዝኣመኑን ዝተጠመቁን ካብ ዘይኣመኑን ዘይተጠመቁን ዝፍለይሉ ናይ ክርስቲያን መፈለጥታ፡ ምልክት ሃይማኖት እዩ።

ከምቲ ሀገር ብባንዴራኣ (ሰንደቕ ዕላማኣ) እትፍለጥ ከምኡ’ውን ደብዳቤን ጽሑፍን ብኣርማ ማኅተም ፊርማ ሕጋውነቱ ዝረጋገጽ፣ ንሕና ደቂ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ዝኾንና ምእመናንን ምእመናትን ድማ ኣብ ክሳድና ብእንኣሥሮ ማዕተብ ብክርስቶስ ክርስቲያን ብወልድ ውሉድ ምዃንና ንፍለጥን ነረጋግጽን።

ዝተጠምቁ ክርስቶሳውያን ኣብ ክሳዶም ዝኣስርዎ ማዕተብ፡ ቅድሚ ናይ ሃይማኖት ምልክት ምዃኑ፡ ኣብ ዘመነ ብሉይ ብዝተፈላለየ ኅብረ ምሳሌ ተገሊጹ ነይሩ እዩ።

• ነቲ ዓቢይ ናይ እምነት ኣቦ ኣቦና ኣብርሃም፡ ካብ እግዚአብሔር ናይ እምነት ማኅተም ወይ ምልክት ዝኾኖ “ግዝረት” ተዋሂብዎ ነበረ። ‘ግዝረት’፦ ሕዝበ እግዚአብሔር ካብ መምለኽቲ ጣዖት (ኣሕዛብ) ዝፍለይሉ ምልክት ነበረ። ብዛዕባ’ዚ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ መልእኽቱ፥ “ወግዝረትሰ ማዕተበ ጽድቅ ትኩኖ ወሀቦ ኪያሃ ትእምርተ/ (ማኅተም) ማዕተበ ጽድቅ ንኽትኮኖ ኢሉ ንእኣ ምልክት ገይሩ ንግዝረት ሃቦ።” ይብል። (ሮሜ 4፡11)
ኣብ ዘመነ ሓዲስ፡ ግዝረት ናይ ጥምቀተ ክርስትና ምሳሌ እዩ። ናይ ክርስትና መፍለጢ ድማ ኣብ ክሳድ ዝእሰር ማዕተብ እዩ።

• ኣብ ዘመነ ብሉይ፡ ብኵርና ንእግዚአብሔር ዝተመደበ ውህበቶ፣ ናይ ኣቦ በረኸት ካብ ካልእ ውሉድ ንላዕሊ ዕጽፊ ኮይኑ ዝወሃቦ ነበረ።

ካብ ይሁዳ ወዲ ያዕቆብ ማንታ ቈልዑ ዝፀነሰት ትእማር፡ ጊዜ ሕርሳ ምስ በጽሐ፡ ካብቶም ማናቱ እቲ ሓደ ኣቐዲሙ ኢዱ ኣቐልቀለ’ሞ እታ መሕረሲት ‘እዚ ቅድም ዝወፅአ’ዩ፡ በኵሪ እዩ’ ኢላ ቀይሕ ፈትሊ ኣብ ኢዱ ኣሰረትሉ። እንተኾነ እዚ ተቐልቂሉ ዝነበረ’ሞ ፈትሊ ዝተኣስረሉ ከይተወልደ ተመሊሱ ናብ ውሽጢ ምስ ኣተወ፣ ንእኡ ሰንጢቑ ቀዲሙ እቲ ካልእ ማንታ ተወልደ። ስሙ ድማ ‘ፋርስ’ በልዎ። ብድኅር’ዚ እቲ ቀይሕ ፈትሊ ዝተኣስረሉ ተወልደ እሞ ‘ዛራ’ ሰመይዎ። ቀዲሙ ስለዝተቐልቀለን ፈትሊ ስለዝተኣስረሉን በኵሪ ድማ ዛራ ኮነ። (ዘፍ. 38)

ኣብ ዘመን ሓዲስ ብኵርና ናይ ክርስቲያን ምሳሌ እዩ። ‘ዛራ’ ናይ ሕዝበ ክርስቲያን፣ እቲ ቀይሕ ፈትሊ ከኣ ናይ ማዕተብ ምሳሌ እዩ። እታ መሕረሲት ሰበይቲ ምሳሌ ናይቶም ኣጥሚቆም ማዕተብ ዝኣስሩልና ካህናት ክኸውን ከሎ፣ እቲ ንበኵሪ ሰንጢቑ ዝወፀ ቀይሕ ፈትሊ ዘይተኣስረሉ ‘ፋርስ’ ድማ ናይቶም ኣሚኖምን ተጠሚቖምን ክርስቲያን ኮይኖም ከብቅዑ ግና ደኃር መናፍቓንን ከሓድያንን ናይ ዝኾኑ ምሳሌ እዩ።

ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ንጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ወለደቶ፡ ኣብ ዓባይ ዓባይቶ ኣጻብዑ ፈትሊ ከምዝኣሰረትሉ ኣብ ወንጌል ሉቃስ ተጠቒሱ ኣሎ፦ “ወእምዝ እንዘ ሀለዉ ህየ በጽሐ ዕለተ ወሊዶታ ወወለደት ወልደ ዘበኵራ ወአሰረቶ መንኵብያቲሁ/ ኣብኡ ከለዉ ትወልደሉ ጊዜ በጽሐ፡ በኵሪ ወዲ ኸኣ ወለደት፡ ነታ ዓባይ ዓባይቶ ኣጻብዑ ድማ ኣሠረቶ” (ሉቃ. 2፡6)

ነዚ ናይ ዛራ ኣብ ኣጻብዑ ፈትሊ ምእሳርን ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ጊዜ ልደቱ ፈትሊ ምእሳርን ምሳሌ ብምግባር ኵሉ ክርስቲያን ኣብ ክሳዱ ዝኣስሮ ማዕተብ ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ዝጀመረ ቅዱስ ያዕቆብ ዘእልበራድኢ ኣብ ሻድሻይ ሚእቲ ክፍለ ዘመን እዩ።

ቅዱስ ያዕቆብ ዘእልበረዳኢ፡ ኣሰር ቀዳሞት ኣቦታቱ ቅዱስ ኣትናቴዎስን ቅዱስ ቄርሎስን ቅዱስ ዲዮስቆሮስን ስዒቡ ርቱዕ ሃይማኖተ ተዋሕዶ ብጽኑዕ ተጋድሎ ዝመሃረ ኣቦ እዩ።

ኣብ ዘመኑ ካብ ዝነበሩ መራሕቲ ናይ ፖለቲካ ኮኑ ናይ ክልኤ ባህርይ ሃይማኖት እናተሓብአ ክሳብ ናይ ደቀ ኣንስትዮ ክዳን እናተኸድነ ኣብ ሶርያን ግብጽን ንኣርብዓ ዓመታት ዝኣክል እናዞረ ምሂሩ እዩ። ኣብ ጊዜ ስብከቱ ንስጥሮሳውያን ከሓድቲ፡ ኣብ ማእከል ጉባኤ እናኣተዉ የሸግርዎ ስለዝነበሩ፡ እግዚአብሔር ብዝገለጸሉ ጥበብ፡ ነቶም ኦርቶዶክሳውያን ሕዝበ ክርስቲያን ካብ መናፍቃን ንምፍላይ ሠለስተ ፈትሊ ብሓደ ፍሒሱ ጠሚሩ ኣብ ክሳዶም ክኣስረሎም ጀመረ። ያዕቆብ ዘእልበረዳኢ ኣቦነቱ ንዅሎም ደቂ ተዋሕዶ እኳ እንተኾነ ብፍላይ ግና ብሰንኪ መለካውያን ተዳኺማ ንዝነበረት ሶርያ እዩ።

ኣብዚ ምድረ ኣግኣዚ (ኢትዮጵያን ኤርትራን) ክርስትና ዝኣተወ ኣብ ዘመነ ሓዋርያት ዝተረጋገጸ እኳ እንተኾነ ምስተን ካልኦት ጥንታውያን ኣብያተ ክርስቲያናት መዓርግ ዝረኸበ ግና ብቅዱስ ኣባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ኣብ 4ይ ክፍለ ዘመን እዩ። ኣባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ነቶም ኣሚኖም ዘጥመቖም ሕዝበ ክርስቲያን መስቀላዊ ምልክት ይሕንጽጸሎም ነበረ።

ብድኅሪኡ ግና በቲ ብቅዱስ ያዕቆብ ዘእልበረዳኢ ዝተጀመረ ሥርዓት፡ ነቶም ኣሚኖም ዝጥመቑ ማዕተብ ምእሳር ተጀመረ። በዚ መሠረት ክሳዕ ዕለተ ሎሚ ሕፃናት ኮኑ ንኡሰ ክርስቲያን ክጥመቑ ከለዉ ኣብ ክሳዶም ማዕተብ ይእሰረሎም።

ማዕተብ፡ ካብ ሠለስተ ፈትሊ ብሓደ ብምፍሓስ ይዳሎ። ሠለስተ ፈትሊ ምዃኖም ናይ አብ ፡ ወልድ፡ መንፈስ ቅዱስ ምሳሌ ክኸውን ከሎ፡ ብሓደ ምፍሓሶም ከኣ ሓደ እግዚአብሔር ምዃኖም ዘረድእ እዩ።

ብተወሳኺ’ውን ካብ ብዙኅ ዓይነት ክዳሎ ይርአ እዩ። ብመልክዕ ናይ ወርቅን ብሩርን ሰንሰለት፣ ካብ ቈርበት ዝዳሎ ሸቢርን ጸሊም ክርን . . . ካልእን ።

ማዕተብ ካብ መስቀል ተፈልዩ ስለዘይርአ፡ እቲ ማዕተብ ካብ ፈትሊ ይዳሎ ካብ ወርቂ ምስኡ መስቀል እንተወሰኽናሉ ንምሥጢራዊ ትርጕሙ ዝያዳ ዘጕልሕ እዩ።

ጥቕምታት ማዕተብ

• ብማዕተብ ስቅለት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ሥጋና ንገልጽ። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፦ “ወዘልፈ ንፀውር ሞቶ ለክርስቶስ በሥጋነ ከመ ይትዓወቅ ሕይወቱ ለክርስቶስ በላዕለ ዝንቱ ነፍሳትነ መዋቲ/ ሕይወት ክርስቶስ ኣብ መዋቲ ሥጋና ምእንቲ ኽትግሃድ፡ ኵሉ ሳዕ ሞት ኢየሱስ ኣብ ሥጋና ንፀውር ኣሎና” (2ይ ቆሮ4፡10)፣ “አንሰ ሕማሞ ለክርስቶስ እፀውር በሥጋየ/ ኣነስ ናይ ክርስቶስ መከራ መስቀሉ ኣብ ሰብነተይ እፀውር ኣለኹ።” (ገላ 6፡17) ከምዝብል ነቲ ብልብና እንኣምኖ ሃይማኖተ ክርስቶስን ብግብሪ እንፆሮ መከራ መስቀልን፡ ከይኃፈርናን ከይፈራሕናን ኣብ ክሳድና ብዘሎ ማዕተብ ንገልጾ። ዓላዊ ዘይኣማኒ፦ ማዕተብና ተመልኪቱ እንተጸረፈናን እንተኣጋፋዓናን ስለ ክርስቶስ መስቀል ከም እተሸከመና ይቝጸረልና። ከምኡ’ውን ማዕተብኩም ዘይበተኽኩም ኢሉ ክሳዕ ሞት እንተ ኣሳቐየና ዓስቢ ሰማዕትነት ንረክብ። እቶም ኣብ ዝኃለፈ ዓመታት ንቅድስት ቤተ ክርስቲያን ብደሞም ዘወቀብዋ ብኢኣማንያን ተንባላታውያን፡ ብማዕተቦም ተለልዮም 'መስቀላውያን' ተባሂሎም ዝተሰየፉ ኦርቶዶክሳውያን ናይ ቀረባ ጊዜ ተዘክሮ እዮም።  

• ከምቲ ሞትን ትንሣኤን ክርስቶስ ብጥምቀትና እንምስክሮ (ሮሜ 6፡1-5)፣ ነቲ ጥምቀትና ድማ ብማዕተብና ንምስክር። ናይ ኵሉ ሰብነትና ፈጣርን ገዛእን ንዝኾነ እግዚአብሔር ብውሣጣዊ ብልብና ጥራሕ ዘይኮነስ ብኣፍኣዊ’ውን ካብ ኣፍና ብዝወፅእ ቃልን ብብርክና ተደፊእና ብእንሰግዶን፣ ኣብ ክሳድና ብእንኣስሮ ማዕተብን . . . ንእኡ ነምልኾን ስሌኡ ንምስክርን። (ማቴ. 10፡32-33)

• ማዕተብ፦ ካብ ፈተናን ተጻብኦን ሰይጣን የናግፍ እዩ። “ወወሀብኮሙ ትእምርተ ለእለ ይፈርሁከ ከመ ያምሥጡ እምገጸ ቅስት / ካብ ፍላጻ ጸላኢ ምእንቲ ኺድኅኑ ነቶም ዚፈርሁኻ ሰንደቕ ዕላማ ሃብካዮም።” ከምዝብል፡ ብፈቃደ እግዚአብሔር ትእምርቲ መንፈሳዊ ኃይሊ ኮይኑ ዝተዋህበና መስቀል ዘለዎ ማዕተብ እዩ። መዝ. 59(60)፡4።ማዕተብን መስቀልን ዘለዎ ክርስቲያን ኣጋንንቲ ብቀሊሉ ክጻብእዎ ኣይክእሉን እዮም። ኣብ ዝተፈላለዩ ማየ ጸሎት ከምዝርአ፦ርኹስ መንፈስ ዝኃደሮም ሰባት ማዕተቦም ይበትኩን ማዕተብ ከይግበረሎም ይሃድሙን።

• ማዕተብ መፈለጥታ ሃይማኖተ ክርስትናን ጸጋ ጥምቀትን ብምዃኑ ንዝኾነ ሰብ ብማዕተብ ከተለልዮ ትኽእል። ማዕተብ ዝኣሰረ ክርስቲያን ምስ ሕዝበ ክርስቲያን ብዘይጥርጥር ብቀሊሉ ክርስቲያናዊ ሕይወቱ ክፍጽም ኣይሽገርን።
ኣብ መገሻ ብሓደጋ ይኹን ብሕማም ሞት እንተበጽሖ፡ ብማዕተቡ ክርስቲያን ምዃኑ ተለልዩ ሬሳኡ ናብ ቤተ ክርስቲያን ተወሲዱ ጸሎተ ፍትሓት ይግበረሉ፡ ኣብ መካነ መቃብር ድማ ሓመድ ድበ ይፍጸመሉ።

• . . .

እቲ ብክርስቶስ ክርስቲያን ብወልድ ውሉድ ከም ምዃኑ መጠን ኣብ ክሳዱ ማዕተብ ኣሲሩ ከብቅዕ፡ ብክርስቲያናዊ ሕይወት ዘይነብርን ግብሪ መንፈሳውነትን ዘይብሉን ሰብ ማዕተብ ምእሳሩን ክርስቲያናውነቱን ከንቱ እዩ። “መልክዕ ኣምልኾ ዘለዎም ግና ነቲ ኃይሉ ግና ዝኽሕዱ” (1ይ ጢሞ. 3፡5) ክብል ሓዋርያ ጳውሎስ ከምዝገልጾም፣ እቶም ማዕተብ ምስ መስቀል ኣብ ክሳዶም ኣንጠልጢሎም ኣብ ሓሶት፡ ቅትለት፡ዝሙት፡ ስኽራን፡ . . . ብሓፈሻ ኣብ ኃጢኣት ዝነብሩ ሰባት ኣብ ካልኦት ሰባት ሃይማኖተ ክርስቶስ ንከይትሰፍሕን ከይተብርህን ዕንቅፋት ይኾንዋ ከምዘለዉ ምፍላጥ ይግባእ።

ስለዚ “ኵሉ ዕፅ ሠናይ ፍሬ ሠናየ ይፈሪ” / ካብ ጽቡቕ ኦም ጽቡቕ ፍረ ከምዝፈሪ” (ማቴ. 7፡17) ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ድማ ካብቲ ኣብ ክሳድና ዝተተኽለ ኦም ማዕተብ፡ ሠናይ ምግባር፣ ሰላምን ዕርቅን፡ ጽንዓት ሃይማኖትን መንፈሳዊ ኃይልን ክንፈሪ እግዚአብሔር ጸጋ የብዝኃልና!


ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር፡አሜን!

***

No events found.

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ብርሃነ ዓለም፡ ማኅቶተ ቤተ ክርስቲያን፡ ንዋየ ኅሩይ ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ

ሐዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ ዓሌቱ ዕብራዊ ኾይኑ ኣብ ከተማ ጠርሴስ ተወሊዱ። ሮማውያን ነቶም ኣብ ትሕቲኦም ዚመሓደሩ ሕዝቢ፡ ሮማዊ ዜግነት...

ኰኵሐ ቤተ ክርስቲያን ሊቀ ሐዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ

ሊቀ ሓዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ ቅዱሳን ሓዋርያት: ብኸመይ ከም እተጸውዑን ክሳዕ ዕርገት ዝነበርዎ ኵነታትን ኣብ ኣርባዕቱ ወንጌል፡ ድኅሪ ዕርገትን ክሳዕ መጀመርያ ስሳታትን...

ዓምደ ሃይማኖት ወማኅቶተ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ቄርሎስ

ቅዱሳን አበው ሊቃውንት፡ ከም መጠን ስፍሓት ኣእምሮኦምን ጽንዓት ሃይማኖቶምን መንፈስ ቅዱስ ገሊጽሎም መንፈሳውያን ድርሳናት፡ ተግሣፃት፡ መድበላት ዝጸሓፉ፣ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ...

ብመስቀሉ ክዘንመልና እዩ ፈውሰ ምሕረቱ

እስከ ኽንዛረብ ምእንትዚ ተላቢዑ ዘሎ ኮሮና ሕማምእግዚአብሔር ንሰብ ክፈጥሮ ከሎ ብተድላ ብደስታ ክነብር እምበር ኣይነበረን ክሳቐ ብሕማምምናልባት ነዚ ሰብ ዘጽሕን...

ቅዱስ ሓዋርያ ታዴዎስ፦ “ነዚ እዩ ጐይታ ሃብታም መንግሥተ ሰማያት ካብ…

ታዴዎስ ማለት ዘርእን ማእረርን፡ ካህነ ኣምላኽ ማለት እዩ። ቍጽሩ ምስ ዓሰርተው ክልተ ሓዋርያት ኮይኑ ሃገረ ስብከቱ ሶርያ እዩ። ሊቀ ሓዋርያት...

አሥርቆት ዘወርኀ ሐምሌ

ዮም ሠረቀ ለነ ወርኀ ቡሩክ ሐምሌ ያብጽሐነ እስከ ወርኀ ነሐሴ በሰላመ እግዚአብሔር! ወርኀ ሐምሌ ቡሩክ መዓልቱ ፲ወ፬ቱ ሰዓት ወሌሊቱኒ ፲ቱ...

ገዳም ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ ቴድረር

ገዳም ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ ቴድረር ኣብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ደቀምሓረ፡ ካብ ከተማ ደቀምሓረ ንደቡብ 25 ኪሎ ሜትር ኣብ ከባቢ...

“ብኃጢኣት ሕዝበይ እየ ኣብ ኢድኩም ኣውዲቐያ!”

ገቢረ ተአምራት ወላዲተ ኣምላክ ድንግል ማርያም፡ ተነጊሩ ዘይጽገብ ተጻሒፉ ዘይፍጸም እዩ። ካብ ፅንሰታ ዝጀመረ ገቢረ ተአምራት ክሳዕ ምጽኣተ ክርስቶስ በቲ...

"ወያስተዴሉ ክረምተ ለምድር/ ንምድሪ ዝናም የዝንመላ” “መዝ. ፻፵፮፥፰/147፡8

ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና፡ ንዓመት ኣብ ኣርባዕተ ወቕትታት ማለት ዘመነ መፀው፡ ዘመነ ሓጋይ፡ ዘመነ ፀደይ ከምኡ ውን ዘመነ ክረምት ብምባል ትኸፍሎ። 

እንቋዕ ናብ ዘመነ ክረምት ብሰላም ኣብጽሓና!

ዘመነ ክረምት  ካብ 26 ሰኔ ክሳዕ 25 መስከረም ዘሎ ወቅቲ ጊዜ ክረምቲ እዩ። ሰማይ ብደመና ተሸፊኑ፡ ዝናም ብመብረቕን ድምፂ ነጐድጓድን ተዓጂቡ ንምድሪ...

“ብፁዕ ዘይሌቡ ላዕለ ነዳይ ወምስኪን/ ንድኻ ዝሓልየሉ ሰብ ብፁዕ እዩ”(መዝ…

ንሕይወተ ሥጋ ኣድለይቲ ዝኾኑ ነገራት ማይ፡ እንጌራ፡ ክዳን፡ መኅደሪ ቤት እዮም። (ሢራ. 29፡21) ብቐዳምነት ነዚኦም ዘይረኸቡን ዘይብሎምን ሰባት “ጽጉማት” ይበሃሉ። ብተወሳኺ’ውን...

ገዳም ደብረ ሲና

ገዳም ደብረ ሲና፡ ኣብ ዞባ ዓንሰባ ንኡስ ዞባ ዒላበርዕድ ከባቢ መንሳዕ፡ ካብ ዒላበርዕድ ንሸነኽ ምሥራቕ ብእግሪ ናይ ክልተ ሰዓትን ፈረቓን...

  

latest articles

The Apostle Saint Paul

Saint Paul was a Jew, of the tribe of Benjamin, a Pharisee, the son of a Pharisee; and his kinsfolk...

The Apostle st. Peter

Peter was from Bethsaida, and he was a fisherman.  Our Lord chose him on the second day following that whereon...

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...

The feast Of Pentecost

IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY SPIRIT, ONE GOD. On this day the Holy...

Ascension

After the Lord Jesus Christ had finished the operation of His wisdom upon earth, by His Passion, and His Death...

Tsinset (Annunciation – Feast of Incarnation)

In accordance with the cannon of the Church, one of the nine major feast days of Our Lord. it Tsinset (Annunciation...

The feast of presenting the lord Christ in the temple…

On this day we celebrate the feast of presenting the lord Christ to the temple after 40 days of his...

The Fast of Nineveh - Monday 10 – 12 February…

In Eritrean Orthodox Tewahdo Church, one of the seven fasting periods is the fast of Nineveh.

Mystery of Baptism

Baptism is the sacrament given to all who believe in the Mystery of the Trinity and the Mystery of Incarnation...

Mystery of Incarnation

Mystery of Incarnation means the mystery of the descending of God the Son who is one of the Trinity from...

Mystery of the Holy Trinity

The Eritrean Orthodox tewahdo Church has Five pillars of Mysteries through which it teaches and demonstrates its basic religious belief...