“ዕቀብ እገሪከ ሶበ ተሐውር ኀበ እግዚአብሔር/ ናብ ቤተ እግዚአብሔር ክትከይድ ከሎኻ እግርኻ ሓሉ” (መክ. 5፡1) ይብል። እዚ ማለት ድማ ናብ ቤተ መቅደስ ንምኻድ፡ እግረ ሥጋናን እግረ ሕሊናን ሓሊና፣ ውሽጣውን ግዳማውን ምድላዋት ኪንገብር ከምዝግብኣና ዝሕብር እዩ።
• ውሣጣዊ ምድላዋት
ውሽጣዊ ምድላዋት ማለት ሕሊናዊ ወይ ኣእምሮኣዊ ምድላዋት እዩ። ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ንምቕራብ ንኸይድ ከምዘለና ፈሊጥና፡ ልቦናና መርሚርና፣ ካብ ቂምን በቐልን፡ ክፍኣትን ተንኮልን ነጺሕና ክንቀርብ ኣለና።
እግዚአብሔር ንእስራኤላውያን ኣብ ቅድሚ ድንኳኑ ንምስጋድ ምስ በደሎምን ኃጢኣቶምን ምእንቲ ከይቀርቡ “ዕልቦ ልብኹም ግዘሩ” (ዘዳ. 10፡16) ማለት ስቡር ልቢን ንጽሕናን ኂዞም ክቐርቡ ብሊቀ ነቢያት ሙሴ ኣጠንቀቖም።
“እግዚአብሔር ድማ ናብ ኣቤልን ናብ መሥዋዕቱን ባህ ኢልዎ ጠመተ” (ዘፍ. 4፡4) ከም ዝብል፡ ቅድሚ መባእናን ልዕሊ መብፅዓናን ንልብና እዩ ዚርኢ። እግዚአብሔር ቅድሚ መሥዋዕቱ ንልቢ ኣቤል እዩ መርሚሩ።
• ኣፍአዊ (ደጋዊ) ምድላው
ሀ. ሥጋዊ ንጽሕናን ጽርየትን የድሊ። ወዲ ተባዕታይ ሕልመ ሌሊት ምፍሳስ ዘርኢ (ዘሌ. 15፡2-18)፡ ጓል ኣንስተይቲ ድማ ወርኃዊ ጽግያታ፣ ክሳብ ዝነጽሑ ናብ ቤተ መቅደስ ኣይኣቱን እዩ። እዚ ማለት ግና ብዓይኒ ጽርየት ሰብነት ዝረአ ደኣ እምበር ምስ ርኽሰትን መርገምን ዘተኣሳስር የብሉን። (ፍትሐ ነገሥት መንፈሳዊ አንቀጽ 14፡563)
ለ. ቤተ መቅደስ ገንሸል ሓድሽ ኪዳን ኢየሱስ ክርስቶስ ዚሥውዓሉ ንጹሕ ቤት መርዓ ስለዝኾነ ምሉእን ጽሩይን ክዳን (ዘፍ. 35፡2፣ ዘፀ. 19፡10-11) ከምኡ’ውን ኣምሳል ሰማያዊ ክብሪን መላእክትን (ራእ. 6፡9-10 7፡9፣ ማቴ. 17፡2፣ ዮሐ. 20፡11-12) ዝኾነ ፃዕዳ ነጸላ ንጸጋምን ንየማንን ኣመሳቂልና ክንክደን ይግባእ። ደቂ ኣንስትዮ’ውን ርእሰን ክጕልበባ ይግባእ። (1ይ ቆሮ. 11፡5-14)
ከምቲ “ኢትቁም ዕራቀከ ቅድመ እግዚአብሔር፡/ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ዕራቕካ (ጥራይ ኢድካ) ኣይትቕረብ፡” ዝብል ናብ ቤተ መቅደስ ከም ዓቕምና መባእ ኂዝና ክንከይድ ይግባእ። ነዚ ዚሠርዖ ባዕሉ እግዚአብሔር እዩ። “እግዚአብሔር ድማ ንሙሴ ከም’ዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ንደቂ እስራኤል መባእ ክህቡኒ ተዛረቦም . . .” (ዘፀ. 25፡1-7) ይብል። ኣብ ሓዲስ ኪዳን ድማ ናብ ቤተ እግዚአብሔር መባእ ኂዝካ ምኻድ ከም ዚግባእ፡ “እምበኣርከ መባእካ ናብ መሠውዒ እንተ ኣምጻእካ፡ ኃውኻ ኃዚኑልካ ምህላዉ ኸኣ ኣብኡ እንተ ሓሰብካ፡ ነቲ መባእካ ኣብኡ ኣብ ቅድሚ መሠውዒ ኅደጎ፡ ኪድ ቅድም ምስቲ ኃውኻ ተዓረቕ፡ ደኃር ድማ ተመሊስካ መባእካ ኣቕርብ” (ማቴ. 5፡23-24) ኪብል ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምሂሩና እዩ።
ኣብ ቤተ ክርስቲያን ክንኣቱ ከለና ድማ ብትእምርተ መስቀል ኣካላትና ነማዕትብ፣ ማዕፆን ቀጽርን ቤተ ክርስቲያን ንሳለም። (መዝ. 29፡2፣ 96፡9) ኣሣእንና’ውን ካብ ኣእጋርና ነውፅእ። (ዘፀ. 3፡5-7፣ ግብ. 7፡33፣ ፍትሐ ነገሥት አንቀጽ 12)። ብትሕትና ሰጊድና ድማ ናብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያኑ ንኣቱ።
ናብ ሰማያዊት ቤቱ ክንኣቱ ብጸጋኡ ይደግፈና!!!
ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር፡ አሜን!