ጾም፦ “ኣደ ጸሎት፡ ምንጪ ንብዓት፡ መሠረተ ጽድቅ”

Mar 04, 2016

ጾም፡ ካብ ‘ጸወመ፡ ጾመ’ ዝብል ግእዛዊ ቃል ዝወፅአ ኾይኑ ተኸልከለ፡ ተዓቀበ፡ ተቘጠበ ማለት እዩ። ብሕጊ ኣብ ዝተሠርዐ ንዝተወሰነ ጊዜ ካብ ዝብላዕን ዝስተን ምኽልካል፡ ከምኡ’ውን ኣብቲ ሕጉግ ጊዜ ጾም ካብ ጥልላት መባልዕን መስተን ማለት ሥጋ፡ ጸባ፡ እንቛቑሖ፡ ጠስሚ . . . ብተወሳኺ ካብ ዘስክር መስተ ምቑጣብ እዩ።
መምርሒ ቤተ ክርስቲያን ዝኾነ መጽሓፍ ፍትሓ ነገሥት’ውን “ጾምሰ ተከልኦተ ብእሲ እመብልዕ በጊዜ ዕዉቅ፣ በውስተ ሕግ/ ጾምሲ ብሕጊ ኣብ ዝተፈልጠ እዋን፡ናይ ሰብ ካብ መግቢ ምኽልካል እዩ” ይብል። ፍትሕ መንፈሳዊ አን. 15፣ ዲድ. አን. 29፣ ዳን. 10፡2-3

ጾም ማለት ንሰብነትና ካብቲ ኵሉ ዝጸበቐን ዝጠዓመን ብምሕሳም ንሕገጋትን ፈቃዳትን እግዚአብሔር ተገዛኢ ምግባር ከምኡ’ውን ኃይልን ፍትወትን ሥጋኻ ብምድኻም፤ ፍቓድ ሥጋኻ ንፍቓድ ነፍስኻ ከም እትግዛእ ምግባር እዩ። (ፍት. መን አንቀጽ 15፤ ማቴ. 6፥16) 

ጾም ዓይንኻ ክፉእ ካብ ምርኣይ፣ እዝንኻ ክፉእ ካብ ምስማዕ፣ ልሳንካ ክፉእ ካብ ምዝራብ፣ እግርኻ ናብ ክፉእ ካብ ምኻድ፣ . . . ብሓፈሻ ሕዋሳት ሰብነትካ ካብ ክፉእን ኃጢኣትን ዘበለ ከልኪልካ፣ ካብ ካልእ ጊዜ ብዝተፈልየን ብዝያዳን ናብ እግዚአብሔር ምልማን፤ ምስኡ ዘራኽበካ ሠናይ ግብርን ትሩፋትን ምፍጻም እዩ። ሰማያዊ ርስቲ ክትረክብ ድማ “እግዚኦ ተዘከረነ በውስተ መንግሥተከ” እናበልካ ብዛዕባ ዘይትኃልፍ መንግሥቱ እትምኅጸነሉ ጊዜ እዩ። (ኢሳ 58፥7-14፤ መዝ. 34:11-17፣ መጽ. ድጓ) 

ክንጸውም ዝኣዘዘ ባዕሉ እግዚአብሔር እዩ። እግዚአብሔር ጥቕሚ ዘይብሉ ስለዘይእዝዝ ድማ ጾም ዓቢይን ብዙኅን ጥቕሚ ኣለዎ። ጥቕሚ ጾም ዝፈልጡን ኣብ ሕይወቶም ዘስተማቐሩን ቅዱሳን ኣበው ንጾም “ኣደ ጸሎት፡ ምንጪ ንብዓት፡ መሠረተ ጽድቅ” ኢሎም ይገልጽዋ።

ሀ. ብጾም ዝደለናዮ ዘበለ ካብ እግዚአብሔር ንቕበል። ኣቦና ሙሴ 40 መዓልትን ለይትን ምስ ጾመ፡ ሕዝቢ እስራኤል ዝምርሑላ ዓሠርተ ትእዛዛት ዝተጻሕፋ ጽላተ ኪዳን ተቐበለ። (ዘፀ. 34፡28)

ለ. ዝተፈላለየ መዓት ከም ጥሜት፡ ስእነት ማይ፡ ሕማም፡ ኵናት . . . እንተ ኣጋጠመና፡ ብጾም ንድኅን። (ዮና. 3፡7-10, ኢዮ. 2፡12-18፣ ኣስ. 4፡16-17)

ሐ. ጾም ንርኹሳት መናፍስቲ የርሕቕ እዩ። (ማቴ. 17፡21, ማር. 9፡27)

መ. መንፈስ ቅዱስ ጸጋኡ የብዝኃልና፡ ፍቓዱ ኸኣ የፈጽመና። (ግብ. 13፡2-3፣ 14፡23)

ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ’ውን መንግሥተ ሰማይ ጊዜያት ከይፈለኻ፡ ኣጽዋማት ከይሓለኻ ከም እንስሳ ብዘይ ሥርዓት እናበላዕካ ትውረስ ከምዘይኮነት ከጠንቅቕና ኸሎ፡ “መንግሥቲ ኣምላኽሲ ብመንፈስ ቅዱስ ጽድቅን ሰላምን ሓጐስን እያ እምበር፡ ብብልዕን መስተን ኣይኮነትን” ይብል። (ሮሜ 14፡17) ከምኡ’ውን “ብልዒ ግና ኣብ ኣምላኽ ኣየብጽሕን እዩ” ብምባል የጽንዖ (1ይ ቆሮ. 8፡8)። ቀጺሉ’ውን “እንተ በላዕና ኣይንውስኽን እንተ ዘይበላዕና ኣይንንክን ኢና” እናበለ ንብልዒ ከይንስስዕ ይመኽረና። (1ይ ቆሮ. 8፡8)

ብመሠረት ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያንና፦ ጾም ክልተ ዓይነት ኮይኑ ፦

1. ብትእዛዝ ቤተ ክርስቲያን ዝጽወም (ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት)

2. ብገዛእ ርእስኻ ብንስሓ ወይ ብብሕቲ ዝጽወም እዩ። (ቃለ ዐዋዲ አንቀጽ 18፣ 21)

ብትእዛዝ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዓመት ዝጽወሙ ሾብዓተ ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ኣለዉ። እዚኣቶም ድማ፦

1.1. ጾመ ነቢያት ፦ ቅዱሳን ነቢያት ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምምጻእን ምውላድን ዝጾምዎ ጾም ኮይኑ፡ ቅድሚ በዓለ ልደት ካብ 15 ኅዳር ክሳዕ 28 ታኅሣሥ ይጽወም።

1.2. ጾመ ድኅነት (ዓርበ - ረቡዕ) ፦ ኣይሁድ ንጐይታ ንኺሰቕሉ ምኽሮም ዘሥመርሉ ዕለት ረቡዕ እዩ፣ ጐይታ ዝተሰቕለሉ ዕለት ድማ ዓርቢ እዩ።

1.3. ጾመ ገሃድ ፡- በዓልና ብፍጹም ሓጐስ ንክኸብር ድሮ ልደትን ጥምቀትን ዝጽወም እዩ።

1.4. ጾመ ነነዌ ፦ ሰብአ ነነዌ ጸይሞም ካብ መዓት ዝደኃንሉ ጾም ስለዝኾነ በዚ ምኽንያት እዚ ንሠለስተ መዓልቲ ይጽወም።

1.5. ዓቢይ ጾም ፦ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንኣና ኣርኣያ ንምዃን ዝጾሞ እዩ።

1.6. ጾመ ሓዋርያት ፦ ቅዱሳን ሓዋርያት ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ምስ ተቐበሉ ወንጌለ መንግሥት ድኅነተ ዓለም ናብ ኵሉ ዓለም ንምብጻሕ ዝጾምዎ እዩ።

1.7. ጾመ ፍልሰታ፦ ቅዱሳን ሓዋርያት ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ትንሣኤን ዕርገትን ንኸርእዮም ዝጾምዎ ኮይኑ ካብ 1 ነሓሴ ክሳዕ 15 ነሓሴ ይጽወም።

                                       ስብሐት ለእግዚአብሔር!

ዘመነ ዮሐንስ 11 ጥር 2012 ዓ.ም.

January
Monday
20
ዝክር፦ ተጠምቀ እግዚእነ፡ ወአስተርእዮተ መላእክት፡ ወእንጠልዮስ፡ ወዮስጦስ፡ ወጕድብ፡ ወአባ ዮሐንስ፡ ወሪቅረስ። ዘቅዳሴ ምንባብ፦ ቲቶ 3፡1-7። 1ይ ዮሐ. 5፡5-12። ግብ. ሐዋ. 10፡34-38። ምስባክ፦ መዝ. 41/42 ዓዲ መዝ. 113/114 ወንጌል፦ ዮሐ. 1፡29-34። ቅዳሴ፦ ቅዳሴ ዘዲዮስቆሮስ። * * *
00:00 h
Ad Right

  

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

“ ወያሠጥሞን ውስተ ቀላየ ባሕር ለአበሳነ /ንኣበሳና ናብ ማዕሙቝ ቀላይ…

ካብ ሠለስተ ኣካል ሓደ ኣካል፡ እግዚአብሔር ወልድ ካብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ሥጋኣ ሥጋ ካብ ነፍሳ ነፍስ ወሲዱ ብተዋሕዶ...

“ልሕቀ በበሕቅ / በብንእሽቶ ዓበየ”

ባዕሉ እግዚአብሔር ዝሃቦ ተስፋን፡ ነቢያት ዝተነበይዎ ትንቢትን ንምፍጻም፡ ኣካላዊ ቃል እግዚአብሔር ወልድ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ፍጹም ሰብ ኮይኑ ኣብ ቤተ ልሔም...

መበል 50 ዓመት ወርቃዊ ኢዮቤልዩ ምምሥራት ደብረ ብርሃን ቅድስት ሥላሴ…

7 ጥር 2012 ዓ.ም.ግ (16 ጥሪ 2020 ፈ.) ክብረ በዓል ቅድስት ሥላሴ ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያን ክኸብር ከሎ ብፍሉይ ግን...

ሓበሬታ ብዛዕባ ንግደት ኢየሩሳሌም 2020 ዓ.ም. (2020 ፈ.)

 ቤት ጽሕፈት ነጋድያን ኢየሩሳሌም ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ብዛዕባ ንግደት ኢየሩሳሌም ኣብ በዓለ ፋሲካ 2012 ዓ.ም.ግ. (2020 ዓ.ም.) ዝምልከት...

ጋሻ ንምቕባል ንቀዳደም! - ሥላሴ ኣብ ቤት አብርሃም

ጋሻ ምቕባል፡ ብዙኅ በረኸትን ጸጋን ዘውህብ እዩ። 7 ሓምሌ ኣቦና ኣብርሃም ጋሻ ብምቕባሉ፡ ኣጋእዝተ ዓለም ቅድስት ሥላሴ ኣብ ቤቱ ዝተኣንገዱሉን፡...

ግዝረት ኣብ ክርስትና፧?!

ግዝረት፡ ማለት ሕፃን ዕልቦኡ ዝኽንሸበሉ ኵነት እዩ። ዕልቦ ፆታዊ ኽፍሊ ኣካል ናይ ሕፃን ብምቕራጽ ዝፍጸም እዩ።

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ተገዚሩ ድዩ፧

ሓደ ካብተን ትሽዓተ ንኡሳን በዓላት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ በዓለ ግዝረት’ዩ። ሠራዔ ሕግ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዘይካ በይና ኃጢኣት ፡ ሕጊ...

ክብረ በዓል ገዳም ደብረ ወርቅ ኣቡነ ሊባኖስ ብዓቢይ ኽብሪ ተባዒሉ!

“ደቂቅየ ወደቂቅክሙ ኢይትጓነዩ በበዓልየ ወበዓልክሙ/ ኣብ በዓለይን በዓልኩምን ደቀይን ደቅኹምን ኣይፈላለዩ” ጻድቅ ኣቡነ ሊባኖስ ኣብ መፋርቅ 4ይ ክፍለ ዘመን ካብ ቁስጥንጥንያ...

ኣብ ሃገረ ስብከት ደቡብ መንደፈራ ጉባኤ ተቓኒዑ!

ብዕለት 26 ታኅሣሥ 2012 ዓ.ም. (05/01/20 ፈ.) ብብፁዕ አቡነ ሉቃስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ዝተመርሐ፡ ናይቲ ሃገረ ስብከት ኃለፍቲ ክፍልታትን...

  ብጐይታ ዝተፈትወ ሓዋርያ - ቅዱስ ዮሓንስ

ቅዱስ ዮሓንስ ብዙኅ ኣስማት መጸውዒ ዘለዎ ሐዋርያ እዩ።1. ፍቁረ እግዚእ (ጐይታ ዝፈትዎ)፦ ብሕይወቱን ናብራኡን ንጐይታ ኪመስል ይጽዕር ስለዝነበረ ጐይታ ይፈትዎ ነበረ።...

አሥርቆት ዘወርኀ ጥር

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ! ዮም ሠረቀ ለነ ወርኀ ጥር ቡሩክ ያብጽሐነ እስከ ወርኀ የካቲት በሰላመ እግዚአብሔር! ወርኀ ጥር...

ገዳም ደብረ ወርቅ አቡነ ሊባኖስ

ገዳም ደብረ ወርቅ ኣብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ ብሸነኽ ደቡብ ካብ ሰርሓ ብእግሪ ናይ ኣርባዕተ ሰዓትን ፈረቓን መንገዲ፡ ወይ...

  

latest articles

Mystery of Baptism

Baptism is the sacrament given to all who believe in the Mystery of the Trinity and the Mystery of Incarnation...

Mystery of Incarnation

Mystery of Incarnation means the mystery of the descending of God the Son who is one of the Trinity from...

Mystery of the Holy Trinity

The Eritrean Orthodox tewahdo Church has Five pillars of Mysteries through which it teaches and demonstrates its basic religious belief...

Welcome to the Feast of the Nativity of Our Lord…

Glory to God. When the appointed time of salvation and the foretold prophesies came to pass, God the Son come to...

In Memory of His Holiness Abune Yacob the Second Patriarch…

His Holiness Abune Yacob, the Second Patriarch was one of the reputable leaders of the EriOTC, a shining star of...

Fast of the Prophets (Advent)

15th November (geez calander), marks the first day of the Advent Fast, a period of abstinence and penance practiced by...

FASTING

Fasting is abstinence from all things that a body needs, and one has to fast from animal products and from...

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church (EriOTC)

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God. “We call our...

Holy of Holies Our Lady, the virgin Mary

The word holy (kidus) in Geez denotes being special, pure and esteemed. This prefix is an attribute to denote the...

HOLY SCRIPTURES (part one)

All Scriptures are written with the inspiration of the Spirit of God or the breath of God. They are also...

EXISTENCE OF GOD

The name God signifies the Divine Being, meaning He who created the world and governs it. There is one invisible...