Print this page

ሥዕለ አድኅኖ

Sep 22, 2018

 ንሊቀ ነቢያት ሙሴ ኣብ ደብተራ ኦሪት ሥዕለ ኪሩቤል ኪገብር ዚኣዘዞ ባዕሉ እግዚአብሔር እዩ። (ዘፍ. 25፥19)። ኣብ ሰማያት መንበረ እግዚአብሔር ዚፆሩ ኪሩቤል፡ ኣብቲ እግዚአብሔር ብጸጋ ዝኃድረሉ ደብተራ ኦሪት ክሥኣሉ ፍቓዱ ኮነ።

ኣብታ ንመጀመርታ ጊዜ ብኢድ ሰሎሞን ዝተሓንፀት ቤት መቅደስ’ውን ሥዕለ ኪሩቤልን ዕንባባታትን ከም ዚነበረ ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ተጻሒፉ ንረኽቦ። (1ይ ነገ. 7 ፣ ውዳሴ ማርያም ዘሰንበት መቅደስ)

ናይ ሎሚ ቤተ ክርስቲያንና ድማ ፈለግ ቀዳሞት አበውን ነቢያትን ተኸቲላ ኣብ ስብከት ሐዋርያት ተሠሪታ ትኸይድ ብምህላዋ፡ ነዚ ትምህርቲ እዚ ኂዛ ትርከብ ኣላ። ከም’ቲ ሰማያዊት መንግሥተ እግዚአብሔር ብቅዱሳን መሊኣ ዘላ፡ እዛ ምድራዊት ቤተ መንግሥቲ እግዚአብሔር ዝኾነት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ድማ ንልቢ ምእመናን ናብ ኣምልኮተ እግዚአብሔር ናብ ኅብረት ቅዱሳን ከማዕድዉ ንምምሃር፣ ብቅዱሳት ሥዕላት መሊኣ ትርከብ።

ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና፡ ሥዕለ ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ፍቁር ወዳ ኣብ ጥቓ ታቦት ይቕመጥ’ዩ። እዚ ድማ ከም’ቲ ኪሩቤል ኣብ ሰማይ ዚፆርዎ፣ እግዝእትነ ማርያም’ውን ትሽዓተ ወርኅን ኃሙሽተ መዓልትን ኣብ ማኅፀና ስለዝተሰከመቶ፣ በዚ ምሳሌ ኾይኑ ኣሎ።

ቅዱሳት ሥዕላት ሥርዓተ ኣምልኾ ንምፍጻምን ንትምህርትን ስለዘገልግሉ፣ ኣብ ትምህርተ ሃይማኖትን ሥርዐተ ቤተ ክርስቲያንን ተመርኲሶም ዝተሣዕሉ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሓቀኛ እምነትን መንነትን ዝገልጹ መንፈሳውያን እዮም።  

ከም’ቲ ቅዱስ እግዚአብሔር ንሊቀ ነቢያት ሙሴ ኣብ ደብተራ ኦሪት ከቐምጦ ዝኣዘዞ፡ ሎሚ’ውን ዝሥኣልሉን ተሣኢሎም ዝቕመጥሉን ዝስቀልሉን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ካልእ ክቡርን ብቑዕን ቦታ’ውን እዩ። 

ቅዱሳት ኣሣዕል፡ ገባርያነ ተአምራት ብምዃኖም ካብ መከራ ዘናግፉ፡ ሕሙማን ዝፍውሱ . . . እዮም። ኣብነት ናይዚ ድማ ሥዕለ ኣድኅኖ (ሥዕለ ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ፍቁር ወዳ) ኣብ ጼደንያ ቤተ ማርታ ዝተገብረ እዩ። እቲ ሥዕሊ ሥጋ ለበስ ዝመስልን ካብኡ ወዝ ዘይቲ ይወፅእን ነበረ። ካብዚ ዘይቲ እዚ ዝተቕብኡ ድማ ካብ ሕማሞም ይሓውዩ ነበሩ። (መጽሓፈ ስንክሳርን 10 መስከረም)  

ስለዚ፡ ካብ ደብተራ ኦሪት ክሳዕ ሕጂ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን፣ ናይ ቅዱሳት ሥዕላት ዓቐኖምን መልክዖምን ምልክታቶን ሕብሮምን መንፈሳውን ሃይማኖታውን መልእኽቲ ዘለዎም ብምዃኖም ፍሉይ ክብሮምን ጥበቦምን ሓልዮም ይርከቡ ኣለዉ፣ ክሳዕ ምጽኣት’ውን ክርከቡ እዮም። 

 

ስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል፣

ወለወላዲቱ ማርያም ድንግል፣

ወለመስቀሉ ክቡር ወኃያል፡ አሜን።