ኦርቶዶክሳዊ መርዓ

Jan 21, 2017

እቲ ናይ መጀመርታ ሰብ ኣዳም ምስ ተፈጥረ ንበይኑ ይነብር ነበረ። መፍቀሬ ሰብ እግዚአብሔር ድማ ጸገም ሰብ ፈሊጡ፡ “ሰብኣይ በይኑ ኺነብር ጽብቕ ኣይኮነን። ንእኡ እትሰማማዕ ደጋፊት ክገብረሉ እየ” ብምባል ካብኡ ዘይትፍለ ሓቢራቶ እትነብር ካብ ጎድኑ ንሔዋን ፈጠረሉ። ኣዳም’ውን “እዚኣ ዓጽሚ ኻብ ኣዕጽምተይ፡ ሥጋ ኸኣ ካብ ሥጋይ እያ ካብ ሰብኣይ ተወሲዳ እያ እሞ ሰበይቲ ትብሃል” ብምባል ተቐቢልዋ ከም ነፍሱ ይፈትዋ የኽብራ ነበረ። ኣብ ጊዜ ሓጐሱ ኣብ ገነት ከመኡ ኸኣ ኣብ ጊዜ ሽግሩ ኣብ ምድረ ፋይድ ምስ ሓንቲ ሔዋን ከይተፈላለየ ጸኒዑ ተረኽበ። ሔዋን’ውን ምስ ኣዳም ጸኒዓ ተረኽበት።

እግዚአብሔር ኵሉ ዝኽእል እኳ እንተኾነ ንሓደ ኣዳም ሓንቲ ሔዋን ንሓንቲ ሔዋን ውን ሓደ ኣዳም እዩ ፈጢሩ። (ዘፍ. 2፡20-25)። ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ነዚ ሕጊ እዚ ደጊሙ ኸጽንዖ ኸሎ፦ “እቲ ኻብ መጀመርታ ዝፈጠረ ሰብኣይን ሰበይትን ገይሩ ፈጠሮም። ስለዚ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣደኡን ኃዲጉ ምስ ሰበይቱ ይዋሓድ፡ ክልቲኦም ድማ ሓደ ኣካል ይኾኑ።

ደጊም ሓደ ኣካል እዮም እምበር ክልተ ኣይኮኑን። እምበኣር ነዚ ኣምላኽ ሓደ ዝገበሮ ሰብ ኣይፍለዮ።” ይብል። ስለዚ ሓደ ምስ ሓንቲ ምጽማድ (መርዓ) ፍቓድ እቲ ዝፈጠረና እግዚአብሔር ኣምላኽ እዩ። “ብዝኁን ተፋረዩን ንምድሪ ድማ ምልእዋን” ዝብል ትእዛዝን ኸኣ ኻብኡ ዝተዋህበ ሕጊ እዩ። (ዘፍ. 1፡28) ስለዚ መርዓ ኣብ ትሕቲ ጽላል ኣምላኽ ብቅዱስ ተኽሊል ኪፍጸም ኣለዎ። ምኽንያቱ ተኽሊል ሓደ ካብ ምሥጢራተ ቤተ ክርስቲያን ኮይኑ ብዝርአ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ዘይርአ ጸጋን በረከትን ዘውህብ፡ ክልተኦም ተጻመድቲ ብሓድነት ኣብ ሃይማኖትን ፍቅርን ሓዳርን ከም ዝጸንሑ ዝገብር ምሥጢር እዩ። መጀመርታ እግዚአብሔር ንሰብኣይን ንሰበይትን ዝፈጠረ ሓደ ኮይኖም እናተረዳድኡ፡ እናተሓጋገዙ ናይ ኵሉ ገዛእትን ኣዘዝትን ኮይኖም ኪበዝኁን ኪፈርዩን ንምድሪ ውን ኪመልእዋን እዩ። (ዘፍ. 1፡27-28)። ቤተ ክርስቲያና ውን ጸሎተ ተኽሊል ኣብ እትፍጽመሉ ጊዜ ነዚ ዝዓለመ ኾይኑ እቲ ኽልተነት ጠፊኡ ብሓድነት፡ ምፍልላይ ጠፊኡ ፍጹም ፍቕሪ ኪምሥረትንን ናይ ሰብኣይን ሰበይትን ምክብባርን ምጽውዋርን ምርድዳእን ኪህልዎም እዩ።

መርዓ ቕዱስ ምዃኑ ኪምህረና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብዚ ዓለም እዚ እቲ ቐዳማይ ተኣምራቱ ኣብ ቤት መርዓ ተረኺቡ እዩ ፈጺምዎ (ዮሓ. 2፡1-14)። “ነቲ ምትእትታውስ ጽቡቕ ኣይኮነን” ዝብል ዘረባ ሓዋርያት’ውን ጐይታ ከምዚ ኢሉ እዩ መሊስዎ። “እዚ ነገር እዚ ነቶም ዝተዋህቦም እንተ ዘይኮይኑ ዅሉ ዝኽእሎ ኣይኮነን። ካብ ከርሢ ኣደኦም ስሉባት ኮይኖም ዝተወልዱ ኣለዉ፡ ሰባት ዝሰለብዎም ስሉባት’ውን ኣለዉ፡ ምእንቲ መንግሥተ ሰማያት ኢሎም ዝተሰልቡ ስሉባት እውን ኣለዉ፡ ነዚ ትምህርቲ እዚ ኪቕበሎ ዝደሊ ይቀበሎ።” (ማቴ. 19፡10-17) ብምባል ኣብ ዓለም ካብዚ ዝተባህለ ትምህርቲ ወፃኢ ምንባር ከምዘይከኣልን ካብ ዓቕምካ ወፃኢ ምንባር ጌጋ ምዃኑን ኣርዲኡና እዩ።

በዚ መሠረት ኣብዚ ወርኀ ጥሪ’ዚ ብጸሎተ ተኽሊልንን ብሥጋሁ ወደሙ መርዓኦም ኪፍጽሙ ይርኣዩ። እዚ ዓይነት ሓሳብ ብዝተቐደሰ መርዓን ሕይወትን ንምንባር ዝዓለመ ስለዝኾነ ኣዝዩ ዘሐጕስ እዩ። ይኹን እምበር እቲ መርዓ ዝፍጸም ዘሎ ብመጽናዕቲ ናይ ዕድመ ልክዕ ናብራ ንምምሥራት ተሓሲቡሉ ድዩ፧ ዋላስ ብሃንደበት ‘ፈትየኪ ፈትየካ’ ብዝብል እዩ፡ ብዘይ ዓሚቝ መጽናዕትን ርድኢትን ዝምሥረት መርዓ ጾር ሓድሕድ ዝጠፍኦ ቐጻልነት ዘይብሉ እዩ። ሰብኣይ ንሰበይቲ ኸይፈለጣ፡ ሰበይቲ ኸኣ ንሰብኣይ ስለዝምርዓዉ ቐሊል ጉዳይ የባእሶም፡ ንእሽቶ ነገር የጨንቖም እሞ ጉዳዮም ናብ ቤት ፍርዲ ይኃልፍ። ሎሚ ኣብያተ ፍርዲ ተጻቢቦም ዝረኣዩ ብኽሲ ሰብኣይን ሰበይትን እዩ። እቲ ጸገም ካብኦም ኃሊፉ ናብ ሥድራን ከባብን ኪኃልፍ ይርአ። መርዓ ቅዱስን ክቡርን እኳ እንተኾነ ተመራዒኻ ምፍታሕ ከኣ ዝገደደ ኽፉእ እዩ።

ስለዚ እምበኣር ተጻመድቲ ናብቲ ዘለዓለማዊ ኽብርን ሕይወትን ኪበጽሑ ዝኽእሉ ብምጽውዋርን፡ ብምክብባርን፡ ብምርድዳእን ዝመርሕዎ ቈይቍ ኾነ ግጭት ዘይብሉ ናብራ ኺህልዎም፡ ሓደ ናይቲ ሓደ ድኹም ጐኒ ብምፍላጥ ኪዕገስን እቲ ድኹም ጎኒ ዚፍወሰሉ መንገዲ ኪፈጥርን ቃል ኪዳን ኸጽንዕን እዩ ዝግባእ። እወ መርዓ ቕዱስ ምዃኑ ምፍታሕ ውን ከምዘይግባእን ሓዋርያት ምሂሮምና እዮም። ምፍልላይ ብሞት ብዝሙት ወይ ብእምነት ምልዋጥ ናይ ሓደ ወገን እንተ ዘይኮይኑ ፍቑድ ኣይኮነን።

ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ “ኣቱም ሰብኡት ከምቲ ክርስቶስ ንቤተ ክርስቲያን ዘፍቀራ ኸምኡ ድማ ንኣንስትኹም ኣፍቅሩ፡ እቲ ንሰበርቱ ዘፍቅር ንገዛእ ርእሱ እዩ ዘፍቅር፡ ሰብ ንገዛእ ርእሱ ይምግባን፡ ይከናኸናን እምበር ሰብነቱ ሓደ ይኸውን፡ ክልቲኦም ከኣ ሓደ ኣካል ይኾኑ እዚ ዓቢይ ምሥጢር እዩ” ብምባል እቲ ኺህሉ ዘለዎ ሓድሕዳዊ ፍቕሪ ገሊጽዎ ኣሎ። (ኤፌ. 5፡25-31)። ሰብኣይ ንሰበይቱ ከኽብራ፡ ሰበይቲ’ውን ንሰብኣያ ክተኽብሮ ቅዱስ ተግባር ኮይኑ ንኽልተኦም ብማዕረ ዝብጽሖም እዩ።

ነዞም ኣብዚ እዋን’ዚ ብግቡእ ክርስቲያናዊ ሥርዓትን ትምህርቲ ሃይማኖትን መርዓኦም ዝፍጽሙ ዘለዉ፡ ኸምቲ ጐይታ ብመጀመርታ ኣብ ቤት መርዓ ተረኺቡ በረኸቱ ዝሃበ ሎሚ ውን እዚ በረኸት እዚ ኽህቦምን ክሳዕ ፍጻሜ ሕይወቶም ከጽንዖምን ቅዱስ ፍቓዱ ይኹን።

ይትባረክ እግዚአብሔር አምለከ አበዊነ! 

   ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር፡ አሜን!

ዘመነ ዮሐንስ፦ 2 ታኅሣሥ 2012 ዓ.…

December
Thursday
12
ዝክር፦ ሠለስቱ ደቂቅ፡ አባ ሖር፡ ወአብላፍታን፡ ወአንበስ፡ ወናትናኤል መነኮስ፡ ወአውካቲዎስ።                 ዘቅዳሴ ምንባብ፦  ዕብ. 11፡32-ፍጻሜ። 1ይ ዮሐ. 5፡14-ፍጻሜ። ግብ. ሐዋ.  4፡19-23። ምስባክ፦ መዝ. 65/66። ወንጌል፦ ሉቃ. 10፡25-29። ቅዳሴ፦ ዘእግዝእትነ ማርያም ዓዲ ያዕቆብ ዘሥሩግ።        * * *
00:00 h

  

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ታሪክ ሠለስቱ ደቂቅ ንሕፃናት

  ከመይ ቀኒኹም ሕፃናት ሎሚ ብዛዕባ ታሪኽ ሠለስቱ ደቂቅ ክንመሃር ኢና! ኣናንያ ኣዛርያ ሚሳኤል ዝበሃሉ ሠለስተ መንእሰያት ነበሩ። እዞም መንእሰያት’ዚኦም ብምርኮ ኣብ...

ዓመታዊ በዓል ቤተ ትምህርቲ ሰንበት ደብረ ኤፍራታ ብመሳጢ መንፈሳዊ መደባት…

28 ኅዳር 2012 ዓ.ም.፡ ዓመታዊ በዓል ቤት ትምህርቲ ሰንበት ደብረ ኤፍራታ ቅዱስ ዑራኤል ቤተ ክርስቲያን ቀሓውታ፣ “ንቤተ ክርስቲያነይ ኣብ ልዕሊ...

አሥርቆት ዘወርኀ ዘታኅሣሥ

ዮም ሠረቀ ለነ ወርኀ ቡሩክ ታኅሣሥ ያብጽሐነ እስከ ወርኀ ጥር በሰላመ እግዚአብሔር! ወርኀ ታኅሣሥ ቡሩክ መዓልቱ ፱ ወእምዝ ይትዌሰክ። ሎሚ ቡሩኽ...

ገዳማት ደብረ ምዕዋን ወደብረ ኰዳዱ ኣቡነ ብፁዐ ኣምላክ !

ያፍቅረነ እግዚእን ዘመደ ማርያምን ዝበሃሉ ፍቅረ እግዚአብሔር ዘለዎም ብሃይማኖት ጽኑዓትን ብሥነ ምግባር ትጉሃትን ሰብ ኃዳር ነበሩ። ወትሩ ብጸሎት ንቑሓት ስለዝነበሩ፡...

ይትዔገሥ ከመ ዘኢየአምር

 ከም ዘይፈልጥ ይዕገሥ!” (ቅዳሴ ሠለስቱ ምእት ቍ. 59-60) እግዚአብሔር፡ ብባህሪኡ ከሀሌ ኵሉ፡ ማእምረ ኵሉ፡ ምሉእ በኵለሄ እዩ። “አኃዜ ዓለም በእራኁ ኵሉ እኁዝ...

“ቤት ኣምላኽና ከቶ ኣይንኃድግን ኢና” ነህ. 10፡39

ተረፈ ምርኮን ካብ ምርኮ ዝተመልሱን እስራኤላውያን ብመሪሕነት ካህን ዕዝራን ነህምያን ኃይለ እግዚአብሔር ተዓጢቆም፡ ዝፈረሰ ቤተ መቅደስን፡ ዝዓነወ ቐጽሪ ኢየሩሳሌምን መቓብር...

ቅዱስ ጴጥሮስ ተፍጻሜተ ሰማዕት

ቅዱስ ጴጥሮስ ተፍጻሜተ ሰማዕት ካብቶም ፍርሃት እግዚአብሔር ዝነበሮም፡ውላድ ግና ዘይነበሮም ሊቀ ካህናት ቴዎድሮስን ቅድስት ሶፍያን ኣብ ሃገረ ግብጽ ተወሊዱ። ኣብ በዓል...

ሊቀ መዘምራን ሞገስ ዕቁበ ጊዮርጊስ

“ሊቀ መዘምራን፡ መልኣከ ገነት፡ ደራስን ተመራማርን፡ ኣቦ ሰላም፡ . . . ብዝብል ቅጽል ስም ዝፍለጡ ሓበን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን...

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ ኣብ ጉባኤ ማኅበር ኣብያተ ክርስቲያናት…

ካብ 22-26 ታኅሣሥ 2012 ዓ.ም. (2-6/12/2019 ዓ.ም.ፈ) ኣብ ሃገረ ኬንያ ከተማ ናይሮቢ ዝተቓንዐ ጉባኤ ማኅበር ኣብያተ ክርስቲያናት መላእ ኣፍሪቃ (ALL...

ሥልጠና ተሓጋገዝቲ ሰበኽቲ ወንጌል ተዋሂቡ!

ካብ 15-23 ኅዳር 2012 ዓ.ም. ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያንን ሜላ ስብከተ ወንጌልን ዘተኮረ ሥልጠና  {tip title="ተሓጋገዝቲ ሰበኽቲ ወንጌል" content=""}ንተሓጋገዝቲ ሰበኽቲ...

ብፁዕ ኣቡነ ዮሓንስ ኣብ ንኡስ ሃገረ ስብከት ዓዲ ፈለስቲ ሰፍኣ…

ብዕለት 20 - 21 ኅዳር 2012 ዓ.ም.ግ. ብፁዕ ኣቡነ ዮሓንስ ሊቀ ጳጳስ ኣህጉረ ስብከታት ጋሽ ባርካን ድባርዋን ከባቢኣን ናብታ ካብ...

“ሰማዕት ቅዱስ ፒሉፓዴር መርቆሬዎስ”

ፒሉፓዴር ማለት ፈታዊ ኣቦ ማለት እዩ፡ ብኻልኣይ ትርጕሙ ከኣ ኣገልጋሊ ኢየሱስ ክርስቶስ ከምኡ’ውን መርቆሬዎስ ማለት እዩ። ስመ ክርስትና ናይ ኣቦኡ...

  

latest articles

Fast of the Prophets (Advent)

15th November (geez calander), marks the first day of the Advent Fast, a period of abstinence and penance practiced by...

FASTING

Fasting is abstinence from all things that a body needs, and one has to fast from animal products and from...

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church (EriOTC)

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God. “We call our...

Holy of Holies Our Lady, the virgin Mary

The word holy (kidus) in Geez denotes being special, pure and esteemed. This prefix is an attribute to denote the...

HOLY SCRIPTURES (part one)

All Scriptures are written with the inspiration of the Spirit of God or the breath of God. They are also...

EXISTENCE OF GOD

The name God signifies the Divine Being, meaning He who created the world and governs it. There is one invisible...