መስቀል ብርሃን ለኵሉ ዓለም መሠረተ ቤተ ክርስቲያን

Sep 26, 2019

ዓመት መጸ (፲፯) 17 መስከረም፡ ብስብሐተ ማኅሌትን ውዳሴን ቅዳሴን፡ ብብርሃን ዳሜራን ሆየ ሽግን፡ ብዓቢይ ሓጐስ እነኽብሮ በዓል፡ በዓለ መስቀል’ዩ። እዚ በዓል’ዚ ወርኀ ክረምት እዋን ልምላሜ ኃሊፉ ወርኀ ጽጌን ፍሬን ዝትክኣሉ፡ ከምኡ’ውን ብርሃን ፀሓይ ዝደምቀሉ ኣብ ቀዳማይ ወርኂ ናይ ሓድሽ ዓመት ዝብዕል ብምዃኑ በዓል ተስፋን ብርሃንን እዩ።
ዋላ እኳ “መስቀል” ማለት ዝተመሳቐለ ናይ ዕለተ ሠሉስ ፍጥረት ዕፅ እንተኾነ፡ ብደመ መለኮት ዝኸበረን ዝተቐደሰን ስለዝኾነ፡ ‘ንጉሠ ዕፀዋት’ ዝብል ቅጽል ስም ክወሃቦ ክኢሉ።

ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ “መስቀል” ትእምርተ ውርደትን መርገምን ብምንባሩ (ዘዳ. 21፡23) ብፍላይ ሮማውያን ንገበነኛ ሰብ ኣብ መስቀል ሰቂሎም ይቐትልዎ ነበሩ። ኣብቲ ኣካላዊ ቃል እግዚአብሔር ወልድ ፍጹም ሰብ ኮይኑ ወንጌለ መንግሥት ድኅነተ ዓለም ዝሰብከሉ ዝነበረ ጊዜ፦ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ሮማውያን ዝነበሩ ኣይሁድ ብጽልእን ጭካነን ተላዒሎም ብሥርዓት ሮማውያን ክሰቕልዎ መደቡ። ነቲ ብባህሪኡ በደል ዘይብሉ ኣምላኽና፡ “በደለኛ እዩ” ንኽብሉ ኣብ ቅድሚ ጲላጦስ “ይሰቀል፡ ይሰቀል” እናበሉ ጨርሑ። (ማቴ. 27፡22-23)

ጲላጦስ ኣኅሊፉ ምስ ሃቦም’ውን ምስ በደለኛታት ቈጺሮም ኣብ መንጐ ክልተ በደለኛታት ሸፋቱ ኣብ መስቀል ሰቐልዎ። (ኢሳ. 53፡12 ፣ ሉቃ. 23፡33) ቅዱስ ዮሓንስ አፈወርቅ ኣብ ቅዳሴኡ ቍጽሪ ፶፫ ፦ ‘ፍቅር ሰሐቦ ለወልደ አምላክ እመንበሩ ወአብጽሖ እስከ ለሞት፡ ሰቀልዎ ከመ እቡስ ለዘአልቦቱ አበሳ ወኈለቍዎ ምስለ ጊጉያን ለገባሬ ሕይወት/ ፍቕሪ ሰብ ንወዲ ኣምላኽ ካብ መንበሩ ስሒቡ ክሳብ ሞት ኣብጽሖ።

ነቲ ኣበሳ ዘይብሉ ከም ኣበሰኛ ሰቐልዎ፡ ነቲ ሕይወት ዝፈጠረ ምስ ገበኛታት ቈጸርዎ’ ከምዝብል መፍቀሬ ሰብእ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንበደል ኣዳም በደሉ ገይሩ፡ ምስ በደለኛታት ከም በደለኛ ተቈጺሩ ኣብ መስቀል ተሰቂሉ ንዓለም ኣድኃነ። ነቲ ንኣዳም ዕፀ በለስ ኣብሊዑ ካብ ገነት ዘውፅኦ ዲያብሎስ ኣብ ዕፀ መስቀል ተሰቒሉ ሰዓሮ። ኣብ መንጎ ሰማይን ምድርን ኢዱ ዘርጊሑ ተሰቒሉ ሞተ። ሞቱ ድማ ነቶም ተረኃኂቆም ዝነበሩ ሰማያውያንን ምድራውያን ኣቀራረቦም፣ ተፈላልዮም ንዝነበሩ ሕዝብን ኣሕዛብን ድማ ሓደ ገበሮም። (ኤፌ. 2፡14-17)

ቅድም ትእምርተ ውርደትን መርገምን ዝነበረ መስቀል፡ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተሰቕለሉ፡ ኃይሊ እግዚአብሔር ዝተገልጸሉን ድኅነት ኣዳም ዝተፈጸመሉን ቅዱስ ዕፅ ብምዃኑ ትእምርተ ክብርን ልዕልናን ትእምርተ ድኅነትን ሰላምን፣ ትእምርተ ብርሃንን ፍቕርን፣ ትእምርተ ሥርየትን ምሕረትን ኮነ።

ድኅሪ ትንሣኤ ክርስቶስ፡ እዚ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተሰቕለሉ መስቀል፡ ብዙኅ ድንቂ ተኣምራት ይገብር ስለዝነበረ፡ ኣይሁድ ብኽፍኣት ተላዒሎም ስመ ዝኽሩ ንምጥፋእ ኣብ ጕድጓድ ቀበርዎ። ንኣስታት 300 ዓመት‘ውን ክሳብ ጎቦ ዝኸውን ብጐሓፍ ተደፊኑ ነበረ።

ሠናይ ዘመን ጊዜ ሰላም ምስ ኮነ ግና ነቲ ዝጠፍአ ምድላይ ልሙድ ስለዝኾነ፡ ንግሥቲ እሌኒ መብጽዓኣ ንምፍጻም ሠራዊት ኣኸቲላ ናብ ኢየሩሳሌም ብምኻድ፡ ብሓበሬታ ኪራኮስ ዝስሙ ሽማግለ ሰብኣይ ኣብቲ “መስቀል ጐይታ” ዝተቐብሮ ጎቦ በጺሓ ደሚራ ወልዐት። ከምቲ ቅዱስ ያሬድ ኣብ ድርሰቱ (አርያም ዘኃሙስ)፡ “ዘዕጣን አንጸረ ሰገደ ጢስ በጎልጎታ ዘደፈኑ አይሁድ ዮም ተረክበ ዕፀ መስቀል” ዝበሎ እቲ ጢስ ዕጣን ናብ ሰማይ ዓሪጉ ናብቲ መስቀል ዘለዎ ቦታ ተመሊሱ ሰገደ። ንግሥት እሌኒ፡ በዛ ዕለት’ዚኣ ድማ 17 መስከረም መሥርሕ ኵዕታ ጀሚራ፡ 10 መጋቢት ብርሃን ቅዱስ መስቀል ረኣየት። ንሱ ምዃኑ ዘረጋግጽ ከኣ ሕሙማት ስለዘሕወየን፡ ምዉታን ስለዘተንሥአን ዜና ተኣምሩ ኣብ ኵሉ ዓለም ተሰምዐ።

ገቢረ ተኣምራት ናይ መስቀል ግና ካብ ዓለመ መላእኽት ዝጀመረ’ዩ። ቅዱሳን መላእክት ብእግዚአብሔር ኣምላኽ፡ ኣብ ኣካሎምን ልብሶምን ብርሃናዊ መስቀል ምስ ተቐርጸሎም፡ ንዲያብሎስ ምስ ሠራዊቱ ተዋጊኦም ብምስዓር ናብቲ መትሕተ ታሕቲት ተባሂሉ ዝፍለጥ ናብ እንጥርጦስ ደርበይዎ።

መፍቀሬ እግዚአብሔር ንጉሥ ቈስጠንጢኖስ’ውን ኣብ ሰማይ ብርሃን መስቀል ምስ ተገልጸሉ፡ ንዓላዊ ንጉሥ መክስምያኖስ ስዒሩ ብሓቅን ርትዕን ነገሠ።

ቅዱስ መስቀል ኃይሊ ዝህብ፡ ዓወት ዘጓናጽፍ፡ ካብ ደዌ ሥጋን ነፍስን ዝፍውስ፡ ልብሰ ጸልማት ኃጢኣት ኣርኂቑ ብርሃን ጽድቂ ዘልብስ ብምዃኑ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ብዝተፈላለየ መንገዲ ተኽብሮ።
“መስቀል ብርሃን ለኵሉ ዓለም መሠረተ ቤተ ክርስቲያን / መስቀል ንዅሉ ዓለም ዘብርህ መሠረት ቤተ ክርስቲያን እዩ።” (ዘመድኃኔ ዓለም ኅዳር) ከም ዝብል ኵሉ ትምህርትን ሥርዓትን ቤተ ክርስቲያን ንቅዱስ መስቀል ሰንደቅ ዕላማ ዝገበረ እዩ። (መዝ. ፶፱፡፬/60፡4) ብቡራኬ በረኸት ንረኽበሉ፡ ብምምዕታብ ንሰይጣን ነርኅቐሉ፡ ሃይማኖትና ንምምስካር ኣብ ክሳድና ንኣስሮ፡ መንፈሳዊ ፍቕርና ንምግላጽ ኣብ ኵሉ ንዋየ ቅዱሳትን ክዳውንትናን ንሥዕሎ፡ . . . ኵሉ ትእምርተ መስቀል’ዩ። ብፍላይ 17 መስከረም ዳሜራ ወሊዕና፡ እነኽብሮ ሓደ ካብ ዓበይቲ በዓላት’ውን በዓለ መስቀል እዩ።

ስለዚ ቅዱስ መስቀል ክንድ’ዚ ኽብሪ ስለ ዘለዎ፡ “ዮምሰ ለእሊአየ አበርህ በመስቀልየ/ ሎሚ ብመስቀለይ ከብርሃልኩም እየ” እናበልና ክንዝምር ከምኡ’ውን መስቀሉ ተሰኪምና ክንስዕብ ይግባእ። (ማቴ. 10፡38)

ብርሃነ ብርሃናት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ኣብ ልብና ዘለዓለማዊ ብርሃን ከብርሃልናን ብኃይለ መስቀሉ ካብ ኵሉ ፈተና ሰይጣን ክሕልወናን ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ፡ ኣሜን!

ዘመነ ዮሐንስ፦ 2 ታኅሣሥ 2012 ዓ.…

December
Thursday
12
ዝክር፦ ሠለስቱ ደቂቅ፡ አባ ሖር፡ ወአብላፍታን፡ ወአንበስ፡ ወናትናኤል መነኮስ፡ ወአውካቲዎስ።                 ዘቅዳሴ ምንባብ፦  ዕብ. 11፡32-ፍጻሜ። 1ይ ዮሐ. 5፡14-ፍጻሜ። ግብ. ሐዋ.  4፡19-23። ምስባክ፦ መዝ. 65/66። ወንጌል፦ ሉቃ. 10፡25-29። ቅዳሴ፦ ዘእግዝእትነ ማርያም ዓዲ ያዕቆብ ዘሥሩግ።        * * *
00:00 h

  

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ታሪክ ሠለስቱ ደቂቅ ንሕፃናት

  ከመይ ቀኒኹም ሕፃናት ሎሚ ብዛዕባ ታሪኽ ሠለስቱ ደቂቅ ክንመሃር ኢና! ኣናንያ ኣዛርያ ሚሳኤል ዝበሃሉ ሠለስተ መንእሰያት ነበሩ። እዞም መንእሰያት’ዚኦም ብምርኮ ኣብ...

ዓመታዊ በዓል ቤተ ትምህርቲ ሰንበት ደብረ ኤፍራታ ብመሳጢ መንፈሳዊ መደባት…

28 ኅዳር 2012 ዓ.ም.፡ ዓመታዊ በዓል ቤት ትምህርቲ ሰንበት ደብረ ኤፍራታ ቅዱስ ዑራኤል ቤተ ክርስቲያን ቀሓውታ፣ “ንቤተ ክርስቲያነይ ኣብ ልዕሊ...

አሥርቆት ዘወርኀ ዘታኅሣሥ

ዮም ሠረቀ ለነ ወርኀ ቡሩክ ታኅሣሥ ያብጽሐነ እስከ ወርኀ ጥር በሰላመ እግዚአብሔር! ወርኀ ታኅሣሥ ቡሩክ መዓልቱ ፱ ወእምዝ ይትዌሰክ። ሎሚ ቡሩኽ...

ገዳማት ደብረ ምዕዋን ወደብረ ኰዳዱ ኣቡነ ብፁዐ ኣምላክ !

ያፍቅረነ እግዚእን ዘመደ ማርያምን ዝበሃሉ ፍቅረ እግዚአብሔር ዘለዎም ብሃይማኖት ጽኑዓትን ብሥነ ምግባር ትጉሃትን ሰብ ኃዳር ነበሩ። ወትሩ ብጸሎት ንቑሓት ስለዝነበሩ፡...

ይትዔገሥ ከመ ዘኢየአምር

 ከም ዘይፈልጥ ይዕገሥ!” (ቅዳሴ ሠለስቱ ምእት ቍ. 59-60) እግዚአብሔር፡ ብባህሪኡ ከሀሌ ኵሉ፡ ማእምረ ኵሉ፡ ምሉእ በኵለሄ እዩ። “አኃዜ ዓለም በእራኁ ኵሉ እኁዝ...

“ቤት ኣምላኽና ከቶ ኣይንኃድግን ኢና” ነህ. 10፡39

ተረፈ ምርኮን ካብ ምርኮ ዝተመልሱን እስራኤላውያን ብመሪሕነት ካህን ዕዝራን ነህምያን ኃይለ እግዚአብሔር ተዓጢቆም፡ ዝፈረሰ ቤተ መቅደስን፡ ዝዓነወ ቐጽሪ ኢየሩሳሌምን መቓብር...

ቅዱስ ጴጥሮስ ተፍጻሜተ ሰማዕት

ቅዱስ ጴጥሮስ ተፍጻሜተ ሰማዕት ካብቶም ፍርሃት እግዚአብሔር ዝነበሮም፡ውላድ ግና ዘይነበሮም ሊቀ ካህናት ቴዎድሮስን ቅድስት ሶፍያን ኣብ ሃገረ ግብጽ ተወሊዱ። ኣብ በዓል...

ሊቀ መዘምራን ሞገስ ዕቁበ ጊዮርጊስ

“ሊቀ መዘምራን፡ መልኣከ ገነት፡ ደራስን ተመራማርን፡ ኣቦ ሰላም፡ . . . ብዝብል ቅጽል ስም ዝፍለጡ ሓበን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን...

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ ኣብ ጉባኤ ማኅበር ኣብያተ ክርስቲያናት…

ካብ 22-26 ታኅሣሥ 2012 ዓ.ም. (2-6/12/2019 ዓ.ም.ፈ) ኣብ ሃገረ ኬንያ ከተማ ናይሮቢ ዝተቓንዐ ጉባኤ ማኅበር ኣብያተ ክርስቲያናት መላእ ኣፍሪቃ (ALL...

ሥልጠና ተሓጋገዝቲ ሰበኽቲ ወንጌል ተዋሂቡ!

ካብ 15-23 ኅዳር 2012 ዓ.ም. ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያንን ሜላ ስብከተ ወንጌልን ዘተኮረ ሥልጠና  {tip title="ተሓጋገዝቲ ሰበኽቲ ወንጌል" content=""}ንተሓጋገዝቲ ሰበኽቲ...

ብፁዕ ኣቡነ ዮሓንስ ኣብ ንኡስ ሃገረ ስብከት ዓዲ ፈለስቲ ሰፍኣ…

ብዕለት 20 - 21 ኅዳር 2012 ዓ.ም.ግ. ብፁዕ ኣቡነ ዮሓንስ ሊቀ ጳጳስ ኣህጉረ ስብከታት ጋሽ ባርካን ድባርዋን ከባቢኣን ናብታ ካብ...

“ሰማዕት ቅዱስ ፒሉፓዴር መርቆሬዎስ”

ፒሉፓዴር ማለት ፈታዊ ኣቦ ማለት እዩ፡ ብኻልኣይ ትርጕሙ ከኣ ኣገልጋሊ ኢየሱስ ክርስቶስ ከምኡ’ውን መርቆሬዎስ ማለት እዩ። ስመ ክርስትና ናይ ኣቦኡ...

  

latest articles

Fast of the Prophets (Advent)

15th November (geez calander), marks the first day of the Advent Fast, a period of abstinence and penance practiced by...

FASTING

Fasting is abstinence from all things that a body needs, and one has to fast from animal products and from...

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church (EriOTC)

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God. “We call our...

Holy of Holies Our Lady, the virgin Mary

The word holy (kidus) in Geez denotes being special, pure and esteemed. This prefix is an attribute to denote the...

HOLY SCRIPTURES (part one)

All Scriptures are written with the inspiration of the Spirit of God or the breath of God. They are also...

EXISTENCE OF GOD

The name God signifies the Divine Being, meaning He who created the world and governs it. There is one invisible...