ሱባዔ (2ይ ክፋል)

Apr 08, 2016

ዓይነታት ሱባዔ

1. ናይ ውልቂ ሱባዔ (ዕፁው ሱባዔ)
ናይ ውልቂ ሱባዔ ዝብሃል፡ ሓደ ሰብ በይኑ ዝኾነ ሰብ ከይረኣዮ ኣብ ቤት ኮነ ኣብ ካልእ ዚጥዕም ቦታ ኮይኑ ብውልቁ በዓቲ ጸሎቱ ዓፅዩ ብሰቂለ ሕሊና ፈጣሪኡ ጥራሕ ኪርእዮን ኪሰምዖን ብኅቡእ ዚገብሮ ሱባዔ እዩ። (ማቴ. 6፡5-13)
ዕፁው ሱባዔ ዚኃዘ ሰብ ኣቐዲሙ ኵሉ ዘድልዮ ነገር ኂዙ ናብ በዓቱ ድኅሪ ምእታዉ፡ ሱባዔኡ ክሳዕ ዚፍጽም ምስ ሰብ ኣይራኸብን እዩ። (መዝ. 102፡6-7)

2. ናይ ማኅበር ሱባዔ


ናይ ማኅበር ሱባዔ ዚብሃል፦ ውሉደ ክህነት፡ ምእመናንን ምእመናትን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኮነ ኣብ ካልእ ዚጥዕም ቦታን ብሓደ ተኣኪቦም ዚኣትውዎ ሱባዔ እዩ። ኣብ ዘመነ ብሉይ ዚነበሩ ሰባት ናብ እግዚአብሔር (ድንኳን ምርኻብ፡ ቤተ መቕደስ) እናኸዱ ይጽልዩ ነበሩ፣ (1ይ ሳሙ. 1፡9 ፣ መዝ. 122፡1 ፣ ሉቃ. 18፦10-11)
ኣብ ዘመነ ሓዲስ ድማ ድኅሪ ቅዱሳን ሓዋርያት፡ መነኮሳት፡ ካህናትን ምእመናንን ምእመናትን ኣብ ገዳማት፡ ኣድባራት፡ አብያተ ትምህርቲ ሰንበትን ካልእን ምእንቲ ዕቤት ማኅበሮምን ካልእ ዚተፈላለየ ጕዳያትን ሱባዔ ይኣትዉ እዮም።

3. ናይ ኣዋጅ ሱባዔ
ናይ ኣዋጅ ሱባዔ ኣብ ሃገር ሃንደበታዊ ሓደጋ፡ ራኃብን ዓፀቦን፡ ውግእ ወይ ከኣ ንማኅበረ ምእመናን ዘስግእ መቅሠፍት ከጋጥም ከሎ፡ እግዚአብሔር ነቲ መዓቱ ብምሕረቱ፡ ቍጠዓኡ ድማ ብትዕግሥቱ ንኺመልስ ዚእቶ ሱባዔ እዩ። ሰብ ነነዌ ብሰብከት ዮናስ እም ልኂቅ እስከ ደቂቅ (ካብ ዓቢይ ክሳዕ ንእሽቶ) ንሠለስተ መዓልታት ካብ መብልዕን መስተን ተኸልኪሎም ስለ ዚጸለዩን ዚጾሙን፡ እግዚአብሔር ንመዓቱ ብምሕረቱ ለወጠሎም። (መጽሐፈ ትንቢተ ዮናስ) ኣብ ፋርስ ብምርኮ ዚነበሩ ኣይሁድ’ውን፡ ካብቲ ኣብ ዘመነ ንጉሥ ኣርጤክስስ ኣኣብ ዘለውዎ ኪቕተሉ ዝተመኃላለፈ ትእዛዝ ንምድኃን፡ ብትእዛዝ ንግሥቲ ኣስቴር ሱባዔ ስለዝኣተዉ ድኃኑ። (ኣስ. 4፦16-28)፣

ቅድመ ምድላዋት ሱባዔ
ሱባዔ ዝኣቱ ምእመን ኣቐዲሙ ምድላዋት ኪገብር ኣለዎ። ምኽንያቱ ብዘይ ዝኾነ ምድላዋት ዚእቶ ሱባዔ ንፈተና ዜቃልዕ እዩ። ስለዚ ቅድመ ሱባዔ፡ ኣብ ጊዜ ሱባዔን ድኅረ ሱባዔ ምድላዋት ምግባር ይግባእ።

1. ቅድመ ሱባዔ
ሀ. መጀመርታ ‘ሱባዔ ትኣትወሉ ዘሎኻ ምኽንያት ፈሊኻ ምፍላጥ’ ይግባእ። እዚ ድማ ነቲ ዝደለኻዮ ረኺብካን ኣይረኸብካን ፈሊኻ ንኽትፈልጥ ዝኅግዝ እዩ።

ለ. ምኽንያት ሱባዔ ፈሊጥካ ንአበ ንነፍስኻ ምምኻር ይግባእ። እዚ ድማ አበ ነፍስኻ ብኣቦነቱን ተመኵሮ ሕይወቱን ብምኽሪ ኪኅግዘካ ከምኡ’ውን ብጸሎት ኪረድኣካ ዘኽእል እዩ።
ሐ. ንኽንደይ መዓልታት ሱባኤ ኂዝካ ከምትጸንሕ ምውሳን ይግባእ። ሱባዔ ከም ዓቕምናን ተመክሮናን ‘ክሳዕ ክንድ’ዚ መዓልታት ክጸንሕ እየ’ ኢልካ ውጥን ትኅዘሉ ሥርዓት እዩ። ንኣብነት፦ ተመኵሮ ዘይብሉ ሰብ፡ ‘በዓቲ ክዓፁ እየ’ እንተበለ ካብ ጥቕሙ ጕድኣቱ ክበዝኅ ይኽእል እዩ። ፈተናታት ክትብድህ ብዘይምኽኣልካ፡ ሱባዔኻ ከተቋርጽ ትኽእል ኢኻ።

መ. ንሱባዔ ዚሰማማዕ ጊዜን ቦታን ምምራጽ ይግባእ። ዚበዝኀ ጊዜ ሱባዔ ዚተኃዝ ኣብ ጊዜያት ጾም እዩ። ንሱባዔ ዝምረጹ ቦታታት ድማ ንፈተና ዘየቃልዑ፡ ጽምዋ ዘለዎም ብዚተኻእለ መጠን ካብ ከተማ ርኅቕ ዚበሉ ገዳማትን ኣድባራትን እንተኾኑ ጽቡቕ እዩ።

2. ኣብ ጊዜ ሱባዔ
ሀ. ክትጽሊ ከሎኻ ዓንድን መንደቕን ከይተደገፍካ፣ መቖምያ ከይኃዝካ፣ ብኽልተ ኣእጋርካ ሰጥ ኢልካ ቆይምካ፤ ገጽካ ናብ ምሥራቅ ኣጠሚትካ፣ የማንን ጸጋምን ቅድሚትን ድኅሪትን ግልጽ ምልጽ ከይበልካ፣ በሰፊሐ እድ በሰቂለ ሕሊና ክኸውን ይግባእ። (መዝ. 5፡3፣ 134፡2፣ ዮሐ. 11፡41)

ለ. ኣብ ጊዜ ሱባዔ ብቐደም ተኸተል ክትጽሊ ይግባእ። ጸሎት ዘወትር፡ መዝሙረ ዳዊት፡ ውዳሴ ማርያምን ካልኦት ጸሎታትን ጸሎታትን ትጽሊ፣ ኣርብዓን ሓደን ኪርያላይሶን ትብል . . . ።

ሐ. ኣብ ጊዜ ሱባዔ ኃጢኣትካ እናዘከርካ ምብካይ ይግባእ።

መ. ክትጽልን ክትሰግድን ከሎኻ ኣብ ቅድሜኻ ሥእለ ኣድኅኖ ክህልው ይግባእ።

መ. ሱባዔኡ ከይወድአ ወይ ከኣ ሱባዔኡ ኣቋሪጹ ምስ ዚኾነ ሰብ ኪራኸብ የብሉን።

4. ድኅረ ሱባዔ

ድኅሪ ሱባዔ፡ ናብ እግዚአብሔር ዝጸለኻዮ ክሳዕ ዚግበረልካ ብትዕግሥቲ ምጽባይ ይግባእ። ተጸቢና ኣብ ጊዜኡ እንተዘይተመሊሱልና ደጊምና ተዳሊና ብጸሎት (ብተማኅፅኖ) ንጸንዕ።
ኵሉ ሱባዔ ዚኣተወ ሰብ፡ ራእይ ይርኢ ማለት ኣይኮነን። ነቲ ዚዓበየ ህያብ እግዚአብሔር ዝኾነ ናይ ሕሊና ሰላም ንረክብ ብምዃንና ዓቢይ መንፈሳዊ ረብሓ ዘለዎ እዩ።

ስብሐት ለእግዚአብሔር፡
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር፡ አሜን!

ዘመነ ዮሐንስ 16 የካቲት 2012 ዓ.…

February
Monday
24
ዝክር፦ ዕረፍታ ለኤልሳቤጥ እሙ ለዮሐንስ መጥምቅ፡ ወበዓለ እግዝእትነ ማርያም በዘነሥአት ኪዳነ። ዘቅዳሴ ምንባብ፦ ገላ. 3፡17-ፍጻሜ። 2ይ ዮሐ. 1፡1-7። ግብ. ሐዋ. 1፡12-14። ምስባክ፦ መዝ. 88/89 ዓዲ መዝ. 67/68 ወንጌል፦ ሉቃ. 1፡39-56። ቅዳሴ፦ ዘ፫፻ት ግሩም። * * *
00:00 h
Ad Right

  

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ኪዳነ ምሕረት

ኪዳን ፦ “ተካየደ” ካብ ዝብል ግእዛዊ ግሢ ዝወፅአ ኾይኑ፡ “ተመሓሓለ፡ ተሰማምዐ፡ ተወዓዓለ” ማለት እዩ። ኪዳን፥ ንኽልተ ሓደ ዝገብር ናይ ፍቕርን...

ቀዳማይ ሰንበት ዓቢይ ጾም፡ ዘወረደ 

ቀጥታዊ ትርጕሙ ‘ዝወረደ’ ማለት እዩ። እዚ ድማ ምእንቲ ድኅነተ ዓለም፡ ካብ ሠለስተ ኣካል ሓደ ኣካል እግዚአብሔር ወልድ ብፍሉይ ኣካሉ ካብ...

ዓቢይ ጾም

ሓደ ካብ ሾብዓተ ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ዓቢይ ጾም እዩ። እዚ ጾም እዚ ፈጣሬ ሰማያትን ምድርን፡ ጐይታ ጐይቶትን ኢየሱስ ክርስቶስ ድኅሪ...

ዓቢይ ጾም፡ ካብ ሰኑይ 16 የካቲት ክጅመር እዩ!

ብኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ሕገ ቀኖና፡ ኣብ ዓመት 7ተ ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ኣለዉ። ነዞም ኣጽዋማት ኵሉ ክርስቲያን ክጾሞም ኣብ ፍትሓ...

ኪደት መንፈሳዊ ኮሌጅ ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ ተገምጊሙ!

12 የካቲት 2012 ዓ.ም.ግ (20 የካቲት 2020 ዓ.ም.)፡ ኪደት መንፈሳዊ ኮሌጅ ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ ዝግምግም ጉባኤ፡ ብፁዓን አቦታትን ኣባላት...

ሓዋርያ ቅዱስ ያዕቆብ ወልደ እልፍዮስ

ያዕቆብ ማለት አኀዜ ሰኰና አዕቃጺ (ሓንኳሊ) ማለት እዩ። ነገዱ ካብ ነገደ ጋድ ሃገረ ስብከቱ ኢየሩሳሌም ዕረፍቱ 10 የካቲት ቍጽሩ ካብ...

አዋጅ ምህላ ጾመ 40 ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያናት

“ቀድሱ ጾመ ወስብኩ ምህላ/እትጾሙሉ እዋን ፍለዩ ምህላ’ውን ኣውጁ” ኢዩ. 1፡14 ብኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ሕገ ቀኖና ኣብ ዓመት ካብ ዘለዉ ሾብዓተ...

ሠራሕተኛታት ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ናብ ገዳም ደብረ ጥሉል አቡነ…

05 የካ 2012 ዓ.ም.ግ (13 የካ 2020 ፈ.) ሠራሕተኛታት ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ናብ ገዳም ደብረ ጥሉል አቡነ አብራንዮስ (እንዳ...

በዓለ ስምዖን ኣረጋዊ - 8 የካቲት

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ነፍስን ሥጋን ተዋሒዱ ምስ ተወልደ፡ ሕጊ መጽሓፋዊ ንምፍጻም ኣብ 40 መዓልቱ፡ መሥዋዕቲ...

ክብረ በዓል ገዳም አቡነ እንድርያስ ሰፍኣ ተኸቢሩ!

ዓመት መጸ 1 የካቲት ዝበዓል ዝክረ ዕረፍቲ ኣቡነ እንድርያስ ሎሚ ዓመት 2012 ዓ.ም. እውን ብዓቢይ መንፈሳዊ ክብሪ ተኸቢሩ! ኣብዚ ክብረ በዓል...

ዕለታት ጾመ ነነዌ

ጾመ ነነዌ ሓደ ካብቶም 7ተ ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ቤተ ክርስቲያን እዩ። ጾመ ነነዌ ኵል ሳዕ ዓቢይ ጾም ቅድሚ ምእታዉ ቅድሚ...

ንዑ ደቂቅየ ወስምዑኒ . . እመሀርክሙ - ታሪክ ሰብአ ነነዌ…

እግዚአብሔር ዝፈትወኩም ሕፃናት ከመይ ኣሎኹም፧ ናብዚ ሰዓትን እዝን ዕለትን ብሰላም ዘብጸሓና እግዚአብሔር ዝኸበረን ዝተመስገነን ይኹን። ልበ ኣምላክ ኣቦና ቅዱስ ዳዊት...

  

latest articles

The feast of presenting the lord Christ in the temple…

On this day we celebrate the feast of presenting the lord Christ to the temple after 40 days of his...

The Fast of Nineveh - Monday 10 – 12 February…

In Eritrean Orthodox Tewahdo Church, one of the seven fasting periods is the fast of Nineveh.

Mystery of Baptism

Baptism is the sacrament given to all who believe in the Mystery of the Trinity and the Mystery of Incarnation...

Mystery of Incarnation

Mystery of Incarnation means the mystery of the descending of God the Son who is one of the Trinity from...

Mystery of the Holy Trinity

The Eritrean Orthodox tewahdo Church has Five pillars of Mysteries through which it teaches and demonstrates its basic religious belief...

Welcome to the Feast of the Nativity of Our Lord…

Glory to God. When the appointed time of salvation and the foretold prophesies came to pass, God the Son come to...

In Memory of His Holiness Abune Yacob the Second Patriarch…

His Holiness Abune Yacob, the Second Patriarch was one of the reputable leaders of the EriOTC, a shining star of...

Fast of the Prophets (Advent)

15th November (geez calander), marks the first day of the Advent Fast, a period of abstinence and penance practiced by...

FASTING

Fasting is abstinence from all things that a body needs, and one has to fast from animal products and from...

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church (EriOTC)

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God. “We call our...

Holy of Holies Our Lady, the virgin Mary

The word holy (kidus) in Geez denotes being special, pure and esteemed. This prefix is an attribute to denote the...

HOLY SCRIPTURES (part one)

All Scriptures are written with the inspiration of the Spirit of God or the breath of God. They are also...