ዘመነ ሓዋርያት

Jul 04, 2019

ቅዱሳን ሓዋርያት፡ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ተቐቢሎም ወንጌለ መንግሥት ድኅነተ ዓለም ትምህርተ ክርስትና ዝሰበኽሉ፣ ካብ ኣይሁድን ኣሕዛብን መከራ ዝተቐበልሉን ብሰማዕትነት ዝኃለፉሉን ዘመነ ሓዋርያት ይበሃል። 

እዚ ኸኣ ካብ በዓለ ጰራቅሊጦስ 34 ዓ.ም. ክሳዕ መወዳእታ መዋዕል ወንጌላዊ ዮሓንስ ከባቢ 100 ዓ.ም. ዘሎ ዘመን እዩ።

ብዕለተ በዓለ ኃምሳ፡ ብስብከት ሊቀ ሓዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ 3000 ኣይሁድ ኣሚኖም ጥምቀተ ክርስትና ምስ ተቐበሉ (ግብ. ሓዋ. 2፡41) ምስቶም ቀዳሞት 120 ቤተ ሰብ እግዚአብሔር ተደመሩ። እታ እግዚአብሔር አብ ዝቐደሳ፡ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብደሙ ዝተበጀዋ፡ መንፈስ ቅዱስ ዘጽንዓ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጽርሐ ጽዮን ተወልደት።

ቅዱሳን ሓዋርያት፡ ናብቶም ኣብ ኢየሩሳሌምን ከባቢኣን ዝነበሩ ኣይሁድ ስብከተ ወንጌል ስለዘስፍሑ፡ ድኅሪ ቁሩብ ጊዜ ብዘይ ቈልዓ ሰበይቲ ቍጽሪ ምእመናን 5,000 ኮነ። ስብከቶም ኣብ ቤተ ኣይሁድ ጥራሕ ዝተሓጽረ ብምንባሩ፡ እዞም ቀዳሞት ክርስቲያን ካብ እምነተ ኣይሁድ ናብ ክርስትና ዝኣተዉ ነበሩ። ስሞም ድማ ኣኅዋት ደቀ መዛሙርት ይበሃሉ ነበሩ። (ግብ. ሓዋ. 1፡15 ፣ 6፡1)

ከም ሓደ ልቢ መኻሪ ከም ሓደ ልሳን ተናጋሪ ኮይኖም ዘለዎም ሃብትን ንብረትን ሂቦም ብሓደ ማኅበራዊ ናብራ ይነብሩ ነበሩ። ቍጽሪ ምእመናንን ምእመናትን ክበዝኅ ከሎ፡ ብማዕረን ብዝበለጸን ንዅሎም ዝኣሊ ጽፉፍ ምኅደራ ስለዘድልዮ ቅዱሳን ሓዋርያት ነቶም ሕዝቢ ‘ብጽቡቕ ዘመኃድርኹም ብመንፈስ ቅዱስ ዝምርሑ ሰባት ካብ ማእከልኩም መሪጽኩም ኣቕርቡ’ በልዎም። እቶም ሕዝቢ ድማ ብሓደ ድምፂ ንሾብዓተ ዲያቆናት መረጹ እሞ፡ ብኣንብሮተ እድ ብጸሎተ ማኅበር ሾሙሎም። ኣስማቶም ድማ፦ ቅዱስ እስጢፋኖስ፡ ቅዱስ ፊልጶስ፡ ቅዱስ ጳርኮሮን፡ ቅዱስ ኒቃሮና፡ ቅዱስ ጢሞና፡ ቅዱስ ጳርሜና፡ ኒቆላዎስ እዮም። 

ስብከተ ሓዋርያት፡ ብትእምርትን ተኣምራትን ዝተሰነየ ብምንባሩ ካብ ቅድም ብዝበለጸ ብዙኃት ኣሚኖም ይጥመቑ ነበሩ። ካብ ካህናት ኣይሁድ ከይተረፉ ይኣምኑ ነበሩ። ብኣንጻሩ ሊቃነ ካህናትን ሰዓብቶምን ግና መጽሓፈ ብሉይ እናጠቐሱ ዝካትዕዎምን ዝቃወምዎምን ዝነበሩ ገዲፎም ንስብከተ ክርስትና ክኣስሩ ብቝጥዓ ተላዕሉ። ኣብ ልዕሊ ቅዱሳን ሓዋርያትን ኣርድእትን ቀዳሞት ክርስቲያንን ብዙኅ ፀዋትወ መከራ ኣውረዱ። ንቅዱስ ጴጥሮስን ቅዱስ ዮሓንስን ኣሲሮም ኣሳቐይዎም (ግብ. ሓዋ. 5፡17)፣ ንቅዱስ እስጢፋኖስ ብዳርባ እምኒ ቀተልዎ። (ግብ. ሓዋ. 7፡54) ንገሊኦም’ውን ገረፍዎምን ኣሳቐይዎምን ኣሳደድዎምን።

ንሳቶም ግን ስለ ስሙ መከራ ንምቕባል ድልዋት ስለዝነበሩ ብሓጐስ ይቕበልዎ ነበሩ። እኳ ደኣ ኣብ ቤተ መቅደስን ገዛ ገዛ እናዞሩን ከየብኰሩ ይምህሩን የበሥሩን ነበሩ። (ግብ. ሓዋ. 5፡41-42) 

እቲ ዝበጽሖም መከራ ንተልእኾኦም ዘጽንዕ፡ ንስብከተ ወንጌል ሓጋዚ ኮነ። እቶም ዝተሰዱ በብዝኸድዎ ስለዝሰበኹ ትምህርተ ወንጌል ኣብ ኵሉ ክባጻሕ ከኣለ። 

ቅድስት ቤተ ክርስቲያን፡ ኣብ ሓደ ቦታ (እስራኤል) ዝተወሰነት ንሓደ ሕዝቢ (አይሁድ) ዝተዋህበት ስለዘይኮነት “ሑሩ ወመሃሩ ኵሎ አሕዛበ” ብዝብል ኣምላካዊ ትእዛዝ ጕዕዞኣ ናብ ምድረ ኣሕዛብ ኣቕንዐት። ቅዱሳን ሓዋርያት ነዛ ዓለም ብዕፃ ተኻፊሎም መልእኽቲ ወንጌል፡ ብሥራተ ድኅነት ኣወጁ። ኣሕዛብ ድማ መልእኽቲ ወንጌል ተቐቢሎም ክርስቲያናት ኮኑ። 

ንቤተ ክርስቲያን ዘሳድድ ዚነበረ ምሁረ ኦሪት ሳውል ሃይማኖተ ክርስትና ተቐቢሉ ተጠሚቑ፡ ናይ ቅዱሳን ሓዋርያት ተሓባባሪ ኃያል ሓዋርያ ብምዃኑ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዓለመ ሕዝብን ኣሕዛብን ተባጽሐት። (ግብ. ሓዋ. 9፦1-31)

ንመጀመርታ ጊዜ ሕዝበ ኣንጾኪያ ብተሳልቆን ላግጽን ‘ሰዓብቲ ክርስቶስ ኢኹም’ ንምባል ነቶም ደቀ መዛሙርትን ምእመናንን ምእመናትን ‘ክርስቲያን’ ዝብል መጸውዒ ስም ኣውፅእሎም። (ግብ. ሐዋ. 11፡25-26) 

ቅዱሳን ሓዋርያት፡ ኣብ ከባቢ 50 ዓ.ም. ኣብ ኢየሩሳሌም ጉባኤ ሠሪዖም ንመጀመርታ ጊዜ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን እትምርሓሉ ሕጊ ሠርዑ። (ግብ. ሐዋ. 15፦6-29) ከምኡ’ውን በብጊዜኡ ጉባኤ ሠሪዖም ዝወሰንዎም ውሳኔታት ኣብ ሲኖዶስ፡ ኣብጥሊስ፡ ግፅው፡ ዲድስቅልያ፡ . . . ዝበሃሉ መጻሕፍቶም ኣስፊሮሞ ኣለዉ። ሥርዓተ ኣምልኾ ዝፍጽምሉ፣ ስብሐታትን ውዳሴያትን ዘብጽሕሉ፡ ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን ዝዳለወሉ፡ ነገረ ሃይማኖትን ሥርዓትን ዝመሃሃርሉ ኣብ ፊልጵስዩስ ሕንፃ ቤተ ክርስቲያን ተጀመረ። 

ሕዝበ ክርስቲያን ዝምርሕሎም መጻሕፍተ ሓዲሳት ማለት ኣርባዕቱ ወንጌል፡ ዓሰርተው ኣርባዕተ መልእኽታት ቅዱስ ጳውሎስ፡ ግብረ ሓዋርያት ፡ ኃምስቱ መልእኽታት፡ ራእይ ዮሓንስ ዝተጻሕፉ ኣብዚ ዘመን’ዚ እዮም።

ቍጽሪ ምእመናን ኣብ ብሔረ ኣሕዛብ እናበዝኅ ኣብ ዝመጸሉ እዋን፡ ኣብ ልዕሊ ሕዝበ ክርስቲያን ፈተናታት እናበዝኅ መጽአ። ኣብ ልዕሊ ተጻብኦ ኣይሁድ ናይ ኣሕዛብን ቄሣራት ሮምን መኳንንትን መከራ እምብዛ ገደደ። ኣሕዛብ፡ ተቓውምኦም ብስሕለትን መከራን ይምልሱ ነበሩ። ንሕዝበ ክርስቲያን ድማ ብማእሰርቲ፡ መግረፍቲ፡ ብሓዊ ምንዳድ፡ ኣብ መስቀል ምስቃል፡ ናብ ቀላይ ምስጣም፡ . . . ብዙኅ ጸዋትወ መከራ ኣብጽሕሎም። 

እዞም ቀዳሞት ሕዝበ ክርስቲያን ስለ ክብረ ወንጌል፡ ስለ ርትዕት ሃይማኖት፡ መከራ ዝተቐበሉላ እንሆ ብናቶም ደም ለምሊማ ብናቶም ኣዕጽምቲ ተሓጺራ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ትነብር ኣላ፡ ንዘለዓለም’ውን ክትነብር እያ። 

በረኸቶም ይኅደረና!

ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀል ክቡር፡አሜን!!

ዘመነ ዮሐንስ፦ 4 ታኅሣሥ 2012 ዓ.…

December
Saturday
14
ዝክር፦ እንድርያስ ሓዋርያ ፡ አባ ፃእ፡ ወያዕቆብ፡ ወዘካርያስ፡ ወስምዖን፡ ወታዖድራ፡ ወታውፍልያ። ዘቅዳሴ ምንባብ፦ 2ይ ቆሮ. 11፡21-ፍጻሜ። 1ይ ዮሐ. 4፡7-16-ፍጻሜ። ግብ. ሐዋ. 4፡29-ፍጻሜ። ምስባክ፦ መዝ. 98/99። ወንጌል፦ ማቴ. 4፡17-22። ቅዳሴ፦ ዘሐዋርያት። * * *
00:00 h