ኪዳነ ምሕረት

Feb 22, 2020

ኪዳን ፦ “ተካየደ” ካብ ዝብል ግእዛዊ ግሢ ዝወፅአ ኾይኑ፡ “ተመሓሓለ፡ ተሰማምዐ፡ ተወዓዓለ” ማለት እዩ። ኪዳን፥ ንኽልተ ሓደ ዝገብር ናይ ፍቕርን ሓድነትን መሓላ፣ መተኣማመኒ ውዕልን ዘይብተኽ ገመድ ሰላምን እዩ። ብተስፋ ቖይሙ ዝተጻሕፈ፡ ሥርዓት ንዚሓለወን ዜጽንዐን ዓስቢ ዚህብ፣ ንዜፍረሰ ግና ዚጐድእ’ውን ኪዳን ወይ ውዕል ይበሃል እዩ።

‘ኪዳን’፦ ኣብ መንጎ ክልተ ወገን ካብ ደቂ ሰባት ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ መንጎ እግዚአብሔርን ሰብን ከኣ ዚፍጸም እዩ። ዓለም ካብ ዚፍጠር፡ ኵሉ ጊዜ እግዚአብሔር ምስ ሰብ ብዝተፈላለየ መንገድን ጊዜን ቦታን ከከም ኣድላይነቱ ቃል ኪዳን ይኣቱን ኪዳኑ ይፍጽምን እዩ።

ኪዳነ አበው

ንሥነ ፍጥረት በቲ ሓንሳእ ዚሠርዖ ብኺዳኑ ዘጽንዕ እግዚአብሔር ኣምላኽ፡ ብፍላይ ነቶም ናብኡ ዚምለሱ፡ ፍቓዱ ዚመልኡን ብሕጉን ኣምልኾኡን ዚጸንዑ ሰባት ትግሃቶምን ተጋድሎኦምን ተመልኪቱ ቃል ኪዳን ይኣትወሎም እዩ።

* ናይ መጀመርታ ሰብ ኣዳም ሕጊ ጥሒሱ፡ ትእዛዝ ኣፍሪሱ፡ ምስ ወደቐ፡-“አልቦቱ ካልእ ሕሊና ዘእንበለ ብካይ ላዕለ ኃጢአቱ/ ብኃጢኣቱ ምብካይ እንተዘይኮይኑ ካልእ ሓሳብ ኣይነበሮን” ከምዝብል ብኡ ንብኡ ብንብዓት፡ ንስሓ እዩ ዝተንሥአ። ተወካፌ ንስሓ፡ ርኅሩኅ ኣምላኽ ድማ ንስሓኡ ተቐቢሉ ቃል ኪዳን ኣተወሉ። ሐዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ መልእኽቱ፡-“ ምልኣት ዘመን ምስ በጽሐ ግና፡ ነቶም ትሕቲ ሕጊ ተሻይጡ ምእንቲ ኸውፅኦም ንሕና’ውን ውልድነት ምእንቲ ክንረክብሲ ኣምላኽ ነዚ ካብ ሰበይቲ ዝተወልደ ትሕቲ ሕጊ’ውን ዝኾነ ወዱ ለኣኾ።” (ገላ. 4፥4) ኢሉ ከምዘረጋገጾ፡ ነቲ ዚኣተወሉ ኪዳን ኣብ ጊዜኡ ፈጸመሉ።

* ኣብ ዘመኑ ካብቶም ዝነበሩ ሰባት ዝመስሎ ዘይብሉ፡ ብፍቓድ እግዚአብሔር ዚመላለስ ዝነበረ ጻድቕ ኣቦና ኖኅ እዩ ነይሩ። ብሰንኪ ኽፍኣትን ዓመፅን ደቂ ሰባት፡ ዓለም ብማይ ኣይኂ ኣብ ዝተቐጽዓትሉ እዋን፡ ኣቦና ኖኅ ካብ መርከብ ወፂኡ መሥዋዕቲ ኣቕረበ። እግዚአብሔር ድማ መሥዋዕቱ ተቐቢሉ፡ “ድኅሪ ደጊም ሕይወት ዘለዎ ዘበለ ዅሉ ብማይ ኣይኂ ኣይኪጠፍእን እዩ። ንምድሪ ዘጥፍእ ማይ ኣይኂ ድማ መሊሱ ኣይከውንን እዩ። እንሆ ኪዳነይ ምሳኻትኩም አቕውም ኣሎኹ። . . . ቀስተይ ኣብ ደመና አንብር ኣሎኹ። ንሱ ድማ ነቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ምድርን ዘሎ ኪዳን ምልክት ኪኸውን እዩ።” (ዘፍ. 9፥11-17) ኢሉ ቃል ኪዳን ኣተወሉ። 

* ኪዳነ ኣብርሃም’ውን ሓደ ካብቶም ዓበይቲ እግዚአብሔር ንኣበው ዝኣተዎ ኪዳን እዩ። ኣቐዲሙ ናይ በረኸት ቃል ኪዳን (ዘፍ. 12፥2) ዝተዋህበ ኣቦና ኣብርሃም፡ ምልክት ኪዳን ዝኾነ“ግዝረት” እዩ ዝተቐበለ። (ዘፍ. 17፥7-10) ኪዳነ ኣብርሃም በዚ ኣየብቕዐን፡ ኣቦና ኣብርሃም ክሳዕ ነቲ ሓደ ወዱ መሥዋዕቲ ምቕራብ ስለ ዝተኣዘዘ፡ እግዚአብሔር “ ኣዝየ ክባርኸካ እየ፡ ንዘርእኻ ድማ ከም ከዋኽብቲ ሰማይን ከምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑፃን ኣዝየ ከብዝኆ እየ፡ ሕዝብታት ኵላ ምድሪ ብዘርእኻ ኪባረኹ እዮም” ኢሉ መሓለሉ። (ዘፍ. 22፥16-18)። ብድኅሪኡ ውን ንይስሓቅን (ዘፍ. 26፥1-5)፣ ንያዕቆብን (ዘፍ. 28፥10-15) ቃሉ ከይለወጠ ኪዳን ኣትዩሎም እዩ።

* ከምዞም ዚቐደሙ ኣቦታት ፍቓዱ ምስ ዚፍጽም ንንጉሥ ዳዊት ውን “. . . ዘርእኻ ንዘለዓለም ኪጸንዕ ዝፋንካ’ውን ንውሉድ ወለዶ ኪሓንፅ እየ” (መዝ. 89፥3-4) ኢሉ ቃል ኪዳን ኣተወ።

ኪዳነ ምሕረት

ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ብኪዳነ ኣዳም፡ ኪዳነ ኖኅ፡ ኪዳነ ኣብርሃም፡ ኪዳነ ዳዊትን ብተወካልነት ነቢይ ሙሴ ዝተዋህበ ትእዛዛትን ሥርዓታትን. . . ወዘይመስሎ ዝተመሥረተ ብሉይ ኪዳን ጊዜያዊ ተስፋ ዝነበሮ፡ ፍጹም ምሕረት ዘይህብ እዩ ነይሩ። በዚ ኸኣ ነዚ ምሳሌያዊ ቃል ኪዳን ፍጹም ዚገብርን፡ ዚትርጕምን ኪዳን የድሊ ነበረ። “ኣምላኽ ብዛዕባና ዝኃይሽ ስለዝሓለየ፡ ብዘይካና ናብ ፍጻሜ ምእንቲ ከይበጽሑስ እዚኣቶም ኵላቶም ብእምነት እኳ ተመስኪርሎም እንተኾነ ነታ ተስፋ ኣይረኸብዋን” (ዕብ. 11፥39-40) ተባሂሉ ከምዝተጻሕፈ ፍጹም ድኅነት ዚህብ ኣማናዊ ኪዳን ተዋህበ። እዚ ቃል ኪዳን እዚ “ኪዳነ ምሕረት” ይበሃል። ንቀደምት ኣበው “እስመ ትቤ ለዓለም አሐንፅ ምሕረተ፡ በሰማይ ጸንዐ ጽድቅከ፡ ኪዳነ ተካየድኩ ምስለ ኅሩያንየ።” (መዝ. 88፥2-3) ተባሂሉ ዝተዋህበ ተስፋ፡ ፍጻሜኡ እዚ ብኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝተገልጸ፣ ብክቡር ደሙ ዝተመሥረተ (ማቴ. 26፥27-28) ናይ ምሕረት ሓድሽ ቃል ኪዳን እዩ። 

ኣብ ዘመነ ሓዲስ “ኪዳነ ምሕረት” ቅጽል ስም ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም እዩ። ምኽንያቱ ኣምላኽ ወዲ ኣምላኽ ነቲ ኣቐዲሙ ንአበው ብኅብረ ምሳሌ፡ ንነቢያት ብኅብረ ትንቢት ኪገልጾን ከተስፍዎን ዝጸንሐ ነገረ ድኅነት ካብኣ ተወሊዱ ስለ ዝፈጸሞ እዩ፡፡ ከምኡ’ውን ካብኡ ንኃጥኣን ለሚና ፍጹም ምሕረት ተውህበሉ ኪዳን ስለዝተቐበለት እዩ።

ቅድስት ድንግል ማርያም ድኅሪ ትንሣኤኡ ናብ መቓብሩ እናኸደት ትጽሊ ነበረት። ጸላኤ ሠናያት ዝኃደሮም እኩያን ኣይሁድ ብዳርባ እምኒ ኪቐትልዋ መዲቦም ነቲ መቓብር ብወተሃደራት ኪሕሎ ብሥዉር መኺሮም ከብቅዑ፡ ንሳ ግና ብረድኤት ወዳ ተኸሊላ ናብቲ ቦታ እናኸደት ትጽሊ ነበረት። እንሆ ድማ ካብ መዓልታት ሓደ መዓልቲ ዕለት 16 የካቲት ከም ልማዳ እናነብዐት ክትጽሊ ከላ ፍቁር ወዳ እልፍ ኣእላፋት መላእክት ኣኸቲሉ ብግርማ መለኮቱ ምስ ተገልጸላ፡-“ዝኽረይ ዚገብር፣ ብስመይ ቤተ ክርስቲያን ዚሐንፅ፣ ብስመይ ንዚዓረቐ ዚኸድን፣ ንዝጠመየ ዜብልዕ፣ ንዝጸምአ ዜስቲን ከምኡ ውን ንዝኃዘነ ዜጸናንዕ፡ ምስጋናይ ዚጽሕፍ፥ ብስመይ ውሉዱ ዚሰሚ፣ ኣብ ዕለት በዓለይ ምስጋናይ ዘብጽሕ፡ ኦ! ጐይታ፡ ዓይኒ ዘይረኣዮ፡ እዝኒ ዘይሰምዖ፡ ልቢ ሰብ’ውን ዘይሓሰቦ፡ ብዙኅ ዓስቢ ሃቦ።” እናበለት ለመነቶ። ፍቁር ወዳ ድማ ጸሎታ ሰሚዑ፥”ስምኪ ዚጸውዐ፤ ብስምኪ ቤተ ክርስቲያን ዚሓነፀ፤ ብስምኪ ሽጉር ዚረድአን ኅዙን ዜጸናንዐን፤ ውዳሴኺ ዚጸሓፈን ዜጽሓፈን፤ ንውላዱ ብስምኪ ዚሰመየ፤ ኪምሕረልኪ እየ. . .ኵሉ ዚደለኽዮ ኪፍጽመልኪ፡ ዚለመንኪዮ ኪህበኪ እየ። ነዚ ኪዳን እዚ ንኸየፍርስ ድማ ብስመይ ምሒለልኪ ኣሎኹ።” ብምባል ቃል ኪዳን ምሕረት ኣተወላ። 

ኪዳነ ምሕረት ዝተቐበለትሉ ድኅሪ ዕርገት ክርስቶስ ኣብ 16 የካቲት ብምዃኑ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ወወርኁ ኾነ ኣብ ኣዓመቱ በዚ ቃል ኪዳን እዚ እናተማኅፀነት ብምዕሩግ መንፈሳዊ በዓል ተኽብሮ።“ብኪ ድኅነ ዓለም ወበወልድኪ ኮነ ሰላም/ ዓለም ብኣኺ ደኃነ፡ ብወድኺ’ውን ሰላም ኮነ።” ፤“ኪዳንኪ ኀይልነ ወጸወንነ/ ዝኣተወልኪ ኪዳን ኃይልናንን ጸግዕናን እዩ/. . .” እናበልና ነመስግንን፣ ድንግል ማርያም ወላዲተ ኣምላኽ እያ እሞ፡ እግዚአብሔር ኣምላኽ ንዝፍጽሞ ኵሉ መንፈሳዊ ሥራሕ ምኽንያት ከምዝኾነት ብዘይሕሶ ቃል ንምስክርን።

* ንሳ: ናይቶም ተምሳልን ጽላሎትን ዝኾኑ ቐዳሞት ኪዳናት መፈጸምታ ኣማናዊ ኪዳን ብምዃና፡- “ኖኅ ካብ ክፉእ ማይ ኣይኂ ዝደኃነላ መርከብ ቅድስት ድንግል ማርያም እያ።” (ቅዳሴ ማርያም ቍ. 31)፣ ኣብ መርከብ ኖኅ ዝነበሩ ጥራይ ከምዝደኃኑ፡ ከምኡ ድማ ብሰንኪ ኃጢኣት ዓለም ካብ ዝዘንም መዓት ማይ ኣይኅን ብዕልቕልቕ ኣስጢሙ ናብ ሲኦል፡ ገሃነመ እሳት ካብ ዚወስድ ማይ ጥፍኣትን እተድኅነና መርከብ ኪዳነ ምሕረት፡ ንሳ እያ። 
 

* ኣብሣሪት ሰላም ርግቢት’ውን ምሳሌ ቅድስት ድንግል ማርያም እያ። መሊኡ ዝነበረ ማይ ኃጢኣት፡ ‘ካባይ ካብ ዝተወልደ መድኃኔዓለም ክርስቶስ ብስቕለቱ ጐደለ’ እናበለት ንኃጥኣን ሰላምን ምሕረትን እተበሥር፡ ብኣማላድነታ ሓጐስን በረኸትን እትእውጅ ንሳ እያ። ቀስተ ደመና ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ተዘርጊሑ ከምዝርአ፡ ኵሉ ትውልዲ ኣብ ዘመነ ብሉይ ካብ ኣዳም ጀሚሩ ብምሳሌን ትንቢትን፣ ኣብ ዘመነ ሓዲስ ድማ ካብ ሰማያዊ መልኣኽ ቅዱስ ገብርኤል ክሳዕ ምድራዊት ቅድስት ኤልሳቤጥ ዝተዘርግሐ ውዳሴኣ፡ እናደገሙ ምልክት ድኅነቶም ከምዝገብርዋ ዘረድእ እዩ።
 

* ቅድስት ድንግል ማርያም ኣደ ዅሉ ብምዃና ኣቐድም ኣቢሉ ክቡር ዳዊት “እምነ፡ ጽዮን ይብል ሰብእ ወብእሲ ተወልደ በውስቴታ ወውእቱ ልዑል ሣረራ” (መዝ. 86፥5) ብምባል ከምዝተነበየላ ኵሉ ሰብ “ኣዴና፡ ጀማሪት ድኅነትና፡ መሠረት ንጽሕናናን ኣኽሊል ትምክሕትናን” ዝብላ ንኪዳነ ምሕረት ድንግል ማርያም እዩ።
 

* ኣዴና ቅድስት ድንግል ካብ ፍቁር ወዳ ዝተቐበለቶ ናይ ኪዳን ምሕረትን ተራዳእነታን ኣብ ሓደ ዘመን ተፈጺሙ ጠጠው ዝብል ዘይኮነሲ ከምቲ ምስጋናኣን ውዳሴኣን ክሳዕ ኅልቀተ ዓለም ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተሳገረ ዝቕጽል እዩ። ሓንሳእ ብእግዚአብሔር ኣምላኽ ዝተዋህባ ቃል ኪዳን ከም ምዃኑ ድማ ነቶም ኣብዚ ሰማያዊ ኪዳን ተኣሚኖምን ኣጽሊሎምን ዚነብሩ ዘይዕጸፍን ጽኑዕን ኪዳን ምዃኑ ድማ ከነስተውዕል ኣሎና፡፡

“ ወካዕበ ተማኅፀነ በማርያም እምከ እንተ ይእቲ እግዝእትነ ወመድኃኒትነ ወትምክሕተ ዘመድነ በወሊዶተ ዚአከ፡ እስመ አንተ ትቤላ ዘገብረ ተዝካረኪ ወዘጸውዐ ስመኪ ቦ ሕይወት ዘለዓለም የሐዩ / ደጊምና ኸኣ ንኣኻ ብምውላድ እመቤትናን መድኃኒትናን ናይ ባህርይና መመክሒትን እያ እሞ ብኣዴኻ ማርያም ንምኅፀን ኣሎና። ከመይ! ንስኻ ‘ስምኪ ዝጸውዐን ዝኽርኺ ዝገበረን ናይ ዘለዓለም ሕይወት ኣለዎ’ ኢልካያ ኢኻ።” ቅ. ያዕቆብ ዘሥሩግ ቍ. 86
ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር፡ አሜን!

Ad Right

ዘመነ ማቴዎስ 12 ሚያዝያ 2013 ዓ.ም…

April
Tuesday
20
ዝክር፦ እስክንድር፡ወተፈነወ ሚካኤል ኀበ ኤርሚያስ፡ ወእንጦንዮስ፡ ወጋግዮስ፡ ወኤስድሮስ። ዘቅዳሴ ምንባብ መልእክታት ኤፌ. 1፡15-ፍጻሜ 1ይጴጥ. 2፡13-16 ግብረ ሓዋርያት ግብ. ሐዋ. 13፡16-21 ምስባክ መዝ. 129/130 ወንጌል ሉቃ. 24፡13-23 ቅዳሴ ቅዳሴ ዘያዕቆብ ዘሥሩግ። * * *
00:00 h

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ገብር ኄር ወኒቆዲሞስ መምህር ተስፋሥላሴ ዘርአ እግዚእ

ቀደምት ሊቃውንት አበው ካብ ዕምቈት ፍልጠትን ምልከት ቋንቋን ዝተላዕለ ብዛዕባ ዝኾነ ኣርእስቲ ንስብሐተ እግዚአብሔር፡ ንነገራት፡ ንጊዜ ፡ ንኵነታት፡ ንሥነ ፍጥረት፡...

ቅዱስ ሲኖዶስ ካልኣይ መግለጺ ኣውፂኡ!

መቐጸልታ ናይቲ 30 መጋቢት ዘውፅኦ መግለጺ፡ ቅዱስ ሲኖዶስ 7 ሚያዝያ ምርጫ 5ይ ቅዱስ ፓትርያርክ ሕግን ሥርዓትን ቤተ ክርስቲያን ብዝተኸተለ ኣገባብ...

7ይ ሰንበት ዓቢይ ጾም፡ ‘ኒቆዲሞስ’

ኣብ ዓቢይ ጾም ካብ ዘለዋ ሸሞንተ ሰናብቲ፡ እታ ሻብዓይቲ ሰንበት ‘ኒቆዲሞስ’ ትብሃል። ኣብዛ ዕለት’ዚኣ ዚዝመርን ዚንበብን ዚወሃብ ትምህርትን ብዛዕባ ኒቆዲሞስ...

ቅዱስ ዘሲማስ ምስ ጻድቃን ዘብሔረ ብፁዓን

ቅዱስ ዘሲማስ፡ ካብ ወገን ፍልስጥኤም መፍቀርተ እግዚአብሔር ሥድራ ቤት ክርስቶስ ዝኾኑ ወለዲ ተወሊዱ። ገና ብንእስነቱ መንፈሳዊ ጥበብን ትምህርተ ሃይማኖትን ሥርዓተ...

ጽንዕቲ ባሕታዊት - ማርያም ግብጻዊት

ኣብ ወሰናስን ፈለግ ዮርዳኖስ ዝርከብ ገዳም ዝነብሩ መነኮሳት፣ ከም ልምዲ ዓመት መጸ ዓቢይ ጾም ተጀሚሩ ክሳዕ ዝውዳእ ኣብ ዘይረኣአይሉ ቦታ...

ቅዱስ ሲኖዶስ ኃሙሻይ ፓትርያርክ ንምሻም ዝምልከት መግለጺ ኣውፂኡ!

30 መጋቢት 2013 ዓ.ም.ግ (08/04/2021 ዓ.ም.ፈ) ቅዱስ ሲኖዶስ ብዘለዎ ልዑላዊ ሥልጣንን ኃላፍነትን ሕግን መምርሕን ቤተ ክርስቲያን ተኸቲሉ ኃምሻይ ፓትርያርክ ንምሻም...

ህልው ኵነታት ቤት ትምህርቲ ሥነ መለኮት ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ…

1 ሚያዝያ 2013 ዓ.ም.ግ (09 ሚያዝያ 2021 ዓ.ም.ፈ) ንህልው ኵነታት ቤት ትምህርቲ ሥነ መለኮት ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ መንፈሳዊ ኮሌጅ...

ቅዱስ ሲኖዶስ ንዝተመኃየሸ ሕጊን መምርሒን ጥሮታ ኣጽዲቑ!

ጥሮታ (መልዕሎ) ኣገልገልትን ሠራሕተኛታትን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ኣገልጊሎም ኣብቲ ኃይሎም ዝደኸመሉ፡ጥዕና ዝሰኣኑሉን ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣገልግሎትን ሥራሕን ምስ ዘቋርጹ...

6ይ ሰንበት፡ ‘ገብርኄር’

 ሻዱሻይ ሰንበት ዓቢይ ጾም “ገብርኄር” ትበሃል። እዛ ሰንበት እዚኣ ‘ገብርኄር’ ዝተሰምየት፡ ማኅሌታይ ቅዱስ ያሬድ ኣብ ዝደረሶ ጾመ ድጓ፡ ብዛዕባ ቅኑዓት...

አሥርቆት ዘወርኀ ሚያዝያ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ! አሥርቆት ዘወርኀ ሚያዝያ ዮም ሠረቀ ለነ ወርኀ ቡሩክ ሚያዝያ ያብጽሐነ እስከ ወርኀ ግንቦት በሰላመ እግዚአብሔር...

ኣብ ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ መንፈሳዊ ኮሌጅ ሓዲሽ እብረ ትምህርቲ…

ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ መንፈሳዊ ኮሌጅ፡ ነቲ ኣብ መሥርሕ ዝጸንሐ ትምህርቲ መዕጸዊ ብምግባርን  ሓደስቲ ተማሃሮ ብምቕባልን ሓድሽ እብረ ትምህርት ጀሚሩ።

ኣብ ገዳም አቡነ ብፁዐ አምላክ ልምዓታዊ ዕዮታት ብጽቡቕ ይሳለጥ ኣሎ!

ኣብ ገዳም አቡነ ብፁዐ አምላክ፡ ልምዓታዊ ዕዮታት ብፍላይ ከኣ ኣብ ሕንፃዊ ሥራሓት ብጽቡቕ ይሳለጥ ኣሎ! እዚ ገዳም እዚ እቲ ተደኲንሉ...

  

latest articles

PRAYER

Prayer is a word by which man communicates with his Creator in Faith, thanking and beseeching Him for the forgiveness...

FAITH AND WORKS

Faith is “a confidence or trust in God”. Faith gives assertion to the things we hope for and explains the...

The feast of the Holy Cross - Mesekel (The Founding…

The Mesekel holiday is celebreated on Meskerem 17 (27th of September) and Megabit 10 (19th of March). The word Meskel...

The Ascension of St Mary (part two)

Moreover, Whilst John the evangelist was preaching in the country of Asia, on the sixteenth day of the month of...

The Ascension of St Mary (part one)

"At your right hand stands the queen." (Psalm 45:9)IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY...

The Fast of Assumption of the Virgin Mary

This fast lasts from Nehassie (August) 1 to 16. Our Lady departed on 21 of Ter (January) in 50 A.D...

“Blessed is he that considereth the poor” Ps. 41:1

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God Amen. The basic necessities...

The Apostle Saint Paul

Saint Paul was a Jew, of the tribe of Benjamin, a Pharisee, the son of a Pharisee; and his kinsfolk...

The Apostle st. Peter

Peter was from Bethsaida, and he was a fisherman.  Our Lord chose him on the second day following that whereon...

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...

The feast Of Pentecost

IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY SPIRIT, ONE GOD. On this day the Holy...