ኅዳር ጽዮን

Nov 30, 2019

ተኣምር ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣብ ዝነግር መጽሓፍ ‘ተኣምረ ማርያም’ ከምዝገልጾ፡ ነቶም ዝኽበሩ 33 በዓላት ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ክንፈቅድ ከሎና ኅዳር 21 ንቘጽር። ዓመት ዓመት 21 ኅዳር ድማ ብስም ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣብ ዝተሓንፁ ኣብያተ ክርስቲያን ‘ኅዳር ጽዮን’፡ ‘ኅዳር ማርያም’ ተባሂሉ መንፈሳዊ በዓል ይኽበር። እዚ በዓል'ዚ ኣቦታትና ካብ ቀደም እናኽበርዎ ዝመጽኡ ዓቢይ በዓል እዩ።

ምኽንያት ኣበዓዕላኡ ድማ ፦

• መጽሓፍ ‘ተኣምረ ማርያም’ ኣብ መቅድሙ ከረድእ ከሎ፡- “ኣብዚ ወርኂ’ዚ ኣብ መበል 21 መዓልቲ ነቢይ ዘካርያስ ናይ ቀንዴል ፋና ኬበርህ ዝረኣየሉ መዓልቲ እዩ” (ዘካ. 2፥2)

• ታቦተ ጽዮን ኣብ ምርኮ፦ ብተኣምራ ንዳጎን ሰባቢራ፡ ንዝደፈሩ ኣረማውያን ብመቕሠፍቲ ገሪፋ ናብ ሃገራ ዝተመለሰትሉ ወርኂ ኅዳር ምዃኑ እዩ። 1ይ ሳሙ. 2፥12፤ 7፥2። ‘ታቦተ ጽዮን’ ዝብል ስያመ’ ትርጕሙ ኣብ ጽዮን ዘላ ታቦት ማለት እዩ።

• ‘ታቦተ ጽዮን’ ኣብ ደብተራ ኦሪት (ኣብ ድንኳን) ንኣሽሓት ዓመታት ድኅሪ ምቕማጣ ንጉሥ ሰሎሞን ዓቢይ ቤተ መቅደስ ሓኒፁ ናብ ቤተ መቅደስ ዝኣተወትሉ በዓል ኮይኑ ዝኸበረሉ ወርኂ ኅዳር ምዃኑ ተፈሊጡ እዩ። (1ይ ነገ. 8፥1-67)

• ኣብዚ 4ይ ክፍለ ዘመን ድኅሪ ልደተ ክርስቶስ ኣብ ዘመን ቅዱሳን ነገሥታት ኣብርሃ ወኣጽብሐ ድማ ‘ታቦተ ጽዮን’ ብስም ‘ጽዮን ማርያም’ ተሰይማ ሥርዓተ ቅዳሴ ቤታ ኣብ ወርኂ ኅዳር ተኸቢሩላ እዩ።

• . . . ወዘይመስሎ

ዓመት መጽአ፡ 21 ኅዳር ብኣምሳል ታቦተ ጽዮን፡ ናይታ ኣማናዊት ታቦተ ጽዮን ዝኾነት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም “ኅዳር ጽዮን” ብዝብል ስም ክብ ብዝበለ በዓል ምኽባርና መሠረቱ መጽሓፍ ቅዱሳውን ክርስቲያናዊ ትውፊትን እዩ።

• ኣብ ዘመን ቅዱስ ዳዊት፡ ታቦተ ጽዮን ካብ ቤት ኣሚናዳብ ሥርዓተ ንግሥ ተጌሩ ብዝደመቐ በዓል ብዜማ ንእግዚኣብሔር እናኣመስገኑ ብ 30 ሺሕ ዝኣኽሉ ሰባት ተዓጂባ ብኽብሪ ኣብ ቤት ኣቢዳራ ን3 ወርኂ ተቐሚጣ እያ። ብምኽንያት ታቦት፡ እግዚአብሔር እቲ ንቤት ኣቢዳራ ከም ዝባረኸ ዝሰመዐ ዘማሪ ዳዊት ናይቲ በረኸት ተሳታፊ ምእንቲ ኪኸውን ነታ ታቦት ብማኅሌትን ብዝማሬን ብዓቢይ ክብርን ኣብ ከረን ጽዮን ስለ ዘዕረፋ፡ ካብዚ ጊዜ እዚ ጀሚሩ ‘ታቦተ ጽዮን’ እናተባህለት ክትጽዋዕ በቕዐት (2ይ ሳሙ 6፥1-19)።

• ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “ጽዮን” ዝብል ከከም ኣገላልጻኡ ዝተፈላለየ ትርጕም ኣለዎ፦

• ኣብታ ኣብ ከረን ሞርያ ዝተሓንፀት ቤት መቅደስ “ጽላተ ሕግ” (ታቦት ሕጊ) ስለ ዝነበረ ንከረን ሞርያ ‘ጽዮን’ ይብሎ። (ኢሳ. 8፥18 ፥ 18፥7 ፥ 24፥23)።

• ‘ኢዮሩሳሌም’ ውን ጽዮን ትበሃል ነይራ እያ። (2ይ ነገ. 19፥21 ፥ መዝ. 48፥2 ፥ 69፥35)።

• “ጽዮን” ዝብል ስም ሕዝቢ ኣይሁድ ይጽውዑሉ ኔሮም እዮም (መዝ 126፥1 ፥ ዘካ 9፥9)።

• ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ውን ከረን ጽዮን ተባሂላ ትፍለጥ እያ (ዕብ 12፥22፣ ራእ 14:1)።

• . . . ወዘይመስሎ

ኣብ ዘመነ ብሉይ ኪዳን ኵሉ’ቲ ዝተነግረ ትንቢትን ዝተመሰለ ምሳሌን ኣማናዊ ትርጕም ዝረኸበ ኣብ ሓዲስ ኪዳን ኣካላዊ ቃል መድኃኔ ዓለም ክርስቶስ ብዘደንቕን ብዘይምርመርን ምሥጢረ ተዋሕዶ ካብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ሰብ ኮይኑ ድኅሪ ምግላጹ እዩ። “ኣነ ንነቢያትን ሕግን ክፍጽም ደኣ እምበር ክስዕር ኣይመጻእኩን” ከም ዝበለ (ማቴ. 5፥17)። ድኅሪ ትንሣኤኡ ውን ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነቶም ኣርድእቱ ኦሪትን ነቢያትን እናጠቐሰ ፍጻሜ ከምዝረኸበ ከም ዝመሃሮም ቅዱስ ሉቃስ መስኪሩ እዩ። ስለዚ እቲ ምሥጢራዊ ኣማናዊ ትርጕም ናይ ‘ጽዮን’፦ ነታ ኣደ ኣምላኽና ሓቀኛ ታቦተ ጽዮን ንድንግል ማርያም ዝምልከት እዩ።

ዘማሪ ዳዊት በመንፈሰ ትንቢት ‘እምነ ጽዮን ይብል ሰብእ/ ሰብ ኣዴና ጽዮን ይብል’ (መዝ. 87፥5) ከምዝበለ፡ ዋላ እኳ ብምሳሌያዊ ኣዘራርባ ብዛዕባ ኢየሩሳሌም፡ ናይ ኦሪት ቤት መቅደስ፡ ብዛዕባ ሕዝበ እስራኤልን ምስኣቶም ብሃይማኖት ዝምድና ብዛዕባ ዝነበሮም ኣኅጉራትን እንተገለጸ፡ እቲ ኣማናውን ምሥጢራውን ትርጕም ግና ብዛዕባ ናይ ሓዲስ ኪዳን ቤት መቅደስ (ቤተ ክርስቲያን)፡ ብዛዕባ እስራኤል ዘነፍስ ዝተባህሉ ክርስቲያን ክኸውን እንከሎ እቲ ዋና ምሥጢራዊ ትርጕሙ ኸኣ ብዛዕባ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝገልጽ ኮይኑ ንረኽቦ።

‘ጽዮን’ ዝተባህለት ድንግል ማርያም ምዃና ንኣና ንኦርቶዶክሳውያን ሓድሽ ነገር ኣይኮነን። ኣብቲ ናይ ወትሩ ጸሎትና’ውን “እንተ ይእቲ ስምዕየ ማርያም ጽዮን ለዓለመ ዓለም/ እታ ናይ ዘለዓለም ምስክረይ ድማ ጽዮን ማርያም እያ” ክንብል ከለና ማርያም ጽዮን ከም እትበሃል ንፈልጥ። “ሰብ ኣዴና ጽዮን ይብል” ምባሉ ብወንጌል ኣሚኑ ዝተጠምቀ ክርስቲያን ናይ ሃይማኖቱ መንነትን ናይ ክርስትናኡ መረጋገጺትን ንዝኾነት ‘ጽዮን እምባ መጸግዒት ኣደይ ይብላ’ ንኽብል እዩ።

ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም “ጸወነ ሥጋ ጸወነ ነፍስ” ኮይና ንሕዝበ ክርስቲያን ብነፍሶምን ሥጋኦምን ተስፋ ከይቈርጹ በቲ ዝተዋህባ ናይ ምሕረት ቃል ኪዳን፡ ብጸሎታን ኣማላድነታን መጸግዒት ኮይና ብረዲኤታን ብለውሃታን እትሕልዎም መንፈሳዊት ኣደ ምዃና ፈሊጦም “ከውልና፡ መጸግዒት ኣዴና” እናበሉ ከም ዝምኅጸንዋ ንኽገልጽ እዩ ክቡር ዳዊት “ሰብ ኣዴና ጽዮን ይብል” ኢሉ ዝመስከረ። ኣብ ጊዜ ሓጐሶምን ኃዘኖምን ቈልዑ ናብ ኣደኦም ከም ዝጽግዑ እሞ ንሳ ድማ ከም እተጸናንዖም ንኻልእ ዝተከወለ ኣይኮነን።

ከምኡ ድማ ቅድስት ድንግል ማርያም መንፈሳዊት ኣዴና ምዃና ብቓል ኪዳና ተማኅጺንና፡ ብኣማላድነታ ምስ ንኣምን ካብ መከራ ሥጋን ነፍስን ድኂንና ወረስቲ መንግሥቲ ወዳ ከምእንኸውን ዝተረጋገጸ እዩ።

  ናይ ኣዴና ጽዮን ቅዱስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣማላድነት ኣይፈልየና፡ ኣሜን።

 ወስብሐት ለእግዚአብሔር; አሜን!

No events found.

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ብርሃነ ዓለም፡ ማኅቶተ ቤተ ክርስቲያን፡ ንዋየ ኅሩይ ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ

ሐዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ ዓሌቱ ዕብራዊ ኾይኑ ኣብ ከተማ ጠርሴስ ተወሊዱ። ሮማውያን ነቶም ኣብ ትሕቲኦም ዚመሓደሩ ሕዝቢ፡ ሮማዊ ዜግነት...

ኰኵሐ ቤተ ክርስቲያን ሊቀ ሐዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ

ሊቀ ሓዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ ቅዱሳን ሓዋርያት: ብኸመይ ከም እተጸውዑን ክሳዕ ዕርገት ዝነበርዎ ኵነታትን ኣብ ኣርባዕቱ ወንጌል፡ ድኅሪ ዕርገትን ክሳዕ መጀመርያ ስሳታትን...

ዓምደ ሃይማኖት ወማኅቶተ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ቄርሎስ

ቅዱሳን አበው ሊቃውንት፡ ከም መጠን ስፍሓት ኣእምሮኦምን ጽንዓት ሃይማኖቶምን መንፈስ ቅዱስ ገሊጽሎም መንፈሳውያን ድርሳናት፡ ተግሣፃት፡ መድበላት ዝጸሓፉ፣ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ...

ብመስቀሉ ክዘንመልና እዩ ፈውሰ ምሕረቱ

እስከ ኽንዛረብ ምእንትዚ ተላቢዑ ዘሎ ኮሮና ሕማምእግዚአብሔር ንሰብ ክፈጥሮ ከሎ ብተድላ ብደስታ ክነብር እምበር ኣይነበረን ክሳቐ ብሕማምምናልባት ነዚ ሰብ ዘጽሕን...

ቅዱስ ሓዋርያ ታዴዎስ፦ “ነዚ እዩ ጐይታ ሃብታም መንግሥተ ሰማያት ካብ…

ታዴዎስ ማለት ዘርእን ማእረርን፡ ካህነ ኣምላኽ ማለት እዩ። ቍጽሩ ምስ ዓሰርተው ክልተ ሓዋርያት ኮይኑ ሃገረ ስብከቱ ሶርያ እዩ። ሊቀ ሓዋርያት...

አሥርቆት ዘወርኀ ሐምሌ

ዮም ሠረቀ ለነ ወርኀ ቡሩክ ሐምሌ ያብጽሐነ እስከ ወርኀ ነሐሴ በሰላመ እግዚአብሔር! ወርኀ ሐምሌ ቡሩክ መዓልቱ ፲ወ፬ቱ ሰዓት ወሌሊቱኒ ፲ቱ...

ገዳም ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ ቴድረር

ገዳም ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ ቴድረር ኣብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ደቀምሓረ፡ ካብ ከተማ ደቀምሓረ ንደቡብ 25 ኪሎ ሜትር ኣብ ከባቢ...

“ብኃጢኣት ሕዝበይ እየ ኣብ ኢድኩም ኣውዲቐያ!”

ገቢረ ተአምራት ወላዲተ ኣምላክ ድንግል ማርያም፡ ተነጊሩ ዘይጽገብ ተጻሒፉ ዘይፍጸም እዩ። ካብ ፅንሰታ ዝጀመረ ገቢረ ተአምራት ክሳዕ ምጽኣተ ክርስቶስ በቲ...

"ወያስተዴሉ ክረምተ ለምድር/ ንምድሪ ዝናም የዝንመላ” “መዝ. ፻፵፮፥፰/147፡8

ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና፡ ንዓመት ኣብ ኣርባዕተ ወቕትታት ማለት ዘመነ መፀው፡ ዘመነ ሓጋይ፡ ዘመነ ፀደይ ከምኡ ውን ዘመነ ክረምት ብምባል ትኸፍሎ። 

እንቋዕ ናብ ዘመነ ክረምት ብሰላም ኣብጽሓና!

ዘመነ ክረምት  ካብ 26 ሰኔ ክሳዕ 25 መስከረም ዘሎ ወቅቲ ጊዜ ክረምቲ እዩ። ሰማይ ብደመና ተሸፊኑ፡ ዝናም ብመብረቕን ድምፂ ነጐድጓድን ተዓጂቡ ንምድሪ...

“ብፁዕ ዘይሌቡ ላዕለ ነዳይ ወምስኪን/ ንድኻ ዝሓልየሉ ሰብ ብፁዕ እዩ”(መዝ…

ንሕይወተ ሥጋ ኣድለይቲ ዝኾኑ ነገራት ማይ፡ እንጌራ፡ ክዳን፡ መኅደሪ ቤት እዮም። (ሢራ. 29፡21) ብቐዳምነት ነዚኦም ዘይረኸቡን ዘይብሎምን ሰባት “ጽጉማት” ይበሃሉ። ብተወሳኺ’ውን...

ገዳም ደብረ ሲና

ገዳም ደብረ ሲና፡ ኣብ ዞባ ዓንሰባ ንኡስ ዞባ ዒላበርዕድ ከባቢ መንሳዕ፡ ካብ ዒላበርዕድ ንሸነኽ ምሥራቕ ብእግሪ ናይ ክልተ ሰዓትን ፈረቓን...

  

latest articles

The Apostle Saint Paul

Saint Paul was a Jew, of the tribe of Benjamin, a Pharisee, the son of a Pharisee; and his kinsfolk...

The Apostle st. Peter

Peter was from Bethsaida, and he was a fisherman.  Our Lord chose him on the second day following that whereon...

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...

The feast Of Pentecost

IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY SPIRIT, ONE GOD. On this day the Holy...

Ascension

After the Lord Jesus Christ had finished the operation of His wisdom upon earth, by His Passion, and His Death...

Tsinset (Annunciation – Feast of Incarnation)

In accordance with the cannon of the Church, one of the nine major feast days of Our Lord. it Tsinset (Annunciation...

The feast of presenting the lord Christ in the temple…

On this day we celebrate the feast of presenting the lord Christ to the temple after 40 days of his...

The Fast of Nineveh - Monday 10 – 12 February…

In Eritrean Orthodox Tewahdo Church, one of the seven fasting periods is the fast of Nineveh.

Mystery of Baptism

Baptism is the sacrament given to all who believe in the Mystery of the Trinity and the Mystery of Incarnation...

Mystery of Incarnation

Mystery of Incarnation means the mystery of the descending of God the Son who is one of the Trinity from...

Mystery of the Holy Trinity

The Eritrean Orthodox tewahdo Church has Five pillars of Mysteries through which it teaches and demonstrates its basic religious belief...