Print this page

ደመና ኤልያስ

Aug 16, 2018

ደመና ኤልያስ

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ንዝተነግሩ ምሳሌታት ምምርማርን ንናይ አበው ትርጕም ምስትውዓልን ጥበብ እዩ። ሓደ ካብ ምሳሌታት ድማ “ ደመና ኤልያስ ” ዝብል እዩ።
“ኤልያስ ድማ ናብ ርእሲ ቀርሜሎስ ደየበ። ናብ ምድሪ ሰጊዱ ኸኣ ገጹ ኣብ መንጐ ኣብራኹ ገበረ። ነቲ ጊልያኡ ድማ ደዪብኻ ናብ ባሕሪ ኣቢልካ ኣማዕዱ በሎ። ደዪቡ ኣማዕዲዩ ኸኣ ገለ እኳ የልቦን በለ።

ንሱ ኸኣ ሾብዓተ ሳዕ ተመላለስ በለ። ኰነ ድማ በታ ሳብዓይቲ ጊዜ እንሃ ክንዲ ኢድ ሰብ ዝምንኣሳ ደመና ካብ ባሕሪ ትለዓል ኣላ በለ። ንሱ ኸኣ በሎ ደዪብካ ንኣክኣብ ዝናም ከይዓግተካስ ሠረገላኻ ጽዒንካ ውረድ በሎ። ኰነ ድማ ብኡብኡ እቲ ሰማይ ብደመናን ብሽምቦባን ጸልመተ ብርቱዕ ዝናም ከኣ ኾነ። ኢድ እግዚኣብሔር ከኣ ኣብ ልዕሊ ኤልያስ ነበረት” (1ይ ነገ. 18፡41-45.)

እታ ደመና ክንዲ ኢድ ሰብ ዝምንኣሳ ክትከውን ከላ ካብኣ ዝተረኽበ ዝናም ግና ብዙኅ ነበረ። ነቲ ዝነቐጸ ምድሪ ኣተርኪሱ፡ ነቲ ዝቐምሰለ ኣለምሊሙ፡ ንደርቂ’ውን ኣጥፍአ። ሓዋርያ ያዕቆብ ኣብ ምዕራፍ 5፡17 ካብ ብሉይ ጠቒሱ ከም ዝመስከረ ብናይ ኤልያስ ጸሎት (ኣማላድነት) ሰማይ ዝናም ሃበ። ምድሪ’ውን ፍሬኣ ኣብቈለት። ደመና ናይ ድንግል ማርያም ፡ ዝናም ናይ ጐይታ፡ ምድሪ ከኣ ናይ ደቂ ሰባት ምሳሌ እያ።

እታ ንእሽቶ ፃዕዳ ደመና ንምድሪ ዘዕገበ ዝናም ከም ዝተረኸባ፡ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም’ውን ካብ ዘርኢ ወዲ ሰብ ዝተመርጸት ንእሽቶ ጓል ክነሳ ንናይ ባህርይ ኣምላኽ ንዝናመ ምሕረት ንኢየሱስ ክርስቶስ ብምውላድ ንሰላም ሃሪፉ፡ ንምሕረት ጸሚኡ ዝነበረ ወዲ ሰብ ብምጽጋቡን ብምርዋዩን ብደመና ኤልያስ ትምሰል።

ንእኣ’ውን “ናይ ዝናም ማይ ሓዚልኪ ዝተረኣኽልና ሓቀኛ ደመና ንስኺ ኢኺ፡ አብ ናይ ወዱ ምልክት ጌሩኪ፡ መንፈስ ቅዱስ ኃዲሩኪ፡ ኃይሊ ልዑል’ውን ከለለኪ፡ ኦ! ማርያም ንዘለዓለም ዝነብር ንወዲ ኣብ ንቃል ወሊድክልና መጺኡ’ውን ካብ ኃጢኣት ኣድኃነና’ ክብል ቅዱስ ኤፍሬም ኣብ ናይ ሠሉስ ውዳሴኡ ኣድኒቕዋ እዩ።

ኣማላድነታ ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን!

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!