ምሥጢረ ሜሮን

Jul 01, 2016

‘ሜሮን’፡ ድኅሪ ሥርዐተ ጥምቀት ዚፍጸም ጸጋ እግዚአብሔር ንምእመናን ዝወሃበሉ “ቅዱስ ቅብኣት” እዩ። ብዝርአ ኣገልግሎት ምቕባእ፡ ነቲ ዘይርአ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ስለዘውህብ ምሥጢረ ሜሮን ይበሃል። እዚ ምሥጢር’ዚ ድኅሪ ምሥጢረ ጥምቀት ዚፍጸምን ንእኡ ዘጽንዕን ብምዃኑ ዘይድገም ምሥጢር እዩ። ከምኡ’ውን ሓድሽ ጽላት፡ ሓድሽ ቤተ ክርስቲያን ሓደስቲ ንዋየ ቅድሳትን ኣሣእልን ምእንቲ ኪቕደሱ ቅብኣ ሜሮን ይቕብኡ እዮም።

ቅዱስ ቅብኢ ሜሮን ካብ ብዙኃት ናይ ዘይቲ ጠባይ ዘለዎም ኣትክልቲ ምስ ተዳለወ ብፍሉይ ጸሎት ቅዱስ ፓትርያርክን ሊቃነ ጳጳሳትን ተባሪኹ ይኸብር።

ቅብኣ ሜሮን ካብ ብዙኅ ዘይቲ ኣትክልቲ ተሓዋዊሱ ሓደ ምዃኑ መንፈስ ቅዱስ ሓደ ኪኸውን ከሎ ሃብትታቱ ግና ብዙኅ ምዃኑ ዘረድእ’ዩ።


• ቅብኣ ሜሮን ኣቐዲሙ ኣብ ብሉይ ኪዳን ንመንፈሳዊ ኣገልግሎት ይውዕል ነይሩ እዩ።
ያዕቆብ፦ ካብ ኣዳም ጀሚሮም ክሳዕ ሙሴ ዝነበሩ ኣበው ካብ እግዚአብሔር እናተሸሙ፡ ሃብተ ትንቢትን ክህነትን መንግሥትን እናተቐበሉ የገልግሉ ነበሩ። ኣቦና ያዕቆብ ውን ናይ’ዚ በረኸት እዚ ተኻፋሊ ኾይኑ ነታ ራእይ ሰማያት ዝረኣየላ ቦታ ዘይቲ ኣፍሲሱላ እዩ። (ዘፍ. 26፡10-ፍጻሜ) እዚ ንካህናት ሓዲስ ኪዳን ኣብነት እዩ።

እቲ ዘይቲ፡ ናይ ምሥጢረ ሜሮን፣ ኣቦና ያዕቆብ ናይ ካህናት ምሳሌ ኾይኑ ኣቦና ያዕቆብ ነቲ ቦታ ዘይቲ ኣፍሲሱ ከምዘኽበሮ ካህናት ድማ ብቅብአ ሜሮን ጸጋ እግዚአብሔር የውህቡ። ንጸጋ ጥምቀት’ውን የኽብሩሉ።

ኣሠራርሓን ኣገልግሎትን ቅዱስ ቅብኢ ንሊቀ ነቢያት ሙሴ ዝመሃሮ ልዑል እግዚአብሔር እዩ። ንሙሴ ኪዛረቦ ኸሎ “ንእኡ ከምቲ ኽኢላ ገባር ቅብኢ ዝገብሮ ጌርካ ጥዑም ዝጨናኡ ቅዱስ ዘይቲ ቅብኣት ግበሮ። ንሱ ቅዱስ ዘይቲ ቅብኣት ይኹን። ሽዑ ብእኡ ጌርካ ነቲ ኣነ ዝርከበሉ ድንኳን ምርኻብን ንታቦት ኪዳን፡ ንሰደቓን ነቲ ኣብ ሰደቓ ዘሎ ኣቕሑን፡ ንቐዋሚ ቐንዴል ምስ ናውቱ፡ ንመሠውዒ ዕጣን፡ ንመሠውዒ ናይቲ ዚሓርር መሥዋዕቲ ምስ ኣቕሑኡ፡ ነቲ ሸሓንን ኣጋሮኡን ቅባእ። ነዚ ዅሉ ቐድሶ እሞ ዅሉ ፍጹም ቅዱስ ኪኸውን እዩ። ዝተንከዮ ዘበለ ዅሉ ኸኣ ኺቕደስ እዩ’ በሎ። (ዘፀ. 30፡25-29) እቶም ብክህነት ኬገልግሉ ዝተመደቡ ኣሮንን ደቁን ክህነቶም በዚ ቅዱስ ቅብኢ ጸንዐ። “ንኣሮንን ንደቁን ብክህነት ምእንቲ ኬገልግሉኒ ቅብኣዮምን ቀድሶምን” በሎ። (ዘፀ. 30፡30) እዚ ሥርዓት’ዚ ቐጻልነት ዘለዎን ንወለዶታት ዚመኃላለፍ ምዃኑን ኪገልጽ ከሎ’ውን “እዚ ንውሉድ ወለዶኹም ቅዱስ ዘይቲ ቅብኣት ይኹነለይ” ይብል። (ዘፀ. 30፡31) እዚ ቅዱስ ቅብኢ’ዚ ከም ተራ ቅብኣት ዝኾነ ሰብ ኪሠርሖን ኪጥቀመሉን ከም ዘይግባእ ከረድእ ከሎ፡- “ኣብ ኣካላት ማንም ሰብ ኣይኵዖ፡ በቲ ናቱ ኣቃምማ ዝተዳለወ ኻልእ ዘይቲ ኣይትግበሩ። ንሱ ቅዱስ’ዩ እሞ ንኣኻትኩም ከኣ ቅዱስ (ፍሉይ) ይኹን። እቲ ኸምኡ ዝበለ ቅብኢ ዝገበረን እቲ ካህን ንዘይኮነ ኻልእ ሰብ ካብኡ ዝለኸየን፡ ካብ ሕዝቡ ይወገዝ” ይብሎ። (ዘፀ. 30፡32-33) በዚ መሠረት ካብ ቤተ ኣሮን (ነገደ ሌዊ) ዝተወልደ ብኽህነት ከገልግል፣ ካብ ቤተ ዳዊት(ነገደ ይሁዳ) ዝተወልደ ድማ ብንጉሥነት ኪመርሕ በዚ ቅዱስ ቅብኣት ይቕባእ ነበረ።

• ኣብ ዘመነ ብሉይ ኪዳን ከም ኣብነት ተገሊጾም ዘለዉ ኣብ ሓዲስ ኪዳን ተፈጸምቲ ኾይኖም ንረኽቦም።

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንደቀ መዛሙርቱ ብመሠረት ዝሃቦም ተስፋ ኣብ በዓለ ኃምሳ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሊኦም ወሪዱ’ዩ። ንሳቶም ድማ ነቶም ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝኣመኑ፡ ኣጥሚቖም ብኣንብሮተ እድ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ የኅድሩሎም ነበሩ። “እቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዘለዉ ሓዋርያት ከኣ ሰብ ሰማርያ ቃል እግዚአብሔር ከምዝተቐበሉ ምስ ሰምዑ፡ ንጴጥሮስን ዮሓንስን ለኣኹሎም። ንሳቶም ከኣ ወሪዶም መንፈስ ቅዱስ (ሃብተ ጸጋ) ምእንቲ ኪቕበሉ ጸለዩሎም። ምኽንያቱ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራይ ደኣ ተጠሚቖም ነበሩ እምበር መንፈስ ቅዱስ (ውህበት መንፈስ ቅዱስ) ገና ኣብ ሓደ ካባታቶም እኳ ኣይወረደን (ኣይተዋህበን) ነበረ። ሽዑ ኣእዳዎም ኣንበሩሎም’ሞ መንፈስ ቅዱስ (ንውህበቱ፣ ንጸጋኡ) ተቐበሉ” ይብል። (ግብ.ሓዋ. 8:14-17) ከምኡ’ውን “ነዚ ምስ ሰምዑ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ተጠምቁ ጳውሎስ ውን ኢዱ ምስ ኣንበረሎም ከኣ መንፈስ ቅዱስ (ሃብቲ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ) ወረደሎም (ተዋህቦም)” ይብል። (ግብ. ሓዋ. 19፡5-6)።

ቅዱሳን ሓዋርያት፡ ኣብ መልእኽታቶም ንጸጋ መንፈስ ቅዱስ ቅብኣት ይብልዎ ነበሩ። ሓዋርያ ቅዱስ ዮሓንስ “ንስኻትኩም ድማ ቅብኣት ካብቲ ቅዱስ ኣለኩም ንዅሉ ውን ትፈልጡ ኢኹም” ብምባል ነቲ ዝወሃብ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ብቅዱስ ቅብኣት ገሊጽዎ ኣሎ። (1ይ ዮሓ. 2፡20)። መንፈስ ቅዱስ ንፍልጠት ዝገልጽ መንፈስ እዩ። ስለዚ ኢድ ብምንባር ናይ መንፈስ ቅዱስ ጸጋ ምኅዳር ብዝተቐደሰ ቅብኣት (ሜሮን) ተተኪኡ ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ካብ ዘመን ሓዋርያት ጀሚሩ ኪሥርሓሉ ዝጸንሐ ሥርዓት እዩ። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ’ውን፦ “እቲ ብክርስቶስ ገይሩ ምሳኻትኩም ዘጽንዓናን ዝቐብኣናን ዝኃተመናን ኣብ ልብና’ውን ዕርቡን መንፈስ ዝሃበናን ኣምላኽ ንሱ’ዩ” (2ይ ቆሮ. 1፡21፣ ኤፌ. 1፡13 ፣ 4፡30) ብምባል ንቅዱስ ቅብኢ “ማኅተመ መንፈስ ቅዱስ” በሎ።

በዚ መሠረት ኣብ ዘመነ ሓዋርያት ሓደስቲ ኣመንትን ሕፃናትን ምስ ተጠምቁ ብኣንብሮተ እድ መንፈስ ቅዱስ ይኃድሮም ነበረ። ኣብ ዳኅራይ ዘመን ግና ምስ ምብዛኅ ምእመናንን ንኣሳልጦ ተልእኾን ኣብ ክንዲ ኣንብሮተ እድ ብቅብኣ ሜሮን ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ምኅዳር ብቤተ ክርስቲያን ተወሰነ።

ሥርዓተ ሜሮን ንኢድ ምንባር ዝተክአ ብምዃኑ ሎሚ ውን ካህናት ምስ ኣጥመቑ ሥርዓተ ተቀብኦ ሜሮን ይፍጽሙ።

እቲ ካህን ነቲ ዝተጠምቀ “እቀብአከ በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ” እናበለ ብኣምሳለ ትእምርተ መስቀል ኣመሳቒሉ፡ መጀመርታ ኣብ የማናይን ጸጋማይን ግንባሩ ይቀብኦ፣ ኣብ ገጹ’ውን ኡፍ ይብለሉ። ቀጺሉ ክልተ ቀዳዳት ኣፍንጫኡ፣ ክልተ ከናፍሩ፣ ክልተ ኣእዛኑ፣ ክልተ ኣዕይንቱ፣ ኣፍ ልቡን፣ ማእከላይ ርእሱ፡ ሕቈኡ፣ ኅንብርቱ፣ የማናይን ጸጋማይን ኣእዳዉ፣ ጸጋማይን የማናይን መንኩቡ፣ ክሳዱ፣ ምሕኵልቱ፣ የማናይን ጸጋማይን ኣእጋሩ፣ ኣብ 36 ኣባላት ኣካላቱ መኅደሪ እግዚአብሔር ኪኸውን ይቀብኦ።

ስለዚ ‘ሜሮን’ ንመንፈሳዊ ዕብየትን ጽንዓትን ኮነ ዘለዓለማዊ ድኅነት ኣገዳሲ እዩ። ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ናይ ምርካብናን፡ ካብ መንፈስ ቅዱስ ናይ ምውላድናን መረጋገጺ ማኅተመ መንፈስ ቅዱስ እዩ።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር፡ አሜን!

ዘመነ ዮሓንስ 30 ሰኔ 2012 ዓ.ም.ግ…

July
Tuesday
7
ዝክር፦ ልደቱ ለዮሐንስ መጥምቅ፡ ወማርያ ወማርታ፡ ወተዝካሩ ለገብረ ክርስቶስ መነኮስ፡ ወአባ ጌራን። ዘቅዳሴ ምንባብ መልእክታት፦ 1ይ ጢሞ. 4፡6-ፍጻሜ 3ይ ዮሐ. 1፡5-11 ግብ. ሐዋ. 19፡1-10 ምስባክ፦ መዝ. 21/22 ወንጌል፦ ሉቃ. 1፡67-ፍጻሜ ቅዳሴ፦ ዘወልደ ነጐድጓድ። * * *
00:00 h

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

አሥርቆት ዘወርኀ ሐምሌ

ዮም ሠረቀ ለነ ወርኀ ቡሩክ ሐምሌ ያብጽሐነ እስከ ወርኀ ነሐሴ በሰላመ እግዚአብሔር! ወርኀ ሐምሌ ቡሩክ መዓልቱ ፲ወ፬ቱ ሰዓት ወሌሊቱኒ ፲ቱ...

ገዳም ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ ቴድረር

ገዳም ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ ቴድረር ኣብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ደቀምሓረ፡ ካብ ከተማ ደቀምሓረ ንደቡብ 25 ኪሎ ሜትር ኣብ ከባቢ...

“ብኃጢኣት ሕዝበይ እየ ኣብ ኢድኩም ኣውዲቐያ!”

ገቢረ ተአምራት ወላዲተ ኣምላክ ድንግል ማርያም፡ ተነጊሩ ዘይጽገብ ተጻሒፉ ዘይፍጸም እዩ። ካብ ፅንሰታ ዝጀመረ ገቢረ ተአምራት ክሳዕ ምጽኣተ ክርስቶስ በቲ...

"ወያስተዴሉ ክረምተ ለምድር/ ንምድሪ ዝናም የዝንመላ” “መዝ. ፻፵፮፥፰/147፡8

ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና፡ ንዓመት ኣብ ኣርባዕተ ወቕትታት ማለት ዘመነ መፀው፡ ዘመነ ሓጋይ፡ ዘመነ ፀደይ ከምኡ ውን ዘመነ ክረምት ብምባል ትኸፍሎ። 

እንቋዕ ናብ ዘመነ ክረምት ብሰላም ኣብጽሓና!

ዘመነ ክረምት  ካብ 26 ሰኔ ክሳዕ 25 መስከረም ዘሎ ወቅቲ ጊዜ ክረምቲ እዩ። ሰማይ ብደመና ተሸፊኑ፡ ዝናም ብመብረቕን ድምፂ ነጐድጓድን ተዓጂቡ ንምድሪ...

“ብፁዕ ዘይሌቡ ላዕለ ነዳይ ወምስኪን/ ንድኻ ዝሓልየሉ ሰብ ብፁዕ እዩ”(መዝ…

ንሕይወተ ሥጋ ኣድለይቲ ዝኾኑ ነገራት ማይ፡ እንጌራ፡ ክዳን፡ መኅደሪ ቤት እዮም። (ሢራ. 29፡21) ብቐዳምነት ነዚኦም ዘይረኸቡን ዘይብሎምን ሰባት “ጽጉማት” ይበሃሉ። ብተወሳኺ’ውን...

ገዳም ደብረ ሲና

ገዳም ደብረ ሲና፡ ኣብ ዞባ ዓንሰባ ንኡስ ዞባ ዒላበርዕድ ከባቢ መንሳዕ፡ ካብ ዒላበርዕድ ንሸነኽ ምሥራቕ ብእግሪ ናይ ክልተ ሰዓትን ፈረቓን...

ክብረ በዓል ሕንፀተ ቤታ ወቅዳሴ ቤታ

20 ሰኔ ሕንፀተ ቤታ ከምኡ'ውን 21 ሰኔ ቅዳሴ ቤታ እናተባህለ ዝኽበር በዓል እዩ። እዚ ኸኣ ክብረ በዓል ናይታ ንመጀመርታ ጊዜ...

ቤተ ክርስቲያን - ቤተ ቅድስና ቤተ በረከት

ሥርዓተ ኣምልኾ ዝፍጸመሉ፣ ስብሐታትን ውዳሴያትን ዝበጽሓሉ፡ ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን ዝዳለወሉ፡ ነገረ ሃይማኖትን ሥርዓትን ትውፊትን ዝንገረሉ ቅዱስ ቦታ (ሕንፃ) ቤተ...

ኣባ ገሪማ

ስም ኣቡኡ ንጉሠ ሮማ መስፍያኖስ ስም ኣደኡ ሰፍኖግያ፡ ኣደኡ መካን ስለዝነበረት ናብ ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ለመነት እግዚአብሔር ነዚ ብሩክ...

“ፍቅረ ብጻይ ክሳዕ ሞት” - ኣባ ለትጹን

ኣብ ሃገረ ብሕንሳ ዝተወልደ፡ ሓደ ካብ ዓበይቲ ቅዱሳን ኣበው ናይ ፍቕሪ ኣቦ ‘ኣባ ለትጹን’ እዩ። ቅድሚ ምንኵስናኡ፡ ኣብ ዕድመ ጉብዝናኡ፡...

ዝክረ ዕለተ ሰማዕታተ ኤርትራ ብጸሎተ ፍትሓት ተዘኪሩ!

ኣብ ሥጋዊ ሕይወት ኮነ መንፈሳዊ ሕይወት ቀይሕ ደም ከይፈሰሰ ፃዕዳ ዓፅሚ ከይተኸስከሰ ብዘይ መሥዋዕቲ ናፅነት ኣይርከብን’ዩ። ሃገርካ ክወርር፡ ሕዝብካ ከሕስር፡...

  

latest articles

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...

The feast Of Pentecost

IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY SPIRIT, ONE GOD. On this day the Holy...

Ascension

After the Lord Jesus Christ had finished the operation of His wisdom upon earth, by His Passion, and His Death...

Tsinset (Annunciation – Feast of Incarnation)

In accordance with the cannon of the Church, one of the nine major feast days of Our Lord. it Tsinset (Annunciation...

The feast of presenting the lord Christ in the temple…

On this day we celebrate the feast of presenting the lord Christ to the temple after 40 days of his...

The Fast of Nineveh - Monday 10 – 12 February…

In Eritrean Orthodox Tewahdo Church, one of the seven fasting periods is the fast of Nineveh.

Mystery of Baptism

Baptism is the sacrament given to all who believe in the Mystery of the Trinity and the Mystery of Incarnation...

Mystery of Incarnation

Mystery of Incarnation means the mystery of the descending of God the Son who is one of the Trinity from...

Mystery of the Holy Trinity

The Eritrean Orthodox tewahdo Church has Five pillars of Mysteries through which it teaches and demonstrates its basic religious belief...

Welcome to the Feast of the Nativity of Our Lord…

Glory to God. When the appointed time of salvation and the foretold prophesies came to pass, God the Son come to...

In Memory of His Holiness Abune Yacob the Second Patriarch…

His Holiness Abune Yacob, the Second Patriarch was one of the reputable leaders of the EriOTC, a shining star of...