ምሥጢረ ሥጋዌ (2ይ ክፋል)

Mar 03, 2016

ምሥጢረ ሥጋዌ (2ይ ክፋል)

ወልድ፡ ንሥጋ ብምዋሓዱ ካብ ባህርይ ኣቦኡ አብ፡ ካብ ባህርይ ሕይወቱ መንፈስ ቅዱስ ኣይንእስን’ዩ

ወልደ እግዚአብሔር ምእንቲ ድኅነተ ሰብ፡ ሰብ ውን እንተኾነ ካብ ኣምላኽነቱ ኣይተለወጠን። እግዚአብሔር ድማ ብባህርይኡ ውላጤ ስለዘይብሉ “ኣነ እግዚአብሔር ኣይልወጥን እየ” (ሚል. 3፡6) ብምባል ብምልዋጥ ዘይኮነስ ብተዋሕዶ ሰብ ከምዝኾነ የረድኣና።

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ወልደ አብ በመለኮቱ፡ ወልደ ማርያም በትስብእቱ እዩ፣ ዝነበረን ዘሎን ዝነብርን እዩ። ሰብ ኮይኑ ኣብ ምድሪ ብሓፂር ቁመት፡ ብጸቢብ ደረት ተወሲኑ ስለዝተመላለሰ ካብ ዕሪና አብ ኣይተፈለየን። ካብ ተድኅሮን ተፈልጦን ንጹሕ እዩ። ተለዊጡ ፍጡር ወይ’ውን ኣማላዲ ኣይኮነን። “ኢየሱስ ክርስቶስ ትማልን ሎምን ንዘለዓለምን ንሱ እዩ” (ዕብ. 13፡8)።

ኣብ ወንጌል ተመዝጊቡ ዘሎ፡ ግብሪ ኃይልን ድኻምን ናይ ሥግው ቃል ኢየሱስ ክርስቶስ ሥራሕ እዩ። ብዘይ በይና ኃጢኣት ንዅሉ ናይ ሰብ ዝኾነ ናቱ ገይሩ እዩ። ኣብዚ ምድሪ ዝገበሮ ካብ ጊዜ ፅንሰቱ ክሳዕ ዕርገቱ ዝፈጸሞ ግብረ ትስብእት (ሰብኣዊ ሥራሕ) ናቱ እዩ። (ዮሓ. 8፡46, 1ይ ጴጥ. 2:22, ዕብ. 4:14-15) ።

እቲ ብዙኅ ድንቂ ድንቂ ተኣምራት ዝገበረ፡ ንሱ ጠመየ፡ ጸምአ፡ ኃዘነን በኸየን። ንናይ ዕለት ሓድሽ ሬሳ ወዲ እታ ድኻን ጓል ኢያኢሮስን ከምኡ’ውን ንናይ ኣርባዕተ መዓልቲ ሬሳ ኣልኣዛር ዘተንሥአ ንሱ ኣብ ጌቴሰማኒ ዝጸለየን ኣብ ቀራንዮ ዝተሰቕለን ንሱ ባዕሉ እቲ ሓደ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። (ማቴ. 9፡25, ሉቃ. 7፡11-17, ዮሓ. 11፡34-35) 
ንእግዚአብሔር ወልድ ብባህሪኡ ሞት ኣይሰማምዖን እዩ። እንተኾነ በቲ ዝተዋሓዶ ሥጋ ሞተ። ነዚ ክገልጽ ከሎ ሓዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ “ክርስቶስ ብሥጋ ምእንታና መከራ ካብተቐበለ. . . .” ይብል። (1ይ ጴጥ. 4፡1) ነቲ ናይ ክርስቶስ መከራ ምቕባል፦ ‘መለኮት ብሥጋ ሞተ’ ንብል። ከምኡ’ውን እቲ ሞት ዚሰማምዖ ሥጋ ብተዋሕዶ ናይ መለኮት ሕያውነትን ዘለዓለማውነትን ናቱ ስለዝገበረ፡ ‘ሥጋ ብመለኮት ሕያው ኮነ’ ንብል። ከምቲ “ሞተ በሥጋ ወሐይወ በመንፈስ” ዝብል። 1ይ ጴጥ. 3:18 
ኣብዚ ከነስተብህሎ ዝግብኣና ትምህርቲ ኣሎ። ነቲ ግብረ ሥጋዌ ምስቲ ቅድሚ ዓለም ምፍጣሩ ዘሎ ኵነታት ኣደባሊቕካ፡ ‘እግዚአብሔር ብባህሪኡ ሞይቱ’ ኢልካ ምዝራብ ኣይግባእን እዩ። ሠለስተ ኣካል ሥላሴ ሞይቶም ከም ምባል ስለዝኾነ ከቢድ ክሕደት’ውን እዩ። 
 

ጐይታና መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሓደ ኣካል ሓደ ባህርይ እዩ። ነዚ ኸኣ፦

• ምሥጢራዊ ቓልን ትምህርትን ኣብ ፈለግ ዮርዳኖስ የረድኣና። (ማቴ. 3፡17)ኣብ ፈለገ ዮርዳኖስ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክጥመቕ ከሎ፡ ሰማያት ተኸፊቶም ምሥጢር ተገሊጹ እግዚአብሔር አብ “ብእኡ ዝሠመርኩ ዝፈትዎ ወደይ እዚ’ዩ” በለ። ኣብዚ ጽሑፍ እዚ እግዚአብሔር አብ፡ ‘ወደይ እዚ’ዩ’ ኢሉ ዝመስከረሉ ንሥጋ ዲዩ ዋላስ ንመለኮት፧ እቲ መልሱ እግዚአብሔር አብ፡ ንሥጋን መለኮትን ብሓድነት ‘ወደይ’ በለ። ነቲ ሓደ ድኅረ ዓለም ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ዝተወልደ ሥግው ቃል ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ‘ወደይ’ በሎ። ‘ወልደ አብ ወልደ ማርያም ብተዋሕዶ ከበረ።’ ካብ ክልተ ኣካል ሓደ ኣካል፡ ካብ ክልተ ባህርይ ሓደ ባህርይ ኮነ’ ዝብል ትምህርቲ ምሥጢረ ሥጋዌ እዚ እዩ።
• ምሥጢራዊ ቓልን ትምህርትን ኣብ ደሴተ ፍጥሞ የረድኣና። (ራእ.ዮሓ. 2፡8) “እቲ ሞይቱ ዝነበረ ሕያውን ዝኾነ እቲ ቐዳማይን ዳኅራይን ከምዚ ይብል።” ቅድመ ዓለም ዝነበረን ድኅረ ዓለም ዘሎን ዝነብርን እግዚአብሔር ጥራይ’ዩ። እግዚአብሔር ብባህሪኡ ኣይመውት እዩ፣ ባዕሉ ግና ‘ሞይተ ነይረ እንሆ ውን ሕያው’የ’ ይብል። እዚ ድማ ‘መለኮት ብሥጋ ሞተ’ ንምባል’ዩ። እምበኣርከስ ሓደ ኣካል ሓደ ባህርይ እንተዘይከውን ነይሩ ቅድመ ዓለም ዝነበረን፡ ሞይቱ ዝተንሥአን ምዃኑ ኣይምገለጸን ነይሩ። እቲ ቅድመ ዓለም ዝነበረ ንሱ’ዩ። ሞይተ’ውን ነይረ ዝበለ እቲ ቅድመ ዓለም ዝነበረ ድኅሪ ዓለም ንዓለም ኣኅሊፉ ዚነብር’ዩ። እዚ ድማ እቲ ዝሞተ እቲ ሥጋ ዝኾነ ቃል እዩ።

ሥጋ ብተዋሕዶ ናይ ባህርይ ኣምላኽ እዩ። እዚ ድማ፦

• ዳን. 7፡13 “ብራእያት ለይቲ እጥምት ነበርኩ እንሆ ኸኣ ወዲ ሰብ ዚመስል ብደመና ሰማይ ይመጽእ ነበረ ናብቲ ጥንታዊ ዝመዓልቱ ድማ በጽሐ ናብ ቅድሚኡ ውን ኣቕረብዎ ኵላቶም ኣሕዛብን ወገናትን ቋንቋታትን ኬገልግልዎስ ግዝኣትን ክብርን መንግሥትን ንእኡ ተዋህበ ግዝኣቱ ዘይኃልፍ ዘለዓለማዊ ግዝኣት እዩ፣ መንግሥቱ’ውን ከቶ ኣይትጠፍእን’ያ” ኣብዚ ጽሑፍ እዚ ‘መንግሥቱ’ ዝብሎ ነቲ ናይ መለኮት ናይ ኣምላኽነቱ’ዩ። እዚ ዝተነግረ ግና ንመለኮት ጥራሕ እዩ ከይንብል ከኣ ኣቐድም ኣቢሉ ‘ወዲ ሰብ’ ብምባል ገሊጹልና ይርከብ። እምበኣር ሰብነት ከመይ ጌሩ ብተዋሕዶ ኣምላኽ ይኸውን ንዚብሉ ከመይ ጌሩ ደኣ ኣሕዛብን ወገናትን ኵሉ ከምልኽዎ እዮም ኢሉ ተጻሒፉሉ ንብሎም። 
• መዝ. 47፡5 “ኣምላኽ ብዕልልታ እግዚአብሔር ብደሃይ መለኸት ዓረገ” ይብል። እቲ ንቅዱሳን ሓዋርያት ካብኦም ብርሕቐት ተፈልይዎም ዝዓረገ ኣምላኽ ሥግው ቃል ምዃኑ ንኸረድኣና ‘እግዚአብሔር ዓረገ’ ኢሉ ጸውዖ። 
• ራእ. 1:17-18 “ኣይትፍራህ እቲ ቐዳማይን ዳኅረዋይን ሕያውን ኣነ እየ ሞይተ ውን ነበርኩ፡ እንሆ ውን ካብ ዘለዓለም ክሳዕ ዘለዓለም ሕያው እየ፡ ናይ ሞትን ሲኦልን መኽፈቲ’ውን ኣሎኒ”ይብል። ቅድመ ዓለምን ድኅረ ዓለምን ዝነበረ ኣምላኽ ጥራሕ እዩ እምበር ቅድሚ ተዋሕዶ ሥጋ ቐዳማይን ዳኅራዋይን ኪኸውን ኣይከኣሎን እዩ። ሞ’ ውን ናይ ሥጋ እዩ እምበር ናይ ኣምላኽ ኣይኮነን። ጐይታ ግና ብተዋሕዶ ምንታዌ (ክልተነት) ኣጥፊኡ ሓደ ኣካል፡ ሓደ ባህርይ ምዃኑ ንኸረድኣና እቲ ቐዳማይን ደኅራዋይን ዝሞትኩን’ውን ኣነ እየ’ በለ።

ትምህርተ መናፍቃን ኣብ ልዕሊ ክርስቶስ

ነዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ርቱዕ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተቓነየ ትምህርተ ሃይማኖት ዘይተረድኦምን ብሥጋዊ ጥበብን ፍልስፍናን ልቦናኦም ዝዖሩን በብዘመኑ ዝተንሥኡ ሰባት ብዛዕባ ክርስቶስ ዘለዎም ኑፋቄያዊ ትምህርቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንኸእትዉ ብዙኅ ጊዜ ፈቲኖም’ዮም። ካብዚኣቶም ብውኁዱን ሕፅር ብዝበለን ክንጠቅስ፦
- ኣርዮስ፦ ብ325 ዓ.ም. ኣብ ጉባኤ ኒቅያ ብ318 ሊቃውንተ ቤተ ክርስቲያን ዝተወገዘ መናፍቅ እዩ። ትምህርቲ ኣርዮስ ከምዚ ዚስዕብ’ዩ። “ወልድ ፍጡር እዩ ግና ልዕሊ ዅሉ ፍጡራን’ዩ ንአብ ፍጡሩን ወዱን’ዩ፣ ዳኅራይ ውን ኣብ መዋዕለ ሥጋዌ ብዘርኣዮ ተኣዛዝነትን ተጋድሎን ጽንዓትን ካብ እግዚአብሔር ቡራኬን ጸጋን ተቐቢሉ ከም ጻድቃንን ሰማዕትን ድማ ሱታፌ ኣምላኽነት ረኸበ” ዝብል እዩ (ሎቱ ስብሐት!)። ነዚ ትምህርቲ ክሕደቱ ኣብቲ ጉባኤ ምስ ኣስምዐ ቅዱስ ኣትናቴዎስ መጽሓፍ ቅዱስ መሠረት ብምግባር፦
1. ወልድ ናይ አብ ናይ ባህርይ ወዱ ፈጣሪ ፍጥረታት ምዃኑ እምበር፡ ፍጡር ከምዘይኮነ፣
2. ወልድ ምስ ኣቦኡ ማዕረ ስግደትን ኣምልኾን ዚግብኦ ከምዝኾነ፡ 
3. ሰብ’ውን እንተኾነ ዝጐደሎ ነገር ከምዘየልቦ 
4. . . . 
ኣግፊሑን ኣርቂቑን ኣረድአ። ሠለስቱ ምእት ውን ንኣርዮስ ካብ ክሕደቱ ኪምለስ ሓተትዎ። ንሱ ግና ስለዘይተመልሰ ረቲዖም ኣውጊዞም ፈለይዎ።

- ንስጥሮስ፦ ብ431 ዓ.ም. ኣብ ጉባኤ ኤፌሶን 200 ብዝኾኑ ሊቃነ ጳጳሳት ዝተወግዘ መናፍቅ’ዩ። ትምህርቲ ንስጥሮስ ሕጽር ብዝበለ “ኢየሱስ ክርስቶስ ክልተ ኣካል፡ ክልተ ባህርይ እዩ፣ ካብ ማርያም ዝተወልደ ዕሩቅ ብእሲ (ሰብ) እዩ።” ብካልእ ኣበሃህላ ወልደ አብ ካልእ፡ ወልደ ማርያም ካልእ እዩ ዝብል እዩ ነይሩ። እዚ ማለት ከኣ ሥጋ ንቓል ማኅደሩ ተሰካሚኡ እዩ፣ ወይ’ውን ሥጋን ቃልን ከም ዳዊትን ማኅደሩን ወይ ከኣ ሴፍን ማኅደሩን ከም ማለት እዩ። ንስጥሮስ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝተኸሎ መስማር ኑፋቄ ብቅዱስ ቄርሎስ መዶሻ (ትምህርተ ተዋሕዶ) ክንቀል ከኣለ። ብእኡ ውን እቲ ጉባኤ፡ ‘ክርስቶስ ሓደ ኣካል ሓደ ባህርይ ምዃኑ፣ እግዝእትነ ቅድስት ድንግል ማርያም’ውን ወላዲተ ኣምላክ ምዃና’ መስኪሩ ንንስጥሮስ ኣውገዞ።

- ፓፓ ሊዮን፦ ብ451 ዓ.ም. ኣብ ቤተ ክርስቲያን ምፍልላይ ዘምጽአ ብኦርቶዶክሳዊ ቅዱስ ዲዮስቆሮስ ዝተወገዘ’ዩ። ናይ ፓፓ ሊዮንን ሰዓብቱን ኣተሓሳስባ ካብ ንስጥሮሳዊ ትምህርቲ ዘይርሕቕ ኾይኑ ‘ንኢየሱስ ክርስቶስ ሓደ ኣካል ክልተ ባህርይ’ ዝብሉ እዮም። እዚ ማለት ከኣ ኣብ ሓደ ኣካል፦ ሥጋ ናይ ሥጋ ሥራሕ ይሠርሕ፡ መለኮት ድማ ናይ መለኮት ሥራሕ ይሠርሕ’ ከም ምባል እዩ።

ርትዕት ሃይማኖትና የጽንዓልና!

                                                              ወስብሐት ለእግዚአብሔር

No events found.

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ብርሃነ ዓለም፡ ማኅቶተ ቤተ ክርስቲያን፡ ንዋየ ኅሩይ ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ

ሐዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ ዓሌቱ ዕብራዊ ኾይኑ ኣብ ከተማ ጠርሴስ ተወሊዱ። ሮማውያን ነቶም ኣብ ትሕቲኦም ዚመሓደሩ ሕዝቢ፡ ሮማዊ ዜግነት...

ኰኵሐ ቤተ ክርስቲያን ሊቀ ሐዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ

ሊቀ ሓዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ ቅዱሳን ሓዋርያት: ብኸመይ ከም እተጸውዑን ክሳዕ ዕርገት ዝነበርዎ ኵነታትን ኣብ ኣርባዕቱ ወንጌል፡ ድኅሪ ዕርገትን ክሳዕ መጀመርያ ስሳታትን...

ዓምደ ሃይማኖት ወማኅቶተ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ቄርሎስ

ቅዱሳን አበው ሊቃውንት፡ ከም መጠን ስፍሓት ኣእምሮኦምን ጽንዓት ሃይማኖቶምን መንፈስ ቅዱስ ገሊጽሎም መንፈሳውያን ድርሳናት፡ ተግሣፃት፡ መድበላት ዝጸሓፉ፣ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ...

ብመስቀሉ ክዘንመልና እዩ ፈውሰ ምሕረቱ

እስከ ኽንዛረብ ምእንትዚ ተላቢዑ ዘሎ ኮሮና ሕማምእግዚአብሔር ንሰብ ክፈጥሮ ከሎ ብተድላ ብደስታ ክነብር እምበር ኣይነበረን ክሳቐ ብሕማምምናልባት ነዚ ሰብ ዘጽሕን...

ቅዱስ ሓዋርያ ታዴዎስ፦ “ነዚ እዩ ጐይታ ሃብታም መንግሥተ ሰማያት ካብ…

ታዴዎስ ማለት ዘርእን ማእረርን፡ ካህነ ኣምላኽ ማለት እዩ። ቍጽሩ ምስ ዓሰርተው ክልተ ሓዋርያት ኮይኑ ሃገረ ስብከቱ ሶርያ እዩ። ሊቀ ሓዋርያት...

አሥርቆት ዘወርኀ ሐምሌ

ዮም ሠረቀ ለነ ወርኀ ቡሩክ ሐምሌ ያብጽሐነ እስከ ወርኀ ነሐሴ በሰላመ እግዚአብሔር! ወርኀ ሐምሌ ቡሩክ መዓልቱ ፲ወ፬ቱ ሰዓት ወሌሊቱኒ ፲ቱ...

ገዳም ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ ቴድረር

ገዳም ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ ቴድረር ኣብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ደቀምሓረ፡ ካብ ከተማ ደቀምሓረ ንደቡብ 25 ኪሎ ሜትር ኣብ ከባቢ...

“ብኃጢኣት ሕዝበይ እየ ኣብ ኢድኩም ኣውዲቐያ!”

ገቢረ ተአምራት ወላዲተ ኣምላክ ድንግል ማርያም፡ ተነጊሩ ዘይጽገብ ተጻሒፉ ዘይፍጸም እዩ። ካብ ፅንሰታ ዝጀመረ ገቢረ ተአምራት ክሳዕ ምጽኣተ ክርስቶስ በቲ...

"ወያስተዴሉ ክረምተ ለምድር/ ንምድሪ ዝናም የዝንመላ” “መዝ. ፻፵፮፥፰/147፡8

ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና፡ ንዓመት ኣብ ኣርባዕተ ወቕትታት ማለት ዘመነ መፀው፡ ዘመነ ሓጋይ፡ ዘመነ ፀደይ ከምኡ ውን ዘመነ ክረምት ብምባል ትኸፍሎ። 

እንቋዕ ናብ ዘመነ ክረምት ብሰላም ኣብጽሓና!

ዘመነ ክረምት  ካብ 26 ሰኔ ክሳዕ 25 መስከረም ዘሎ ወቅቲ ጊዜ ክረምቲ እዩ። ሰማይ ብደመና ተሸፊኑ፡ ዝናም ብመብረቕን ድምፂ ነጐድጓድን ተዓጂቡ ንምድሪ...

“ብፁዕ ዘይሌቡ ላዕለ ነዳይ ወምስኪን/ ንድኻ ዝሓልየሉ ሰብ ብፁዕ እዩ”(መዝ…

ንሕይወተ ሥጋ ኣድለይቲ ዝኾኑ ነገራት ማይ፡ እንጌራ፡ ክዳን፡ መኅደሪ ቤት እዮም። (ሢራ. 29፡21) ብቐዳምነት ነዚኦም ዘይረኸቡን ዘይብሎምን ሰባት “ጽጉማት” ይበሃሉ። ብተወሳኺ’ውን...

ገዳም ደብረ ሲና

ገዳም ደብረ ሲና፡ ኣብ ዞባ ዓንሰባ ንኡስ ዞባ ዒላበርዕድ ከባቢ መንሳዕ፡ ካብ ዒላበርዕድ ንሸነኽ ምሥራቕ ብእግሪ ናይ ክልተ ሰዓትን ፈረቓን...

  

latest articles

The Apostle Saint Paul

Saint Paul was a Jew, of the tribe of Benjamin, a Pharisee, the son of a Pharisee; and his kinsfolk...

The Apostle st. Peter

Peter was from Bethsaida, and he was a fisherman.  Our Lord chose him on the second day following that whereon...

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...

The feast Of Pentecost

IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY SPIRIT, ONE GOD. On this day the Holy...

Ascension

After the Lord Jesus Christ had finished the operation of His wisdom upon earth, by His Passion, and His Death...

Tsinset (Annunciation – Feast of Incarnation)

In accordance with the cannon of the Church, one of the nine major feast days of Our Lord. it Tsinset (Annunciation...

The feast of presenting the lord Christ in the temple…

On this day we celebrate the feast of presenting the lord Christ to the temple after 40 days of his...

The Fast of Nineveh - Monday 10 – 12 February…

In Eritrean Orthodox Tewahdo Church, one of the seven fasting periods is the fast of Nineveh.

Mystery of Baptism

Baptism is the sacrament given to all who believe in the Mystery of the Trinity and the Mystery of Incarnation...

Mystery of Incarnation

Mystery of Incarnation means the mystery of the descending of God the Son who is one of the Trinity from...

Mystery of the Holy Trinity

The Eritrean Orthodox tewahdo Church has Five pillars of Mysteries through which it teaches and demonstrates its basic religious belief...