ነቢይ ኢሳይያስ “ሕዝብ ዘይነበር ውስተ ጽልመት ውጽላሎተ ሞት ብርሃን ዓቢይ ሠረቀ ላዕሌሆሙ (ኣብ ጸልማት ዝነብር ሕዝቢ ብርሃን ረኣየ ነቶም ኣብ ጸልማት ምድሪ ሞት ዝነብሩ ድማ ብርሃን ወፀሎም )” ብማለት ብትንቢት ከም ዝተዛረበ። ( ኢሳ. 9፡2 )
መፍቀሬ ሰብእ እግዚኣብሔር ኣምላክና ኣዳምን ደቁን ኣብ ጸልማት ወዲቖም ክምዘይተርፉ ፍጹም ሰብ ኮይኑ ከምዘድኅኖም ተስፋ ድኅነት ሂብዎም ነበረ። እግዚኣብሔር ኣምላኽ ዝሃቦ ተስፋ ድኅነት ብዓይኖም ክርእዩ ሃብተ ትንቢት ዝተዋህቦም ቅዱሳን ነቢያት ብመንፈስ ቅዱስ እናተመርሑ “አንሥእ ኃይለከ ወነዓ ኣድኅነነ ስሞዓነ አምላክነ ወመድኃኒነ” እናበሉ ለመኑ። ጊዜኡ ምስ በጸሐ ኣምላኽ ነቶም ኣብ ትሕቲ ሥልጣን ሕጊ ዝነብሩ ምእምንቲ ከድኅን ንሕናውን ናይ ዉሉድነት ሥልጣን ምእንቲ ክንረክብ ነቲ ካብ ሰበይቲ ዝተወልደ ኣብ ትሕቲ ሕጊውን ዝኃደረ ወዱ ለኣኾ። (ገላትያ 4፥4)
እነሆ ድማ ኣብ ጸልማትን ድነ ሞትን ኣብ ክሕደትን ጥፍኣትን ንዝነበረት ዓለም ንምብራህ ኣካላዊ ቃል እግዚኣብሔር ወልድ ኢየሱስ ክርስቶስ ብርሃን ዓለም ንምዃን ፍጹም ሰብ ኮይኑ ተወልደ።
ብልደቱ ድማ እግዚኣብሔርን ሰብን ፥ ሰብን መላእኽትን ሕዝብን ኣሕዛብን ሥጋን ነፍስ ተዓረቑ። ብሥራት ድኅነት ስለ ዝተኣወጀ ድማ ሰብን መላእኽትን ብሓድነት ንፈጣሪኦም ኣመስገኑ። “ዮም አሐደ መርዔተ ኮኑ መላእክት ወሰብእ፡ ከመ ይሰብሕዎ ለክርስቶስ በቃለ እሚን፥ ሎሚ ንክርስቶስ ምእንቲ ኸመስግኑ መላእክትን ደቂ ሰባትን ሓደ መጓስ(ማሕበር) ኾኑ’’ ከም ዝበለ። (መጽሓፈ ድጓዓ)።
ክቡራን ሕዝበ እግዚኣብሔር!
ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ነዚ ክቡር በዓለ ልደት ዓመት መጸ ኣብ ገዳማትናን ኣብ ውሽጢ ሃገርናን ወጻእን ዝርከባ ሰበኻ ኣብያተ ክርስቲያናት ብዙኃን ውሉደ ክህነት፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ምእምናን ምእመናትን መንእሰያትን ዝሳተፍዎ ብኽብ ዝበለ ድምቀት ከተብዕሎ ከምዝጸነሐት ዝፍለጥ ኮይኑ ሎሚ ዓመት ግና ብሰንኪ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ብኣገልገልቲ ዉሉደ ክህነት ጥራይ ኣብ ነፍስ ወከፍ ገዳማትን ኣብያተ ክርስቲያን ክፍጸም እዩ።
ከምዝፍለጥ ኣብ ሃገርና ብሰንኪ እዚ ሕማም እዚ ናይ ሞት ሓደጋ ከየጋጠመ ብምጽንሑ ተመስገን ክንብል እኳ እንተጸናሕና ኣብዚ ዝኃለፈ ክልተ ሳምንታት እቲ ለበዳ ኣብ መላእ ሃገርና ከም ዘስፋሕፈሐን መገሻ ዘይነበሮም ሰባት ከይተረፈ በዚ ሕማም ከምእተለኽፉን ከም ዝሞቱን ብመራኸቢ ብዙሓን ተገሊጹና ኣሎ። እምበኣርከስ ነዚ ሕማም ኣመልኪቱ መንግስቲ ዘውጸኦም ዘሎ መምርሒታት ንድኅነትናን ድኅነት ስድራ ቤትናን ብሓፈሻ ንድኅነት ሕዝብናን ምዃኑ ኣሚንና ብትኩርነት ክንፍጽሞ ሓደራ ንብል። ምሕረቱ ዘይውዳእ እግዚኣብሒር ብዓይነ ምሕረቱ ጠሚቱ ቁጥዕኡ ናብ ትዕግሥቲ ቀይሩ ምሉእ ምሕረት ምእንቲ ክህበና ከየባተኽና ንጸሊ።
እዛ ክብርቲ መዓልቲ እዚኣ እግዚኣብሔር ንደቂ ሰባት ፍቕሩ ዝገለጸላ ዕለት ስለዝኾነት ንሓድሕድና ብምፍቓር ንጽጉማት ወገናትና ብምሕጋዝ ንዝዓረቑ ብምኽዳን ንዝጠመዩ ብምዕንጋል ንዝሓመሙ ምሕረት ክረኽቡ ጸሎት ብምብጻሕ ከነብዕላ መልእኽትና ነመኃላልፍ ።
ዝተባረኸን ዝተቐደሰን በዓል ይግበረልና /
ንዅሎም ኣብ ሕማምን መከራን ዘለዉ ወገናትና ፍጹም ጥዕና ትዕግስትን ጽንዓትን የሃበልና /
ንሕዝብናን ንመላእ ዓለምን ሰላምን ምሕረትን ኪህበና ቅዱስ ፍቓዱስ ይኹነልና // ኣሜን።
አቡን ጴጥሮስ
ዓቃቤ መንበረ ፓትርያሪክ ኦርቶዶስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ