ብምኽንያት ርእሰ ዓውደ ዓመት ቅዱስ ዮሐንስ ብልቢ ከነስተውዕሎ ዝግብኣና ዓቢ ነገር ኣሎ። እግዚኣብሔር አምላኽ ንወዲ ሰብ ዘመናት ዝመደበሉ ብታሪኽ ዝዝከር ሥራሕ ክዓዪ እምበር ዘመናት ክቘጽርን ብዘይ ፍረ ክኃልፍን ኣይኮነን (ግብ. 17፡26-28)።
ነዚ ዓቢ ህያብ ፈጣሪና ዝኾነ ምስግጋር ዓመት ብሓድሽ ልብን መንፈስን ተቐቢልና፡ ንኃጢኣት ብግብሪ ጽድቂ፡ ንትህኪት ብትግሃት ንምቅያር ናይ ሕልና ለውጢ ጌርና አምላኽ ነቲ ዘመን ኃጢኣት ሸለል ብምባል ኣኅሊፍዎ እዩ’ሞ፡ ሕጂ ግና ብንስሓ ተሓጺብና ኣሰር ጽድቕን እምነትን ፍቕርን ሰላምን ክንስዕብ ቃል ክንኣቱ ይግበኣና (2ይ ጢሞ.2፡22)
ብተወሳኺ ‘’ዘለዎ ንዘይብሉ የማቕል’’ (ሉቃስ 3፡10) ከም ዝተባህለን፣ ንቡርን ክቡርን ባህልና’ውን ስለ ዝኾነ ንጽጉማት ክንዝክር፡ ብሕማም ንዝሳቐዩ ወገናትና ክንበጽሕ፡ ንዘኽታማትን ዘይብሎምን ምምቓል ከይንርስዕ እናተለባኹ፡ ኣብዚ ሓድሽ ዓመት ብፍቕርን ምትሕልላይን ሠናይ ግብርን ክንዓይይ፡ ንዘይተሠርሐ ክንሠርሕ ፡ ንዝተጀመረ ኽንፍጽም ብቅንዕና መንፈስ ክንትንሥእ ይግባእ።
እዚ ዓመት እዚ፣ ዓመተ ንስሐ ፡ ዓመተ ሰላምን ቅሳነትን ክኾነልና እግዚኣብሔር ሰላሙ ከብዝኃልና ሃገርና ክባርኸልና፡ ንመራሕትና ዝለዓለ መንፈስ ጥበብን ምስትውዓልን ክህቦም ድኅነት ሃገር ንምኽባርን ኣብ ሃገራዊ ልምዓት ተዋፊሮም ንዘለው ኃይልታት ምኽልኻል ጽንዓት ክህቦም፣ ንዝሓመሙ ፈውሰ ምሕረቱ፣ ንዝተጸገሙ ድማ ራሕዋ ሂቡ፡ ፍረ ዘራእትና ክንሓፍስ ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና ኣሜን።
አቡነ ጴጥሮስ
ዐቃቤ መንበር ኦርቶዶክስ
ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
01 መስከረም 2012ዓ.ም.ግ. (12-09-2019ፈ.)