ግና እግዚአብሔር ኣየምጽኦን ሰባት እዮም ዘምጽእዎ ካብ ርኁቕ ጸዊዖም
እግዚአብሔርሲ ቅድሚ ኣዳም ሞት ከም ዘይፈጠረ ይምስክር እዩ ኣቦና ኣዳም
ሰሎሞን’ውን ጥበብ ኣብ ዝተባህለ መጽሓፉ ኣብ ምዕራፍ ሠለስተ ክትረኽብዎ ትኽእሉ ኢኹም
ንሕማም ዝጸውዕዎ ንሞት’ውን ዝዓደምዎ እዞም ልቦም ብትዕቢት ዝሓበጠ ሃይማኖት ዘይብሎም
ስም እግዚአብሔር ዘይጽውዑ ህልውናኡ’ውን ዘይፈልጡ ዘምልኹ ብኸብዶም
ንሶም እዮም ጸዊዖም ዘምጽእዎ ምስኡ ንኽነብሩ ተጐራቢቶም
እዚኣቶም ብፍላይ በዓል መን እዮም ኢልኩም እንተ ሓቲትኩም
ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ፡ ከምኡ’ውን ሰበይቲ ምስ ሰብኣይ ምምርዓው ኃዲጎም
ሰብኣይ ምስ ሰብኣይ፡ ሰበይቲ’ውን ምስ ሰበይቲ ዝመረዓዓዉ እዮም
ደማሙን ኣኽላባትን ዝምገቡ፡ ሥጋ በጊዕ ሥጋ ላም ኃዲጎም
ከምኡ’ውን ኣድገ ፈረስ ዝቕለቡ ምስ እዞም ዝገብሩ ግብረ ሰዶም
ነዚ ምስ ረኣየ እዩ እግዚአብሐር ኮረና ቫይረስ ኣብ ልዕሊኦም ዝፈነወሎም
ካብዞም ኣምልኮተ እግዚአብሔር ዘይብሎም ተበጊሱ እዩ ተዘርጊሑ ዘሎ ኣብ ዓለም
ሕጂ’ውን ስም እግዚአብሔር ንዘይጽውዑ ከምዚ እዩ ክፍሎም
ነዞም ከምዚኦም ዝበሉ ዝምስክረሎም ድማ ኣሎ ሓደ ከሓዲ ሰናክሬም
ሰናክሬም ኃይሉ ኣሚኑ ብሠራዊቱ ምስ ከበባ ንኢየሩሳሌም
ስም እግዚአብሔር ስለ ዘይጽውዕ 185,000 ሠራዊቱ ቅሂሞም ረጊፎም
ሰናክሬም’ውን እኮ ካብ ሞት ኣይተረፈን ኵነታት ሠራዊቱ ንደቁ ምስ ነገሮም
ካልኦት ዘይኮኑስ ገዛእ ደቁ እዮም ዝቐተልዎ ብሕዝቦም ኃዚኖም
ሎሚ’ውን መዓት ንኽርኅቕ ክንዲ ዝእወጅ ጸሎተ ምህላ ምስ ጾም
ዲዮቅልጥያኖስ ዝነቕሐ፡ መክስምያኖስ’ውን ዝተበራበረ መሰሉ ክልቲኦም
ካብ ቤተ ጸሎት ውፅኡ፡ ረኃቑ፡ ሓደ ሰብ ዳዊት ከይደግም
እናተባህለ ዝተኣወጀን ንሕዝቢ ዝተነግረ ብኃሣሠ ለባም
ወይ ጉድ፡ ወይ ጉድ፡ እዚ ቅዱስ መስቀልሲ መን እዩ ኮረና ቫይረስ ኣለዎ ዝበሎም
ነቶም መስቀል ኃይልና መድኃኒትና እዩ እናበልና ዝጸናሕና ክንሳለም
መስቀል ኮረና ቫይረስ የኅልፍ እዩ ካብ በሉና ኵሎም
ንኣምላኽ’ውን እንድዒ የሎን ከይብልዎ የጠራጥሩ እዮም
ስማዕ ሕዝቢ ዓለም! መስቀልሲ ኮረና ዘጥፍእ እምበር ዘምጽእ ኣይኮነን ብፍጹም
ነዚ ዝስዕብ ቃል ተቐበልዎ ዓበይትን ናኣሽቱን ብልቢ ኣሚንኩም
ንመስቀል ዝጸልኡ ብኸብዶም ዘምልኹ ድኅር ሕጂ ክትንሥኡ እዮም
እዚኣቶም ግና ሕይወት የብሎምን ጥፍኣት እዩ መወዳእታኦም
ኢሉ ዝጸሓፎ ቅዱስ ጳውሎስ ለካ ተገሊጽሉ እዩ እቲ ክፉእ ግብሮም
ግና ይገርም እዩ ውዒሉ ኃዲሩ ናባና ክመጽእ እዩ ዘይምባሎም
እዚ መድኃኒት ምዃኑ ዝተነግረ ብእኒ ዳዊት ብሙሴ ወዲ እንበረም
መስቀል ኣርማ ድኅነት’ዩ ናጽነት ዝዕድም
መስቀል ዓይኒ ዕዉራት ዘብርህ ኣጋንንት ዘህድም
መስቀል ሕሙማት ዘሕዊ ንኣጋንንቲ ዘባርር ዘድክም
ሰይጣን ንዝኃዞ ሰብ፡ ማይ’ዶ ኣይኮንካን ትግጭቦ ከይፈተወ መስቀል ንኽሳለም
እዞም መስቀል ኮረና ቫይረስ ኣለዎ እናበሉ ዝሰብክኹም
መስቀል ዘይቅበሉ መናፍቓን ምዃኖም ፈሊጥኩም ደኣ ኣለልይዎም
ጸላእቲ መስቀል ከም ዝትንሥኡስ ኣቦታትና ሓዋርያት ነጊሮሙና እዮም ብመጽሓፎም
ፊልጵስዩስ ምዕራፍ ሠለስተ እንተ ዝምልከቱ ክንደይኮን ምኃፈሩ ኵሎም ተኣኪቦም
ጊዜ ግዳ ሂብዎም ኣሎ ንቅዱስ ዕፀ መስቀል ንኸቃልሉ ብሰይጣን ተመሪሖም
ኣቱም ቫይረስ የኅልፍ እዩ ትብሉ ኣፍኩም ከፊትኩም
ጽባሕ ንግሆ ከምእትኃፍሩ ፍለጡ ናይ ኃጢኣት ውንጮ ተጎምጒምኩም
ኣስተውዕሉ ፍርዲ እግዚአብሔር ከምዘሎ ኣብ ቅድሜኹም
መስቀልሲ ሕይወትን መድኃኒትን እዩ ስለ ዝፈሰሶ ደም መድኃኔ ዓለም
ሐረገ ወይን ኮነ መድኃኒትየ ዘበጎልጎታ ይተከል ዘእምሐሢሦን ይትገዘም
ኢሉ ዝተነበዮ ሰሎሞን ኣብ መዋዕለ መንግሥቱ ኣብ ከተማ ኢየሩሳሌም
ነዚ ከየንበቡ ኣበይ እዮም ተሠዊሮምን ተኃቢኦምን ነይሮም
እዚኣቶም ብዘይ መስቀል ካልእ ትምክሕቲ የብለይን ካብ ዝበለ ጳውሎስ ንበልጽ ኢና በሃልቲ’ዮም
እምበኣር ንመስቀል ቫይረስ ኣለዎ ካብ በሉስ አምላኽ’ውን የሎን ክብልዎ ዝሕጥ ኣይብሉን እዮም
ግና ነዚኣቶም የጥፍኣኩም ዘይኮነስ ብግብርኹም ተጣዒስኩም ይምለሰኩም ኢና ንብሎም
ናይዚ ሕማም መድኃኒት ግና እንተ ዘርና የማነ ጸጋም
የብሉን መድኃኒት ብዘይ ጸሎተ ምህላን ጾምን
ብሃይማኖት ጸኒዕና መሲልና ነቦና አብርሃም
ነቒሕና ተጊህና ንለምኖ ነጺሕና ካብ ቂም
ሰማዕ እዩ እግዚአብሔር ንዝለመኖ ኣብ ከተማ ኾነ ኣብ ገዳም
ንሕና ኦርቶዶክሳውያን እኮ ኣይኮንናን ከምዞም ተስፋ ዘይብሎም
ብጸሎትን ኣማላድነትን’ውን ኣላትና ዘይተኅፍር ድንግል ማርያም
መልኣከ እግዚአብሔር ኣብ ዙርያ እቶም ዝፈርህዎ ይሰፍር እሞ የናግፎም
ዝብል ቃል ተማኅፅኖ ኣይፍለያን እዩ ንሃገርና ኤርትራ ምድረ ሰላም
ኣብ ጊዜኡ መዓት ዘቝርር ምሕረትን ቅሳነትን ዘምጽእ መድኃኔ ዓለም
ከዝንመልና እዩ ፈውሰ ምሕረቱ ናይ ይቕሬታ ዝናም።
ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ ለዓለመ ዓለም!