ሎሚ ቡሩኽ ወርኂ ሐምሌ ብሒትልና ኣሎ እሞ ናብ ብሩኽ ወርኂ ነሐሴ ብሰላመ እግዚአብሔር የብጽሓና! ቡሩኽ ወርኂ ሐምሌ፡ ናይ መዓልቲ 14 ሰዓት እዩ፣ ናይ ለይቲ ድማ 10 ሰዓት'ዩ።
ሰላም ለልደትኪ እግዝእትየ ማርያም ወለተ ኢያቄም ወሐና፡
አንቲ ውእቱ ፀዋሪተ ዝናም ደመና፡
ዝናምኪ ዝናም ዘጥዒና፡
ዘሰቀዮ ለቶማስ ኀበ ሖረ ፍና።
ወስብሐት ለእግዚአብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር!