“ብኃጢኣት ሕዝበይ እየ ኣብ ኢድኩም ኣውዲቐያ!”

Jul 04, 2020

ገቢረ ተአምራት ወላዲተ ኣምላክ ድንግል ማርያም፡ ተነጊሩ ዘይጽገብ ተጻሒፉ ዘይፍጸም እዩ። ካብ ፅንሰታ ዝጀመረ ገቢረ ተአምራት ክሳዕ ምጽኣተ ክርስቶስ በቲ ወዳ ዘኽበራን፡ ዝተዋህባ ኪዳነ ምሕረትን ዝቕጽል እዩ።

ቅዱስ ደቅስዮስ፡ ካብ ፍቕራ ዝተላዕለ እግዚአብሔር ምሥጢር ኣብ ልቡ፡ ነገር ኣብ ልሳኑ፡ ብርዒ ኣብ ኢዱ ኣቃኒዕሉ፡ ቀለም በጽቢጹ ብራና ፍሒቑ ንብዘሎ ተኣምራ ኣኻኺቡ መጽሓፍ ተኣምረ ማርያም ጸሓፈ። ኣብዚ መጽሓፍ ሠፊሩ ካብ ዘሎ ገቢረ ተኣምራታ ሓደ፡ ኣብታ ብስማ ዝተሓንፀት ቤተ ክርስቲያን ደብረ ምጥማቅ ዝተገብረ እዩ። 

ናይ እስክንድርያ ምስሪ ንጉሥ ንጉሥ ኣሽሪፍ ነጊሥሉ፣ ብፁዕ አቡነ ዮሐንስ ሊቀ ጳጳስ ዝነበረሉ እዋን እዩ። ገቢረ ተኣምራት እግዝእትነ ማርያም ምእንቲ ኽግለጽ ከምቲ ፈርዖን ልቡ ዘትረረ፡ እዚ ንጉሥ’ዚ ድማ ልቡ ኣትረረ። ብምኽሪ ሰይጣንን ድፍኢት ተንባላትን ንቤተ ክርስቲያን ደብረ ምጥማቅ ከፍርስዋ ብምእዛዝ ሰባት ለኣኸ። ሕዝበ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ናብ ኃዘንን ስደትን መከራን ተቓልዑ። እቶም ልኡኻቱ “እስመ መልአ ሰይጣን ውስተ ልቦሙ በቅንአት ወአፍጠኑ ነሢቶታ” ከምዝብል ሰይጣን ብቅንኣት ኣብ ልቦም ስለዝኃደረ ቀልጢፎም ኣፍረስዋ።

እዚ ምስ ኮነ እቶም ክርስቲያን “እፎ አደመና እግዚአብሔር ለጽዮን/ እግዚአብሔር ንጽዮን ከመይ ኢሉ ኣጥፍኣ፧” ኢሉ ነቢይ ኢሳይያስ ከምኡ’ውን ነቢይ ሚልክያስ “በበይነ ዚአክሙ የሐርስዋ ለጽዮን ከመ ገራህት ቤቱሂ ከም ኦም/ ብሰንክኹም ንጽዮን ከም ግራት ንቤቱ’ውን ከም ዱር ክሓርስዋ እዮም” ኢሉ ዝተነበዮ ኣባኺ ተፈጸመ” እናበሉ ኣልቀሱላ።

ነዚ ክፉእ ግብሮም ፈጺሞም ኣብ ዝደቀስሉ ለይቲ፡ ንንጉሥ ኣሽሪፍን ዅሎም መኳንንቱን ኣብ ሓደ ሰዓት ብሕልሚ “ ኢትበሉ በኃይልነ ወበፅንዐ እደዊነ አንሀልነ ቤተ ክርስቲያና ለማርያም፣ ዳዕሙ አግባእክዋ ውስተ እደዊክሙ በእንተ ኃጢአተ ሕዝብየ/ ብኃይልናን ብጽንዓት ቅልጽምናን ናይ ማርያም ቤተ ክርስቲያን ኣፍሪስናያ ኣይትበሉ። ብኃጢኣት ሕዝበይ እየ ኣብ ኢድኩም ኣውዲቐያ። ” ክትብል ተዛረበቶም።  

ንጽባሒቱ ኵሎም ተጋቢኦም ብሓደ ቃል ነቲ ዝረኣይዎ ተዛረቡ። ሽዑ ንጉሥ ምስ መኳንንቱ ዓበደ፣ ነሓድሕዶም ድማ ከም ኣኽላባት ተናኸሱ።” ይብል መጽሓፈ ተአምረ ማርያም።

ነዚ “ብኃጢኣት ሕዝበይ እየ ኣብ ኢድኩም ኣውዲቐያ።” ዝብል ኃይለ ቃል ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ኣብዚ ብሰንኪ ተላባዒ ሕማም ኮረና ሕዝበ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ሥርዓት ኣምልኾና ኣብ ምልክት ሕቶ ወዲቕሉ ዘሎ ጊዜ ብዕምቆት ከነስተንትኖን ብምስትውዓል ክንምልከቶን ዝግባእ እዩ።

እግዚአብሔር ንዕቡያት ይጻረሮም ንትሑታት ድማ ጸጋ ይህቦም። እዩ እሞ ብዝኃለፈ እዋን ርእስና ብርእስና ገሢፅና ኣካይዳና ክነቅፍ፡ ጌጋና ክንእርም፡ ጕድለትና ክንምልእ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ግርማ ሞገስ ዘውህብ እዩ።

ክርስቲያን ብዛዕባ ዝኃለፈ ክዝክርን ንዝመጽእ ዝገብሮ ክሓስብን ዝግባእ እኳ እንተኾነ ናይ ዝኃለፍናዮ ጕዕዞ ነቲ ኃጢኣትና ደኣ እምበር ነቲ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ዝገበርናዮ ግብሪ ጽድቂ ክንዝክርን ክንጽብጽብን ኣይግባእን። ምኽንያቱ ኃጢኣትካ ምዝካር ንዝመጽእ ግብሪ ጽድቂ ዘዳልው እዩ። ነቲ ዝኃለፍካዮ ጽድቂ ምዝካር ግና ንናይ ጽባሕ ኃጢኣት ዘዳሉ ስለዝኾነ።  

ብመምርሒ እዚ ተላጋቢ ሕማም ስለምንታይ ከምኡ ኾይኑ ፧ እስከ ንበል

ስለምንታይ ‘ተርሓሓቁ’ ተባሂሉ ንዝብል፡ ምቅርራብና እንታይ ኣፍርዩ ምግምጋም የድሊ። ኣብ ቤተ እግዚአብሔር፡ ኣብ ቤትና፡ ሥራሕና፡ ናብራና ተቐራሪብና ግብረ ጽድቂ ዲና ግብረ ኃጢኣት ንገብር ነይርና፧ “ሕቱ ርእሰክሙ/ ርእስኹም መርምሩ” ከምዝተባህለና ቤቱ ከይንሳለም መስቀሉ ከይንስዕም ኣርኂቕና ዘሎ፣ ክፉእ ግብሪ ካባና ንምርሓቕ ብኃጢኣትና ናብዚ መምርሒ ወዲቕና ከይንህሉ ርእስና ንመርምር።

ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ብውኁድ ቍጽሪ ኣገልገልትን ቈረብቲ ምእመናንን ይፍጸም ኣሎ ኣይተቋረጸን። ብዝሕና እንታይ ጥቕምን ጉድኣትን ነይርዎ፧ ምብዛሕና ንምንታይ ንጥቀመሉ ነይርና፧ ፍቕሪ ንምንጋሥ ሃይማኖት ንምስፋሕ ዲና ዋላስ ብጽልእን ተንኮልን ዝተነድቀ ምጉጅጃል ንምሕናፅ ንጥቀመሉ ነይርና፧ ኣብ ቤተ እግዚአብሔር ከይተረፈ ብዝሒ ከም ምንጪ ኣታዊ ይሕሰበሉ ከምዝነበረ ክትዝክር ከለኻ ‘ኢድና እዩ’ ዘብል እዩ።

ቀጽሪ ቤተ ክርስቲያን በየናይ ልቢ ኢና ንሳለሞ ነይርና፧ ብቅብኣ ሜሮን ዝተባረኸ ቀጽሪ ቅድስና እዩ ዲና ንብል ነይርና ዋላስ ቀዳሞት ዘጽንሑልና ኾይኑ እምበር መንደቅ መንደቅ ምዃኑ ኣይተርፎን እዩ ዝብል መረዳእታ ኂዝና ኢና ንሳለም ነይርና፧ ሎሚ “ንቤተ ክርስቲያን ምስላም ተኸሊእና” ዘይኮነስ ኽንሳለም ስለምንታይ እግዚአብሔር ዘይፈቐደ፧ ደኣ ንበል።  

ካህናት ናብ ቤት ምእመናን ከይዶም ጸሎት ክገብሩ በረኸት ከኅድሩ ጊዜ ኮረና ከልኪሉና ኣሎ። “ስለምንታይ እዚ ኮነ፧” ፍቓድ እግዚአብሔር ድዩ ፍቓድ ሰብ ንምፍላጥ ኅሉፍ ኣካይዳና ንገምግም። ውሉደ ክህነት ኣብ ቤቶም ንምእመናን መግበ ሥጋን ነፍስን ዝኸውን ቃል እግዚአብሔር ንምግቦም’ዶ ነይርና ዋላስ ንሓድሕድና ኣዕሊልና ተመሳጊና ጥራይ ንወፅእ ነይርና፧ ምእመናን’ከ ምክንያተ ዝክርን በዓልን ተረዲእና’ዶ ንገብሮ ነይርናስ ዋላ ናይ ወለዲ ጸኒሕና እምበር . . . እናበልና።

ከምቲ ዓለም በዚ ለበዳ ዝሰኣነቶ ክትዝርዝር ትውዕል ዘላ ንሕና’ውን እቲ ክበሃል ዝግብኦ ዝዝርዘር ብዙኅ እዩ ግናኸ ጉድለትካ ምዝርዛር ምሉእ ፍታሕ ስለዘይኮነ ኅሉፍ ድኻምና እናገምገምና መጻኢና እግዚአብሔር ብዝሠምሮ መንገዲ ክንጕዓዝ ይግብኣና።

እዚ ዝተተረኸ ተኣምረ ማርያም ንዅሉ ኣሉታዊ ፍጻሜ መገምገሚ፣ ካብ ኢድና ናብ ካልእ እነወጣውጥ ናብ ገዛእ ርእስና ከነመልክትን ርእስና ብነጸላ ጽድቂ ጎልቢብናን ናብ ደረጃ ንብዓት ንስሓ ዘብጽሕን እዩ።

ደብረ ምጥማቅ ምስ ፈረሰት ኃዘንን ንብዓትን ኮይኑ፡ ኵሉ እቲ ሕዝቢ ካብ ግብሩ ተመሊሱ ብሓቅን ልብን ተነስሐ። ድኅር’ዚ ድማ “ትርሢታ ይኄይስ ለደኃሪት ቤት እምቀዳሚት/ ካብ ቀዳመይቲ ናይታ ዳኅረወይቲ ቤት ሥልማት ይበልጽ” ዝብሎ ቃል ነቢይ ተፈጸመ።

ተግባር ኣእዳውና መርሚርና ብንብዓት ንስሓ ናብ እግዚአብሔር ኽንቀርብ ኣማላድነታ ኣይፈለየና!

ጸሎታን በረኸታን ምሕረት ፍቁር ወዳን ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር፡ አሜን!

 

No events found.
Ad Right

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ቀዳማይ መሥርሕ ኣርትዖት መጽሓፍ ቅዱስ ሐዲስ ኪዳን ንምክያድ ዝዓለመ ጉባኤ…

ብናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን እትውነን መጽሓፍ ቅዱስ ንምድላው ዝዓለመ ብክፍሊ ጉባኤ ሊቃውንት ብግእዝን ትግርኛን ዝቐረበት መጽሓፍ ሐዲስ ኪዳን...

ቅዱስ ሲኖዶስ ምስ ምምኅዳር ሃገረ ስብከት ኅቡራት መንግሥታት ኣሜሪካን ካናዳን…

ብዕለት 20 ሐምሌ 2012 ዓ.ም. (27/07/2020 ፈ.) ተወከልቲ ቅዱስ ሲኖዶስ ምስ ምምኅዳር ሃገረ ስብከት ኅቡራት መንግሥታት ኣሜርካን ካናዳን ብመንገዲ ማኅበራዊ...

ብሕንፃ እንዳ ኣቡን ኣቡነ ማርቆስ ዝፍለጥ ሕንጻዊ ጽገና ይግበረሉ ኣሎ

 ኣብ ከተማ ኣሥመራ ከባቢ ርእሰ ኣድባራት ደብረ ጽዮን ቅድስት ድንግል ማርያም ዝርከብ ብእንዳ ኣቡን ኣቡነ ማርቆስ ዝፍለጥ ዋንነት ቅድስት ቤተ...

ተኣምር ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን፣ ጸሎቱን በረኸቱን ምስ…

ሓደ ንእግዚአብሔር ዝፈርህ፡ ለዋህ፡ ትሑት፡ ገባሬ ሠናይን ተቐባል ጋሻን ዝኾነ ሰብኣይ ነበረ። ነፍስ ወከፍ ወርኂ ዕለት 26 ዝክር ብስም ኣቡነ...

ሓዋርያዊት ቅድስት ቴክላ

ኣብ ዘመነ ስብከቱ ንሐዋርያ ጳውሎስ ዝስዕባ ካብ ዝነበራ ቅዱሳት ኣንስት ሓንቲ ቅድስት ቴክላ እያ። ኣብ ዝተወለደትሉ ሃገር ኒቆምድያ ኣብ ቤት...

ሰማዕት ቅዱስ አበ ኖብ

ሎሚ ሕፃናት ከም ፍቓድ እግዚአብሔር ሓደ ካብ ሰማዕታት ዝኾነ ናይ ኣባ ኖብ ታሪኽ ክንርኢ ኢና። ሰማዕት ዝብል ቃል ትርጕሙ መስካሪ...

መራኄ ብርሃናት ቅዱስ ዑራኤል

ቅዱሳን መላእክት- ልዑካት እግዚአብሔር፡ ኣብሠርቲ ሐጐስ፡ ሓለውቲ ሰባት እዮም። ቅዱሳን መላእክት ወትሩ ከይደኸሙ ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እግዚአብሔር ጸባዖት ፍጹም ምሉእ...

“ኣእምሮኹም ብምሕዳስ ተለወጡ ደኣ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ” ሮሜ…

ዓለም፡ ካብ ሰብ ወፃኢ ዝቖመት ጽላሎት ኣይኮነትን። ኵሉ ሰብ ኣብኣ እናነበረ ኵሉ ናታ በረኸትን መዓትን ይካፈል። ተለዋዋጢት ስለዝኾነት’ውን ከምኣ ይለዋወጥ።

ዜና ዕረፍት ሊቀ መዘምራን ያሬድ ካፍል

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ካብ ዘፍረየቶም ሊቃውንተ ዜማ ሓደ ሊቀ መዘምራን ያሬድ ካፍል እዮም። እዞም ሊቅ’ዚኦም ኣብ መበል 64 ዕድሚኦም...

“ዘበአማን እስራኤላዊ” ቅዱስ ሐዋርያ ናትናኤል

ሕሊና ዘመላልሶ ሓሳብ ልብን ኵላሊትን ዝምርምር ናይ ባህርይ ኣምላኽ በይኑ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ንእኡ ኵሉ ግሉጽ እዩ፣ ካብኡ ዝሥወር...

ጻድቅ ኣቡነ ኪሮስ - 8 ሐምሌ

ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ነቶም ብፍጹም ሃይማኖትን ሥነ ምግባርን ጸኒዖም ኣብ እግዚአብሔር ዝተኣመኑ፡ ኣብ ዓለም ዘይሮም ዝመሃሩን ክሳዕ ፍጻሜ ሕይወቶም ዘገልገሉ፡...

ብርሃነ ዓለም፡ ማኅቶተ ቤተ ክርስቲያን፡ ንዋየ ኅሩይ ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ

ሐዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ ዓሌቱ ዕብራዊ ኾይኑ ኣብ ከተማ ጠርሴስ ተወሊዱ። ሮማውያን ነቶም ኣብ ትሕቲኦም ዚመሓደሩ ሕዝቢ፡ ሮማዊ ዜግነት...

  

latest articles

The Apostle Saint Paul

Saint Paul was a Jew, of the tribe of Benjamin, a Pharisee, the son of a Pharisee; and his kinsfolk...

The Apostle st. Peter

Peter was from Bethsaida, and he was a fisherman.  Our Lord chose him on the second day following that whereon...

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...

The feast Of Pentecost

IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY SPIRIT, ONE GOD. On this day the Holy...

Ascension

After the Lord Jesus Christ had finished the operation of His wisdom upon earth, by His Passion, and His Death...

Tsinset (Annunciation – Feast of Incarnation)

In accordance with the cannon of the Church, one of the nine major feast days of Our Lord. it Tsinset (Annunciation...

The feast of presenting the lord Christ in the temple…

On this day we celebrate the feast of presenting the lord Christ to the temple after 40 days of his...

The Fast of Nineveh - Monday 10 – 12 February…

In Eritrean Orthodox Tewahdo Church, one of the seven fasting periods is the fast of Nineveh.

Mystery of Baptism

Baptism is the sacrament given to all who believe in the Mystery of the Trinity and the Mystery of Incarnation...

Mystery of Incarnation

Mystery of Incarnation means the mystery of the descending of God the Son who is one of the Trinity from...

Mystery of the Holy Trinity

The Eritrean Orthodox tewahdo Church has Five pillars of Mysteries through which it teaches and demonstrates its basic religious belief...