ኣቐዲሞም ቅዱሳን ሓዋርያት ብዛዕባ ሕንፀት ኣብያተ ክርስቲያን ብጾምን ጸሎትን ምስ ለመኑ፡ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ተገሊጹ ‘እዛ ዕለት እዚኣ ብስም ኣደይ ማርያም ቤተ ክርስቲያን ኪሕነፅ ፈቒደዮ ኣለኹ’ ብምባል ናብ ሸነኽ ምሥራቅ ፊልጵስዩስ ኣውፅኦም። ብተኣምራት እቲ ኣእማን ከም ስምዒ እናመኸኸሎም ቤተ ክርስቲያን ሓኒፆም ምስ ወድኡ፡ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ተገሊጹ፡ ቅዳሴ ቤታ ሠሪዖም ንሕዝቢ ከቝርቡን በዛ ዕለት’ዚኣ 21 ሰኔ ድማ በዓል ክገብሩ ኣዚዝዎም ናብ ሰማይ ዓረገ።
በዚ መሠረት ቅዱሳን ሓዋርያት፡ ኣብ ኵሉ ዓለም ብስም ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስን ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያምን ኵሎም ቅዱሳንን ኣብያተ ክርስቲያን ክሓንፁን ነዛ ዕለት’ዚኣ ከኽብሩን ጀመሩ።
በረከተ ናይዛ ዕለት'ዚኣ የሳትፈና!
ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!