ኣውር ጕህዩ ኣብ ዝኃደረሉ ዕለት፡ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ገብርኤል ንንጉሥ ብራእይ ተገሊጹ ተዛረቦ። በዚ ድማ ካብ ንጉሥን ንግሥትን ፍቓድ ረኺቡ፡ ናብ ዓዱ ኔቅሎን ከይዱ ቤተ ክርስቲያን ክሓንፅ ጀመረ። እቲ ፍቓድ ከይረክብ ዝጻብኦ ዝነበረ ጸላኤ ሠናያት፡ ቤተ ክርስቲያን ክሕንፅ ምስ ጀምረ`ውን ብዙኅ ፈተኖ። እንተኾነ ግና ብፈቃደ እግዚአብሔርን ብረድኤት ቅዱስ ገብርኤልን ሕንፃ ቤተ ክርስቲያን ተፈጸመ። ጸሓፊ ድርሳነ ቅዱስ ገብርኤል ድማ ኣብ መፈጸምታ እቲ ጽሑፍ ንኽፉእ ግብሪ ዲያብሎስ ክገልጽ ከሎ “ወሰይጣንሰ ቀንአ ላዕሌሁ እስመ ውእቱ ጸላኤ ሠናያት ወስእነ አርምሞ በእንተዝ ነገር / ሰይጣን ድማ ጸላኤ ሠናያት ስለዝኾነ ቀንኣሉ፡ በዚ ነገር’ዚ ኸኣ ስቅ ምባል ሰኣነ” ብምባል ይገልጾ። (ዘወርኀ ግንቦት)
መንፈሳዊ ጕዕዞ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንን ሕይወት ሕዝበ ክርስቲያንን ፈተና ምስ መከራ ዝበዝኆ ምዃኑ ባዕሉ ጐይታናን አምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ “ዓለም ክትጸልኣኩም እያ” ክብል ኣቐዲሙ ምሂሩና እዩ። (ዮሐ. 15፡19)
ጉባኤ ምእመናን ብርቱዕ ትምህርተ ወንጌል ክሕነፅ ከሎ፡ ነፍሲ ኣማኒ ቃለ እግዚአብሔር ተመጊባ መንገዲ ንስሓ ክትኅዝ ከላ፡ መናፍቅ ተረቲዑ ክምለስ ወይ ክፍለ፣ ዓላዊ ክኣምን፣ አንቀጸ ሰማያት ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ክትሕነፅን ክትግልገልን ከላ ዲያብሎስ ስቅ ምባል ኣይክእልን’ዩ።
ኣብ መዋዕለ ስብከቱ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ነቶም ብርሃናተ ዓለም ንኽኾኑ ብቅዱስ ቃሉ ዘሠልጠኖም ቅዱሳን ሐዋርያት ብዙኅ ጊዜ ሰይጣን ክፍትኖም ስቅ ምባል ይስእን ከም ዝነበረ ክነግሮም ከሎ በኣንጻረ ቅዱስ ጴጥሮስ “ስምዖን ስምዖን እንሆ ሰይጣን ከም ሥርናይ ክሓሕየኩም ተመነየ” በሎም። (ሉቃ. 22፡31)
ጸላኤ ሠናያት ሰይጣን፡ ካብ ዓለመ መላእክት ጀሚሩ ክሳዕ ሎሚ ንልዕሊ 7500 ዓመት፣ ፀረ አምልኮተ እግዚአብሔር ተሰሊፉ እዩ። ክሳዕ ምጽአተ ክርስቶስ’ውን ገና ክስለፍ እዩ።
ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ግና ኣብ ዘመነ ብሉይ ብሕገ ልቦናን ሕገ ኦሪትን፣ ኣብ ዘመነ ሓዲስ ብሕገ ወንጌል እናተመርሐት ሃይማኖታን ሥርዓታን ትውፊታን ሓልያ ካብ ዘመን ናብ ዘመን ትሰጋገር ኣላ። ነፋሳት ሲኦል ዘይኅይልዎ መሠረት እኳ እንተሃለዋ፡ ኣብዚ ዘመናት ግና ኣፍ ደገ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ሰይጣን ካብ ምኵሕኳሕ ስቅ ምባል ስኢኑ እዩ።
ኣብ ዓላዊ ንጉሥን መናፍቅ ጳጳስን እናኃደረ ኣብ ሕዝበ እግዚአብሔር መከራ ከምዘበርትዐን ክሳብ ሞት ከም ዘብጽሐን ታሪኽ ቤተ ክርስቲያንና ይትርኸልና። (ግብ. ሓዋ. 5፡17፣ 7፡54)
ኣብዚ ዘመንና’ውን ብመናፍቓዊ ትምህርቲ ልቦም ዘኽበዱ መናፍቓን ቅድም ከም ጸጕሪ በጊዕ ዝተኸድነ ተዅላ ኣብ ሕቍፊን ጽላልን ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኤርትራ ኮይኖም ብሥውር ዕላማ ዝገበርዎን ሕጂ’ውን ብማዕዶ ዘልዕልዎ ዘለዉ ፈተናን ኣካል ናይ ስቅ ዘይምባል ጠባይ ሰይጣን እዩ።
ኣብኦም እናኃደረ፡ ነቶም ከም ቅዱስ ዮሐንስ መጥምቅ ስምዐ ጽድቅ ኮይኖም ምስ ዓለምን ሥጋን ሄሮድያዳ ኪዳን ዘለኩም ኣፍርሱ ዝብሉ፣ ከም ገማልኤልን ኒቆዲሞስን መምህራነ ሕግ ኮይኖም ርቱዕ ትምህርቲ ኣይኮነን፣ ጥንታዊ ሕግና ኣየፍቅደልናን እዩ” ኢሎም ዝቃወሙ መገብቲ ሃይማኖት ኣቦታት ከጸልምን ተሰማዕነት ንኽስእኑ ክጽዕርን ስቕ ኣይብልን ዘሎ። ስቕ ምባል ዝሰኣነ ዲያብሎስ ጸለመ እናነዝሐ ኣብ ሕዝበ ክርስቲያን ዘርኢ ጽልእን ጥርጥርን ክዘርእ፣ ዝናም ሓሶት ከዝንም፡ ነፋሳት ጠቀነን ጸለመን ከንፍስ ግድን እዩ።
እንተኾነ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ንደቃ ኣብ ጊዜ ፈተና እተዘኻኽሮ ትምህርቲ ብቅዱስ ጳውሎስ ዝተነግረ ቃል እዩ። “ሰብ ክፆሮ ዘይኽእል ፈተና ኣይበጽሓኩም እዩ። ኣምላኽ እሙን እዩ እሞ፡ ምስቲ ፈተናኹም ምጽዋሩ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ መውፅኢ ገይሩልኩም ኣሎ፡ ካብ ዓቕምኹም ንንየው ክትፍተኑ ኣይኃድገኩምን እዩ” 1ይ ቆሮ. 10፡13።
መጽሐፈ መነኮሳት ዝህቦ ቃለ ምዕዳን ኣሎ። መነኮስ ኣብ ገዳም ክምንኩስ ምስ ኣተወ ኣይውፃእ፣ ብላዕ ዝብል ፈተና እንተመጾ ይብላዕ፡ ደቅስ ዝብል ፈተና እንተመጾ ይደቅስ፡ ውፃእ ዝብል ፈተና እንተመጾ ግና ዓንዲ ኂዙ የእዊ ኢሉ ይምዕድ። ሎሚ ‘ውፃእ፡ርሓቅ፡ ተፈለ. . .’ ዝብሉ ቃላት ምኽሪ’ቲ እኩይ ምዃኖም ምስትውዓል ይግባእ።
ነዚ ጊዜን ንዅሉ እዋንን ዝኸውን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብቅዱስ ቃሉ ክምዕደና ከሎ፦ “ብኣይ ዘይዕንቀፍ ብፁዕ እዩ” ብምባል ኣጠንቂቑ ምሂሩና እዩ። (ማቴ. 11፡6 ፣ ሉቃ. 7፡23)
መሠረት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ከውሒ ክርስቶስ ኮይኑ ማዕበል ባሕሪ ዓለምን ኣናቅጸ ሲኦልን ዘይኅይሎ እኳ እንተኾነ፡ ናትና መሠረት ኣብዚ ከውሒ ድዩ ዋላስ ኣብ ሑፃ ዘሎ ምርግጋጽ ኣገዳሲ እዩ። (ማቴ. 7፡24-27 ፣ 16፡17-18 ፣ ራእ. 12፡18)
ስለዚ ሎሚ መሠረትና፡ ኣብታ ጸጋ ውልድነት ዘውሃበትና፡ ርትዕትን መሠረታዊትን ኣጽናፋዊትን ሓዋርያዊትን ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ክኸውን ይግባእ።
ልዑል እግዚአብሔር፡ ኣብ ርትዕት ሃይማንኖትና የጽንዓና!
ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ አሜን።