መፃጒዕ

Mar 15, 2020

ነዊኁካ ጊዜ፡ ምሥጢር ስኣን ምፍላጥ

ካብ ሰብ ደሊኻዮ ትንሣኤ ካብ ዓራት

ስኣን ሰብ ከኣ ኢልካዮ ነቲ 38 ዓመት

ክርስቶስ ምሳኻ ከሎ ገሣፂ ኵሉ ዘመድ።

መፃጒዕ ሕጂ’ውን በይነይ ‘የ ኣይትበል

ኣለው ብዙኃት ንዓኻ ዝመስሉ

ኣብ ታሪክ ትማልኻ ብፍላጥ ዝነብሩ

ብጸሎት ቅዱሳን ክንዲ ዝምኅፀኑ

ካብ ጎዶቦ ምሕረት ዝልምኑ። 

በይንካ ኣይኾንካን ኣይትበል በይነይ’የ

መንከ’ኣሎ ሎሚ ንዓኻ ዘይመሰለ

ንዘይፈልጡ ከም ዝፈልጡ ዝቈጸረ

ብመርዚ ቃል መናፍቃን ዘይተጠበረ።

በይንኻ ኣይካንካን ብዙሓት እዮም ንዓኻ ዝመሰሉ

ንኃዳጌ ኃጢኣት ቁርባን ዘይቅበሉ

ካብ ምሥጢረ ቀንዴል ቤት ጠንቋሊ ዘቐደሙ

ንካህናት ገዲፎም ንሓሰውቲ ነብያት ዝኽድሙ።

ኣማናዊት ቤት ሳይዳ ኣብ ጥቓኦም እናሃለወ

ካብ ነግህ ክሳብ ሠርክ ንምሕረት እናተራሕወ

ኵሉ ኣብ ሙዳያ ከሎ ንዕኦም ግን ኮይኑ ከምዘየለ

ክንደይ ክብሃል መፃጒዕ ሎሚ ንዓኻ ዝመሰለ።

ኣድባራት ገዳማት ሃገርና ጸጋኡ ዝዓዘዘ

ብጸበል ማየ ጸሎት ክንደይ ዘይምሓረ

ሰብ ኣየድልየካ’ዩ ሎሚ ሰብ ኣይትድለ

ትጋህ ጥራይ ብእምነት’ዩ እቲ ዘይርአ ዝርአ።

ህድእ በል ክትሓዊ እንተ ደሊኻ

ማዕበላት ዝግሥፅ ሎሚ’ውን ኣሎ ምሳኻ

ከም ቤት ኣይሁድ ኣይትኹን ግዛእ ሥጋኻ

ከም ቤት ኣይሁድ ኣይትኹን ምለኽ ርእስኻ

ፈቃደ እግዚአብሔር ሕተት ቅድሚ ምውሳንካ።

ልዝብ በል ሃዲእኻ ኣጣልል

ኢሎሙኒ ገዲፍካ መጻሕፍቲ ገናጽል

ኣብ’ዚ ዘመን ምህሮ ዘመን ፍልጠት

መፃጕዕ ኣይትኹን ሊቃውንት ሕተት።

ንመን ጠቂሙ ብስምዒት  ሆ ምባል

ብስብከት ቤት ኣይሁድ ውነኻ ምትላል

ጽባሕ ድኅሪ ትንሣኤ ተጋግየ ከይትብል

ብጥብኣት ተረዲእካ ተጸበ ተኣምረ ልዑል።

ካብ ሰብ እናተተስፈኻ ሰብ የብለይን ኣይትበል

ተስፋኻ ብእግዚአብሔር ይኹን ኣብ ሰብ ኣይትወከል

ጥዕና የብሉን ኢሉ ኣይክልክለን’ዩ ግብኣተ ቤቱ

ጽሩይ ልቢ እምበር ጽሩይ ክዳን ኣይኾነን ሚዛን ናቱ። 

ህድእ በል መፃጕዕ ቃንዛኻ ተጸመሞ

ነቲ ቃል ጐይታ ኣብ መገዲ ኣይትሰንድዎ

ኣዕዋፍ ኣለዋ ሎሚ ዘርኢ ዝለቕማ

30፡60፡100 ንከይፈሪ ብንግሆኡ ዝወፍራ።

ተጸበ ተጸበ ብህድኣት ብትዕግሥቲ

ትርእዮ እንዲኻ ዘሎካ እዚ እዋን ክመሲ

ህድእ በል ዓራት እዚ ዓለም ጣዕሚ ኣይትድለየሉ

ኵሉ ኣይፈልጦን ‘ዩ ነዚ ጊዜ ዘንብብ’ዩ ዘስተውዕለሉ።

ሓንቲ ዓይንኻ ስኢንኻ መንግሥተ ሰማያት ይኃይሽ

ካብ እርኢ ኣለኹ እናበልካ ብኻልእ መንገዲ ተላግስ

ሓንቲ እዝንኻ ስኢንኻ ዘለዓለማዊ ሕይወት ይበልጽ

ካብ እናሰማዕካ ብጋሻ እምነት ተንደልህጽ። 

ኣብ ዓውደ ምሕረት’ውን እኮ ኣለው ዝመፅጒዑ

ካብ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን፡ ዝብሉ ንዓይ ስምዑ

ቤት መበለታት እናኣተው ስም ሰብ ዘኽፍኡ

ካብ ሽግር ምፍታሕ ኣብ ምፍጣሩ ዝደኽሙ። 

ኣለው ከማኻ መፃጕዕ ተስፋ ዘርኃቑ

ንእግዚአብሔር ክንዲ ርኂቐዮ ርኂቑና ዝብሉ

ጸጋኡ ስኣን ምፍላጥ ካብ በረኸቱ ዝርኅቁ

ምስትምቃር ዝስኣኑ ነቲ ዓቢይ ምሕረቱ።

እሞ ሎሚ ህድእ በል ትዕግሥቲ ኣጥሪ

ፈቐድኡ ኣይትኺድ ጥዕና ኽትደሊ

ሕማም ኣይክልክልን እዩ ንምውራስ መንግሥቱ

ታሪኽ ዘክር፡ ካብ ነዌ ንኣልኣዛር ከም ዝፈቱ።

ስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል፡ ወለወላዲቱ ድንግል፡ ወለመስቀሉ ክቡር ወኃያል፡ አሜን!

ዘመነ ዮሐንስ 24 መጋቢት 2012 ዓ.…

April
Thursday
2
ዝክር፦ አባ መቃርስ ሊቀ ጳጳሳት፡ ወአፈድፈዱ ምክረ ላዕለ እግዚእነ። ዘቅዳሴ ምንባብ፦ ገላ. 4፡12-20 1ይ ጴጥ. 1፡21-ፍጻሜ ግብ. ሐዋ. 5፡12-16 ምስባክ፦ መዝ. 81/82 ወንጌል፦ ማቴ. 26፡1-5 ቅዳሴ፦ ዘ፫፻ት ግሩም።         *   *   *
 - 23:00 h
Ad Right

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

“ መድኃኔ ዓለም ”

  እግዚአብሔር አምላኽ ቅድሚ ኵሉ ዝነበረ’ዩ። ሰማያት ከይተዘርግሑ፡ ገጹ መሬት ከይተራእየ፡ ጐቦታት ከይቆሙ፡ ቀላያት ከይዓመቑን ወሓይዝ ከይወሓዙን ንሱ ብባህሪኡ ዝነበረ እዩ።...

7ይ ሰንበት ዓቢይ ጾም፡ ‘ኒቆዲሞስ’

  ኣብ ዓቢይ ጾም ካብ ዘለዋ ሸሞንተ ሰናብቲ፡ እታ ሻብዓይቲ ሰንበት ‘ኒቆዲሞስ’ ትብሃል። ኣብዛ ዕለት’ዚኣ ዚዝመርን ዚንበብን ዚወሃብ ትምህርትን ብዛዕባ ኒቆዲሞስ...

“ወእንዘ የሐውሩ ነጽሑ/ እናኸዱ ሓወዩ” ሉቃ. 17፡15

ጐይታናን አምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ኣብ መዋዕለ ስብከቱ ናብ ኢየሩሳሌም ክኸይድ ከሎ ብማእከል ሰማርያን ገሊላን ኃሊፉ፡ ናብ ሓንቲ ከተማ ኣተወ።...

በቴርጌላ ማርያም - ካብ ተላባዒ ሕማም ዝደኃነ ብጸሎት ማርያም!

ናይ እግዚአብሔር ምሕረት ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ጸሎት ምስ ኵልና ይኹን እሞ ኣብ መጽሐፈ ተአምረ ማርያም ካብ ዝሰፈሩ ተአምራት...

በቴርጌላ ማርያም - ካብ ተላባዒ ሕማም ዝደኃነ ብጸሎት ማርያም!

ናይ እግዚአብሔር ምሕረት ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ጸሎት ምስ ኵልና ይኹን እሞ ኣብ መጽሐፈ ተአምረ ማርያም ካብ ዝሰፈሩ ተአምራት...

መግለጺ ቅዱስ ሲኖዶስ

ቅዱስ ሲኖዶስ ብምኽንያት ሕማም ኮረና ቫይረስ ሓዲሽ መግለጺ ኣውጺዑ!

6ይ ሰንበት፡ ‘ገብርኄር’

  ሻዱሻይ ሰንበት ዓቢይ ጾም “ገብርኄር” ትበሃል። እዛ ሰንበት እዚኣ ‘ገብርኄር’ ዝተሰምየት፡ ማኅሌታይ ቅዱስ ያሬድ ኣብ ዝደረሶ ጾመ ድጓ፡ ብዛዕባ ቅኑዓት...

ገብር ኄር

  ኣብ ዓቢይ ጾም ኣብ ዝርከቡ ሸሞንተ ሰናብቲ እታ ሻድሸይቲ ሰንበትን ምስኣ ዘላ ሰሙን ገብርኄር ተባሂላ ትፍለጥ። ጐይታ ሠራዊት እግዚአብሔር ነዛ...

ገዳም ደብረ ጽጌ ወደብረ ድኁኃን አቡነ ዮናስ

ሀሎ አሐዱ ብእሲ በአሐቲ ሀገር እንተ ስማ ቡር ሀገረ መስቀል ዘስሙ ንዋየ እግዚእ ወስመ ብእሲቱ ኂሩተ ማርያም / ኣብ ‘ቡር...

ንግደት ኢየሩሳሌም ኣብ በዓለ ፋሲካ 2012 ዓ.ም.ግ. (2020 ዓ.ም.) ንዘይተወሰነ…

ብመሪሕነት ቅዱስ ሲኖዶስን ብማእከልነት ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ተማእኪሉ ዝካየድ ንግደት ናብ ሀገረ ቅድስት ኢየሩሳሌም፡...

ደብረ ዘይት - ነገረ ምጽአተ ክርስቶስን ኅልፈተ ዓለምን

ኣብ ዓመት ብዛዕባ ዳግማይ ምጽኣት ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከምኡ’ውን ኅልፈተ ዓለም ብፍሉይ እንዝክረሉ ሠለስተ ጊዜያት ኣለዉ። እቲ ሓደ...

“ወዝንቱ ዘመድ ኢይወፅእ ዘእንበለ በጾም ወበጸሎት። /እዚ ከምዚ ዝበለ ብዘይ…

 ዘለናዮ ቅንያት፡ ናይ ጐይታናን አምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጾም ኣብነት ብምግባር፡ ፈቃደ ሥጋና ብፈቃደ ነፍስና ኣግዚእና፡ ካብ አኃዜ ኵሉ ወብዙኀ...

  

latest articles

Tsinset (Annunciation – Feast of Incarnation)

In accordance with the cannon of the Church, one of the nine major feast days of Our Lord. it Tsinset (Annunciation...

The feast of presenting the lord Christ in the temple…

On this day we celebrate the feast of presenting the lord Christ to the temple after 40 days of his...

The Fast of Nineveh - Monday 10 – 12 February…

In Eritrean Orthodox Tewahdo Church, one of the seven fasting periods is the fast of Nineveh.

Mystery of Baptism

Baptism is the sacrament given to all who believe in the Mystery of the Trinity and the Mystery of Incarnation...

Mystery of Incarnation

Mystery of Incarnation means the mystery of the descending of God the Son who is one of the Trinity from...

Mystery of the Holy Trinity

The Eritrean Orthodox tewahdo Church has Five pillars of Mysteries through which it teaches and demonstrates its basic religious belief...

Welcome to the Feast of the Nativity of Our Lord…

Glory to God. When the appointed time of salvation and the foretold prophesies came to pass, God the Son come to...

In Memory of His Holiness Abune Yacob the Second Patriarch…

His Holiness Abune Yacob, the Second Patriarch was one of the reputable leaders of the EriOTC, a shining star of...

Fast of the Prophets (Advent)

15th November (geez calander), marks the first day of the Advent Fast, a period of abstinence and penance practiced by...

FASTING

Fasting is abstinence from all things that a body needs, and one has to fast from animal products and from...

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church (EriOTC)

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God. “We call our...

Holy of Holies Our Lady, the virgin Mary

The word holy (kidus) in Geez denotes being special, pure and esteemed. This prefix is an attribute to denote the...