Print this page

አዋጅ ምህላ ጾመ 40 ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያናት

Feb 17, 2020

“ቀድሱ ጾመ ወስብኩ ምህላ/እትጾሙሉ እዋን ፍለዩ ምህላ’ውን ኣውጁ” ኢዩ. 1፡14

ብኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ሕገ ቀኖና ኣብ ዓመት ካብ ዘለዉ ሾብዓተ ኣጽዋማት ብቀዳምነት ዝጥቀስ ዓቢይ ጾም ወይ ጾመ 40 እዩ።

እዚ ጾም እዚ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ገዳም ቆሮንቶስ ተወሲኑ 40 መዓልትን 40 ለይትን ዝጾሞ እዩ። (ማቴ.4፡1-2)