ስብሐት ለእግዚአብሔር!

Jan 05, 2020

እንቋዕ ናብ ብርሃነ ልደቱ ኣብጽሓና!
 
እቲ ዝተቈጽረ ሱባኤን ዝተነግረ ትንቢትን ፍጻሜኡ ምስ በጽሐ፡ በቲ ንሰብ ዝሃቦ ተስፋ (መጽ. ቀሌምንጦስ) ካብ ሠለስተ ኣካል ሓደ ኣካል እግዚአብሔር ወልድ ብፍሉይ ኣካሉ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ሥጋኣ ሥጋ፡ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ወሲዱ ኣብ ቤተ ልሔም ኣብ ዝተወልደላ ዕለት፣ ብልደቱ ኵሉ ፍጥረት ተሓጐሰ። ብዙኃት ሠራዊተ ሰማይ መላእኽት ‘ስብሐት ለእግዚአብሔር በሰማያት ወሰላም በምድር ሥምረቱ ለሰብእ/ ክብሪ (ምስጋና) ንእግዚአብሔር ኣብ ሰማያት፡ ኣብ ምድሪ’ውን ሰላም ይኹን፡ ኣብ መንጎ’ቶም ሥምረት ኣምላኽ ዘለዎም’ እናበሉ ምስቶም ኣብ መሮር ዝኃደሩ ጓሶት ሠሚሮም ኣመስገኑ። (ሉቃ. ፪፥፲፫/ 2፥13) “ዮም አሐደ መርዔተ ኮኑ መላእክት ወሰብእ ከመ ይሰብሕዎ ለክርስቶስ በቃለ አሚን፡ ሎሚ መላእክትን ሰብን ንክርስቶስ ምእንቲ ከመስግኑ ሓደ መጓሰ (ማኅበር) ኮኑ” (መጽ. ድጓ) ከምዝብል። 

ነቲ ብባህሪኡ ክቡር ዝኾነ ኣምላኽ “ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ሰማያት” ምባሎም ኣምላኽ ንዝኾነ ሥጋ ምስ አብን መንፈስ ቅዱስን ብሓድነት ምስጋናን ክብርን ይግባእ ንኽብሉ እዮም። “ኣብ ምድሪ'ውን ሰላም ይኹን” ኢሎም ምምስጋኖም ድማ ንሰብ ናፅነቱ ምእንቲ ክወሃቦ ኣብ ምድሪ ሰላምን ዕርቅን ተጀመረ፡ ተኣወጀን ተበሠረን ንኽብሉ እዩ። በዛ ክብርቲ ዕለት እዚኣ‘ውን ከም መላእኽትን ደቂ ሰባትን እቶም እንስሳታት ከይተረፉ “ዮም ተወልደ ቤዛ ኵሉ ዓለም፡ ዮም ተወልደ ከሣቴ ብርሃን፡ ዮም ተወልደ መድኃኔ ዓለም/ በጃ ኵሉ ዓለም ኮይኑ ብርሃን ዝህብ መድኃኔ ዓለም ሎሚ ተወልደ።” እናበሉ ብምምስጋኖም፡ ብሓፈሻ እዛ ዕለት’ዚኣ ኵሉ ፍጥረት ከም ሓደ ልቢ መኻሪ፡ ከም ሓደ ቃል ተናጋሪ ኮይኑ ንጐይታኡን ፈጣሪኡን ዘመስገነላ ዓባይ ዕለት እያ።

ልደት ጐይታ ከም ጋሻ ሃንደበት ዝመጸ ኣይኮነን። ካብ ሠለስተ ኣካል ሓደ ኣካል እግዚአብሔር ወልድ ካብ ሰማየ ሰማያት ከምዝወርድን፡ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ከምዝውለድን ኣቐዲሙ ብኅብረ ትንቢትን ምሳሌን ይንገር ነበረ። ነቢይ ኢሳይያስ፡ ‘ እግዚአብሔር ባዕሉ ትእምርቲ ኺህበኩም እዩ፡ እንሆ ድንግል ኪትፀንስ ወዲ ኸኣ ኺትወልድ እያ፡ ስሙ’ውን ኣማኑኤል ኺትሰምዮ እያ’ ይብል እሞ፡ ደጊሙ ድማ ‘እስመ ሕፃን ተወልደ ለነ ወልድ ተውህበ ለነ፡ ወቅድመት ኮነ ዲበ መትከፍቱ ወይሰመይ ስሙ ዓቢየ ምክር፡ አበ ዓለም፡ ወመልአከ ሰላም/ ማለት ንኣና ጠባይ ሕፃናት ሓልዩ ሕፃን ኮይኑ ተወሊዱልና፣ ወልድ ንኵነተ ሥጋ፡ ንሕማምን ሞትን ተዋሂብልና ” ክብል ተንብዩ ነበረ። (ኢሳ. ፱፡፮/9፡6) 

5500 ዓመት፡ ካብ ኣዳም ክሳብ ልደተ ክርስቶስ ዝነበሩ አበው ልደቱ ብዓይነ ሥጋ ኪርእዩ ተመነዩን ደለዩን። ግናኸ ዐረፍተ ዘመን ደሪትዎም ብዓይነ መንፈስ ጥራሕ ነቲ ዝረሓቐ ኣቕሪቦም ብኅብረ ትንቢትን ምሳሌን ጠሚቶም ተሓጒሶምን ኣመስጊኖምን ኃለፉ። “ኣብርሃም መዓልተይ ኪርኢ ተመነየ፡ ርእዩ ኸኣ ባህ በሎ” ከምዝብል። (ዮሓ. ፰፡፶፮/8፥56) 

‘ወአመ በጽሐ ጊዜሁ ፈነወ እግዚአብሔር ወልዶ ወተወልደ እም ብእሲት/ ጊዜኡ ምስ በጽሐ ድማ እግዚአብሔር ንወዱ ለኣኾ’ሞ ካብ ድንግል ማርያም ተወልደ’(ገላ. ፬፡፬/4፡4) እቲ ጊዜ ምስ በጽሐ ግና ሊቀ መላእክት ቅዱስ ገብርኤል ተላኢኹ መጺኡ ነታ እግዚአብሔር ዝኃረያ ቅድስት ድንግል ማርያም ብግብሪ መንፈስ ቅዱስ ንመድኃኔ ዓለም ከም እትፀንስን እትወልድን ኣብሠራ። 

ንሳ ድማ ምስኡ ድኅሪ ምዝርራብ ‘ ከምቲ ዝበልካኒ ይኹነለይ’ ምስ በለቶ፡ ኣካላዊ ቃል ወልደ እግዚአብሔር ካብ ሥጋኣ ሥጋ ካብ ነፍሳ ነፍስ ወሲዱ ኣብ ማሕፀና ኃደረ። ድኅሪ ትሽዓተ ወርኅን ኃሙሽተ መዓልትን ድማ ኣብ ቤተ ልሔም ተወልደ። (ማቴ. ፪፡፩-፪/ 2፡1-2) ዝርአን ዝድኅሠሥን ሰብነት ሃሊዎ ብጸቢብ ደረት ብሓፂር ቁመት ተወሲኑ፡ ኣብ መብልዕ ማል ደቂሱ፡ ብኣጭርቕቲ ተጠቕሊሉ ከም ልምዲ ሕፃናት ክበኪ ተሰምዐ። (መዝ. ፻፴፩፡፭-፮/132፡5-6) እዚ ነገር’ዚ ክንደይ ይረቅቕን ይዓሙቝን!

ልደት ጐይታ ቅድሚ ኵሉ ዝተበሥሩ ኣብ መሮር ዝኃደሩ ጓሶት እዮም። መልኣኽ እግዚአብሔር ተገሊጹ፡ መርገመ ሥጋን መርገመ ነፍስን ዘርሕቕ በረከተ ሥጋን በረከተ ነፍስን ዝዕድል መድኃኔ ዓለም ክርስቶስ ሎሚ ብምውላዱ፡ ንዅሉ ሕዝቢ ዓቢይ ሓጐስ ከምዝኸውን ኣበሠሮም። እቶም ጓሶት ድማ ቀልጢፎም ናብ ቤተ ልሔም ብምኻድ ንጐይታን ንኣደኡ ቅድስት ድንግል ማርያምን ረኺቦም፡ ንእግዚአብሔር እናኣመስገኑን ንሕዝቢ እናነገሩን ተመልሱ። 

ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታ ሰማይን ምድርን ብምዃኑ ብልደቱ ካብ ሰማያውያንን ምድራውያንን ገጸ በረከት ቀሪብሉ እዩ። ለይትን መዓልትን ብዘይ ምቍራጽ ዘመስግንዎ ሰማያውያን ቅዱሳን መላእክት ‘ስብሐት ለእግዚአብሔር’ እናበሉ ህያብ ምስጋና ከቕርብሉ ከለዉ፡ ምድራውያን ሰብአ ሰገል ድማ ወርቂ፡ ዕጣንን ከርቤን ኣምጽእሉ። እዞም ብኮከብ እናተመርሑ ብወገን ምሥራቅ ዝመጹ ሰብአ ሰገል፡ ነቲ ዝተወልደ ሕፃን ምስ ኣደኡ ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ርኣይዎ ንኣምላኽነቱ ዝግባእ ስግደት ሰጊዶም፥ ወርቂ፡ ዕጣንን ከርቤን ገጸ በረኸት ሃብዎ። ንጉሥ ኢኻ ኽብሉ ወርቂ፡ ኣምላኽ ኢኻ ኽብሉ ዕጣን ከምኡ’ውን በቲ ዝለበስካዮ ሥጋ መሪር ሞት ክትጥዕም ኢኻ ኽብሉ ከርቤ ኣምጽእሉ። ናብ ዓዶም ድማ መንገዲ ክልተ ዓመት ዝተጓዓዝሉ ሓፂር መንገዲ ተገሊጽሎም ብኣርብዓ መዓልቲ፡ ብኻልእ ኃይለ ቃል ‘ኣበይ ኣሎ’ እናበሉ መጺኦም ‘ረኺብናዮን ርኢናዮን’ እናበሉ ከምኡ’ውን ብኻልእ ሃይማኖት ‘ንጉሠ ኣይሁድ’ እናበሉ መጺኦም ‘ኣምላኽ’ እናበሉ ብምስጋና ተመልሱ። (ማቴ. ፪፥፩-፲፩/ 2:1-11 ) 

ስለዚ ሕዝበ ክርስቲያን! ንሕና ድማ ናብታ ብቤተ ልሔም ትምሰል ቤተ ክርስቲያን ከም ሰብአ ሰገል ብወርቂ ዝምሰል ቅኑዕ ሃይማኖት፣ ብዕጣን ዝምሰል ጽኑዕ ተስፋን ብከርቤ ዝምሰል ሥሙር ፍቕርን ኂዝና ኽንቀርብ ይግብኣና። ዓመት መጸ በዓለ ልደት ‘ስብሐት ለእግዚአብሔር’ እናበልና ብመዝሙር ምስጋና ከነኽብሮ ከሎና ከምዝኃለፈ ታሪኽ ንመዘከርታ ኣይኮነን። ልክዕ ሎሚ ከምዝኾነ ገይርና ከምቲ ናይ ሽዑ ኣብ ቤተ ልሔም ብዝነበረ ኵነታት፦ “ዮም ፍሥሐ ኮነ በእንተ ልደቱ ለክርስቶስ / ሎሚ ብልደት ክርስቶስ ሓጐስ ኮነ” ብማለት “ሎሚ” እናበልና ኢና ነኽብሮ። 

ኵሉ ጊዜ፡ ንበዓል በዓል ዝገብሮ ናይ ምድላዋትና ድምቀት፡ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ምብላዕን ሰቲኻ ምስካርን ናይ በጊዕን ደርሆን መልክዕ ምፍልላይ ዘይኮነስ ዓቕምና ብዝፈቕዶ ንጽጉማትን ዘኽታማትን ምስ እንረድእ እዩ። ብምስጋና ቅዱሳን መላእኽቲ “ስብሐት ለእግዚአብሔር በሰማያት ወሰላም በምድር ሥምረቱ ለሰብእ’ እናበልና ብጸሎተ ቅዳሴ መሥዋዕቲ ምስጋና ነቕርበሉ። ከመይ! ኣብ ክንዲ እቲ ብልደቱ ዝገበረልና ሠናይ ኵሉስ፡ እንመልሰሉ ውሬታ “ስብሐት ለእግዚአብሔር/ ምስጋና ንእግዚአብሔር” ምባል ስለዝኾነ! (መዝ. ፻፲፭፡፲፪/ 116፥12)

እወ! ዕላማ ተፈጥሮ ሰብ ንኣምላኹ ኣመስጊኑ መንግሥቱ ንኽወርስ እዩ። ልበ ኣምላክ ዳዊት ክምዕድ ከሎ “ንእኡ ምምስጋን ጥዑምን ግቡእን እዩ” (መዝ. ፻፵፮፡፩/ 147፥1) ከምዝበሎ ሰብ፡ ብኵሉ ናብራ ሕይወቱ ስለ ኵሉ ነገር ኵሉ ሳዕ ከመስግን ግቡኡ ጥራሕ ዘይኮነስ ጣዕሚ ዘለዎን ክብረት ዘውህብን እዩ። (ኤፌ. ፭፥፳/5፡20) 

ከም ኃጢኣትና ከይቀጽዐ፡ በቲ ብልደቱ ዝረኸብናዮ ጸጋ ከምቲ ዓቢይ ምሕረቱን ብዙኅ ርኅራኄኡን ነዊኅ ትዕግሥቱን እናሓለወን እናመርሐን፡ ክሳዕ እዛ ሰዓት እዚኣ ስለዘጽንሓና፡ ንጸላም ለይቲ ብሰላም ኣኅሊፉ ናብ ብርሃን መዓልቲ፡ ብመዓልቲውን ኵሉ ሥራሕናን ንጥፈታትናን ኣሣሊጡ ናብ እነዕርፈሉ ለይቲ ስለዘብጽሓናን፣ ኣብ ምእታውናን ምውፃእናን ስለዝሓለወና፡ ብሓፈሻ ናብራ ሕይወትና ካብቲ ዝደቐቐ ክሳብ’ቲ ዝዓበየ ኵሉ ግብሪ እግዚአብሔር ስለዝኾነ፡ ኣብ ውሽጢ ጸልማት ብርሃን እናተተስፈና፣ ንዝበጽሓና መከራ ብሓጐስን ትዕግሥትን እናተቐበልና ስለ ኵሉ ነገር “ነፍሰይ ንእግዚአብሔር ባርኺ፡ ነቲ እተገብረልኪ ሠናይ ኵሉ ከኣ ኣይትረስዒ” እናበልና ከነመስግን ይግብኣና። (መዝ ፻፫፡፪/ 103፥2) 
በረከተ ልደቱ ከሳትፈናን ናይ ምስጋና ሕይወት ኪንመርሕ ጸጋኡ ከብዝኃልናንን ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና፡ አሜን!


                                                   ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!

ዘመነ ዮሐንስ 16 የካቲት 2012 ዓ.…

February
Monday
24
ዝክር፦ ዕረፍታ ለኤልሳቤጥ እሙ ለዮሐንስ መጥምቅ፡ ወበዓለ እግዝእትነ ማርያም በዘነሥአት ኪዳነ። ዘቅዳሴ ምንባብ፦ ገላ. 3፡17-ፍጻሜ። 2ይ ዮሐ. 1፡1-7። ግብ. ሐዋ. 1፡12-14። ምስባክ፦ መዝ. 88/89 ዓዲ መዝ. 67/68 ወንጌል፦ ሉቃ. 1፡39-56። ቅዳሴ፦ ዘ፫፻ት ግሩም። * * *
00:00 h
Ad Right

  

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ኪዳነ ምሕረት

ኪዳን ፦ “ተካየደ” ካብ ዝብል ግእዛዊ ግሢ ዝወፅአ ኾይኑ፡ “ተመሓሓለ፡ ተሰማምዐ፡ ተወዓዓለ” ማለት እዩ። ኪዳን፥ ንኽልተ ሓደ ዝገብር ናይ ፍቕርን...

ቀዳማይ ሰንበት ዓቢይ ጾም፡ ዘወረደ 

ቀጥታዊ ትርጕሙ ‘ዝወረደ’ ማለት እዩ። እዚ ድማ ምእንቲ ድኅነተ ዓለም፡ ካብ ሠለስተ ኣካል ሓደ ኣካል እግዚአብሔር ወልድ ብፍሉይ ኣካሉ ካብ...

ዓቢይ ጾም

ሓደ ካብ ሾብዓተ ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ዓቢይ ጾም እዩ። እዚ ጾም እዚ ፈጣሬ ሰማያትን ምድርን፡ ጐይታ ጐይቶትን ኢየሱስ ክርስቶስ ድኅሪ...

ዓቢይ ጾም፡ ካብ ሰኑይ 16 የካቲት ክጅመር እዩ!

ብኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ሕገ ቀኖና፡ ኣብ ዓመት 7ተ ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ኣለዉ። ነዞም ኣጽዋማት ኵሉ ክርስቲያን ክጾሞም ኣብ ፍትሓ...

ኪደት መንፈሳዊ ኮሌጅ ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ ተገምጊሙ!

12 የካቲት 2012 ዓ.ም.ግ (20 የካቲት 2020 ዓ.ም.)፡ ኪደት መንፈሳዊ ኮሌጅ ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ ዝግምግም ጉባኤ፡ ብፁዓን አቦታትን ኣባላት...

ሓዋርያ ቅዱስ ያዕቆብ ወልደ እልፍዮስ

ያዕቆብ ማለት አኀዜ ሰኰና አዕቃጺ (ሓንኳሊ) ማለት እዩ። ነገዱ ካብ ነገደ ጋድ ሃገረ ስብከቱ ኢየሩሳሌም ዕረፍቱ 10 የካቲት ቍጽሩ ካብ...

አዋጅ ምህላ ጾመ 40 ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያናት

“ቀድሱ ጾመ ወስብኩ ምህላ/እትጾሙሉ እዋን ፍለዩ ምህላ’ውን ኣውጁ” ኢዩ. 1፡14 ብኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ሕገ ቀኖና ኣብ ዓመት ካብ ዘለዉ ሾብዓተ...

ሠራሕተኛታት ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ናብ ገዳም ደብረ ጥሉል አቡነ…

05 የካ 2012 ዓ.ም.ግ (13 የካ 2020 ፈ.) ሠራሕተኛታት ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ናብ ገዳም ደብረ ጥሉል አቡነ አብራንዮስ (እንዳ...

በዓለ ስምዖን ኣረጋዊ - 8 የካቲት

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ነፍስን ሥጋን ተዋሒዱ ምስ ተወልደ፡ ሕጊ መጽሓፋዊ ንምፍጻም ኣብ 40 መዓልቱ፡ መሥዋዕቲ...

ክብረ በዓል ገዳም አቡነ እንድርያስ ሰፍኣ ተኸቢሩ!

ዓመት መጸ 1 የካቲት ዝበዓል ዝክረ ዕረፍቲ ኣቡነ እንድርያስ ሎሚ ዓመት 2012 ዓ.ም. እውን ብዓቢይ መንፈሳዊ ክብሪ ተኸቢሩ! ኣብዚ ክብረ በዓል...

ዕለታት ጾመ ነነዌ

ጾመ ነነዌ ሓደ ካብቶም 7ተ ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ቤተ ክርስቲያን እዩ። ጾመ ነነዌ ኵል ሳዕ ዓቢይ ጾም ቅድሚ ምእታዉ ቅድሚ...

ንዑ ደቂቅየ ወስምዑኒ . . እመሀርክሙ - ታሪክ ሰብአ ነነዌ…

እግዚአብሔር ዝፈትወኩም ሕፃናት ከመይ ኣሎኹም፧ ናብዚ ሰዓትን እዝን ዕለትን ብሰላም ዘብጸሓና እግዚአብሔር ዝኸበረን ዝተመስገነን ይኹን። ልበ ኣምላክ ኣቦና ቅዱስ ዳዊት...

  

latest articles

The feast of presenting the lord Christ in the temple…

On this day we celebrate the feast of presenting the lord Christ to the temple after 40 days of his...

The Fast of Nineveh - Monday 10 – 12 February…

In Eritrean Orthodox Tewahdo Church, one of the seven fasting periods is the fast of Nineveh.

Mystery of Baptism

Baptism is the sacrament given to all who believe in the Mystery of the Trinity and the Mystery of Incarnation...

Mystery of Incarnation

Mystery of Incarnation means the mystery of the descending of God the Son who is one of the Trinity from...

Mystery of the Holy Trinity

The Eritrean Orthodox tewahdo Church has Five pillars of Mysteries through which it teaches and demonstrates its basic religious belief...

Welcome to the Feast of the Nativity of Our Lord…

Glory to God. When the appointed time of salvation and the foretold prophesies came to pass, God the Son come to...

In Memory of His Holiness Abune Yacob the Second Patriarch…

His Holiness Abune Yacob, the Second Patriarch was one of the reputable leaders of the EriOTC, a shining star of...

Fast of the Prophets (Advent)

15th November (geez calander), marks the first day of the Advent Fast, a period of abstinence and penance practiced by...

FASTING

Fasting is abstinence from all things that a body needs, and one has to fast from animal products and from...

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church (EriOTC)

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God. “We call our...

Holy of Holies Our Lady, the virgin Mary

The word holy (kidus) in Geez denotes being special, pure and esteemed. This prefix is an attribute to denote the...

HOLY SCRIPTURES (part one)

All Scriptures are written with the inspiration of the Spirit of God or the breath of God. They are also...